S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መበል 20 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ብሰላም ተዛዚሙ

ንኣርባዕተ መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ መበል 20 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ኣብ ከተማ ሲያትል ክፍለግዝኣት ዋሽንግቶን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ብርሃን ቅድስቲ ሥላሴ ይካየድ ኣሎ። ብጸሎተ ቅዳሴ ብቡራኼ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ-ኩሉ ብሰላም ተዛዚሙ።

ኣብዚ ዓመታዊ ጉባኤ ምእመናን ኦርቶዶክስ ካብ ዝተፈላለየ ክፍለግዝኣታት ሰሜንኣሜሪካ ብዝመጹ ብዙሓት ኣቦታት ካህናት፥ዲያቆናት፥ ምእመናንን ምሁራን ደቂ ቤተ ክርስቲያንን ማዕሪጉ ብጸሎት ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ብወግዒ ምስ ተኸፍተ “…እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ ከይወድቕ ይጠንቀቕ” 1ቆረ 10፡ 12 “ብዝብል መሪሕ ጥቕሲ ብብመዓልቱን ሰዓቱን ዝተፈላለየ ኣስተምህሮ፥ ስብከት፥ መዝሙራት፥ ከምኡውን ጸሎተ-ነግህን ሰርክን ክበጽሕ ቀኒዩ። ማዕረእቲ ናይ ዓበይቲ መደባት፥ ንህጻናትውን መደባት ተሰሪዕሎም ኣብ ዝተፈላለየ ኣርእስቲ ዘተኾረ ትምህርቲ ክወሃብ ቀኒዩ ኣሎ።

ኣጋይሽ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኣሜርካ ዝመጹ ውሉደ-ክህነትን ኣመንትን ዝተሳተፍዎ ጉባኤ እዩ ኔሩ። ከምኡውን ካብ ካናዳ፥ ካብ ጀርመንን ካብ ዓዲ፡ኢንግሊዝን ዝመጹ ዕዱማትን ዝተሳተፍዎ ሰናይ ዝኾነ ጉባኤ ከምዝነበረ ካብ ገጽ ተሳተፍቲ ዘይተኸወለ ፍጹህ እትዕዘቦ ሃብታም ጉባኤ ተኻይዱ።

ምስ’ዚ ብዝተተሓሓዘ፥ ሰንበት 15 ሓምለ 2018 ክልተ ኣቦታት ቀሺ ስብሓትለኣብ ግርማይን ቀሺ ሙሴ ጸጋዘኣብን ብመዓርገ ክህነት ተቐቢኦም። ሓደ መንእሰይ ብመዓርገ ዲቁና፥ ክልተ መንእሰያት ብመዓርገ ንፍቀ-ዲቁና፥ ልዕሊ ዓሰርተ ህጻናት ድማ ብዝተፈላለየ መዓርግ ማለት ኣንበብትን ዘመርትን ኮይኖም ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ-ኩሉ ተቐቢኦም። 

በተወሳኺ፥ ሰንበት 15 ሓምለ 2018 ዓመታዊ ክብረ በዓል ደብረ ብርሃን ቤተ ክርስትያን ቅድስት ስላሴ ከተማ ስያትል ብድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ። ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተኻደሉ፥ ምእመናን ካብ ቀረባን ርሑቕን ዝተሳተፍሉ ንግደት ብምዃኑ ድማ ናይዚ ዓመዚ ክብረ በዓል ደብረ ብርሃን ቤተ ክርስትያን ቅድስት ስላሴ ፍሉይ ይገብሮ።

ከምኡውን ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ስላሴ ተኾስኲሱ ዝዓበየ መንእሰይ ዲያቆን ፊሊሞን ኣፈወርቅ ምስ ወይዘሪት ሰላማዊት ጎይትኦም ቃል ኪዳን ኣሲሮም። እዞም ክልተ መንእሰያት ውሉድ ኣምላኽ ኮይኖም ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን ብቆሞስ ተኸስተ ገ/ሚካኤል ተኾስኲሶም ዝዓበዩ ውሉድ ቤተ ክርስቲያን ዮም። ኣምላኽ ዘመን ኪዳኖም ክባርኽ ብኹሉ ነገር ድማ ኣምላኽ ክባርኾም ናብ እግዚኣብሔር ንጽሊ።

ኣብ መወዳእታ፥ ኣብ 2019 ዝካየድ መበል 21 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ኣብ ቤተ ክርስቲያን መድሃኔ ዓለም ኣትላንታ ክካየድ እዩ። ጉባኤ ዝካየደሉ ካብ 25 ክሳብ 28 ሓምለ 2019 (July 25 to July 28, 2019) እዩ። ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ናይ ስራሕ ዕረፍትኹምን ናይ መገሻ መደባትኩምን ኣብ ኣትላንታ ከተሕልፍዎ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ብኣኽብሮት ንዕድም።

ብዝተረፈ ሰናይ ዝኾነ ጉባኤ ተዛዚሙ ኣጋይሽ ድማ ነናብ ቦታኦም ብሰላም ተመሊሶም። ተወሳኺ ስእላዊ መግለጺ ንምርኣይ ኣብዚ መላግቦ ተወከስ

ኣምላኽ ጉባኤ ብሰላም ክንዛዘም ዓወት ዝሃበና፥ ከምኡውን ስለቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያንናን ሃገርናን ዝገብሮ ዘሎ ድንቅ ስራሕ ክብርን ምስጋናን ንስሙ ይኹን።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div