S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እቲ ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ (ብድሕሪ ሓድሽ ዓመትን ብድሕሪ ትንሣኤን) ዝጋባእ ርክበ ካህናት መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ፡ ሎሚ ዓመት'ውን ንመበል 7 ዓመት ኣብቲ ኩሉ ጊዜ ዝካየደሉ ቦታ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ጆርጂያ ዝርከብ ገዳም ቅድስት ማርያምን ቅድስት ዲምያናን ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ንሠለስተ መዓልታት ክካየድ ዝቐንየ ብረድኤት እግዚኣብሔር ብሰላም ተዛዚሙ።

እቲ ካብ ሓሙስ ዕለት 7 የካቲት 2019 .ም  ጀሚሩ ክሳብ ቀዳም ዕለት 10, 2019 .ም  (ካብ ጥሪ ክሳብ የካቲት ፳፻፲፩ .) ክካየድ ዝቐነየ መንፈሳዊ ሥልጠና ካህናትን ዲያቆናትን መብዝሕትኦም ተሳተፍቲ ጉባኤ ካብ ዝተፈላለየ ክፍለ-ግዝኣት ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ተጓዒዞም ብረቡዕ ድሮ-ጉባኤ ኣትዮም ብምሕዳር ሓሙስ ንግሆ እዩ ብጸሎተ-ነግህ ጀሚሩ።

ኣቐዲሙ ብክፍሊ ትምህርትን ስብከትን ብዝተዳለወ ኣርእስታት መሠረት ንኣዋርሕ ዝኣክል ኩሎም ውሉደ-ክህነት ኣቦታትን ዲያቆናትን ኣብ ጉጅለታት ተጠርኒፎም ብኦን-ሊይን ከጻፍፍዎ ዝጸንሑ መደብ ትምህርትን ሥልጠና መንፈሳዊ ኣገልግሎትን መቐጸልታ ናይቶም ዓሚ ዝነበሩ ኣገድስቲ ኣርእስታት ኮይኖም፡-

1. ስሩዕ ኣተገባብራ ምስጢራት ቤተ ክርስቲያን፥

2. ምስፋሕ ዕዮ ወንጌልን ምዕቃብ ትውፊትን፥

3. ጽፉፍ ምሕደራ ቤተክርስቲያንን ጉስነት ምእመናንን፥

4. ምስፋሕ ቅዳሴ ብእንግሊዘኛ

5. ፍኖተ-ሕይወት ኦርቶዶክስ ኣማኒ፥ ካልእን ....... ዘጠቓለለ ሰፊሕ ሥልጠና ቅድሚ ቐትርን ናይ ምሸትን ብትምህርትን ኣብነታዊ ግብርን እንዳተሰነየ እዩ ኩሎም ውሉደ-ክህነት ክተሃናነጹ ቀንዮም።

ከም ዝፍለጥ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም እንዳነበርካ ኦርቶዶክሳዊ እምነትን ሥነ-ምግባራዊ ሥርዓትን ሒዝካ ንኣምላኽ ከተስምር፡ ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ክትነብር፡ ብዙሕ መንፈሳዊ ስንቅን ዕጥቅን ከም ዘድሊ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብዝያዳ ንኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ውሉደ-ክህነት ኣብ ኩሉ ዕዮ ወንጌል ንዘጋጥሙ ጸገማት ብግቡእ ተረዲኦም ብርህራሄን ጸሎትን ብምንቃሕ ከምቲ እሙን ሕያዋይ ጓሳ (ዮሓ 1011) ብምዃን ንዝደኸመ ክሕንግሩ፥ ንዝጠፍአ ክደልዩ፥ ንዝተባእሰ ክዓርቁ፥ ንዝተበታተነ ክእክቡ ሕድሪ እምነት ተቐቢሎም እዮም። እዚ እንተ ዘይገበሩ ግና ከምቲ ኣብ ቅዱስ ጽሑፍ ተገሊጹ ዘሎ ...... ንዝሓመቓ ኣየበርታዕኩምን፡ ንዝሓመመት ኣይፈወስኩምን፥ ንዝተሰብረት ኣይዘነንኩምን፥ ንዝተባረረት ኣይመለስኩምን፥ ብኃይልን ብበትርን ደኣ ገዛእኩምወን.... ዝብል ቃል ወቐሳ ክስዕቦም ምዃኑ ንምርድኡ ኣየጸግምን። ሕዝ 345

እምበኣር ነቲ ....ብዛዕባ እግዚኣብሔር ቅኑዕ ትምህርቲ ምምሃር ግደ ካህናት እዩ። ንሳቶም ልኡኻት እግዚኣብሔር ጎይታ ሰራዊት ስለ ዝኾኑ ፍቓደይ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኺፈልጡ ህዝቢ ናብኣቶም ክኸዱ ይግባእ። (ሚል 27) ዝብል ንጹር መምርሒ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብልቢ ተረዲእና ንፍቓድ ኣምላኽ ዝእዘዝ፥ ቅኑዕ ትምህርቲ ዝምህር፥ ሓቅን ጽድቅን ዘቐድም፥ መንፈሳዊ ኣጽዋርን መንፈሳዊ ፍልጠትን ብግቡእ ዝሰነቐ ራእይ ዘለዎ ውሉደ-ክህነት ምስ ነሠልጥን ኢና ኣብ ውሽጢ  ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ በብቦትኡ ዘሎ ፈተና መፍትሒ ዝረክብን ሽግርና ዘኽትምን።

ስለዚ እቶም ሓዋርያዊ ሕድሪ እምነት ተቐበሊና ኣብ መንፈሳዊ ዕዮ ጉስነትን ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያንን ተዋፊርና ዘሎና ኩልና ኦርቶዶክሳውያን ውሉደ-ክህነት ነዚ ብብዙሕ ፈተናን ከቢድ ሽግርን ዝሓልፍ ዘሎ ህዝብና ብትዕግሥትን ዘየቋርጽ ጸሎትን ተወፊና ኣብ ዓውደ-ምሕረት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ልቡ ዝዓርፈሉን ተስፋ መንግሥተ ሰማያት ዝሰንቀሉን መካነ-ቅድስና ቤት እግዚኣብሔር ከም ዘለዎ ክንምህሮን ብሠናይ ግብሪ ክንመርሖን ከም ዘሎና መንፈሳዊ ሓላፍነትና ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። በዚ ኣጋጣሚ፥ ንኹሎም ተሳተፍቲ 7 ዓመት ሥልጠና ውሉደ-ክህነት ብልቢ እንዳመስገንና ብዝያዳ ከኣ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ንዝገበሩልና ኩሉ ነገር ጻምኦም ልዑል እግዚኣብሔር ክኸፍሎም ወትሩ ንኣምላኽ ንልምን።

 

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ-ኣበዊነ!

ክፍሊ ትምህርትን ስብከትን መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div