S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ ሃገረ-ስዊስዘርላንድ ዝተኻየደ ዕዉት ጉባኤ

ኣቐዲሙ ተታሒዙ ብዝነበረ መደብ መሠረት። ኣብ ዕለት 29 ወርሒ-10 ኣብ ሃገረ-ስዊስ ከተማ ሰንት-ጋለን ዝተባህለት ከተማ። እተን ኣብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዐን ዝርከባ ኣብያተ-ክርስቲያናት፥ ተጋቢኤን ከም-ዝወዓላ እቲ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ ኣሎ። እዚ ጉባኤ’ዚ ካብ ነዊሕ እዋን ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ከም-ምዃኑ መጠን። ብብዙሕ ተስፋን ሃንቀውታን ክጽበዩዎ ዝጸንሑ ብዙሓት እዮም።

እዚ ጉባኤ’ዚ ብዙሓት ኣብያተ-ክርስቲያናት፥ ልኡኻተን ብምልኣኽ ተሳቲፈንኦ ዝወዓላ ጉባኤ’ዩ። ከመይሲ ንሳተን እዘን ኣብ ኤውሮጳ ዝርከባ ኣብያተ-ክርስቲያናት፥ ኣብ ትሕቲ ጽላል ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ-እንጦንዮስ፥ ከምኡ’ውን ብመሪሕነት ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ዝተማእከላ ከም-ምዃነን መጠን። እቲ ካብ 1991 ኣትሒዙ ንቤተ-ክርስቲያንና ተቘጻጺሩዋ ዝርከብ ዘሎ ፖለቲካዊ-ኃይሊ። ክገብሮ ብዝጸንሐ ዘየቋርጽ ጸቕጢ፥ ኣብ ኩሉ ምንቅስቓሳትና ዘየቋርጽ ጸገማት ከጋጥም ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ’ውን፥ ኣካል’ቲ ብብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ዓቃቤ-መንበርነት ተመሪሑ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ስለ-ዝኾነ። እዚ ፈተና’ዚ ክተርፈሉ ኣይከኣለን። ብብዙሕ መንገዲ’ውን ዘየቋርጽ ኣሉታዊ ጎስጓስ ክካየደሉ ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ኣገልግሎትና ንነዊሕ እዋናት ተዳኺሙ ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ። እቲ ዝተኸስረ እዋናት’ውን ዉሑድ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። እቲ ተረቂቑ ዝኣተወ ፖለቲካዊ-እሾኽ ነቒስካ ምውጽኡ ከይተኻእለ ከኣ፥ እቲ ሓጎጽጎጽ ከጋጥም ግድነት’ዩ ነይሩ።

ስለምንታይ’ዩ እዚ ኩሉ ክኸውን ዝኸኣለ እንተ ተባህለ-? ኣብቲ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ናይ ቅዱስ-ማርቆስ ጸኒዑ ብምርካቡ እንተ ዘይኮይኑ። ካልእ ዝኽሰሰሉን ዝውቀሰሉን ምኽንያት የልቦን። እቲ ኣብቲ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ጸኒዕካ ደው ምባል ድማ፥ ነቶም ሰብ ፖለቲካ ዘቕስኖም ኮይኑ ክርከብ ብዘይ ምኽኣሉ’ዩ። እዚ ማለት ድማ ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ፥ ንፓትርያርክነት ብፁዕ ወቅዱስ-ፓትርያርክ ኣቡነ-እንጦንዮስ፥ ሕጋውን ቀኖናውን’ዩ ኢሉ ስለ-ዝኣምንን ዝቕበልን። እቶም ሰብ ፖለቲካ እግሪ እግሩ እናሰዓቡ ክነኽስዎ ግድነት ኮይኑ’ዩ ጸኒሑ።

በዚ ምኽንያት እዚ’ውን፥ ገለ ካብቶም ኣባላት’ዚ ሃገረ-ስብከት’ዚ ኮይኖም ዝጸንሑ ውሉደ-ክህነት። ንዓለም ስለ-ዘፍቀሩዋ ብርኪ ኣባ-ሉቃስ ተሳሊሞም፥ ናብ ደምበ-ህግደፍ ከይዶም ዝተሓወሱ ነይሮም’ዮም። ገሊኦም’ውን ምንም’ኳ ኣባ-ሉቃስ ክህነትኩም ኣይንፈልጥን ብምባል፥ ኣይንቕበለኩምን ኢና ኢሎም እንተ ኣበዩዎም’ውን። ሕጂ ኣብዚ እዋን’ዚ እውን፥ ምስቲ ካብ ስዊድን ተበጊሱ ክሳብ ካስል ክግበር ዝቐነየ ምትእኽኻብ። እግዚኣብሔር ዘይሕጎሰሉ ኣፍራሲ ዝኾነ ተልእኮ ሒዞም ክንቀሳቐሱ ቀንዮም’ዮም። እዝን ክንድዝን ከኣ’ዩ ነቲ ሃገረ-ስብከት፥ ንድሕሪት ክጎቶን ሓሊኹ ክሕዞን ዝኸኣለ።

ሕጂ ግና እቶም ኣብ እምነቶም ጸኒዖም፥ ዘይሕለል ጻዕሪ ክገብሩ ዝጸንሑ ዉሉደ-ክህነት፥  ነቲ ፈተና ስዒሮሞ ክወጹ ስለ-ዝኸኣሉ። እንሆ እቲ ካብ 2013 ጀሚሩ ከዕገርግር ዝጸንሐ ዘራጊቶ ንፋስ። ሓደ መወዳእታ ክገብሩሉ ምኽኣሎም ክንደይ’ኳ ዘሐጉስ እዩ። በዚ ድማ እቲ ኣብ ሰንት-ጋለን ተጋቢኡ ዝወዓለ ጉባኤ። ኣካያዲ-ኣካል መሪጹ ንሥራሕ ተበጊሱ ኣሎ። ልዕሊ’ዚ ዘሐጉስ ድማ ካልእ ነገር ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን።

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ክበሃል ከሎ፥ እንታይ ማለት ምዃኑ ዘይርድኦም ብዙሓት ክህልዉ ይኽእሉ’ዮም። ከመይሲ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዝመሓደራ ካልኦት ኣብያተ-ክርስቲያናት ምህላወን ስለ-ዘይፈልጡ እዮም። እዚ ንሕና ዘሎናዮ መስመር ግና፥ ኣብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዑ ዝርከብ ዘሎ እዩ። ማለት እቲ ሕጋውን ቀኖናውን መንበር፥ እቲ ብብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ-እንጦንዮስ ዝምራሕ መንበር ደኣምበር፥ እቲ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካብ መንበር ኣሊኻ። ብኻልእ ኣቢልካ ክኽየድ ዝድለ ህግደፋዊ-መንገዲ፥ ኣትሪሩ ክነጽጎ ጸኒሑ’ዩ ብቐጻሊ’ውን ክነጽጎ’ዩ ዝርከብ ዘሎ። ስለ’ዚ ከኣ’ዮም እቶም ሰብ ፖለቲካ፥ ነዚ ሃገረ ስብከት-ኤውሮጳ ሒዙዎ ዝርከብ ዘሎ ቀኖናዊ መስመር፥ ዘይ ስሙ ስም እናሃቡ ከጸልሙዎ ዝርከቡ ዘለዉ።

ይኹን እምበር እቶም ሰብ ፖለቲካ ዝደለዩ ይበሉ ብዘየገድስ። ንሳቶም ካብ ቤተ-ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ኢዶም ኣውጺኦም ክሳብ ዘይከዱ፥ እቲ ቃልሲ ደው ክብል ዝኽእል ስለ-ዘይኮነ፣ ክሳብ መወዳእታ ክቕጽል እዩ። እዚ ናይ ሰንት-ጋለን ጉባኤ ከኣ፥ ነዚ ከረጋግጽ ዝኽእል ግልጺ ዝኾነ መልእኽቲ እዩ። ርግጽ’ዩ እቲ ብመንገዲ ኣባ-ሉቃስ ኣቢሉ ክግበር ዝጸንሐ ምዕግርጋር። ንልዕሊ 10-ዓመት ዝኣክል ከፍርስን ከዕኑን ጸኒሑ’ዩ። ሕጂ ግና ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኮነ ኣብዚ ኣብ ወጻኢ ብትሪ ተነጺጉ ስለ-ዝኾነ። ድሕሪ ደጊም ዝበሉ እንተበሉ’ውን፥ ከስልጡዎ ዝኽእሉ ነገር ይህሉ’ዩ ኣይንብልን።

ነዚ ከም መረድኢ ዝቐርብ፥ እቲ እቶም ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዘለዉ ውሉደ-ክህነት፥ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዘውጽኡዎ መግለጺ እዩ። ይኣክል-! ኣብ ዝብሉሉ ደረጃ ስለ-ዝበጽሑ’ውን፥ እንኮ ሕጋዊ-ፓትርያርክ፥ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ-እንጦንዮስ እዮም ዝብል ኣቕዋም ከም-ዝሓዙ ተገሊጹ ኣሎ። ስለዚ እቲ ኣባ-ሉቃስ ዝተኣዘዙዎ ፖለቲካዊ ተልእኮ ንምፍጻም ክብሉ፥ ከፍርሱዎን ከዕንዉዎን ዝጸንሑ ድሕሪ ደጊም ክቕጽል ከም-ዘይኮነ፥ ካብዚ ንላዕሊ ክቐርብ ዝኽእል መረድኢ ኣሎ ኣይንብልን።

የግዳስ እቲ ጸሓይ ንኣባ-ሉቃስን ጎይቶት ኣባ-ሉቃስን ይዓርቦም’ዩ ዘሎ። ናይ ፖለቲካ መምርሒ ተኸቲሎም ይሠርሑ ስለ-ዘለዉ ግና፥ ኣማራጺ ዘይብሎም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ብዝተረፈ ኣብቲ ክግበር ዝቐነየ ናይ መራኸቢ ብዙኃን ሙግት። ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ከም-ዝሰዓሩ ኩሉ ዝረኣዮ ስለ-ዝኾነ። ድሕሪ ደጊም ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ደው ኢሉ ክዛረብ ትብዓት ዘለዎ ጳጳስ ክርከብ ይኽእል’ዩ ኣይንብልን። ስለዚ’ውን ድሕሪ ደጊም “-ፓትርያርክነ-እንጦንዮስ ወጳጳስነ-መቃርዮስ-” ዘይብል ኩሉ። ኣብቲ ደምበ ተዋሕዶና፣ ኣፉ ክኸፍት ዘኽእሎ መድረኽ፥ ክረክብ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት የብልናን።

ብዝተረፈ ማሕበረ-ምዕመናን ሰንት-ጋለን፣ ኣጋይሾም ንምቕባል ዘርኣዩዎ ተገዳስነትን ምቕሉልነትን፣ ብጣዕሚ ዝምስገን ምንባሩ ከይጠቐስናዮ ክንሓልፍ ኣይንኽእልን። ስለቲ ዝገበሩዎ ኩሉ ድማ፣ ደጊምና ደጋጊምና ከነመስግኖም ባህ ይብለና። 

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ

ስቡሕኒ ውእቱ ወልዑልኒ ውእቲ ለዓለም

ዘኣንበሳ - ማርቆስ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div