S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ ሃገረ-ስዊዲን ዝተኻየደ ኦርቶዶክሳዊ መንፈሳዊ ጉባኤ

ብብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ ተመሪሑ ኣብ ሃገረ ስዊድን ክካየድ፡ ካብ ነዊሕ እዋን ብመደብ ተታሒዙ ዝጸንሐ ጉባኤ፡ “-እግዚኣብሔር ንመንን ብኸመይን እዩ ርእሱ ዝገልጽ-” ብዝብል ኣርእስቲ፣ ሊቀ ካህናት ቀሺ ተኽለማርያም ምህርካጽዮን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ 27 ከምኡውን 28 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ስቶኮልም ተኻይዱ።

እቶም ናይቲ ብሓዋርያዊ-ሰንሰለት ተተሓሒዙ ዝወረደ፡ ሕጋዊ ዓቃቤ-መንበር ዝኾኑ ብፁዕ ኣቦና፣ ኣብዚ ወርሓት ክረምቲ ዝግበር መገሻ፡ ምስ ጥዕናኦም ዘይሰማማዕ ምዃኑ፣ እቶም ሰብ ሞያ ጥዕና ምኽሮም ስለ-ዝሃቡ፡ ብፁዕነቶም ኣብቲ ጉባኤ ክርከቡ ኣይተኻእለን። ይኹን እምበር እቲ መደብ፣ በቲ ኣቐዲሙ ወጺኡ ዝነበረ መርሓ-ግብር መሠረት ክቕጽል ብፁዕ ኣቦና ስለ-ዝፈቐዱ፡ በዚ መሠረት እዚ` እዚ ዝተባህለ ጉባኤ ክካየድ ዝኸኣለ። ብዙኃት ውሉደ-ክህነትን ማኅበረ-ምእመናንን ድማ፣ ናይዚ ጉባኤ ` ተሳተፍቲ ኮይኖም ተረኺቦም። እዚ ጉባኤ`ዚ፡ ብጸሎት ሊቀ-ካህናት ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ፡ ቀሺ ተኽለማርያም ምህርካጽዮን እዩ፡ ዓርቢ 27 ታሕሣሥ 2019 ብወግዒ ዝተኸፍተ።

ኣብ ደብረ ኢየሱስ መድኃኔ ዓለም ኣገልጋሊ ካህን ዝዀኑ፡ ቀሲስ-ዮናስ ወልደ-ሩፋኤል ድማ፣ ንተኻፈልቲ እቲ ጉባኤ ክሕግዝ ብማለት፣ ነቲ ጉባኤ ብዝምልከት መልእኽቲ ኣስሚዖም።እቲ እነምልኾ ኣምላኽ መን`-ዝብል ሕቶ መበገሲ ብምግባርብኸመይ እዩኸ ርእሱ ዝገልጽ-” “ሰብ ምስ` ኣምላኽ` ክላለን፣ ነዚ ጐይታ` ክስዕብን እንተደለየኸ፡ ብኸመይ` ክፈልጦ ዝኽእል-ጐይታ ርእሱ ምእንቲ ክገልጸልናኸ ንሕና እንታይ ንግበር-. .” ብምባል፡ ንርድኢት` ጉባኤ ዝሕግዝ ትምህርታዊ መግለጺ ብምሃብ ከፈትዎ።

ብዝተረፈ እቲ ኣብቲ ጉባኤ ተሳታፊ ኮይኑ ዝወዓለ ሕዝቢ። መብዝሕትኡ ዘመናዊ-ትውልዲ` ነይሩ ክበሃል ይከኣል። እቲ ብዝሒ ክንድቲ ናይ ደቂ-ተባዕትዮ` እንተ ዘይኮነ። ኣብ ኩሉ ዕዙዝ ተሳትፎ ዝነበረን፣ ደቀንስትዮ`ውን ነይረን`የን። ኣብ መዝሙር ዕዙዝ ተራ ነይሩወን። ኣብቲ ብጉጅለታት ተኸፋፊልካ ዝግበር ዝነበረ ንጥፈታት `ውን፣ ድምፂ ደቀንስትዮ ጎሊሑ ይስማዕ ካብ ዝነበረ` ተባሂሉ ክጥቀስ ይከኣል። እዚ ኸኣ ከም ሓደ ዓቢይ ነጥበ መቐይሮ ጌርካ ክውሰድ ዝከኣል`ዩ። ከመይሲ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፡ ብደቂ-ተባዕትዮ ዝተባሕተ ኮይኑ` ጸኒሑ። እዚ ኸኣ ካብቲ ዝጸንሓና ድኽመት ሓደ ስለ-ዝኾነ፣ ብኸምዚ ክእረም ምኽኣሉ ዓቢይ ዓወት` ክበሃል ይከኣል።

ኣብቲ መዓልቲ`ቲ፡ ብመጀመርታ ኣብ መድረኽ ዝቐረበ፣ መንእሰይ ወድና ዲያቆን ተስፋይ ግርማይ ኮይኑ፡ እቲ ሒዙዎ ዝቐረበ ኣርእስቲ ድማ “-እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ፣ ፍቕሪ ኣምላኽን ሰብን-” ዝብል` ነይሩ። እቲ ዝነበረ ብልጫ ዲያቆን-ተስፋይ፡  ነቲ መድረኽ ብብቕዓት ክገጥሞ ምኽኣሉ`ዩ። እዚ ከርእየና ዝኽእል ድማ፣ ዲያቆናትና እቲ ዝጸንሐ ኣብዜማታት ጥራይትኹረት ክገብር ዝጸንሐ ባህሊ ወይ ልማድ ተሰጊሩ፡ ኣብ መድረኽ ወጺኦም ወንጌል ክሰብኩ ዝኽእሉ ዲያቆናት ክፈርዩ ምኽኣሎም እዩ። እዚ ኸኣ ከም ሓደ ዓቢይ ፍሉይ ዓወት ክቑጸር ዘይግብኦ ኣይኮነን።

ብዝተረፈ መንእሰይ-ዲያቆን ኣብቲ ዝተበገሰሉ ኣርእስቲ ብምትኳር ክትንትን ከሎ። “-ካብቲ እግዚኣብሔር ክግለጸሉ ዝኽእል ሓደ፣ ብመንገዲ ፍቕሪ ኣቢሉ`ዩ። ብመንገዲ ፍቕሪ ኣቢልና ጥራይ ኢና ከኣ፣ ነቲ ሕያው ኣምላኽ ክንረኽቦ ንኽእል። ስለዚ` ጎይታና`ውን “. . .በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዘበለ ኩሉ፣ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ክረክብ እምበር ከይጠፍእሲ፣ ኣምላኽ ንወዱ በጃ ክሳብ ዝህብ፣ ክሳብ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ. . .” ብምባል` ገሊጹዎ ዘሎ። (ዮሓ.3.16)

እዛ ፍቕሪ`ዚኣ ከኣ`ያ፣ ንኣምላኽን ሰብን እተራኽብ መላግቦ ኮይና ትርከብ ዘላ። ብዝተረፈ ኣብቲ ክርስቲያናዊ ሕይወት፡ ልዕሊ ፍቕሪ ዝመጽእ ነገር የልቦን። ብዘይ ፍቕሪ ድማ ሕይወት ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ብዘይ ፍቕሪ ከኣ እቲ ሕይወት ንባዕሉ`ውን፣ ትርጉም ኣለዎ ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ ብዘይ ፍቕሪ ምስ እግዚኣብሔር ከራኽበና ዝኽእል ካልእ መሥመር የልቦን። እዛ ፍቕሪ እዚኣ ከኣ` ምስ እግዚኣብሔርን ሰብን ከተራኽበና እትኽእል፡ ዝብል ትሕዝቶ ዝነበሮ መልእኽቲ` ዲያቆን-ተስፋይ ዘቕረበ።

ካብዚ ብምቕጻል በዓል ተራ ኮይኑ ናብ መድረኽ ዝወጸ፣ መምህር ኅሩይ ኪዳነ`ዩ። ንሱ ሒዙዎ ዝቐረበ ኣርእስቲ ድማ “-ኅብረት ምስ ኣምላኽ-” ዝብል ኮይኑ። ነቲ ኣርእስቲ ከምቲ ዝግባእ ገይሩ፣ ብብቕዓት ከቕርቦ ክኢሉ` ክበሃል ይከኣል። ብዝተረፈ እቲ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን፣ ንማኅበረ-ምእመናን ዘሳትፍ ወይ ዕድል ዝህብ ኮይኑ ብዘይ ምጽንሑ፡ ኣብቲ ክግበር ዝጸንሐ ናይ ዘመናት ጉዕዞ፡ ታሪኽ ብኣሉታ ክገልጾ ዝኽእል በሰላ ኣይገደፈልናን ክበሃል ኣይከኣልን። እቲ ሕጂ ኣብ ደምበ-ተዋሕዶና ዘሎ ጸገማት ከኣ፡ እኩብ ድምር ናይዚ ኩሉ እዚ ተባሂሉ ክግለጽ ዘይግብኦ ኣይኮነን።

ሕጂ ግና እቲ ሕያው ኣምላኽ ይኽበር ይመስገን፡ እቲ ናይ ኣገልግሎት መድረኽ ንኹሉ ዘሳትፍ ኮይኑ ክሰፍሕ ምኽኣሉ፡ ነቲ ካብ ነዊሕ እዋን “-ወንጌል ማእከል ዝገበረ ኣገልግሎት-” ንምትእትታው ዝጸንሐ ራእይ፣ ፍጻሜ ክረክብ ኣኽኢሉዎ` ክበሃል ዘይግባእ ኣይኮነን። ብዝኾነ መምህር-ኅሩይ ኣብቲ ሒዙዎ ዝቐረበ ኣርእስቲ ብምትኳር ክምህር ከሎ፡ “-ኅብረት ምስ ኣምላኽ ማለት፣ ብሕጊ ኣምላኽ ዝምራሕ ሕይወት ክህልወና ማለት`ዩ፡ ነቲ ሕይወት` ክንነብሮ ከኣ፣ ኣቐዲምና ንእግዚኣብሔር ክንፈልጦን ከነምልኾን የድሊ-” ብምባል` ተልእኾኡ ዝፈጸመ።

ካብዚ ብምቕጻል በዓል ተራ ኮይኑ፣ ናብ መድረኽ ዝደየበ፡ ዲያቆን-ዮሓንስ ገብረ-ሕይወት`ዩ። ንሱ ሒዙዎ ዝቐረበ ኣርእስቲ “-መለኮታዊ ግልጸት ኣምላኽ-” ወይኣስተርእዮዝብል`ዩ። ዲያቆን-ዮሓንስ ብደረጃ ዩኒቨርስቲ ናይ ነገረ-መለኮት ምሁር ኮይኑ፣ ኣብ መራኸቢ-ብዙኃን ቀሪቡ። ንሃይማኖት ብዝምልከት ብብዙሕ ክዋሳእ ዝጸንሐ ዲያቆን ምዃኑ ዝፍለጥ`ዩ። ካብቶም እቲ ደምበ-ተዋሕዶና፣ ንጽባሕ ብተስፋ ዝጽበዮም ዘሎ፣ ተካእቲ ትውልዲ` ክብሃል`ውን ይከኣል።

ዲያቆን-ዮሓንስ ኣብ ዘቕረቦ መደብ፣ “-እግዚኣብሔር መንፈስ ስለ-ዝኾነ ኣይረአን `ዩ። ነቶም ናቱ ዝኾኑ ግና፣ ርእሱ ክገልጸሎም ቃል ኣትዩሎም`ዩ፣ ብምባል` ዝገልጾ። ንምጥቃስ ዝኣክል`ውን ሙሴ ክብርኻ ኣርእየኒ ምስ በሎ። ሰብ ርእዩኒ ብሕይወት ኣይነብርን እዩ`ሞ፣ ገጸይ ክትርኢ ኣይትኽእልን ኢኻ-” ዝብል መልሲ ከም-ዝሃቦ፣ ኣብ ብሉይ-ኪዳን ነንብብ (ዘጸ.33. 1-20) ብመንጽር` ኣብ ሓዲሽ-ኪዳን ድማ “-ንሱ በይኑ ዘይመውት። ሓደ ሰብ እኳ ከቶ ዘይረኣዮ። ክርእዮ`ውን ዘይክእል። ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዝነብር።ንዕኡ ክብርን ናይ ዘለዓለም ሥልጣንን ይኹኖ ኣሜን-” ብምባል` ተገሊጹ ዘሎ (1ጢሞ.6. 16)

ኣብ በብእዋኑን ዘመኑን`ውን። እዚ ኣርእስቲ` ይለዓል ከም-ዝነበረ ይርአ ነይሩ`ዩ። ንምጥቃስ ዝኣክል ሙሴ “-ገጽ ኣምላኽ ንምርኣይ በሃገ-” ተባሂሉ ክግለጽ ከሎ። ዳዊት ብወገኑ ድማ “-ውቃበ እግዚኣብሔር ንምርኣይ፣ መቕደሱ`ውን ንምምርማርሲ፣ ምሉእ ዕድመይ ኣብ ቤተ-እግዚኣብሔር ክነብር ደልየ ኣለኹ-”  ብምባል ከስተንትን ንርእዮ (መዝ.27.5) ፊልጶስ`ውን ብወገኑ “-ነቦ ኣርእየና` ይኣኽለና ከም-ዝበለ-” ተጻሒፉ ኣሎ (ዮሓ.14.8) እምበኣር እቲ ባህግን ትምኒትንሲ፣ ኣብቶም ናይ ብሉይ-ኪዳን ኮነ፣ ሓዲሽ-ኪዳን ኣቦታት ይመላለስ ከም-ዝነበረ ኢና ንርኢ።

ግዳስ እቲ ግልጸት ዝብል ቃል፣ ብትርጉም ክርአ ከሎ። ብፍቕሪ ጥራይ` ክግለጽ ዝኽእል። ማለት ከምቲ “-ሓደ` ንኣምላኽ ከቶ ዝረኣዮ የልቦን። ነንሓድሕድና እንተ ተፋቐርና ግና፣ ኣምላኽ ኣባና ይነብር። ፍቕሩ`ውን ኣባና ትፍጸም-” ተባሂሉ ዘሎ፡ ንኣምላኽ ምርኣይ ማለት፣ በቲ ንሕና ኣብ ነንሓድሕድና እነርእዮ ፍቕርን ሓልዮትን ጥራይ` ክግለጽ ዝኽእል። እምበኣር ንኣምላኽ ምርኣይ ማለት፣ ብፍቕሪ ክትነብር ምኽኣል፣ ዝብል ትርጉም ዘስምዕ ኮይኑ` ዝርከብ ብምባል`ዩ፣ ዲያቆን-ዮሓንስ መልእኽቱ ዘጠቓለለ(1ዮሓ.4/12)

ካብዚ ብምቕጻል በዓል-ተራ ኮይኑ ዝመጸ፣ መምህር-የማነ ገብረ-ትንሣኤ እዩ። ሒዙዎ ዝቐረበ ኣርእስቲ ድማ “-ወንጌል ወይ ብሥራት-” ዝብል` ነይሩ። ብዝተረፈ መምህር`ውን ከምቶም ካልኦት ቅድሚኡ ኣብ መድረኽ ወጺኦም ዝነበሩ። ንሱ`ውን ብብቕዓትን ምሉእ ርእሰ-ተኣማምነትን`ዩ፣ ነቲ ዝተዋህቦ ኣርእስቲ ከቕርቦ ዝኸኣለ። ከም ኣገላልጻ መምህር-የማነ “-እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ። ንዓና ንደቂ-ሰብ ዝገለጾ ዓቢይምሥጢር። ብሥራት ወንጌል ጥዑም-ዜና ክንብሠር ምኽኣልና እዩ። እዚ ማለት ከኣ፣ እቲ ብመንገዲ መስቀል ኣቢሉ ዝተገበረልና ግብሪ ምድኃን። ነቲ ኣባና ዘለዎ ፍቕሪ ከግህዶ ከም-ዝኸኣለ። ንዓና ንደቂ-ሰብ`ውን ክሳብ ክንደይ ጎይታ ከም-ዘፍቀረና። ካብቲ እንነብሮ ክርስቲያናዊ-ሕይወት ንላዕሊ፣ መረድኢ ኮይኑ ክቐርብ ዝኽእል የልቦን-” ብምባል`ዩ፣ እቲ መሳጢ ዝነበረ መልእኽቱ ዘጠቓለለ።

ብወገኖም ሊቀ-ካህናት ተክለማርያም ምርካ-ጽዮን`ውን። ኣብ ህልው ኩነታት ቤተ-ክርስቲያን ብምትኳር። ስፍሕ ዝበለ መደብ`ዮም ዘቕረቡ። ንሶም ከም-ዝበሉዎ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፣ ኣብዚ ግዜ` እቲ ዝዓበየ መዘራረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ፣ ይርከብ ኣሎ ብምባል`ዮም፣ ኣብቲ ነዊሕ ትንተና ዝሓተተ ሰፊሕ ኣርእስቲ ዝኣተዉ። ነቲ ሕጂ እታ ቤተ-ክርስቲያን ትሓልፎ ኣላ ዝበሃል፣ ብፈተና ዝተመልአ ከቢድ ኩነታት`ውን፡ ብዝርዝር ኣቕሪቦሞ`ዮም ክበሃል ይከኣል።

ከም ኣበሃህላ እቶም ሊቀ-ካህናት ጸገም ቤተ-ክርስቲያን፣ እቲ በቲ ሥርዓት ዝግበር ፖለቲካዊ ምትእትታው ኮይኑ። 30-ዓመት መመላእታ ዝቕጽል ዘሎ ምዃኑ`ዮም ዝገልጹ። ብዝተረፈ ንስለ ዘረባ ደኣ፣ ነፃ ቤተ-ክርስቲያን ኣላ ተባሂሉ ይዘረብ እምበር። ካብ መጀመርታ ክሳብ ሕጂ፣ ካብ ምቁጽጻር ፖለቲካ ነፃ ዝኾነት ቤተ-ክርስቲያን፣ ነይራ ዝበሃል ታሪኽ ግና የልቦን። ከም ውጽኢት` ኩሉ` ድማ`ዩ፣ ኣብዚ እዋን` መሓውር ቤተ-ክርስቲያን። ከም-ዘይንቀሳቐስ ኮይኑ፣ ተቐይዱ ዝርከብ ዘሎ። እዚ ፖለቲካዊ ኣርዑት` ካብ ክሳድ ቤተ-ክርስቲያን ክወርድ ክሳብ ዘይከኣለ ከኣ። ሓዋርያዊት ዝኾነትን ብቀኖና እትምራሕን፣ ቤተ-ክርስቲያን ኣላትና ክበሃል ከም-ዘይከኣል `ዮም፣ እቶም ሊቀ-ካህናት ዝተዛረቡ።

እቶም ሊቀ-ካህናት ዘረባኦም ብምቕጻል “-ክሳብ` ሰዓት`ዚኣ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ምሉእ ብምሉእ ተቘጻጺሩዋ ዝርከብ ዘሎ። እቲ ፖለቲካዊ ሥርዓት`ዩ። ነዚ መርዛም ዝኾነ ኢድ`ዚ፣ ካብታ ቅድስቲ ቤት ከም-ዝወጽእ ክግበር ከይተኻእለ ከኣ፣ ህልውና ሓንቲ ነፃ ዝኾነት ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ክረጋገጽ ዝከኣል ኣይኮነን። እቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት ብቐጻሊ ይዘርኦ ብዘሎ መርዛም እሾኽ ግና፣ እቲ ኣብ ውሽጢ ውሉደ-ክህነትና ዘሎ ፍልልያት እናሰፍሐ` ክኸይድ ዝርአ ዘሎ። ስለዚ ነዚ ሕማም` ንምፍዋስ፣ በይኑ እቲ ውሉደ-ክህነት ክፈትሖ ስለ-ዘይክእል። ናይ ማኅበረ-ምእመናን ተሳትፎ ወይ ሓገዝ፣ ይድለ ምህላዉ ክፍለጥ ይግባእ-” ብምባል`ዮም ሊቀ-ካህናት ተክለ-ማርያም መልእኽቶም ዘጠቓለሉ።

ዝኾነ ኾይኑ ነዚ ዕዉት ዝኾነ ጉባኤ`ዚ፣ ዝመርሑዎን ዘወሃሃዱዎን ዝኣለዩዎን ቀሲስ-ዮናስ ወልደ-ሩፋኤል እዮም። ከም ሓቅን ስለ ሓቅን ኢልካ ክዝረብ እንተደአ ኮይኑ፣ እቲ ዝነበረ ኣገልግሎት፡ ሓደ ካብቶም “-ወንጌል ማእከል ዝገበረ ኣገልግሎት-” ኣብ ምስፍሕፋሕ ይሠርሑ ኣለዉ ካብ ዝበሃሉ ኣገልግሎታት፡ ሓደ ካብኣቶም ተባሂሉ ክጥቀስ ዝከኣል እዩ። ኩሎም እቶም ነዚ ቅዱስ ዕላማ` ሒዞም ዝጎዓዙ ዘለዉ ኸኣ፡ በዚ ኣገልግሎት እዚ ክምስገኑን ክተባብዑን ዘይግብኦም ኣይኮነን ንብል።

ብዝተረፈ ኣብቲ ካልኣይ መዓልቲ ናይቲ ጉባኤ። ማለት ቀዳም 28/12/2019 እቲ ኣገልግሎት ብቅዳሴ` ተጀሚሩ። እቶም ሊቀ-ካህናት ሠራዒ ኮይኖም ዝመርሑዎ ቅዳሴ ድማ ተኻይዱ። ብዙሓት`ውን ናይቲ መኣዲ ቅዱስ-ቁርባን ተሳተፍቲ ኮይኖም ክርከቡ ክኢሎም እዮም። በዚ ኸኣ እቲ መደብ፣ ዕዉት ተባሂሉ ክግለጽ ብዝኽእል ኣገባብ ክፍጸም ክኢሉሎ።

ስብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል-!

ወለወላዲቱ ድንግል-!

ወለመስቀሉ ክቡር-!

(ዘኣንበሳ ማርቆስ)      

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div