S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ፡ ኣሓዱ ኣምላክ፡ ኣሜን።

እቲ ካብ ኣርባዕተ ኣብያተ ክርስቲያናት ብዝመጹ፡ ልዕሊ 160 ዝኾኑ መንእሰያትን ወለድን፡ ብካህናት ተመሪሖም ዘካየድዎ ካብ ሓምለ 4 ክሳብ ሓምለ 7, 2019 ዝተጋብአ፡ ኣዝዩ ኣገደስቲ ትሕዝቶ ዘሎዎ ትምህርትታት፥ ሰሚናራት፥ ዘተን ዎርክሾፕን ዝሓቖፈ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብጸሎት ነግህ ተጀሚሩ ብገምጋም ዝተዛዘመን ነይሩ።

ገለ ካብ ትሕዝቶታት እቲ ብቓንቃ እንግሊዝን ትግርኛን ዝተዋህበ ትምህርትታት፡ ኣብ ምስጢራተ ቤተ ክርስቲያን ዝትሰረተ ሕይወት፥ ኣብዚ ብዙሕ ነገራት ብቕልጡፍ ዝልወጠሉ ዘሎ እዋን ከም ኦርቶዶክሳውያን ክርስትያን ብልጫታትናን ብድሆታትናን እንታይ እዮም? ግደ መንእሰያት፥ ወለድን ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ምዕባይን፥ ምምልማልን ተካእቲ ወለዶ አንታይ እዩ? መንእሰያት ብኹሉ ሸነኽ ሚዛኑ ዝሓለወ ዕብየትን ዕግበትን ኪረኽቡ ብዛዕባ ኪግበር ዝግብኦ ጻዕሪ፥ ቤተ ክርስቲያን ብቓንቓ ኣብ ስደት ዝዓብዩ ዘሎዉ ተካእትና ከተገልግል እዋኑ ዝጠልቦ መድረኽ ምኻኑ፥ አገዳስነት ውልቃዊ (አጠቓቕማ አግፕያ/ሰዓታት) ቤተሰባውን ማሕበራውን (ቅዳሴ እቲ ዝዓበየ ጸሎት) ጸሎት፤ ስነ-ኣእምራዊ ጥዕናን መንፈሳዊ ውግእን ናይ ክርስቲያን ብዛዕባ ፈሊኻ ምፍልጣን ብእዋኑ ሕክምናዊ ረድኤት ምርካብን፤ ካብ ቅዳሴን ጸሎትን ዝርከብ ፍሉይ ጥቕሚ፤ ...ወዘተ ዝብል ነይሩ። ሓደ ካብቲ መሳጢ ፕሮግራም፥ መንእሰያት ኣብ ሾውዓተ ጉጅለ ብምምቕቓል ነተን ሾውዓተ ሚስጢራት ቤተ ክርስቲያን ብናይ መድረኽ ድራማ ዘቕረብዎ መንፈሳዊ ምርኢት እዩ ነይሩ።

ብተወሳኺ አብ ከተማ ኢጁን /ሃገር ኦረገን ዝቕመጡ ካህን ናይ አሓት ቤተ ክርስቲያን አብ ምዕራባዊ ዓለም ዝተኣታቶ ዘሎ ሕብረተሰባውን ሞራላውን ቅልውላው፡ ንክርስቶሳዊ ቤተሰብ ዘዕኑ ኩሉ ማሕበራዊ /ሶሻል ሚድያን ጽልዋኡን ኪግበር ብዛዕባ ዝግብኦ ጥንቃቐን አብ ዝብሉ ጉዳያት ምስ መንእሰያትን ወለድን ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ሓናጺ ክፉት ዘተ አካይዶም።

እዚ ጉባኤ መንእሰያት ሓንሳብ ኩሎም ብሓደ፡ ኣብቲ ዝድለየሉ እዋን ድማ ብዕድመ ከፋፊልካ ዘዝምልከቶም ኣርእስቲ ብዕምቆት ኪላዘብሉ ብምግባር፡ ኣብ ስደት ተወሊዶም ዝዓብዩ ዘሎዉ ደቅና ብልዑል ፍናን ተገዳስነትን ዝስዕብዎ ተናፋቒ ጉባኤ እንዳኾነ ይመጽእ ኣሎ። ሎሚ ንፋልማዮም ዝተጸንበሩ ብዙሓት ሓደስቲ መንእሰያትን ወለድንውን ትሕዝቶን ጽፈትን እቲ ጉባኤ ካብ ዝተጸበይዎ ንላዕሊ ከምዝኾነን፥ ሰኣን ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ደገፍ ዝጉድኡ ዘሎዉ ብዙሓት ወገናት መታን ተረባሕቲ ኪኾኑ ብሰፊሑ ኪስርሓሉ ግዴኦም ኪገብሩ ቅሩባት ምኻኖም መስኪሮም። እዚ ናይ ሎም ዘበን ጉባኤ፡ በቶም ካህናትን ወለድን እንዳተመኽሩ፡ እቶም ድሮ ኣብ ደረጃ ኮለጅ በጺሖም ዘሎዉ ደቅና ፍሉይ ሓላፍነት ብምውሳድ፡ ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዝልዓለ ነዚ ጉባኤ ዘድሊ ምድላዋትን ስርሓትን ባዕላቶም እዮም ኣካይዶሞ።

ብተወሳኺ፡ እግዚኣብሔር እንተፈቐዶ፡ ንሕናውን ብሕይወት እንተሎና እናበልና ንመጻኢ ክንሕልንን ክንትልምን ግድን ብምዃኑ፡ ብዛዕባ ናይ ቀረባን ርሑቕን ሽቶታት ዝምልከት ብቐጻሊ አብ 2019-2020 ዓም ብተለኮንፈረንስ ብምርኻብ ብናይ ግዜ ሰለዳ ዝተሰነየ ንጹር ውጥን አገልግሎት/ዕዮ ኪዳሎ ብምስምማዕ ናይ ዓመት ፕሮጀክት ሒዞም እዮም ብናፍቖት ነናብ ዓዶም ተፈላልዮም። ቀጻልነት ናይዚ ኣብ ተካእቲ ወለዶ ኣድሂቡ ዝካየድ ዘሎ ኣገልግሎት ኪረጋገጽ ምእንቲ እቲ ዓመታዊ ዞባዊ ጉባኤ፥ ብናኣሽቱ ከባብያዊ ጉባኤታት ኪስነን፥ ነቲ ኣሻቓልን ተኣፋፍን ንመንእሰያት ዘጋጥሞም ዘሎ ፈተናታት፥ ግልጽነት ዘሎዎ ምርድዳእን ዘተን ብመራሕቲ ቤተ ክርስቲያን፥ ቤተሰብን መንእሰያትን ብቐጻሊ ኪካየድ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።

እዞም ናይ ጽባሕ ተስፋ ቤተ ክርስቲያን፡ ተስፋ ሕዝቢ ዝኾኑ መንእሰያት በዚ መገዲ እንተቐጺሎም ነቲ ኣብ ከቢድ ጭንቀትን ተስፋ ሙቕራጽን ዝርከብ ሕዝብና፡ ነታ ኣብ ከቢድ ፈተና እትርከብ ቤተ ክርስቲያንና፡ ናብ ራህዋ፡ ሓርነትን ትንሣኤን ንምምራሕ ግዴኦም ቀሊል ከምዘይከውን ይፍለጥ። ጸሎት ኩሎም ኣቦታትን ምእመናን ከሰንዮም ወትሩ ኣብ ጸሎትና ክንዝክሮም ሓደራ ንብል።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ። ኣሜን።

ልዑል ፈጣሪ ንቤተ ክርስቲያንና፡ ሃገራትና ኤርትራን ኣመሪካን ሰላሙ ይሃብ።

ንቅዱስ 3ይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ጥዕናን ሓይልን፡ ንብፁእ ኣቡነ መቃርዮስውን ኣብ ኣገልግሎቶም ፍረን ዓወት ይሃብ። ኣሜን።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div