S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣቶ ተስፋ-ጊዮርጊስ በዓታይ፣ ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያን ካብ ዝዝክሮም ኣቦታት ብሞት ዘይሓልፍ ሰብ የልቦን። ታሪኽ ግና ነባሪዩ። እቶም ቅድሜና ዝነበሩ ወሎዶታት ኩሎም ድማ፥ ብታሪኽ እምበር ብኣካል ኣይረኣናዮምን። ብታሪኽ ግና ንፈልጦም ኢና። እቲ 1983 / (1991) ዝጅምር ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶውን፥ ርእሱ ዝኸኣለ ናቱ ታሪኽ ኣለዎ። እቶም ታሪኽ ዝሠርሑ ግና ሰባትዮም።

ኣብቲ ቅድሚ 28-ዓመት ዝጅምር ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያንና፥ ካብ ዝተዋስኡ ኣቦታት ሓደውን፥ ኣቶ ተስፋ-ጊዮርጊስ በዓታይ እዮም። ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ብጀካ ሓደ ጳጳስ ካልእ ስለ-ዘይነበረ። ሲኖዶስ ንምቛም ዘኽእል ባይታ ነይሩ ዝበሃለሉ ግዜ ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት ድማ፥ ከም መሰጋገሪ ተባሂሉ ሓደ “-ግዚያዊ-ሲኖዶስ-” ዝተባህለ ጉባኤ ክቐውም ከም-ዝተገብረ ይፍለጥ።

ካብቶም ዓበይቲ ሃገር ተባሂሎም ዝተመርጹ ሠለስተ ሰባት ድማ። ሓደ ኣቶ ተስፋ-ጊዮርጊስ ስለ-ዝነበሩ። ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያን ካብ ዝዝክሮም ኣቦታት ኮይኖም ይርከቡ ኣለዉ። ኣቶ ተስፋ-ጊዮርጊስ ልቦናን ትዕግስትን ዝተዓደሉ ስለ-ዝነበሩ። ንዘረባ ዝህወኽ ባህርያት ኣይነበሮምን። እዚ ከምዚ ዝበለ ዓይነት ባህርያት ሒዞም ከኣ’ዮም፥ ን8-ዓመት መመላእታ ኣባል ግዚያዊ-ሲኖዶስ ብምዃን ዘገልገሉ።

ርግጽ’ዩ ምስቲ ናይቲ ሥርዓት፥ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ኢድ ምእታው ተተሓሒዙ ክርአ ከሎ። ኣባላት ግዚያዊ-ሲኖዶስ ክገጥሞም ዝኽእል ፈተና ቀሊል ኣይነበረን። ብዙሕ ፈታኒ ኩኑታት የጋጥም ከም-ዝነበረ’ውን ዝፍለጥ’ዩ። ኣቶ ተስፋ-ጊዮርጊስ ግና ነቲ ዝግበር ዝነበረ፥ ዘይሕጋዊ ኣሠራርሓ ተጻዊሮሞ ክኸዱ ይደልዩ ስለ-ዘይነበሩ። ግልጺ ዝኾነ ተቓውሞ ብምግባር ካብ ዝንገረሎም፥ ኣባላት ግዚያዊ-ሲኖዶስ ሓደ ምንባሮም’ዩ ዝፍለጥ።

ኣቶ ተስፋ-ጊዮርጊስ በዓታይ፥ ነቲ ብተጽዕኖ ፖለቲካ መኣዝኑ ስሒቱ ዝርከብ ዝነበረ መሪሕነት መንበረ-ጵጵስና። ብበግዚኡ ሠለስተ ናይ ተቓውሞ-ደብዳቤታት ምጽሓፎም ዝፍለጥ’ዩ። ርግጽ’ዩ ብኹሉ ወገን ዝግበር ተቓውሞ ነይሩ’ዩ። ደብዳቤ ብምጽሓፍ ተቓውሞኡ ክገልጽ ዝኸኣለ ግና ኣይነበረን። መወዳእትኡ ድማ “….ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ፥ ተደፊኡን ተሳሒቡን ዝንቀሳቐስ ጉባኤ፥ ኣባል ኣይከውንን እየ….” ብምባል፥ ናይ ስንብታ ደብዳቤ ክሳብ ምጽሓፍ ዝኸይድ ርሕቀት ዝተጓዕዙ። ከምኡ’ውን ክብደት ሓላፍነት ዝፈልጡን ዝርድኡን፥ ዓቢይ-ሰብ’ዮም ነይሮም ተባሂሉ ክንገረሎም’ውን ግቡእ’ዩ።

ኣቶ ተስፋ-ጊዮርጊስ ናይ ሥራሕ ሰብ እምበር፥ ናይ ዘረባ ሰብ ኣይነበሩን። ሓቅን ቅንዕና ድማ ናይ ሕይወቶም መምርሒ’ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ንሶም እግዚኣብሔር ቤቶም ዝባረኾ በዓል-ምሉእ ጸጋ’ዮም ነይሮም። እዚ ከም ምኽንያት ኮይኑ ግና፥ ካብቲ ክኾኑዎ ዝግብኦም ክርስቲያናዊ ናይ ሕይወት መስመር፥ ከውጽኦም ኣይከኣለን። ካብ ቤተ-ክርስቲያንን ካብ መኣዲ ቅዱስ-ቁርባንን ከይተፈልዩ ከኣ፥ እቲ ምድራዊ ጉዕዞኦም ፈጺሞሞ።

ኣቶ ተስፋ-ጊዮርጊስ ኣቦ ኣርባዕተ-ኣዋልድን፥ ሓሙሽተ ኣወዳትን እዮም። ዳርጋ ዝበዝሑ ደቆም’ውን ኣብቲ ቃልሲ ሃገር ኣሳቲፎም እዮም። ሕጂ መንገዲ ሰማይ ኣቕኒዖም ይኸዱ ኣብ ዘለዉሉ ግዜ ከኣ፥ ንብሙሉኣቶም ደቆም ንድሕሪት ገዲፎም ክኸዱ ዝተዓደሉ ወላዲ እዮም። እዚ ከምዚ ዝበለ ዕድል ከኣ፥ ዉሑዳት እግዚኣብሔር ዝባረኾም ወለዲ ዝረኽቡዎ ዕድል እዩ። ኩሉ ነገር ከኣ ኣብ ንጽሕና ልቢ’ዩ ዝምሥረት። ስለዚ ከኣ’ዩ “-ንጹሓት ልቢ ንኣምላኽ ክርእዩዎ እዮም’ሞ ብፁዓን’ዮም-” ተባሂሉ ዘሎ (ማቴ. 5/8)

ብዝተረፈ ኣቶ ተስፋ-ጊዮርጊስ በዓታይ፥ ትውልዲ-ዓዶም ኣርባዕተ-ኣሥመራ ኮይኑ፥ ካብ ገዛ-ስርንስር እዮም። ካብቶም ናይ ዕድመ ሰብ ጸጋ ዝበሃሉ ሓደ ስለ-ዝነበሩ ድማ። ኣብ መበል 102-ዓመት ዕድሚኦም’ዮም ዓሪፎም። ክሳብ መወዳእታ እዋን ድማ፥ ምስ ምሉእ ኣእምሮን ጉልበትን ‘ዮም ሕይወቶም ክመርሑ ጸኒሖም። እቲ ናይ መወዳእታ ሰዓት ከም-ዝኣኸለ ምስ ተረድኦም ድማ፥ ነቶም ኣብ ቀረባ ዝተረኽቡ ደቆም። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር እሙናት  ኮይኖም ክርከቡ ብምምዓድ፥ ምስ ኩሉ’ውን ብፍቕርን ምጽውዋርን ክነብሩ’ዮም፥ ኣጽኒዖም ከም- ዝተላበዉዎም ዝነገር።

ኣቶ ተስፋ-ጊዮርጊስን ወይዘሮ ሓረጉ ቀሺ ዑቕባ-ዮሓንስን ዝፈረዩዎም ብዙሓት ኮይኖም። ደቂ ደቆም ዝወለዱዎም ክርእዩ’ውን ጸጋ ረኺቦም እዮም። ኣቶ ተስፋ-ጊዮርጊስ በዓታይ ጽላል-ዓደቦ ዝነበሩ ኮይኖም። ብንዳቦኦም ኣዚዮም ዝተፈትዉን ዝኸበሩን ወረጃ ምንባሮም’ውን፥ ምሉእ ዓደቦኦም ይምስክረሎም’ዩ። ነውርን ዓመጽን ዝጽየፍ ባህርያት ስለ-ዝነበሮም’ውን። በቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ንልዕልና-ሕጊ ኣኽብሮት ዘይብሉ ሥርዓት። ከም ኩሎም እቶም ኣብ ናቶም ዕድመ ዝርከቡ ወለዲ። ብእህህታን ኣስተንትኖን ማዕጾ ቤት-ኣምላኽ፥ ኣብ ምዅሕኳሕ  ምጽንሖም ‘ውን ዝፍለጥ’ዩ። ከመይሲ ብሃገርን ብሕዝብን ዝመጸ ድቃስ ይወስዶም’ዩ ዝበሃሉ ኣይነበሩን።

ስለዚ’ውን “-ቅኑዕን ሕያዋይን ኩን እሞ፥ ነዊሕ ዕድመ ክትረክብ ኢኻ-” ተባሂሉ ከም-ዘሎ። (ምሳ. 21/21) እዚ ቅዱስ ጽሑፍ’ዚ፥ ኣብዞም ክቡር ኣቦና ፍጻሜ ረኺቡ ንርእዮ ኣሎና። ሰብ ኮይኑ ካብ ሞት ዝተርፍ ስለ-ዘየልቦ ግና፥ እንሆ መንገዲ-ሰማይ ኣቕኒዖም ከይዶም ኣለዉ’ሞ። እቲ ሕያው ኣምላኽ፥ ነቶም ሕሩያቱ ዘዳለዎ ኣኽሊል-ሕይወት ክዕድሎም ጸሎትናን ተስፋናን እዩ።

ካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div