S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ካብ ዝተፈላለየ ክፍልትታት ኣመሪካ ተዓዲሞም ብዝመጹ፡ ብርክት ዝበሉ ሊቃውንቲ ኣቦታትን ብብዝሒ ምእመናን ብክብ ዝበለ ፍስሓን ሓጎስን ዝተጸንበለ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተርእዮ፡ ካብ ዓርቢ ክሳብ ሰንበት (January 31 – February 2-2020) ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ሓቚፉ ኔሩ። በዓል ኣስተርእዮ . ማርያም ብብዙሒ ህዝቢ ካብ ዝሓለፍ እዋናት ዝደመቐን ዝዓዘዝን ከማኡ ወን ካብ ኩለን ከተማታት በይ ኤርያ (Bay Area) ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ክርስትና ዝተሳተፍዎ እዩ ኔር ኣብ ርእሲ ምኻንኑ ዝደመቐን ዝላዓለን ተሳትፎ ዝነበር ኣዩ ኔሩ. ኣብ ገጽ ዕዱምትን ኣባላት ቤተክርስትያንን ዝንበብ ዝነበረ ፍስሓን ሓጎስን ፍሉይ ኔሩ እዚ ዓመት ኔሩ።

ኣብ ዕለተ ዓርቢ ዋዜማ፣ ቀዳም ካብ ወጋሕታ ብስብሓታት ዝተጀመረ ክብረ በዓል ቅድስት ማርያም በይ ኤርያ፤ ህጻናት ዝተማሃርዎ ትግርኛን እንግሊዘኛን ጸሎትን መዝሙርን ኣቕሪቦም። ቀጺሎም ቤት ትምህርቲ ሰንበት መዛሙር ከቕርቡ ከሎዉ ምእመናን ሓቢሮም ምስ ደቆም ብምዝማር ንኣምላኾም ከመስጉንን ኪውድሱን ኣርፊዶም።  ብሊቃውንቲ ቤተክርስትያን እንዳተመርሑ ምእመናን እንዳዘመሩን እንዳሸብሸቡን ብሓጎስን ዕልልታን ተሰንዮም ዑደቶም ድሕሪ ምፍጻም ናብቲ ዝተዳለወሎም ኣደራሽ ኣምርሑ። ኣዴታት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ቤተክርስትያን ዘዳለወኦ ምግቢ ድሕሪ ምብላዕ፣ ዶክቶራት ናይ ስኒ ኣስተምህሮ ሂቦም ብዛዕባ ሳዕቤንን ጠንቂ ሕማም ናይ ሲኒን ብእዋኑ እንተዘይተኸታቲልናዮም ከምጽኦ ዝኽእል ሳዕቤን፥ ። ጠንቅታት ማሕበራዊ ቅልውላው ኣብ ውሽጢ ስድራ-ቤትን ሕብረተሰብን እንታይ እዩ? መንፈሳዊ መፍትሒኸ ኣሎዎዶ?” ብናይ መንፈሳዊ ጉስነት (Pastoral Counseling) ምሁር ሊቀ ካህናት ገብረሚካኤል ዮሃንስ ሰፊሕ ሰሚናር ተዋሂቡ። ንሕቶን መልስን መድረኽ ምስ ተኸፍተ፣ ኣዕጋብን ኣዝዩ መሃርን መልስታት ተዋሂቡ። ኣብ መጨረሻ  “ያብጽሓነ ዓመ ከመ ዮም ያብጽሓነ እግዚእ። ንዓመታ ከምዚ ሎሚ የብጽሓና ጎይታዝብል መዝሙር ካብ ዓርቢ ክሳብ ሰንበት ዝቐነየ መንፈሳዊ መደባት ብምስጋናን ፍስሓን ተዛዘመ።

ኣብ ኣገልገልትን ምእመናን ዝቐነየ ፍስሃን ሓጎስን ብዝበለጸ ንምዕዛብ ስእላዊ መግለጺ  (Pictorial report) ተመልከት።

እግዚኣብሔር ብጥዕና ሓልዩ ኣብ ስጋዊ ናብራና በረኸት ወሲኹ፡ ብመንፈስ ደልዲልና ንዓመታ ብዝበለጸ፡ ኣስተርእዮ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከነብዕል ፍቓዱ ይኹን።

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር!

ንብፁእ ውቅዱስ ሣልሳይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብጥዕናን ሰላምን ይሓልወልና!

ንብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ከኣ ኣብዚ ናይ ፈተና እዋን፡ እግዚኣብሔር ኣብ ኣገልግሎቶም ዓወትን ኣሳልጦን ይሃብ።

ንቤተክርስትያንናን ሃገርናን ድማ ሰላሙ ይሃብ።

ኣገልገልትን ምምሕዳር ሰባኻ ጉባኤን ቤክ . ማርያም በይ ኤርያ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ።

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div