S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ካብ ዝተፈላለየ ክፍልትታት ኣመሪካ ተዓዲሞም ብዝመጹ ሊቃውንቲ ኣቦታትን ብብዝሒ ምእመናን ብክብ ዝበለ ፍስሓን ሓጎስን ዝተጸንበለ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተርእዮታ፡ ካብ ዓርቢ የካቲት 1 ክሳብ ሰንበት 3 የካቲት 2008 (ጥሪ ፳፫ - ፳፭ 2000 ዓ.ም. ግእዝ) ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ሓቚፉ ኔሩ።

ኣቦታት ኣብ ዝሃብዎ ሰፊሕ ኣስተምህሮ፡ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብሥላሴ ዝተሓርየት፡ ንማንም ፍጡር ዘይተዋህበ ክብሪ “ምልዕተ ፀጋ” ረኺባ እቲ ሰማይን ምድርን ዘይጾሮ መድሓኒ ኩሉ ዓለም ክርስቶስ ብምውላዳ ቤተክርስትያንና ብፍሉይ ከተኽብራ ትነብር፡ ድሕሪ ምባሎም፡ ኣብ ቅዳሴናን ምህለላናን ነቲ ኩሉ ኣብ ኢዱ ዝሓዘ ወዳ ክትልምነልና ከምንጽሊ ኣስተምሂሮም። ካብኡ ሓሊፍና ካብ ኣዴና ቅድስቲ ማርያም ንምሃሮ ብዙሕ ነገራት ከምዘሎ ገለ ካብኡ እምነት፡ ትሕትና፡ ግብርታት ኣምላኽ ምስትንታንን ምውህላልን ይርከቦ። ከምኡውን ኣብቲ ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ክሳብ ሰንበት ዝቐጸለ መንፈሳዊ ሰሚናራት ምእመናን ብእምነት ዝዓብይሉ መገድታት፡ መንእሰያት ብቑዓት ተተካእቲ ኮይኖም ንኽዓብዩ ተራ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ወለድን ሓላፍነት መንእሰያትን ብሰፊሑ ተገሊጹ። ነቲ ጉባኤታት ዕዉት ካብ ዝገበሮ ሓደ ምእመናን ብሕቶን ርእይቶን ዝሳተፍሉ ሰፊሕ ባይታ ምንባሩ እዩ።

ብተወሳኺ ምእመናን ነቲ ኣብ ቤተክርስትያንና ወሪዱ ዘሎ ከቢድ ፈተነ ኣብ ሓቂ ጸኒዖም ምቅላሶምን፡ ምስ ካህኖም ብምምኽኻር፡ ናይ ነዊሕ ብምሕሳብ ታቦት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምምራጾም፡ ኃይማኖታዊ ብስለትኩም እዩ ዘርኢ ክብሉ ኣቦታት መጎሶም ገሊጾም።

ቤተክርስትያን ካብ ፈተና ከምዘይተዐርፍ፡ ኩሉ ግዜኡ በሊዑ ኪሓልፍ ከሎ ቤተክርስትያን ግን ንኹሉ ኣሕሊፋ ትቕጽል ከምዘላን ታሪኽ ይምህረና። ሕጊ ኣፍሪስካ፡ ሓቂ ቐቢርካ ነዊሕ ኪኽየድ ስለዘይከኣል እዚ ናይ ሎሚ ፈተናውን ግዝያዊ እዩ።

እቶም ነቲ ጉዳይ ዘይመልክዑ ከትሕዝዎ ዝፍትኑ ኣካላት ግን፡ እቲ ጉዳይ ንዝበዝሐ ሕዝብናን ደላይ ሓቂ ኩሉ ዓለምን ግሁድ ስለዝኾነ ካብ ድኻም ሓሊፎም ካልእ ዘፍርይዎ ከምዘይህሉ ክግንዘቡ ይግብኦም ብምባል ኣዘኻኺሮም።

ምእመናን በቲ ዝተሰርዐ መንፈሳዊ መደባት ሓጎሶም ድሕሪ ምግላጽ ቀጻልነት ኪህልዎ ተላብዮም። ከምውጽኢት ናይቲ ዝቐነየ ሃብታም ትሕዝቶ ዝነበሮ መሃርን ሃናጽን ትምህርትታት፡ ን1700 ዓመታት ጸኒዑ ንዘጽንዓና ሕጊ ቤተክርስትያን ኪፈርስ እናረአና ስቕ ኣይንብልን ብምባሎም ኣብ ርእሲኦም ኣረሜናዊ ግፍዒ ንዝበጽሖም ኣብ ሰሜን ኣሜርካ ንዝርከቡ ኣቦታት  ክንናቢ ሓላፍነትና እዩ ብምባል ምእመናን ብናይ ገዛእ ርእሶም ተበግሶ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ኣዋጺኦም።  

ንብፁእ ውቅዱስ ሣልሳይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብጥዕናን ሰላምን ይሓልወልና! ንቤተክርስትያንናን ሃገርናን ድማ ሰላሙ ይሃብ።

ኣድራሻ

St. Mary Eritrean Orthodox Church Bay Area
2500 Hansen Rd Hayward, CA 94541
Phone 510-593-3819

ኣገልገልትን ምምሕዳር ሰባኻ ጉባኤን ቅ. ማርያም ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን በይ ኤርያ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div