S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መበል 21መንፈሳዊ ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ብሰላም ተዛዚሙ

"ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሃሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።” (ማቴ 5፡9) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጥቕሲ ንመበል 21 ዓመት ክካየድ ዝቀነየ ጉባኤ ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፥ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ብሰላም ተዛዚሙ፡፡ እቲ ጉባኤ ኣብ ከተማ ኣትላንታ ጆርጂያ ካብ ሓሙስ 25 ሓምለ ክሳብ ሰንበት 28 ሓምለ 2019 ዓ.ም እዩ ተኻይዱ። እግዚኣብሔር ረዲኡና ጉባኤና ካብቲ ዝተጸበናዮ ንላዕሊ ናይ በረኸት፣ ናይ ምጽንናዕ፣ ናይ ፍቕሪ ጉባኤ እዩ ነይሩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብጸሎት ዝጀመረ መደባት ናይ ንጉሆ፣ ድሕሪ ቀትርን ምሸታዊ መደባት ተሰሪዑ እዩ ክካየድ ቀንዩ።

ሓሙስ ንጉሆ ብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ነቲ ጉባኤ ብጸሎት ከፊቶሞ። እግዚኣብሔር ጉባኤና ክባርኽ ጸሎቶምን ሰናይ ባህጊ-ልቦምን ገሊጾም። ንምእመናን ድማ ማዕዳን ምትብባዕን ዝመልኦ መልእኽቲ ሂቦም። ንሶም፣ ቤተ ክርስትያን ካብ ፈተና ከምዘይትዓርፍ፣ ኣብ እዋን ፈተና ምእመናን መንፈሳዊ ዕጥቂ ዓጢቖም ኣብ እምነቶም ደው ክብሉ፣ ውሉደ-ክህነት ድማ ከም ኢያሱ ንህዝቢ ብትብዓት ክመርሑ ማዕዳ ሂቦም። ኣቐዲሙ ሃገረ ስብከት ብዘውጽኦ መደብ መሰረት፣ እቶም ዝምህሩ በብዝተመደበሎም ግዜ መደባቶም ኣቕሪቦም። ከም ኩሉ እዋን: ናይ ሎሚ ዓመት መደባት ጉባኤ’ውን ኣብ ስብከት፣ ትምህርቲ፣ ሰሚናርን ጸሎትን ዘድሃበ ጉባኤ እዩ ኔሩ። ከምኡውን ህዝቢ ብኽፉት ልቢ ዝተሳተፎ ናይ ሕቶን መልስን ግዜ ኔሩ። መደባት ጉባኤ 2019 ብመገዲ tewahdo.TV ብቐጥታ ተመሓላሊፉ መደባት ናይ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ድማ ስለ ሃገርናን ህዝብናን ብዝግበር ጸሎት ይዛዘም ኔሩ።

 

ሰንበት 28 ሓምለ 2019፡ ዝነበረና ጉባኤ ብጸሎተ ቅዳሴ ተዛዚሙ። መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶን ብዛዕባ ኣቦና ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስን መግለጺ ኣውጺኡ። ኣብቲ ዘውጽኦ መግለጺ፥ እቲ ብ"ሲኖዶስ" ዝግበር ዘሎ ገበን፥ ከምዘሕዘኖ ድሕሪ ምግላጽ፥ ብዘይካ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ካልእ ፓትርያርክ ከምዘይቅበል ገሊጹ። ምእመናን ውሉደ ክህነትን ድማ ነዚ ዝደጋገም ዘሎ ቀኖናዊ-ጌጋ ከይቅበሎ፥ ኣብ ሓደ ሰሚሩ ክነጽጎን ለበዋ ኣቕሪቡ።

ኣብዚ ዕለትዚ፥ ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ንሊቀ ካህናት ገብረሚካኤል ዮሃንስ፣ በቲ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ዘበርከትዎ ኣገልግሎትን ግድምናን፥ መዓርግ ቁምስና ሂቦሞም። ብተወሳኺ፥ ቆሞስ ገብረሚካኤል ዮሃንስ ምስ ክብርቲ በዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ ኢየሩሳለም መበል 25-ዓመት-ቃልኪዳኖም ((Silver) ጽምብል ኣኽቢሮም። ሕዝቢውን ብሓጎስን ብጸሎትን ተኻፋሊ ሓጎሶም ብምዃን ስለቲ ኣምላኽ ዝገበርልና ሰናይ ነገር ንኣምላኽ ኣመስጊኑ። ኣምላኽ ዕድመ ሂቡ፥ መበል 50 ወርቃዊ ኢዮበልዩ ብጥዕና ከብዕሉ ሰናይ ትምኒትና ንገልጸሎም። 

ብተወሳኺ፥ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ፥ ጳጳስ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ንዲያቆን ኣብርሃለይ፥ ቀሲስ ጳውሎስ ብዝብል ስም መዓርገ-ክህነት ቀቢኦሞም። ከምኡውን ንክልተ መንእሰያት፥ መዓርገ-ኣናጉንስጢስ (ኣንባቢ) ሂቦም። በዚ ኣጋጣሚ፥ ንኣቦና ቀሲስ ጳውሎስ ምስ በዓልቲ ቤቶምን ነዞም ክልተ ዲያቆናትን ዘመን ኣገልግሎቶም ኪባርኽ ናብ ኣምላኽ ንጽሊ።

ብድሕሪኡ ኣጋይሽን ደቂ-ዓድን በሓባር ናብቲ ዝተዳለወሎም ቦታ ብምእታው ነታ መዓልቲ' ብኣዴታት ኣትላንታ ዝተዳለወ ሽሻይ ተኻፊሎም። እግዚኣብሔር ፈቒድዎ ድማ በዚ መደምደምታ ናይቲ በዓል ኮነ።

መበል 22 መንፈሳዊ ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ (2020) ኣብ ከተማ ሲንሲናቲ ክኸውን ተወሲኑ ኣሎ። ጉባኤ ዝካየደሉ ዕለት ኣብ ዝመጽእ እዋን ክንሕብር ኢና።

ሃገረ ስብከት ዝመደቦ ናይ መደባት ውጥን ንመንፈሳዊ በረኸት ምእንቲ ክኸውን ብጸሎት፣ ብምኽሪ፣ ብኻልእ ሓገዝ ዝደገፍኩምና ኣብ ቀረባን ርሑቕን ዘለኹም ኣቦታት፣ ምእመናን፣ ኣሕዋት፣ ኣሓት፡ ኣምላኽ በረኸት የብዝሓልኩም።

 

ብዝያዳ፣ ንምእመናን ቤተ ክርስትያን መድሃኔ ኣለም ኣትላንታ፣ ንኣቦና ቆሞስ ገ/ሚካኤል ዮሃንስ፣ ሰበኻ ጉባኤ፣ መዘምራን፣ ኣጋይሽ ኣብ ምቕባልን ኣብ ዝተፈላለየ ካልእ ኣገልግሎት ዝዓየዩን ዘገልገሉን ኹሎም ምእመናን እግዚኣብሔር ዓስቦም ይሃቦም። ነተን "ኢድካ ዘቖርጥም” መግቢ ዘዳለዋ ኣዴታት ቤተ ክርስትያን መድሃኔ ኣለም: ኣምላኽ ኣዕዚዙ ይባርከን። ከምቲ ሳሙኤል "እግዚኣብሔር ክሳብ ኣብዚ ረድኣና ኢሉ ድማ ኤብን-ዔዘር ሰመዮ" (1 ሳሙ 7.12) ዝበሎ ንሕናውን እግዚኣብሔር ክሳብ ኣብዚ ረዲኡ ጉባኤና ብሰላም ኣፈጺሙና እዩ'ሞ "ኤብን-ዔዘር" ንብል።

 

እግዚኣብሔር ንቤተክርስቲያንናን ህዝብናን ሰላሙ ይሃብ!

ኣምላኽ ንኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶን ንብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካን ዕድመን ጥዕናን ይሃቦም። ኣሜን።

መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div