S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ ሃገረ - ስዊድን ከተማ-ኡምዮ ሓዲሽ ቤተ-ክርስቲያን ተኸፊቱ

ኣቐዲሙ ወጺኡ ብዝነበረ መደብ መሠረት፥ ኣብ ከተማ-ኡምዮ ሃገረ-ስዊዲን፥ ደብረ-ኢየሱስ መድኃኔ-ዓለም ዝተሰምየ ሓዲሽ ቤተ-ክርስቲያን፥ ብተሳትፎ ውሉደ-ክህነትን ማኅበረ-ምእመናንን፥ ብዓቢይ ድምቀት ክጽምበል ክኢሉ። ከተማ-ኡምዮ፥ ካብ ስቶኮልም ርሕቕ ዝበለት ስለ-ዝኾነት፥ ናብታ ከተማ ንምብጻሕ ቀረባ ዝበሃል ኣይኮነን። ነቶም ቅንኣት ቤት-ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ግና፥ እዚ ርሕቀት ምኽንያት ኮይኑ፥ ካብቲ በዓለ ጽምብል ከትርፎም ኣይከኣለን። ስለዚ ድማዮም ካብ ሃገረ-ስዊዲን ወጻኢ ዝርከቡ ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ከይተረፉውን፥ ኣብዚ ተባሂሉ ዘሎ በዓለ-ጽምብል ተሳተፍቲ ኮይኖም ክርከቡ ዝኸኣሉ።

እቲ ቤተ-ክርስቲያን ብወግዒ ቅዳሴ ተገይሩ ዝኽፈተሉኳ፥ ንቀዳም 18-ግንቦት 2010 / (26/05/2018) ተመዲቡ እንተነበረ። ነቲ ሕያው ኣምላኽ ክብሪ ንምሃብ ተባሂሉ ግና፥ ኣብ ዋዜማ እቲ በዓል ተውሳኺ መደብ ተሠሪዑ ነይሩዩ። ስለ ድማ ኣብ እዋን ድሕሪ ቀትሪ፥ ከም ሥርዓት ቤተ-ክርስቲያን ኪዳን በጺሑ ወንጌል ምስ-ተነበ። እቲ መደብ ናይ ኤውሮጳ ሃገረ-ስብከት ሊቀ-ካህናት ዝኾኑ፥ ብቀሲስ ተክለ-ማርያም ምርካጽዮን ከም-ዝኽፈት ተገይሩ።

ንሶም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ “....ንሕና ኩላትና ብምኽንያት ኣገልግሎት ወንጌል ኢና፥ ኣብዚ ኣብ ሃገረ-ስዊዲን ንርከብ ዘሎና። ከመይሲ ካብ ወንጌል ዝዓቢ ካልእ ኣገልግሎት ክህልወና ዝኽእል ኣይኮነን። ከመይሲ ከምቲ ሓዋርያ-ጳውሎስብወንጌል-ኣይሓፍርን እየዝበሎ። ንሕናውን ኣብ ግራት-ወንጌል ተዘሪእና ዝበቘልና ስለ-ዝኾንና፥ ካብ ወንጌል ርሒቑ ዝርከብ ሕይወት ክህልወና ኣይሕሰብን እዩ። ከምኡ ስለ-ዝኾነ ድማዩ፥ ርሕቀት ቦታ ከይኣገደና ኣብዚ ክንርከብ ክኢልና ዘሎና....” ኢሎም።

ዘረባኦም ብምቕጻል “.... ተጻረርቲ ወንጌል ግና ብዙሓት እዮም። እቲ ምስ ኣገልግሎት ወንጌል ተታሓሒዙ ዝመጽእ ፈተናውን ቀሊል ኣይኮነን። እዚ ኩሉ ፈሪህና ግና፥ ንድሕሪት ንምለስ ኣይኮናን። ስለዚ ከኣ ሓዋርያ-ጳውሎስንጠምን ንጸምእን፥ ንዓርቕን ንህረምን ኣሎና። እንሓድረሉ ቤትውን የብልናን። .... በዚ ከኣ ከም ናይ ዓለም ጐሓፍን፥ ከም ናይ ኩሉ ነገር ጐዱፍን ኮንና ንርከብ ኣሎና....” ዝበለ።(1ቆሮ.4/11)

ኣብ መወእዳታ ዘረባኦም ከጠቓልሉ ከለዉ “....ናይ ደብሪ ሓላፊ ቀሲስ-ዮናስ ወልደ-ሩፋኤል እዮም። ንሶም ብመገዲ ዩኒቬርስቲ ካብ ዝሓለፉ፥ ምኩራት ካህናትና እንተኾኑ። በቶም ጸረ ወንጌል ዝኾኑ ወገናት፥ ብዙሕ ፈተና ከጋጥሞም ምጽንሑ ዝፍለጥዩ። ብሓዊ ተፈቲኖም ዝወጹ ካህንዮም ተባሂሉ ክምስከረሎምውን ግቡእዩ። ንኹሉ ክኢሎም ጸኒዖም ደው ክብሉ ብምኽኣሎም ድማ፥ እንሆ ነዚ ከቢድ ሓላፍነት ተቐቢሎም ክመርሑ፥ ድልው ኮይኖም ይርከቡ ኣለዉ። ብዓወት ክወጹዎ ድማ ጸሎት ኩሎም ደቂ ቤተ-ክርስቲያን....” ብምባል፥ ጽቡቕ ዘበለ ኩሉ ተመንዮሙሎም።

ብምቕጻል ቃል ኣምላኽ ዘስምዑ፥ ናይ ሃገረ-ሆላንድ ተቐማጢ ዝኾኑ ዲያቆን ፍጹም-ብርሃን ታደለ እዮም። ንሶም  ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእክቲ ድማ “.... ናብዚ ዓለም ጎይታና ክመጽእ ከሎ፥ እቶም ሽዕኡ ዝነበሩ ሰባት ንኽርድኡዎ፥ ጸገም ከም-ዝነበሮም ርዱእ እዩ። ኣብ በዓለ-ሓምሳ ግና፥ ብምውራድ መንፈስ-ቅዱስ ቤተ-ክርስቲያን ክትምሥረት ኪኢላ። እታ ሽዕኡ ብመደብን ጥበብን ኣምላኽ ዝቘመት ቤተ-ክርስቲያን ከኣ፥ እንሆ ኣብቲ ክርስቶሳዊ መሠረት ጸኒዓ፥ ንሓዋሩ ትነብር ኣላ። ኣብቲ ክርስቶሳዊ ሰንሰለት ጸኒዓ ደው ዝበለት፥ ቤተ-ክርስቲያን ክትህልወና ከም-ዝግባእ ስለ-ነኣምን ከኣ ኢና፥ ንሕና ኩልና ሎሚ ኣብዚ ንርከብ ዘሎና....” ብምባልዮም ዲያቆን-ፍጹም ዝተዛረቡ።

ንጽባሒቱ ቀዳም ድማ፥ እቶም ናይቲ ሃገረ-ስብከት ሊቀ-ካህናት ሠራዒ ኮይኖም ዝመርሑዎ ቅዳሴ ተኻይዱ። ብዙሓትውን ተሳተፍቲ መኣዲ ቅዱስ-ቁርባን ብምዃን፥ ናይቲ በረኸት ተኻፈልቲ ክኾኑ ክኢሎም። ካብዚ ስዒቡ ድሕሪ ሓጺር ናይ ቁርሲ ግዜ ድማ፥ እቲ መደብ ከም-ዝቕጽል ተገይሩ።

ካብዚ ብምቕጻል በዓል ተራ ኮይኖም ኣብ መድረኽ  ዝወጹ ድማ፥ እቶም ኣብዚ ዓመት ካብ ማንችስተር-ዩኒቬርስቲ፥ ብነገረ-መለኮት ብማስትረይት ዲግሪ ዝተመረቑ፥ ዲያቆን-ዮሓንስ ገብረ-ሕይወት እዮም። እቲ ዕለት ምስ በዓል-ሓምሳ ተጋጢሙ ብምርካቡ ድማ፥ ዲያቆን-ዮሓንስ ኣብቲብመንፈስ-ቅዱስዝርከብ ኃይሊ ብምትኳርዮም ትምህርቲ ክህቡ ዝተላዕሉ።

ኣብቲ ዝሃቡዎ ትምህርቲ ድማ “...ቤተ-ክርስቲያን ብኃይሊ መንፈስ-ቅዱስ ክትምሥረት ዝኸኣለት። ብዘይ ሥምረትን ኃይልን መንፈስ-ቅዱስ ከኣ፥ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ክኸውን ይኽእል ዝበሃል፥ ዝኾነ ነገር የልቦን። እቶም ቀዳሞት ክርስቲያን በበይኑ ዝዓይነቱ ቋንቋታት ብምዝራብ፥ ብሥራት ወንጌል ክዝርግሑ ዝኸኣሉውን፥ መንፈስ-ቅዱስ ብዝሃቦም ኃይልን ሥልጣንን ምዃኑ መጽሓፍ-ቅዱስ ዝምህረና። እቲ ዓቢይ ግብሪ ኣምላኽ ኣብቶም ኣሕዛብ ክግለጽ ዝኸኣለውን ብሥምረት መንፈስ-ቅዱስ እዩ። ብዘይ መንፈስ-ቅዱስ ከኣ፥ ሕይወት ዝበሃል ነገር ትርጉም ኣለዎ ክበሃል ኣይከኣልን...” ድሕሪ ምባሎም።

ብምቕጻል ድማ ዲያቆን-ዮሓንስ፥ “.... ከምቲ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ዝብሎተነስሑ ሕድገት ኃጢኣት ምእንቲ ክትረኽቡ ከኣ፥ ነፍስ ወከፍ ብስም ኢየሱስ-ክርስቶስ ይጠመቕ። እግዚኣብሔር ዝህቦ መንፈስ-ቅዱስ ከኣ ክትቅበሉ ኢኹምከም-ዝብል፥ ንሕና ኩላትናውን ንንስሓ ዝተዳለወ ልቢ ምስ-ዝህልወናዩ፥ መንፈስ-ቅዱስ ክሓድረና ዝኽእልሞ። መንፈስ-ቅዱስ ዝብህጎ ሕይወት ንክህልወና፥ ብንስሓ ኣቢሉ ምስ እግዚኣብሔር ክዕረቕ ዝተዳለወ ልቢ ይዓድለና...” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዝጠቓለል ትምህርቲዮም ኣስሚዖም። (ግሓ.2/38)

ኣብ መወዳእታ ቅድሚ ምዝዛም እቲ መደብ ድማ፥  ኣብ መድረኽ ዝቐረቡ ቀሲስ ዮናስ ወልደ-ሩፋኤል እዮም። ንሶም ክዛረቡ ከለዉ፥ ነቲ ኣብቲ ጽምብል ምጅማር ኣገልግሎት ቤተ-ክርስቲያን፥ ዝተረኽበ ሕዝቢ ድሕሪ ምምስጋኖም። ብምቕጻል

 “... እዚ ደብሪዚ፥ደብረ-ኢየሱስ መድኃኔ-ዓለም ኡምዮዝበሃል ኮይኑ። ኣካል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያንውን እዩ። ኣብ ትሕቲ ጽላል ፓትርያርክነት ኣቡነ-እንጦንዮስን፥ መሪሕነት ኣቡነ-መቃርዮስን ድማ ይርከብ። ዕላማኡ ድማ ንሕዝቢ ተዋሕዶ ንምግልጋል እዩ። ኣብ እምነትን ትውፊትን ቤተ-ክርስቲያን ድማ ጸኒዑ ይርከብ። ንሕና ከም ኣገልግልቲ ቤተ-ክርስቲያን ድማ፥ ወንጌለ-ክርስቶስ ደኣ ንሰብኽ እምበር፥ ንግዜ ክንመስል ክንብል፥ ካብ መሠረት ወንጌል ወጺእና የማነ ጸጋም ንብለሉ ምኽንያት የብልናን። ርግጽ እቲ ክገጥመና ዝኽእል ፈተና ቀሊል ክኸውን ከም-ዘይክእል ይርድኣናዩ። ዝኾነ እንተኾነ ግና ካብቲ ጽኑዕ ዝኾነ ኦርቶዶክሳዊ እምነትና፥ ክፈልየና ዝኽእል ፈተና ከም-ዘየልቦ፥ ኣብቲ ከውሕና ዝኾነ ክርስቶስ ዘሎና እምነት ጽኑዕ ...” ብምባልዮም፥ እቶም ንኣገልግሎት ወንጌል ዉፉይ ዝኾኑ፥ ናይ ዩኒቬርስቲውን ምሩቕ  ዝኾኑ ካህን ዘረባኦም ዘጠቓለሉ።

ኣብዚ መዓልቲ ናይቲ ኣገልግሎት ተኻፈልቲ ንምዃን፥ ካብ ሃገረ-ጀርመን, ሆላንድ, ኖርወይ, ዓዲ-እንግሊዝ ዝመጹ፥ ውሉደ-ክህነትን ምእመናንን ተሳተፍቲ ምንባሮም ክጥቀስ ግቡእዩ።

ኣሓዱ ዘእም ውሉደ-ክህነት

ዘኣንበሳ ማርቆስ

ከተማ-ኡምዮ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div