S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

በዓል መስቀል ኣብ ከተማ ኣትላንታ ብድምቀት ተኸቢሩ!

"ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ” (1 ቆሮ 1.18)

ሰንበት 17 መስከረም ግእዝ (27 መስከረም 2009 ፈረንጂ) ብዝሒ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ቀጽሪ ደብረግእዛን ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ ዓለም ከተማ ኣትላንታ በዓል መስቀል ብድምቀት ተኸቢሩ። ኣብቲ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ መእመናንን መዘምራን ብሊቀ ካህናት ቀሺ ገብረሚካኤልን ቀሺ / ኣስመሮምን እናተሰነዩ፣ ድያቆናትን መዘምራን ድማ ብኸበሮን ጸናጽልን መዛሙር እናዘመሩመሰቀል ጽንእነ መሰቀል ቤዛነ መስቀል መድሃኒተ ነፍስነ…“ እናበሉ ነቲ በዓል ኣኽቢሮሞ። ኣብቲ ዳሜራ ተዳልይሉ ዝነበረ ቦታ ምስ በጽሑ ድማ ጸሎትን ቡራኬን ተኻየደ ነታ ተዳሊያ ዝነብረት ሽግ ድማ ሊቀ ካህናት ወሊዖማ።

ዓቢኡን ንእሽተኡን ብሓባር ብምዕሩግ ኣገባብን ብመዛሙርንመስቀል ሓይልና፡ ሰስኑ ሰስኑ ሽሕን ዋልታን ኹኑ፡ ሆየ! ሆየ!..” ብዝብል ዝተፈላለየ ባህላዊ መግለጺታትን ዘደስት ዑድት ተካየዱ። እቲ ዝነበረ ሃዋህውን ኣገባብን ምስቲ ማእከላይ ክሊማ ተደሚሩ ብሓቂ ዘደስት እዩ ነይሩ። ኣብ ዓዲ እምበር ኣብ ምድሪ ስደት ዘለኻ'ውን ኣይመስልን እዩ። ንዓመታ ከምዚ እዋን የጽንሓና ኢልና ድማ በዓልና ዛዚምናዮ።

ክብርን ምስጋናን ሎምን ኵሉ ሳዕን ንዘልዓለም ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ይኹን።

ነቲ ቤተ ክርስትያን እትሓልፎ ዘላ ኩነታት ኣምላኽ ናብ ራህዋን ፍትሕን ለዊጡ፣ ንሃገርና ሰላም ክህባ ንትምነ። ጸጋን ጥዕናን ንብፁእ ውቅዱስ ሣልሳይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ይሃበልና።

ስእላዊ መግለጺ ንምርኣይ ኣብዚ ተወከስ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div