S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መበል 80 ዓመት ጽንብል ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ

ናይ 80 ዓመት ዕድመ፣ 60 ዓመት ምንኩስናን 20 ዓመት ጳጳስ ኮይነም ካብ ዘገልግሉን  ኣብ ዝብል ሰለስተ ኣርእስቲ ዝተመርኮሰ  ጽንብል ንብፁዕ ኣብነ መቃርዮስ ዝምልከት በዓል ጽምብል ሰንበት ግንቦት 1, 2011 ኣብ

ክራውን ፕላዛ ሆተል ንው ጀረሲ ተኻይዱ። እዚ መደብ ብናይ ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ  መንበር ጵጵስና .ኣሜርካ እዩ ተኻይዱ። ዕድማት ካብ ኩሉ ዞባ ኣሜርካ እዮም መጺኦም፡ ኣርባዕተ ጳጳሳት ልዕሊ 35 ካህናትን ኮፕቲክን: ኤርትራውያንን: ኢትዮጲያውያን ከምኡ ዉን ልዕሊ 400 መእመን ኔሮም። ኣብ መድረኽ ብምውጻእ ብዙሓት ካብ ጳጳሳት ክሳብ መንእሰያት ብህይወት ኣገልግሎትን ብፁዕ ኣቦና ልቢ ዝትንክፍ ምስክሮም ኣስሚዖም።

ከምኡውን ብወገን ኤርትራውያን ብዝሕ ዝበሉ ተቀማጦ ኒውዮርክን ንውጀረሲን ካብ ርሑቕ ዝመጹን ተሳቲፎም። ብሕልፊ ኣዴታት ኒውዮርክ ብዕልልታ እናገበራ፡ ኣቦታት ብጣቖዒትን ነቲ ዝነብረ ኣደራሽ ነቅኒቆሞ።

ብውገን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክ ተዋሕዶ መንበር ጵጵስና . ኣሜርካ ንቀሺ ኣትናቴዎስ ገብረኣብ ድማ ልኡኽ ብምስዳድ ቃሎም ኣስሚዖም።  በዚ ፈታኒ ጊዜ ነቲ ብዕላዊ ፖትርያርክነት ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ጠጠው ኢለን ንዘለዋ ቤተ ክርስቲያናት ብፁዕ ኣቦና ጓሳ ብሙኻን ይኣልይወን ምህላወን ተጠቂሱ።  ከምኡ  ውን በዚ ፈታኒ ጽንኩርን ጊዜ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ዝሓልፍዎ ዘለዉ ተጠቂሱ። ካብቲ ክዝከር ዘለዎ ነጥቢ ድማ ቃል ብፁእ ኣቦና ኣብ ኣብ ፍትሓት ነቶም ልዕሊ 400 ሚእቲ ኣብ ገማግም ልብያ ህይወቶም ዝሰኣኑ መጸናንዒን ኣባዲን ዝኾነ ቃላት ብምስምዖም ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጊዜ ጸልማት መልእክቲ ብርሃን ኣምላኽን መጽናንዕን ኮይኖም እዮም።

ብፁዕ ኣቡነ ዳዊትን ካልኦት መተዓይይቶም ጳጳሳትን ቃል ምስክሮም ኣድናቅነቶም ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝተፈጸመ ዕዉት ዕዮ ኣምላኽ ብእኦም ዝተዓየ ፍጻሜታት ኣስሚዖም። ኣቡነ ዳዊት ድማ ንዘሎ ኩነታት  ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ብምጥቃስ፡ ብዘይ ኣቡነ እንጦንዮስ ካልእ ፖትርያርክ ኣይንፈልጥን ኢሎም። እዚ መልእክቲ ምስ ተሰምዔ ኩሉ እቲ ዕዱም ሓፍ ብምባል ብጣቕዒት ንቓሎም ደገፍ ሂቡ።

ንብፁዕ ኣቦና መቃርዮስ  ዕድመን ጥዕናን  ኣስልጦ ዕዮን ንምነየሎም።

ነዚ ፈታ ኩነታት ሓሊፎን ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ኣብቲ ንቡር ዕዮ ክምለሱ ንትምነ።

ኣምላኽ ንቤተ ክርስቲያና/ ሃገርናን ይሓሉ

ክብርን ምስጋናን ንኣምላኽ ይኹን!

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div