S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ክብረ በዓል ደብረ ግእዛን መድኃኔ ዓለም ኣትላንታ 2011

ናብ ምእመናን ሕዝበ ክርስቲያን፡

ብሩኽ በዓል ትንሳኤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ይግበረልና። ቀጺልና April 8 – 10,  2011 (ምያዚያ -  2003 .. ግእዝ) ከምቲ ልሙድ ዓመታዊ ክብረ በዓል ደብረ ግእዛን መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ኣትላንታ ዝኽበረሉ ዕለት ስለ ዝኾነ ኩሉኹም ናብዚ መንፈሳዊ በዓል ንኽትሓብሩና ትዕደሙ።

ትርጉም እዚ በዓል መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ኢሉ ክብሪ ሰማያት ራሕሪሑ ሥጋና ለቢሱ ከድሕነና ዝኸፈሎ ዋጋ ዘዘክረና እዩ። ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ኅዋርያ ኣብ ወንጌል 316 ዝብሎበቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዘበለ ዅሉ ናይ ዘልዓለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር ከይጠፍእሲ ኣምላኽ ንወዱ በጃ ክሳዕ ዝህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።ስለዚ ንድሕነትና ዝተኸፍለ ዋጋ እናዘከርና ነዚ በዓል ተሳተፍቱ ንኹን።

መደብ   መርሓ ግብር   04/08 - 4/10/2011    

ዓርቢ: 600 - 900 . . ዋዜማ ብሊቃውንቲ ቤተክርስቲያን

ቀዳም

  • 300 - 800   ስብሓታትን ማሕሌትን
  • 800 - 1030  ቅዳሴ
  • 1030 - 1200 ስብከትን ዑደት
  • 1200 - 500  .. ምሳሕ/ንግደት

ሰንበት፡

900 -100 . . ቅዳሴን ብብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝቐርብ ፍሉይ ትምህርቲ ንወለድን መንእሰያትን።

ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ 3 ፓትርያርክ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ብጥዕናን ሰላምን ይሓልወልና!

ንብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብዚ ናይ ፈተና እዋን፡ ዕድመን ጥዕናን ሂቡ፡ ኣብ ኣገልግሎቶም ኣሳልጦ ይሃብ!

ንቤተክርስቲያንናን ሃገርናን ድማ ሰላሙ የስፍን።

በረኸት ኣምላኽ ምስ ኩልና ይኹን ! ሰበኻ ጉባኤ  .... ኣትላንታ

 

ደብረ ግእዛን መድኃኔ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣትላንታ።                                                     

1904 South Stone Mountain Lithonia, Rd. Lithonia, GA.30058                                                                                                                                        P.O.Box 1385 Redan Ga. 30074 Ph 678-984-4665 Fax 770-828-0646 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div