S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

3ይ-ዓመት ኦርቶዶክሳዊ-ኮንፈረንስ ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ

መቐጸልታ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ተለሚዱ ዝጸንሐ ኩሉ። ኣብዚ ሰሙን’ዚ እውን ኣብ ከተማ በርኒንግሃም፣ ንክልተ መዓልቲ ዝኸደ መንፈሳዊ ጉባኤ ተገይሩ ውዒሉ። በዚ ድማ ካብ ሎንዶንን ማንችስተርን ዝመጹ ማኅበረ-ምዕመናን፥ ምስ በርኒንግሃም ተሓዊሶም፥ ግሩም ተባሂሉ ክግለጽ ብዝኽእል መንፈስ እቲ ጉባኤ ክካየድ ክኢሉ።

እቲ መደብ ብወግዒ ዝተጀመረ ቀዳም 20/09/ ኮይኑ። ክሳብ ንጽባሒቱ ሰንበት ድማ እቲ ኣገልግሎት ክቕጽል ውዒሉ። እቲ ተጋባኢ ኮይኑ ዝወዓለ ሕዝቢ ድማ፥ ኣዚዩ ዕግበት ዝረኸበሉ ጉባኤ’ዩ ነይሩ ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል። ቀስ ብቀስ ድማ ማኅበረ-ምዕመናን ተዋህዶ፥ እቲ መድረኽ ብርድኢት ዝዓብዩሉን ዝሕነጹሉን እናኾነ ይመጽእ ብምህላዉ። እዚ ኩሉ’ዚ ከኣ እኩብ ድምር ናይቲ ዝግበር ዘሎ ጻዕርን ድኻምን ስለ-ዝኾነ። ርድኢት ሕዝብና እወንታዊ ለውጢ ኣብ ምግባር ይርከብ ኣሎ ክበሃል ይከኣል።

ብዝተረፈ እቲ መደብ ናይቲ ጉባኤ ኣወሃሃዲ ብዝነበሩ፥ ዲያቆን ጸጋ-ብርሃን ደበሳይ ኣቢሉ’ዩ እናተኣልየ ክካየድ ዝወዓለ። በቲ ተታሒዙ ዝነበረ መደብ ድማ፥ መጀመርታ ናብ መድረኽ ዝቐረቡ ቀሲስ-ዮናስ ተሾመ እዮም። እቲ መልእኽቶም ኣብ ወንጌል-ዮሓንስ ዝተመሥረተ ኮይኑ። ኣብ ውህበት መንፈስ-ቅዱስ ዘተኮረ’ዩ እውን ነይሩ። ብዘይ ውህበት መንፈስ-ቅዱስ ከኣ። ንሕና ከም ደቂ-ሰብ መጠን፥ ንዓለምን ንኃጢኣትን ክንስዕር ኣይንኽእልን ኢና። ዝብል ትሕዝቶ ዝነበሮ ትምህርቲ’ዮም ሂቦም።

ኣብ መወዳእታ ሕቶ ዝነበሮም ሰባት ንክሓቱ ዕድል ስለ-ዝተዋህበ’ውን። ንትምህርቲ መንፈስ-ቅዱስ ብዝምልከት ብዙሕ ሕቶታት ቀሪቡ። ቀሲስ-ዮናስ’ውን ነቲ መደብ ብግቡእ ተዳልዮሙሉ መጺኦም ስለ-ዝነበሩ፥ ኣብቲ ዝወሃብ ዝነበረ መልሲ ዕግበት ዘይነበሮ ኣይነበረን ክበሃል ይከኣል። ብዝኾነ እቲ መደብ ምስ ተወድአ ከኣ፥ ናይ ሻሂ ዕረፍቲ ተገይሩ። እቶም ማኅበረ-ምዕመናን ከኣ ካብ ብዝሒ ምግዳስ ዝተላዕለ። ኣብቲ ዕረፍቲ’ውን ካልእ ዕላል ኣይነበሮምን። ምስቲ ሻሂ ኣኻፍዮም’ውን ነቲ ትምህርቲ የስተማቕሩዎ ነይሮም ክበሃል ይከኣል።

ካብዚ ብምቕጻል በዓል ተራ ኮይኖም ናብ መድረኽ ዝመጹ። ሊቀ-ካህናት ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ኮይኖም። ሒዞሞ ዝመጹ ትምህርቲ’ውን ብዛዕባ ንስሓ እዩ። ንሶም ከም-ዝበሉዎ ኣብተን ሾብዓተ-ምሥጢራተ ቤተ-ክርስቲያን “-ንስሓ-” ከም ዘሎ ዝፍለጥ እዩ። ንስሓ ግና ክደጋገም ዝግብኦ ደኣምበር፥ ሓንሳእ ተነሲሔ’የ ኢልካ ዝውዳእ ነገር ኣይኮነን። ስለዚ ንነፍስና ብናይ ገዛእ ሕልናና ወቐሳ፥ ብቐጻሊ ናብ እግዚኣብሔር ከነቕርባ ከም-ዝግበኣና’ዮም መልእኽቶም ዘመሓላለፉ።

ብምቕጻል ሊቀ-ካህናት “-ንስሓ ማለት ኣብ ቀጻሊ ጣዕሳ ምንባርን። ናብ ዘለዓለማዊ ክብሪ ዘሰጋግርን ማለት’ዩ-” ብምባል። እቲ ኣብ 2ይ-ዕዝራ “-እዚኣቶም ክዳን-ሞት ደርብዮም ክዳን-ሕይወት ዝለበሱ እዮም። ...... ምልክት ዓወቶም ከኣ፥ ዘውድን ስየን ይወሃቡ ኣለዉ-” ዝብል። ምስቲ ኣብ ራእይ-ዮሓንስ “-እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝወጹ። ንኽዳውንቶም’ውን ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ዘጻዕደዉ እዮም-” ተባሂሉ ዘሎ ብምንጽጻር’ዮም ሊቀ-ካህናት መልእኽቶም ዘመሓላለፉ። (2ይ ዕዝ. 2/42-45) (ራእ.7/13-17)

ብድሕሪ’ዚ ንሕቶን መልስን ዝኸውን ግዜ ስለ-ዝተዋህበ ከኣ፥ ኩሉ ዝዋስኣሉ መድረኽ ክኸውን ክኢሉ’ዩ ክበሃል ይከኣል። ከምዚ’ሉ ድማ እቲ መደብ ክጠቓለል ክኢሉ። ብድሕሪ’ዚ ድማ እቲ ናይ ምሳሕ ሰዓታት ስለ-ዝኣኸለ፥ እቲ ጉባኤ ኣመት ምስሑ ክገብር ዕረፍቲ ተገይሩ። ብልግሲ  ‘ቶም ናይ በርኒንግሃም ማኅበረ-ምእመናን ዝቐረበ ግሩም ዝኾነ መኣዲ ስለ-ዝቐረበ ድማ፥ ኩሉ ከከም ምርጭኡ ብኣኮቴት ክምገብ ክኢሉ። እተን ወሓለታት ዝኾና ኣንስቲ በርኒንግሃም ዝቐረብኦ መኣዲ ድማ፥  በቲ ህዝቢ ምስጋና ክረክብ ክኢሉ።

ብድሕሪ ምሳሕ ቡን ምስ ተሰትየ ድማ፥ እቲ መደብ ከም-እንደገና ክጅመር ክኢሉ። እቶም ብመዓርግ ዲያቆን ዝኾኑ ዶክተር ብርሃነ ሥዩም’ዮም ናብ መድረኽ ዝወጹ። ዶክተር ብርሃነ ንመጀመርታ ግዜ ኣይኮኑን ናብዚ ኮንፈረንስ’ዚ ዝመጹ ዘለዉ። ኣብቲ ዓምን ቅድሚ ዓምን ዝተኻየደ ኮንፈረንስ’ውን ነይሮሞ እዮም። ስለዚ’ውን ንተሳተፍቲ እዚ ጉባኤ’ዚ እውን ጋሻ ኣይነበሩን። ከመይሲ ካብ መጀመርታ ንሶም ዶክተር ብርሃነ ዘይተሳተፉዎ ጉባኤ ኣይነበረን። ምስ ዶክቶር ቀሲስ ተስፎም ኮይኖም ናብዚ ናብ ኤውሮጳ ክመላለሱ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብዚ ሕጂ ግና ዶክቶር ቀሲስ ተስፎም፥ ብኻልእ ሥራሕ ስለ-ዝተታሕዙ፥ ዶክተር ብርሃነ በይኖም’ዮም ክመጹ ክኢሎም። ኣብ ርእሲ’ቲ ብውልቂ ዝህቡዎ ዝነበሩ፥ ናይ ሕክምና ሞያዊ ትምህርትን ማዕዳን። ነቲ መንፈሳዊ ተልእኮ ብዝምልከት’ውን፥

1.   ብዛዕባ ዶግማን ቀኖናን ቤተ-ክርስቲያን

2.   ብዛዕባ ህልው ኩነታት ቤተ-ክርስቲያን

3.   ብዛዕባ ፓትርያርክ ኣቡነ-እንጦንዮስ

4.   ብዛዕባ ብድሆታትን ጸገማትን ቤተ-ክርስቲያን፥ ብመንጽር’ዚ ዘሎ ዘይክርስቲያናዊ ምዕባሌታት። ኣብዚ ዘሎ ምዕቡል ዓለም።

5.   ማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶ፥ ነዚ እናማዕበለ ክመጽእ ዝርአ ዘሎ ዘይክርስቲያናዊ ነጸብራቓት። ብኸመይ ክገጥሞ ወይ ክከላኸሎ ከም-ዝግባእ፥ ሰፊሕ ትሕዝቶ ዝነበሮ ትምህርቲ ሂቦም።

ዘዕግብ ትምህርቲ ስለ-ዝነበረ’ውን፥ ዘይተሓጎሰ ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን። ኣብዚ እዋን’ዚ ከም ዶክተር ብርሃነ ዝኣመሰሉ ውፉያት ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ብምህላዎም ድማ፥ እቲ ደምበ ተዋሕዶና ዘይሕጎሰሉ ምኽንያት የልቦን። ብዝተረፈ ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ካብ ዝተራእየ ዘሐጉስ ተበግሶ። እተን ኣዴታት በርኒንግሃም ምስቲ ኣጋይሽ ንምቕባል ዝነበረን ከቢድ ሓላፍነት። ነቶም ህጻናት ደቀን ኣርኣያ ንምዃን፥ ብምድግጋም ኣብ መድረኽ ወጺአን ክዝምራ ምኽኣለን እዩ። ካብዚ ዝዓቢ ተወፋይነት ድማ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።

ብዝተረፈ ንጽባሒቱ ሰንበት ከምቲ ልሙድ ቅዳሴ ተኻይዱ። እቲ ቅዳሴ ሠራዒ ኮይኖም ዝመርሑዎ ድማ ቀሲስ-ዮናስ እዮም። ዳርጋ ኩሉ ተሳታፊ ቅዱስ-ቁርባን ብምዃን ድማ፥ እቲ መደብ ንእግዚኣብሔር  ክብሪ ክህብ ብዝኽእል ኣገባብ ክፍጸም ክኢሉ። ብዝተረፈ ቀሲስ-ሺኖዳን ዲያቆን-ዮሓንስን’ውን፥ ኣካል እቲ ጉባኤ ብምዃን። ኣብ ኩሉ’ቲ ክግበር ዝወዓለ ኣገልግሎሎት ዓቢይ ተሳትፎ ከም-ዝነበሮም ክንገር ግቡእ’ዩ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ

ስቡሕኒ ውእቱ ወልዑልኒ ውእቲ ለዓለም

ዘኣንበሳ - ማርቆስ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div