S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓሙሽተ መነኮሳት ገዳም ደብረ ጽጌ ኣቡነ ዮናስ ተኣሲሮም

ሓሙሽተ መነኮሳት ገዳም ደብረ ጽጌ ኣቡነ ዮናስ ኣብዚ ቀረባ እዋን ተኣሲሮም። ንሳቶም፡

1. መምህር ዕንቈ-ብርሃን ተወልደ

2. ኣባ የማነ ብርሃን

3. ኣባ ተክለብርሃን

4. ኣባ ኣብርሃም

5. ኣባ ዮናስ ዝተባህሉ መነንቲ መነኮሳት ክእሰሩ እንከለዉ፥ ድሒሮም’ው ሓደ መነኮስ ተወሲኾምዎም ኣለዉ።

ምኽንያት መእሰሪኦም ድማ፡ ነቶም 5ይ ፓትርያርክ ኮይኖም ዝተመዘዙ ዘይሕጋውን ዘይቀኖናውን ጳጳስ ኣይንቕበልን ኢሎም ካብ ዝጸንዑ ብዙኃት ገዳማት ኤርትራ፥ ሓንቲ ገዳም ደብረ ጽጌ ኣቡነ ዮናስ እያ። ስለዚ፡ ኣባ ሉቃስ፥ ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይን ዲያቆን ግርማይ ካሕሳይን ዝተባህሉ ገበርትን ሓደግትን ሰባት፡ ነዞም ገዳማውያን ኣቦታት መምሃሪ ክኾኑ ኣለዎም ቢሎም ክፍክሩ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝ ኣትዉ ጌሮም ኣለዉ።

እዚ ገዳም ማእከል ስሕበት ገዳማት ኤርትራ እዩ። ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኩሎም ገዳማውያን ኣቦታት ደቂ ቅዱስ ኤዎስጣቴዎስ፥ ዓመት መጽአ መስከረም 18 (፲፰) ኣብዚ ገዳም ተኣኪቦም፥ ሕጊ ዘጽንዑሉ፥ ጉባኤ ሲኖዶስ ዝገብሩሉ፥ ቦታ ብሕትውናን ቅድስናን እዩ። ኩሎም ገዳማት ኤርትራ ኣብዚ ገዳም እዚ ተኣኪቦም ጸሎት ኣብጺሖም፥ ብዛዕባ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ምሕደራ ገዳማትን ኣገልግሎት ካህናትን ዝውስንሉን ኣዝዩ ዓቢይ ታሪኽ ዘለዎ ገዳም እዩ።

እዚ ገዳም ኣብ ዞባ ደቡብ ከባቢ ትምዝኣ ዝርከብ ኮይኑ፥ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኤርትራ ካብ ዘለዋ ገዳማት ቅልጡፍ ዕቤትን ምዕባለን ዘርኣየ ብማእከልነት ዝመሓደር፥ ብምዃኑ፥ ንበዓል ኣባ ሉቃስ ከም ልቦም ክዕንድሩሉ ዕድል ከይሃበ ዝጸንሐ ገዳም እዩ።

ገዳማት ኤርትራ፥ ኣብ ታሪኸን ኣጋጢምወን ዘይፈልጥ፥ ኣብዚ እዋን፡ ኣደዳ ማእሰርትን ኣደራዕን ኮይነን ይርከባ ኣለዋ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰማዕት ቅዱስ እንጦንዮስ ዝወረደ ከቢድ ኣደራዕን ግፍዕን፥ ብዙኃት ኣቦታት ገዳማውያን፥ ዓገብ ክብሉን፥ ካብ ሕግን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ኣይንወጽእን ኢሎም ደው ስለዝበሉን ኣብ እምነቶም ስለዝጸኑዑን፥ ማኣሰርትን ስደትን ቀጻሊ የጋጥሞም ኣሎ። 

ከምዝዝከር፡ ንነዊሕ ጊዜ ኣብ ቤት ማእሰሪ ዝሳቐዩ ዘለዉ፥ ኣባ ኣማሃ፥ ኣባ ሃብተሚካኤል፥ ኣባ ማርቆስ፡ ኣባ ክብረኣብ፥ ኣባ ገብረትንሣኤ፥ ኣባ ኪዳነ፥  ካብ ገዳማት ደብረ ቢዘን፥ ደብረ ጽጌ እንድርያስ ሰፍኣ፥ ጻዕዳ እምባ ገዳም ሰይፈሚካኤል፥ ካህናት መካነ ሕይወት ቀሺ ገብረመድኅን፥ ቀሺ ፍጹም፥ ቀሺ ተኽለኣብ፥ ኣዝዮም ብቑጽሪ ብዙኃት ዲያቆናት፥ ንዓመታት ብዘይፍርድን ክስን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይበልዩ ምህላዎም ዝዝከር እዩ።

እግዚኣብሔር ንገዳማውያን ኣቦታትና መዋጽኦ ክህቦም ንጸሊ።

ኣምላኽ ሰላም ምሕረቱ ይልኣኸልና።

መርበብ ሓበሬታ ተዋህዶ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div