S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓበሬታ ንተመሃሮ ኮለጅ ተዋሕዶ (ሓደስትን ነባራትን)

ትምህርቲ ስነ መለኮት ተዋሕዶ ምስ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብምትሕብባር፥ ንውሉደ ክህነትን ምእመናንን መንፈሳዊ ፍልጠቶም ንምዕባይ ኣብ 2013 ትምህርቲ ምጅማርና ዝዝከር እዩ። መፍትሒ ናይቲ ውህሉልን፡ ስቓይ ኮይኑና ዘሎ እዋናውን ፈተና ቤተክርስቲያንና ድሕረት ትምህርቲ ምዃኑ ስለ ንኣምን፡ ትምህርቲ ንምስፋሕ ዝኣክል ሕድገታት ክንገብር ከምዘሎና ንግንዘብ።

ንኹሉ ውልቃዊ ጸገማትን፡ ዘይንቡር ህሉዊ ኩነታት ሕዝብናን ቤተ ክርስቲያናን ተጻዊርኩም ትምህርቲ ስነ መለኮት ኮለጅ ተዋሕዶ ትከታተሉ ንዘሎኹም ንንእድ። ብወገንና ንዝርኣይ ድኽመት፥ ካብ ከቢድ ናብራ ስደትን ጽበት ግዜን ምዃኑ ኪትርድኡልና ብምምሕጻን፥ ቀጻሊ ገምጋም ብምግባር ንምሕያሉ ኪንሰርሕ ምዃንና ቃል ንኣቱ። ምዱብ ትምህርቲ መስከረም 2019 ክጅመር እዩ።

በዚ መሠረት፥-

1. ናይ መዝገባ ግዜ እዚ ሓበሬታ እዚ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣምሪካ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 30 ነሓሰ 2019 ይኸውን። 1 መስከረም 2019 ትምህርቲ ኪጅመር እዩ።

2. ኩልኹም ነባራትን ሓደሽትን ኣብ www.tewahdotheology.org ኣቲኹም መመዝገቢ ቅጥዒ (admission) መሊእኩም ኣረክቡ (submit ግበርዎ)

3. ኣብ መስከረም ጀሚሩ ኣብ ታሕሳስ ዝውዳእ ሰመስተር (2019) እዚ ዝስዕብ ትምህርትታት የጠቓልል

  1. ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን -Church History
  2. ቀኖና ቤተ ክርስቲያን -Church Canon
  3. ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን -Church Administration

ተወሳኺ ሓበሬታ

4. እቲ ዝወሃብ ትምህርቲ ጾታን ዕድመን ዘይፈሊ ብቋንቋ ትግርኛ እዩ ዝወሃብ። ኩሉ ትምህርቲ ብናይ ርሕቀት ትምህርቲ (Correspondence Education) ጥራይ ይወሃብ።

5. ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ኤርትራ፥ ኣብ መዓስከራት ሱዳን፥ ኢትዮጵያ፥ ሊብያ፥ ዘለዉ ካብ ክፍሊት ናጻ እዮም።

6. ኣብ ዝኾነ ዓለም ዘለዉ ተመዝገብቲ መምሃርን መመዝገብን ክፍሊት ናይ ሓደ ክፍለ ጊዜ (semester) $100 (ሓደ ሚእቲ ዶላር) ይኸፍሉ

7. ክፍሊት ንዝኸፈለን ኣብ ዝተጠቕሳ መዓስከራት ንዘለዉ ጥራይ መለለዪ ስም (user name) ናይ ምሥጢር ቁጽሪ (password) ብኣድራሻ ኢመይል (Email) ይለኣኽ።

8. ናይ ኮምፒተር ኣጠቓቕማ ክእለት ዝሓጽሮም ሰባት ብዝህቡና ናይ email/Telephone ሓበሬታ ሓገዛት ክንገብር ንእኽል። ኩሉ ዝወሃብ መርመራ (test) ብኮምፒተር ይወሃብ።

መተሓሳሰቢ፥- ናይ ዝኾነ ይኹን ተመሃራይ፥ ስሙ፥ መዓርጉ፥ ግላዊ ሓበሬታኡ ኣብ መዝገብ እቲ ናይ ስነ መለኮት ቤት ትምህርቲ ብውሑስ መገዲ ይዕቀብ። ብዘይ ፍቓድን ድልየትን እቲ ተመሃራይ ንደገ ኣይወጽእን። 

እግዚኣብሔር ንቤተክርስቲያንናን ሕዝብናን ዘመን ፍትሒ፡ ርትዒ፡ ሕግን ሥርዓትን የምጽኣልና። ንቅዱስ ኣቦና ኣቡነ እንጦንዮስ 3 ፓትርያርክ፡ ንብፁእ ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስ፡ ንኹሎም ኃይማኖትም ቅኑዕ ዝኾነ ጳጳሳት፡ ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናን ኣብ ኩሉ ኣገልግሎቶም ሓይሉን ረድኤቱን ይሃብ።

ምምሕዳር ኮለጅ ስነ መለኮት ተዋሕዶ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ተዋሕዶ ኤርትራ፥

ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ

14 ነሓሰ 2019 (ነሓሰ ,  ፪፻፲፩/ ግእዝ)

www.tewahdotheology.org

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div