S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሔር! ፳፻፲፪ (2012 ዓ.ም)

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ፡ ኣሜን።

ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንነፍሲ-ወከፍኩም ኣብ ዘዘሎኹሞ ኵሉ ኵርንዓት ዓለም ይብጻሕኩም። ቀጺልና መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፥ ብምኽንያት እዚ ሓድሽ ዓመት ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር፥ እንቋዕ ናብ ብሩኽ ብርሃነ-ዮሓንስን ናብ ሓድሽ ዓመት ዘመነ ዮሓንስን ፳፻፲፪ (2012 . ግእዝ) ብጥዕናን ሰላምን ኣብጽሓና ይብል።

ክቡራን ውሉደ-ክህነትን ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን፥ ከምዝፍለጥ ንምእታው ሓድሽ ዓመት ብዙሕ ሰብ ብዓቢይ ሃረርታን ተስፋን እዩ ዝጽበዮ። ምኽንያቱ ናይ ግዜ ምቅይያር ንኹሉ ጉዕዞ ሕይወት ወዲ-ሰብ ዝምልከት ኣገዳሲ መስርሕ ስለ ዝኾነ እዩ። በዚ መሠረት ወላኳ እዘን ዝሓለፋ ዓመታት ከቢድ ፈተናን ጸገማትን፥ ብዙሕ ስደትን ሞትን ዝረኣናለን ናይ ቃንዛን ስቕያትን እዋናት እንተ ነበራወተፈሣሕነ ህየንተ መዋዕል ዘኣሕመምከነማለትብመጠን እተን ዘጨነቕካና መዓልታትን ክፉእ ዝርኤናለን ዓመታትን ኣሓጕሰናከም ዝበለ ንጉሥ ዳዊት (መዝ 9015) ጸበባ ብራህዋ፥ ጭንቀት ብቕሳነት፥ ክፍኣት ብሠናይ ነገራት፥ ክትካእ ሠናይ መደብ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ እንሆ ሕጂ ድማ፥ ዓመታት ባእስን ጥልመትን ሓሊፉ፥ ሓድሽ ዓመት ፍቕርን ስኒትን ከም ዝመጽእ፥

ዓመታት ጓህን ንብዓትን ሓሊፉ፥ ሓድሽ ዓመት ሓጎስን በረኸትን ከም ዝእወጅ፥

ዓመታት ግፍዕን መእሰርትን ሓሊፉ፥ ሓድሽ ዓመት ፍትሕን ነጻነትን ከም ዝነግሥ፥

ዓመታት ስደትን ሞትን ሓሊፉ፥ ሓድሽ ዓመት ምትእኽካብ ክብረትን ከም ዝሰፍን፥

በቲ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ ወንጌል ሉቃስ 418-19 ንድኻታት ከበሥሮም ስለ ዝቐብኣኒ፥ ንምሩኻት ምምላስ፥ ንዕዉራት ምርኣይ፥ ንግፉዓት ምውጻእ ሓራ ከበሥር፥... ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሔር ክሰብኽ ለኣኸኒዝበሎ መሠረት ብምግባር፥ ንሕና እቶም ብስሙ ኣሚንና ክርስቲያን ዝተሰመና፥ ብሰማያዊ ፍቕሩ ከኣ ምሕረትን ድኅነትን ዝረኸብና ሰዓብቱ ድማ ብድሕሪ ጸልማት ብርሃን፥ ብድሕሪ ሞት ምድኃን ከም ዝረኸብና ስለ እንፈልጥ፥ ነዛ ንጅምራ ዘሎና ሓዳስ ዓመት ፳፻፲፪ (2012 .) ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሔር ብምባል፥ ኩሎም እሱራትና ሓርነት፥ ግፉዓትና ሰብኣዊ ክብረት ዝረኽቡላ፥ ናይ ዕርቅን ሓቅን ሠናይ ዘመን ከም ዝኸውን ንኹሉ ህዝብና ከነበሥርን ክንምስክርን ሓዋርያዊ መልእኽትና ንገልጽ።

ስለዚ እምበኣር ነዚ ሓድሽ ዓመት ዘመነ ዮሓንስ፡ ፳፻፲፪ (2012 . ግእዝ) እግዚኣብሔር ኣምላኽ ወርቃዊ ግዜ ንነፍሲ ወከፍና ክህበና ከሎ፥ ንሕና እቶም ብሕይወት ዘሎና ኵልና ድማ ከም ኣመንትን ናይ ክርስቶስ ስድራ-ቤትን መጠን እተን ቍንጣሮ ናይ ምድሪ ዘመንና እንዳተወደኣ፥ ናብታ ሰማያዊት ቤትና ኣጸቢቕና ንቐርብ ከም ዘሎና ክነስተውዕል ይግባእ። እዚ ማለት እቲ ሓላፊ ብነባሪ፥ እቲ ዝርአ ብዘይርአ፥ ከምኡውን ግዚያዊ ብዘለዓለማዊ፥ ምድራዊ ብሰማያዊ፥ ሥጋዊ ብመንፈሳዊ፥ ሞት ብሕይወት ክትካእ ግድን ስለ ዝኾነ፥ ነታ ትመጽእ መንግሥቲ ኣምላኽ ብቑዓት ወረስቲ ምእንቲ ክንከውን፥ ከም ቅዱስ ዮሓንስ ምእንቲ ሓቅን ሕግን ብጽንዓት ደው ክንብል፥ ምስቶም ዝሕጎሱ ክንሕጎስ፥ ምስቶም ዝሓዝኑ ክንሓዝን፥ ስለቶም ዝተኣስሩ ክንልምን፥ ብንስሓን ጸሎትን ንንቃሕ። ነቲ ዝተዋህበኩም ግዜ ብምልኡ ኣብ ረብሓ እናኣውዓልኩም፡ ከም ዓያሹ ዘይኮነስ ከም ለባማት ንበሩኤፈ 515 ዝብል ቅዱስ ቃልውን ንተግብር። ልዑል እግዚኣብሔር ብዓይኒ-ምሕረቱ ጠሚቱ፡ ብሩኽ ሓድሽ ዓመት፥ ናይ ሰላምን በረኸትን ኣዋጅ ይግበረልና።

ሰላም ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ይንገሥ! ቆላ 315

መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን

ሐሙስ  መስከረም ፳፻፲፪ (2012) . ግእዝ - ሓሙስ 12 መስከረም 2019 ፈረንጂ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div