S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ደቃ ዝወረደ ህልቂት ትሓዝን

ሓሙስ 3 ጥቅምቲ 2013 ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ እተምርሕ ዝነበረት ጃልባ: ኣብ ገማግም ደሴት ላምፐዱሳ (ዓዲ ጥልያን) ክትዓርፍ ውሑድ ኪሎሜትሮ ምስ ተረፋ ከምዝጠሓለት ተሓቢሩ። እታ ጃልባ 518 ዝኾኑ ሰባት ጽዒና ከምዝነበረትን ካብኦም 510 ዝግመቱ ኤርትራውያን ኮይኖም፡ 8 ዝኣኽሉ ድማ ኢትዮጵያውያን ከምዝነበሩ እቶም ዝደሓኑ ሰባት ሓቢሮም።154 ኤርትራውያን ክድሕኑ እንኰለዉ፡ ኣስታት 365 ዝኣክል ሬሳታት ከምዝተረኽበ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ደቃ ዝወረደ ህልቂት መሪር ሓዘን እናተሰምዓ፡ ጠንቂ እዚ ኹሉ ጸገም ካብ ውሽጥና ስለዝኾነ፡ ኤርትራውያን ምእመናን ብጸሎት ክነሑ ተዘኻኽር። እግዚኣብሔር ንስቓይና መወዳእታ ጌሩ፡ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ዜጋታትና ኣብ መንግስተ ሰማያት ክቕበሎም፣ ንስድራ ቤቶም ድማ ምጽንናዕ ክህብ ንጽሊ።

መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ኣብ 201ስለቶም ኣብ ማያት ሊብያ ዝሃለቑ 325 ኤርትራውያን ኣብ 2013 ድማ ስለቶም ግዳያት ምደረ በዳ ሲናይ ጸሎት ፍትሓት ከምዘካየደ ይዝከር

መርበብ ሓበሬታ ተዋህዶ። (Updated on 10/30/2013@10:10 AM EST)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div