S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ደሃይ 5ተ እሱራት መነኮሳት ገዳም ደበረ ቢዘን

እቶም ብልኡኻት ዓፈና ህግደፍ ኣብ ከተማ ጊንዳዕ ኣብ ወርሒ ሰነ 2019 . ዝተኣስሩ ገዳማውያን ኣቦታት ደብረ ቢዘን፡ ሕጂውን ገና ብዘይ ሓደ ክስን ፍርድን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሕጊ-ኣልቦ ሥርዓት ህግደፍ ብኸቢድ ጸቕጥን ምስኣን ጥዕናን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ። ወላ’ኳ ብኣቦታት ደብረ-ቢዘንን ገለ ግዱሳትን ንኽፍትሑ ጻዕሪ እንተተግበረ፥ ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ግና ተጋጊና ኢና ኢሎም ከይፈረሙን ንመሪሕነት ኣባ ሉቃስ ከይተቐበሉን ከምዘይፍትሑ እዮም ዝፍክሩሎም ዘለዉ። እቶም 5 ኣቦታት መነኮሳት ገዳም ደበረ ቢዘን፡-

1. ኣባ ማርቆስ ገብረኪዳን፥

2. ኣባ ኪዳነማርያም ተኸስተ፥

3. ኣባ ክብርኣብ ተኪኤ፥

4. ኣባ ገብረትንሣኤ ዘሚካኤል፥

5. ኣባ ገብረትንሣኤ ተወልደመድህን ዝበሃሉ እዮም።

እቲ ካብ በረኻታት ሳሕል ጀሚሩ ኣምላኽ ዝበሃል የልቦን ዝብል መሪሕነት ህግደፍ ኣንጻር እምነት እግዚኣብሔርን ንጹሃን ደቂ ሃገርን ብጎነጻዊ መገዲ ካብ ዝተሃላላኽ ነዊሕ ዓመታት ኣቝጺሩ እዩ። (መዝ 141) ቅድሚ ሕጂውን ገድሊ ኣብ በረኻ ከላ ኣብ 80ታት 5 መነኮሳት ደበረ ቢዘን ብተመሳሳሊ መገዲ ብጭውያ ካብ ገዳሞም ንሳሕል ተወሲዶም ኣብ ሓለዋ-ሰውራ ከም ዝጠፍኡ  ናይ ትማሊ ጸሊም-ተዘክሮ ታሪኽ ምዃኑ ፈጺምካ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ሕጊ-ኣልቦ ህግደፍ እቲ እከይ ግብሩ ብግልጺ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ጎሊሑ ዝተጋህደሉ ግና 2005 . ዘይሕጋዊ ምውራድን ምእሳርን  3 ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ምስ ኣጋጠመ እዩ ንብዙሕ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ክስቆሮ ዝጀመረ። ቅድሚኡን ድሕሪኡን ከኣ ብዙሓት ገዳማውያን መነኮሳት፥ ሠራሕተኛታት መንበረ-ፓትርያርክ ሊቃውንቲ ካህናትን ዲያቆናትን  ምእመናንን ምእመናትን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ውዲታት እናኣለመ ምእሳርን ምህዳንን ክርስቲያን ኣመንቲ ክሳብ ለይቲ-ሎሚ ሥርሐይ ኢሉ ተተሓሒዝዎ ይርከብ።

ንምዃኑ እዞም ሓሙሽተ ገዳማውያን መነኮሳት ደብረ ቢዘን ብምንታይ ምኽንያት እዮም ንልዕሊ 8 ኣዋርሕ ከም ገበነኛታት ኣብ ጎዳጕዲ ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ ዝማስኑ ዘለዉ ንዝብል ሓታቲ፥ ኣብ ኤርትራ እቲ ዝዓበየን ጽቡቕ ዝናን ዓቢይ ጽልዋን ዘለዎ ገዳም ደበረ ቢዘን ብወግዓዊ-መርገጺ፥ ንዘይሕጋውን ዘይመንፈሳውን መሪሕነት ኣባ ሉቃስን ኣባ ባስልዮስን ብትሪ ብምቅዋም፥ መርዛም ኢድ ህግደፍ ካብ ኦቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብህጹጽ ክትወጽእን ሕጋዊ 3 ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ድማ ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም ክምለሱ ኣለዎም ዝብል ውሳኔ ብምሕላፎምን ካብ ኩለን ገዳማት መሪሕ ተራ ብምሓዞምን እዩ። ከምኡውን ሃንደበታዊ ሞት ኣቡን ኣትናቴዎስ ምስ ኣጋጠመ ኣባ ሉቃስን ኣባ ባስልዮስን ዝበሃሉ ንቐብሪ ብዝብል ምኽንያት ገዳምና ፈጺሞም ኣይረግጽዎን እዮም ዝብል ናይ ተቓውሞ እምቢታ ብጋህዲ ስለ ዘስምዑ እዮም እዚ ኹሉ ፈተና ዝወርዶም ዘሎ። በዚ ምኽንያት ብትእዛዝ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ቀብሪ ኣቡን ኣትናቴዎስ ኣብ ቀጽሪ ርእሰ ኣድባራት ደብረ-ጽዮን ቅድስት ማርያም ኣስመራ ከም ዝተፈጸመ ዝዝከር እዩ።

እወ! ኣብዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ክትሰምዖን ዝኸብድ ክትኣምኖን ዘጸግም ዘይንቡርን ዘይግቡርን ብዙሕ ሕማቕ ታሪኽ ብሰብ እዋን ረገጽቲ-ሕጊ ይፍጸም ከም ዘሎ ኩሉ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ብመሪር ሓዘን ዝዕዘቦ ዘሎ ኩነታት እዩ። ንወዲ 94 ሽማግለ ኣቦ ናይ ዕድመ በዓል-ጸጋ ቅዱስ ፓትርያርክና፥ ንገዳማውያን መነኮሳትን ኣገልገልቲ ውሉደ-ክህነትን ምእሳርን ምዕስካርን ማለት ድማ ዶብ ዝጠሓሰ ጭካነን ምግሃስ ሰብኣዊ ክብረትን ብምዃኑ ኣብ ማኅደር-ታሪኽ ንዘለዓለም ተሰኒዱ ዝነብር ናይ ዘመንና ዘሐዝን ፍጻመ እዩ። ይኹን እምበር ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍና  ‘‘ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየና መን እዩ? ከመዮ ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣሎና፥ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቖጸርና ዝብል ጽሑፍ ዘሎ፥ ጭንቀትዶ፥ ጸበባዶ፥ ስደትዶ፥ ጥሜትዶ፥ ዕርቃንዶ፥ ፍርሒዶ ወይስ ሰይፊ፥ ሞት ኮነ ሕይወት፥ መላእኽቲ ኮኑ ወይስ ገዛእቲ፥ ዘሎ ኮነ ወይስ ዝመጽእ ....... ካብታ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጎይታና ዘላ ፍቕሪ-ኣምላኽ ከቶ ክፈልየና ዝክእል ከም ዘየልቦ ኣርጊጸ ኣሎኹ እሞ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና’’ ዝበሎ ንገበርቲ-ክፉእ ምዝካርን ምንጋርን ኣኻሊ እዩ። ሮሜ 835-39

ከምዝዝከር እቶም ብመነፈሳዊ ኣገልግሎቶምን፥ ዜግነታዊ ሞያዊ ኣበርክተኦምን ብቤተክርስቲያንን ብምኒስትርታትን ሃገርና ዝተመስከርሎም ምሁራት ካህናት ማለት ቀሲስ ገብረ-መድኅን ገብረ-ጊዮርጊስ፥ ቀሲስ ፍጹም ብርሃን ገብረ-ንጉሥ፥ ቀሲስ ተኽለኣብ መንግሥተ-ኣብ፥ ንኣስታት 14 ዓመታት ኣብ መቑሕ ኣትዮም ይበልዩ ኣሎዉ። እዝን ካልእን ጨካን ኣተሓሕዛ መራሕቲ ሕግደፍ፥ እምበርዶ ካብዚ ገርህን ለዋህን ሕዝቢ እዮም ተፈጢሮም ዘብል እዩ።

በዚ ኣጋጣሚ ነፍሲ ወከፍ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ነዞም መንፈሳውያን ኣቦታት ሕያዋይ ኣምላኽ መመሊሱ ጽንዓትን ጥዕናን ሂቡ ሞቝሕ ሰንሰለቶም ክበትኽን፥ ከምኡውን ምእንቲ እቶም ኩሎም ብዘይ ሓደ ገበንን በደልን ንነዊሕ ዓመታት ብዘይ ፍርድን ፍትሕን ኣብ ፈቐዶ ጎዳጕዲ ቤት ማእሰርታት ህግደፍ ብጽምእን ጥምየትን ብማህረምትን ጸልማትን፥  ብቁርን ሃሩርን፥ ብሕማቕ ኣተሓሕዛን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብዙሕ ዝሳቐዩ ዘለዉ ደቂ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንን ኣኅዋት ደቂ ሃገርን ወትሩ ብጸሎትን ምህለላን ናብ ልዑል እግዚኣብሔር ክንነቕሕ ግቡእና ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ብተወሳኺ ንእሱራት ከም መተኣስርቶም ኮንኩም፥ መከራ ይጸግቡ ንዘአልዉ ኸኣ ንስኻትኩምውን ኣብቲ ስጋ ከም ዘሎኹም ኮንኩም ዘክርዎ ዝብል መንፈሳዊ ማዕዳ ተረዲእና፥ ነዞም ብሰንኪ እምነቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ኩሎም ኣቦታትና ቃንዛ-ሠንሰለት ሞቝሖም ብልቢ ኣስተውዒልና፥ ኣብዛ ሓጻር ናይ ፈተና እዋን ብመንፈሳዊ ፍቕሪ ክንሠምርን ንሕድሕድና ክንጸዋወርን መድኃኔ-ዓለም ኣምላኽና ምሕረቱን ጸጋኡን የብዝሓልና።

ጎይታ! ‘‘ምንኣኽ እቶም እሱራት ናብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፥ ነቶም ንሞት ዝተፈርዱ በቲ ዓቢይ ኃይልኻ ኣድኅኖም’’ መዝ 7910

ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም                                                                                                            

ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ሻርሎት ሰሜን ኣሜሪካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div