“ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ” 1 ቆረንቶስ 13:8 ዝብል ቅዱስ ቃል ን6ይ ግዜ ዓመታዊ መንፈሳዊ ጉባኤ፥ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ፐንሲልቫኒያ (Pennsylvania) ሕ.መ. ኣሜርካ ዝርከብ ናይ ኣንጾኪያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ማእከል እዩ ተኻይዱ።
ካብ ዝተፈላለየ ናይ ምብራቓዊ ሰሜን ኣሜሪካ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝተኣከቡ መንእሰያት፥ ኣብዚ ናይ ሠለስተ መዓልቲ ሰሚናር ብደቂ ቤተ ክርስቲያን ናይ ስነ መለኮት ምሁራት እዩ ተዋሂቡ። እቲ ዝተዋህበ ትምህርቲ ኣብ ኣሜሪካ ተወሊዶም ዝዓብዩ ዘለዉ መንእሰያት ብምዃኑ ኩሉ ብቋንቋ እንግሊዝኛ እዩ ተኻይዱ። ኣርእስቲ እቲ እተዋህበ ትምህርቲ ምስ ህልው ኩነታት መእሰያት ዝተተሓሓዘ ኮይኑ በዞም ዚስዕቡ ኣቦታት፥ ዲያቆናትን ኣኃትን እዩ ተዋሂቡ።
ዝብል ኣዝዩ ዕምቆትን ስፍሓትን ዘለዎ ትምህርቲ ተዋሂቡ ሰንበት ድማ ብቅዳሴ ተዛዚሙ።
እቲ ጉባኤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብጸሎተ ነግህ ተሰንዩ እዩ ክካየድ ቀንዩ።
ክብሪ ንእግዚኣብሔር ይኹን። ኣሜን።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ