S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ፡ ኣሓዱ ኣምላክ፡ ኣሜን።

እቲ ካብ ኣርባዕተ ኣብያተ ክርስቲያናት ብዝመጹ፡ ልዕሊ 175 ዝኾኑ መንእሰያትን ወለድን፡ ብካህናት ተመሪሖም ዘካየድዎ ካብ ሰነ 28 - ሓምለ 01, 2018 ዝተጋብአ፡ ኣዝዩ ኣገደስቲ ትሕዝቶ ትምህርትታት ዝሓቖፈን ብቅዳሴ ዝተዛዘመን ነይሩ። ዓሚ ከምዝሎሚ፡ ቅዳሴ ብእንግሊዘኛ ንምክያድ ናይ ዓመት ፕሮጀክት፡ ማለት መጽናዕቲ ሥርዓተ ቅዳሴ ተመዲቡ ከምዝነበረ ይዝከር።

ገለ ካብ ትሕዝቶታት እቲ ብቓንቃ እንግሊዝን ትግርኛን ዝተዋህበ ትምህርትታት፡  ብልጫታትን ክብደትን ኦርቶዶክሳዊ ክርስትያን ኣብ ምዕቡል ምዕራባዊ ዓለም፤ አገዳስነት ውልቃዊ (አጠቓቕማ አግፕያ/ሰዓታት) ቤተሰባውን ማሕበራውን (ቅዳሴ እቲ ዝዓበየ ጸሎት) ጸሎት፤ ትርጉም ዓወትን ክርስትያናዊ ሕይወትን፤ ክርስቲያናዊ ገድልን ምሥጢረ ንስሓን፡ እምነትና አጽኒዕና ብኸመይ አብ ትምህርትን/ሞያዊ ስራሕን ዕዉታት ንኸውን፤ ካብ ቅዳሴን ጸሎትን ዝርከብ ፍሉይ ጥቕሚ፤ ...ወዘተ ዝብል ነይሩ። ብተወሳኺ አብ ኣሽላንድ ኦረገን ዝቕመጡ ካህናትን ድያቆናትን ናይ አሓት አብያተ ክርስቲያናት አብ ምዕራባዊ ዓለም ዝተኣታቶ ዘሎ ግብረ ሰዶሞናውነት፡ ንክርስቶሳዊ ቤተሰብ ዘዕኑ ኩሉ ማሕበራዊ /ሶሻል ሚድያን ጽልዋኡን ኪግበር ብዛዕባ ዝግብኦ ጥንቃቐን አብ ዝብሉ ጉዳያት ምስ መንእሰያትን ወለድን ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ሓናጺ ክፉት ዘተ አካይዶም።

እዚ ጉባኤ መንእሰያት ሓንሳብ ኩሎም ብሓደ፡ ኣብቲ ዝድለየሉ እዋን ድማ ብዕድመ ከፋፊልካ ዘዝምልከቶም ኣርእስቲ ብዕምቆት ኪላዘብሉ ብምግባር፡ ኣብ ስደት ተወሊዶም ዝዓብዩ ዘሎዉ ደቅና ብልዑል ፍናን ተገዳስነትን ዝስዕብዎ ተናፋቒ ጉባኤ እንዳኾነ ይመጽእ ኣሎ። ስለዝኾነ ድማ፡ እዚ ናይ ሎም ዘበን ጉባኤ፡ በቶም ካህናትን ወለድን እንዳተመኽሩ፡ እቶም ድሮ ኣብ ደረጃ ኮለጅ በጺሖም ዘሎዉ ደቅና ፍሉይ ሓላፍነት ብምውሳድ፡ ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዝልዓለ ነዚ ጉባኤ ዘድሊ ምድላዋትን ስርሓትን ባዕላቶም እዮም ኣካይዶሞ።

ቀጻልነት ናይ ቤተ ክርስቲያን ዝረጋገጽ አብ ንኡስ ወለዶ ብምስራሕ (ኢንቨስት ብምግባር) ብምኻኑ፡ ቅዱሳት ጽሑፋትን ዝተፈላለየ ጸሎትን ቅዳሴን ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ብቐሊል መገዲ ምዕቃብን ምዝርጋሕን አገዳሲ ምኻኑ ተነጺሩ፡፡ አብዚ መዳይ እዚ ናይ ደቅናን (አብ ስደት ተወለዶም ዝዓበዩ) ካልኦት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ፍሉይ ሞያታትን ጸጋታትን ኪንጥቀም እዋኑ እዩ።

ብተወሳኺ፡ እግዚኣብሔር እንተፈቐዶ፡ ንሕናውን ብሕይወት እንተሎና እናበልና ንመጻኢ ክንሕልንን ክንትልምን ግድን ብምዃኑ፡ ብዛዕባ ናይ ቀረባን ርሑቕን ሽቶታት ዝምልከት ብቐጻሊ አብ 2018-2019 ዓም ብተለኮንፈረንስ ብምርኻብ ብናይ ግዜ ሰለዳ ዝተሰነየ ንጹር ውጥን አገልግሎት/ዕዮ ኪዳሎ ብምስምማዕ ናይ ዓመት ፕሮጀክት ሒዞም እዮም ብናፍቖት ነናብ ዓዶም ተፈላልዮም።

እዞም ናይ ጽባሕ ተስፋ ቤተ ክርስቲያን፡ ተስፋ ሕዝቢ ዝኾኑ መንእሰያት በዚ መገዲ እንተቐጺሎም ነቲ ኣብ ከቢድ ጭንቀትን ተስፋ ሙቕራጽን ዝርከብ ሕዝብና፡ ነታ ኣብ ከቢድ ፈተና እትርከብ ቤተ ክርስቲያንና፡ ናብ ራህዋ፡ ሓርነትን ትንሣኤን ንምምራሕ ግዴኦም ቀሊል ከምዘይከውን ንምግማት ከቢድ ኣይኮነን። ጸሎት ኩሎም ኣቦታትን ምእመናን ከሰንዮም ወትሩ ኣብ ጸሎትና ክንዝክሮም ሓደራ ንብል።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ። ኣሜን።

ልዑል ፈጣሪ ንቤተ ክርስቲያንና፡ ሃገራትና ኤርትራን ኣመሪካን ሰላሙ ይሃብ።

ንቅዱስ 3 ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ጥዕናን ሓይልን፡ ንብፁእ ኣቡነ መቃርዮስውን ኣብ ኣገልግሎቶም ፍረን ዓወት ይሃብ። ኣሜን።

https://www.facebook.com/fnote.brhan 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div