S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እታ ናይ ጽባሕ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ እስራኤል ርእየያ

እታ ናይ ጽባሕ ቤተ-ክርስቲያን ዝብል ኣበሃህላ፣ እንታይ ንምባል ይድለ ከም ዘሎ፣ ቅልጥፍ ኢሎም ክርድኡዎ ዘይክእሉ እንተሃለዉ ዘገርም ኣይኮነን። ግዳስ ግዜ ወሲዱ ዘይዓብን ዘይምዕብልን ስለ-ዘይልቦ። ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያንና`ውን፣ ነቶም ብጸጋ-ጥምቀት ዝወለደቶም ደቃ፣ ዘለዋ ሓላፍነት ኣብ ግምት ብምእታው። ጸባ-ወንጌል እናመገበት እተዕብየሉ ተበግሶ ክትወስድ፣ ንጽባሕ ዘይበሃል ሓላፍነት ኮይኑ`ዩ ዝርከብ ዘሎ።

ብመንጽር ታሪኽ ክርአ ከሎ፣ ቤተ-ክርስቲያን ምድሪ-ሓበሻ፣ ካብተን ጥንታውያን ተባሂለን ዝፍለጣ ኣብያተ-ክርስቲያናት ሓንቲ እያ። ብቅድስና ዝፍለጥ ዓቢይ ታሪኽ ከም-ዘለዋ`ውን፣ ዘጠያይቕ ኣይኮነን። ብዓቢኡ`ውን እታ ሃገር በዓልቲ ፊደልን ቋንቋን  ክትከውን ዝኸኣለት፣ ካብዛ ቤተ-ክርስቲያን እዚኣ ብዝተመሓላለፈላ ትውፊት ምዃኑ፣ ከቶ ክዝንጋዕ ኣይከኣልን። ንጥንታውነትን ዕቤትን እዛ ቤተ- ክርስቲያን`ዚኣ ከኣ፣ ካብዚ ንላዕሊ መግለጺ ክቐርብ ዘድሊ ኣይመስለናን።

ይኹን እምበር እዛ ክቡርን ዓቢይን ታሪኽ እትውንን ቤተ-ክርስቲያንና። ምስ ግዜ ሓቢራ ክትስጉም ጸኒሓ`ያ ትበሃል ኣይኮነትን። ስለምንታይ እንተተባህለ-? ብዙሕ ምኽንያት ክህልዎ ከም-ዝኽእል ከም ርዱእ ዝውሰድ እዩ። እቲ ካብ ኩሉ ጎሊሁ ክርአ፣ ወይ ክጠቀስ ዝኽእል ርኡይ ድኽመት ግና። እቶም ን1700-ዓመት ዝኣክል ክመርሑዋ ዝጸንሑ ግብጻውያን-ጳጳሳት። ምስ ቋንቋን ፊደልን ሕዝቢ-ሓበሻ ዘይፋልጡ ምንባሮም እዩ።  ከም ውጽኢት እዚ ኩሉ`ዚ ድማ፣ ቤተ-ክርስቲያን ምድሪ-ሓበሻ ኣብዚ ሕጂ ትርከቦ ዘላ፣ ብምዕባሌ ዘይግለጽ ደረጃ ትሒታ ክትርከብ ካብ ዘገደዳ ሓደ፣ ናይ ግብጻውያን ሸለልትነትን ድኽመትን`ዩ ክበሃል ይከኣል።  

ይኹን እምበር  ምንም`ኳ ነዚ በብግዚኡ ክግበር ዝጸንሐ ተበግሶ`ዚ፣ ግብጻውያን ኢድ ሓዊሶሙሉ`ዮም ዝበሃል`ውን  እንተ ዘይኮነ። ካብ 40-ታት ኣትሒዙ ግና፣ ኣብቲ ደምበ-ተዋሕዶና ማእከልነት ብዝተኸተለ ኣገባብ`ኳ እንተ ዘይኮነ። ንትምህርቲ ሰንበት ብዝምልከት ብዙሕ  ተበግሶታት ክግበር ከም-ዝጸንሐ፣ እቲ ትማሊ ዝሓለፈ ናይ 19 ክፍለ-ዘመን ታሪኽና የረጋግጾ`ዩ። እዚ ኣብ 40-ታት ዝጀመረ ናይ ትምህርቲ ሰንበት ምንቅስቓስ`ዚ ግና። ብመጠን`ቲ  ንሥራሕ ዝተበገሰሉ ርሕቀት ርኢኻ ክግምገም ከሎ። ዕዉት ወይ ኣድማዒ`ዩ ነይሩ ኢልካ ክግለጽ ዝከኣል ኣይመስለናን። 

ከመይሲ ብደረጃ ቤተ-ክርስቲያን፣ ክመርሕን ከወሃህድን ክኣልን ዝኽእል ማእከል ክግበረሉ ስለ-ዘይተኻእለ። ክንድ`ቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ፣ ንቤተ-ክርስቲያንና ብእወንታ ዝግምገም ለውጢ ከምጽኣላ ክኢሉ`ዩ ክበሃል ኣይከኣልን። 

ብዝኾነ ሕጂ ግና ነዚ ኣርእስቲ`ዚ ብዝምልከት። ኣብታ ቅድስቲ ሃገር ተባሂላ እትግለጽ ሃገረ-እስራኤል፣ ክዉን ኮይኑ ኣብ ተግባር ክትርጎም ርኢና ኣሎና። ከመይሲ ደቅና ደቂ-ተዋሕዶ፣ ብዝተጸንዐን ዝተጻፈፈን መንገዲ። ኣብ ትሕቲ ጽላል ቤተ-ክርስቲያን ኮይኖም ዝዓብዩሉ መደብ፣ ኣብ ባይታ ወሪዱ ክትግበር ምርኣይ፣ ናይ ተኣምር ተኣምር`ዩ ክበሃል ይከኣል። ከመይሲ ናይ ኣጋጣሚ ነገር ኮይኑ። ካብ 50-ታት ጀሚሮም ምስ`ዚ ጉዳይ`ዚ፣ ክወድቁን ክትንሥኡን ዝጸንሑ ሰባት ምህላዎም ንፈልጥ ኢና። ስለዚ ከኣ ኢና ነዚ ኣብ ቴል-ኣቪቭ ብዝርከቡ ማኅበረ-ምእመናን ዝካየድ ዘሎ፣ ዕዉት ዝኾነ ኦርቶዶክሳዊ ምንቅስቓስ፣ ናይ ተኣምር ተኣምር`ዩ ብምባል ክንገልጾ ንግደድ ዘሎና።

እዞም ተማሃሮ ብዝሖም 135-ሕፃናት እዮም። ካብ ክሊ ዕድመ 6 ክሳብ 10 ዝርከቡ ኮይኖም። ኣብቲ ሥሩዕ መንግሥታዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ድማ ይመላለሱ። ፍርቂ መዓልቲ ትምህርቶም ምስ ወድኡ ግና፣ ትኽ ኢሎም ናብ ቤተ-ክርስቲያን`ዮም ዘምርሑ። ኣብኡ ብግቡእ ዝተዳለወ መመገቢ ቦታ ስለ-ዘለዎም፣ ናብ ኣባይቶም ኣቢሎም ዝኸዱሉ ምኽንያት ተብሎምን። ኣብዚ ድማ ምስቲ ሥሩዕ-ትምህርቶም ዝኸይድ፣ ኣካዳማዊ ሓገዝ ከም-ዝረኽቡ ይግበር። 

ካብዚ`ዚ ብምቕጻል ድማ። ግቡእ ቋንቋ-ኣደን ትምህርቲ ክርስትናን ይመሃሩ። እዚ ድማ ዕለታዊ ዝፍጸም መደብ ኮይኑ። ካብ ሰዓት 3 ክሳብ ሰዓት 6 ከኣ ይካየድ። እዚ ኣብ ትሕቲ ጽላል ቤተ-ክርስቲያን ቅድስት-ማርያም ቴል-ኣቪቭ ዝካየድ ዘሎ ሓዋርያዊ-ኣገልግሎት`ዚ። ድሮ ካብ 3ተ-ዓመት ኣትሒዙ ኣብ ተግባር ውዒሉ ዝርከብ እዩ። 7-መምህራን ድማ ኣብቲ ቅዱስ ተልእኮ ተዋፊሮም ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ይርከቡ ኣለዉ።

ካብዚ ንላዕሊ ከኣ ነቲ ደምበ-ተዋሕዶና፣ ክንገሮ ዘድሊ ካልእ ጥዑም-ዜና ኣሎ ኣይንብልን። ብዝተረፈ ገለ ውሉደ-ክህነትና፣ ደፊሮም ክዛረቡ ክንሰምዖም ከም-ዝጸናሕና። ደቅና ብቋንቋ`ቲ ዝዓብዩሉ ዘለዉ ሃገር፣ ትምህርቲ ክርስትና ክንምህሮም ኣሎና ክብሉ ዝሰማዕናሉ ግዜ ኣሎ። ነዚ እወ ኢልካ ክትቅብሎ ዝኸብድ ግጉይ ሓሳብ`ዚ ግና፣ እንሆ እቶም ኣብ ቴል-ኣቪቭ ዝርከብ ዘለዉ ማኅበረ-ምእመናን፣ ተቐባልነት ክህልዎ ከም-ዘይግባእ ኣብ ተግባር ኣርእዮሙና ኣለዉ። ከመይሲ ንክርስቲያናዊ ኣተዓባብያ ደቅና ብዝምልከት። ካብዚ ናይ እስራኤል ዝዓቢ ክቐርብ ዝኽእል ካልእ ኣብነት ኣሎ ኣይንብልን።

ብዝተረፈ እዚ ብብጹዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ ዝተመርሐ ጉጅለ። ካብ ዕለት 19 ክሳብ 25 የካትት ኣብ ቴል-ኣቪቭ ክገብሮ ኣብ ዝቐነየ ምብጻሕ። ምስቶም ማኅበረ-ምእመናን ዝተደጋገመ ርክብ ብምግባር፣ ክወሃብ ዝቐነየ መንፈሳዊ ትምህርትን ቃለ-ምዕዳንን፣ ብግዜን ሰዓታትን ዝውሰን ኣይነበረን። ብዝተፈልየ ብፁዕ ኣቦና ደጋጊሞም ምስቲ ሕዝቢ ርክብ ብምግባር፣ ብዙሕ እቲ ማኅበረ-ምእመናን ክረብሓሎም ዝኽእል መደባት ተኻይዶም እዮም። ኣብ መንጎ`ውን፣ እቶም ንብፁዕ ኣቦና ብምስናይ ኣብቲ ጉዕዞ ምስኦም ዝቐነዩ። ናይ ኤውሮጳ ሃገረ-ስብከት ሊቀ-ካህናት፣ ካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን። ንህልው ኩነታት ቤተ-ክርስቲያን ብዝምልከት፣ ክቐርብ ንዝቐነየ ሕቶ መልሲ ኣብ ምሃብ፣ ክተሓባበሩ ምቕናዮም ካብ ዝጥቀስ ሓደ`ዩ።

ብዝተረፈ እቶም ናይ ቴል-ኣቪቭ ማኅበረ-ምእመናን፣ ካብ ዝምዘኑሉ ሓደ`ውን እቲ መጻሕፍቲ ንምንባብ ዘለዎም ድሌትን ትግሃትን`ዩ። ማለት ንዓታቶም ተባሂሉ ካብ ጀርመን ዝተላእከ መንፈሳዊ-ትሕዝቶ ዘለዎም መጻሕፍቲ ነይሩ`ዩ። ብተገዳስነት ገዚኦም ንምንባቡ ክቀዳደሙ ድማ ኢና ዝተዓዘብና።  ብዝኾነ ማኅበረ ምእመናን ቅድስቲ-ማርያም ቴል-ኣቪቭ። ሓደ ንታሪኽ ዝተረፍ ዓቢይን ኣድማዕን ተግባር ክፍጽሙ ምኽኣሎም፣ ንብዙሓት ከም ሞዴል ኮይኑ ክጥቀስ ዝነብር ዕዉት ተግባር እዩ`ሞ። እንቋዕ እቲ ብጻዕሪ ዝዘራእኩሞ ዘርኢ፣ ፍሪኡ ክሕፈስ ንምርኣይ ኣብቅዓኩም-!! ክንብሎም ግቡእን ቅኑዕን እዩ።

መደምደምታ ኩሉ ከኣ፣ እቲ ብቀሲስ ግደይ ገብረ-ጻድቕ ተማእኪሉ። እቲ ከቢድ ሓላፍነት ተሰኪሙ ክተግህ ዝርከብ ዘሎ ሰበኻ-ጉባኤ። ካብቲ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕርን ተበጺሑ ዘሎ ዓወትን ንላዕሊ፣ ክዛረብ ዝኽእል ስለ-ዘየልቦ። እቲ ሕያው ኣምላኽ ናይ ኣገልግሎቶም ዘመን ክባርኽ። ዓስቢ ዓወትን ጽድቅን ድማ ክገብረሎም፣ ናይ ኩሎም ሰብ ሠናይ ሕልና ምንዮትን ጸሎትን እዩ። 

(ዘኣንበሳ-ማርቆስ)  

 

 

   

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div