S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

“ኣቦታት ዘቖምዎ ናይ ቀደም ደረት ኣይትድፋእ”

ኩሉ ሰብ ከም ዝፈልጦ ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኣብ ከቢድ ናይ ፈተና እዋን ትርከብ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ ብሰንኪ እቶም መንፈሳዊ ሓላፍነቶም ዝዘንግዑ ሓደ ሓደ መራሕቲ ሃይማኖት ከምኡ እውን ኣብ ክንዲ ንወንጌል-ኣምላኽ ንዓለማዊ ረብሓ ዝሰብኩ፣

ንውልቀሰባት ዘምልኹ፣ እኩብ ሰብ ዝብትኑ፣ ባእስን ህውከትን ክነግስ ዝጉስጉሱ፣ ብመዓርግ ጵጵስና ተቐቢኦም ከብቅዑ ህኑጽ ዘፍርሱ ከም በዓል ኣባ ሲኖዳ ስለዝጠለምዋ እዩ። ኣብ ስደትን ኣብ ዓድን ዝነብር ኣማኒ ቤተክርስቲያንና እምነቱን ስርዓት ቤተክርስቲያኑን ሓልዩ፣ ተጠርኒፉ ልዑል መንፈሳዊ ኣገልግሎት ክረክብ ጸኒሑ። ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመታት ግን ካብ ትጽቢት ኩሉ ኣማኒ ወጻኢ ዝኾነ ዘስደምም ነገር ተኸሲቱ። ነቶም ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ኣቦ ቤተክርስቲያንና ኮይኖም ብምሉእ ድምጺ ህዝቢ ዝተሾሙ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፣ ብዘይ ድምጺ ህዝብን ብዘይ ሕጊ ቤተክርስቲያንን ካብ መዓርጎም ወሪዶም ተባሂሉ።

ድሕሪ እዚ ግህሰት’ዚ፣ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ንኹሎም ጳጳሳት ብስም ሥላሴ ኣውጊዞሞም። ኣቡን ሲኖዳ ድማ ሓደ ካብዞም ዝተወገዙ ጳጳሳት እዮም። ውግዘት፣ እምነት ንዝኸሓደ፣ ሕጊ ንዘፍረሰ ሰብ እትፈልየሉ ኣድማሳዊ ቀኖና ቤተክርስቲያን እዩ። እዚ ደረት እምነትና ዝኾነ ቀኖናዊ-ውግዘት ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ቀዳሞት ቅዱሳን ኣበው ዘቖምዎ ሕጊ እዩ።

እሞኸድኣ፣ እዞም ብስም ስላሴ ዝተኣስሩ ውጉዛት ኣሲርናኩም ወጊዝናኩም ክብሉ ዝኽእሉ በየናይ ሕጊ እዮም? ኣባ ሲኖዳ ሎሚ፣ ሕጊ ጥሒሶም ንሓደ ወጊዝናካ ንሓደ ሰጒጕናካ እንተበሉ "ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጉንዲ ከየውጻእኻ፣ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር ከተውጽእ ዝከኣል ኣይኮነን” ንብሎም። ሕጊ ብምፍራስ ተኸሲስካ እንከለኻ፣ ኣኽባር ሕጊ ክትከውን ኣይከኣልን እዩ። ብተወሳኺ፣ ኣባ ሲኖዳ ኣብ ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ዝኾነ መንፈሳዊ-ኣገልግሎት ከይህቡ ብስም ስላሴ ተኣጊዶም እዮም። ብአኦም ዝወሃብ ጸሎተ ፍትሓት፣ ቃልኪዳን፣ ጥምቀት፣ ቅዱስ ቁርባን፣ መዓርጋት ቤተክርስቲያንን ካልእ ኣገልግሎትን ብኣመንቲ ናይታ ሓዋርያዊት ቅድስት ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ቅቡል ከምዘይኮነ ኩሉ ኣማኒ ቤተክርስቲያንና ክፈልጦ ይግባእ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝገበርዎ ጎስጓሳት ካብ ሓደ ኣቡን ዘይትጽበዮ ካብ እምነትናን ባህልናን ወጻኢ ዝኾነ ዘስደምም ሰይጣናዊ ተግባር እዩ። ኣብ ክንዲ ስብከተ-ወንጌል፣ ንፍቕርን ሓድነትን ሕዝብና ዘፍርስ፣ ኣሕዋት ኣብ ልዕሊ ኣሕዋት ክልዓሉ ዝደፋፍእ፣ ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ እኩይ ተግባር። ካብ ሓደ ኣቡንዶ ከምዚ ዓይነት ዘረባ ምወጸ? ኣይተዓደልናን።

ሕቶ ሃገረ ስብከት ሓንቲ እያ፣ ንሳ ድማ "ብመንፈሳዊ ሕጊ ንመራሕ" ትብል እያ። ጠለብና ንጹር እኳ እንተኾነ፡ ኮነ ኢልካ ንሓድነት ሕዝቢ ንምብትታን ኣብቲ ንጹር ጉዳይ ቤትክርስቲያን ዘየለን ዘይነበረን ፖለቲካ እናሓወስካ ሃይማኖታዊ ሕቶና ኣንፈቱን መልክዑን ንምቕያር ዝግበር ዘሎ ፈተነ ዘይመንፈሳዊ እዩ። እዚ ድማ ኮነ ኢልካ ሕዝቢ ንምድንጋር ዝግበር ዘሎ ምዃኑ ምእመናን ክፈልጥዎ ይግባእ። 

ካብ ጊዜ ኦሪት ጀሚሩ ሕዝቢ ኤርትራ ምስ ናይ ግብጺ ኣመንቲ እግዚኣብሔር ምትእስሳር ከምዝጸንሖ፣ እምነት ክርስትና ናብ ምድረ ሓበሻ ብፍላይ ናብ ኤርትራ ዝኣተወ ካብ ግብጺ ቤተክርስቲያን ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ድሕሪ ነጻነት ህገርና ደማ ኣቦታት ነቲ ብእምነት ዝጸንሐ ርክብ ብዓቢ ደረጃ ኣደልዲሎሞ። ነዚ ኣቦታትና ዘቆሙዎ ርክብ ክንዕቅቦን ከነማዕብሎን ደኣ ይግባእ እምበር ከነፍርሶ ቅኑዕ ኣይኮነን። ስለዚ "ቤተክርስቲያንና ናብ ግብጺ ክሸጥዋ ደልዮም" ዝብል ወረ መሰረት ዘይብሉ ሓሶትን ፈጠራን ምዃኑ ንኹሉ ክበርሃሉ ይግባእ። ብእምነት ሓደ ስለዝኾንና በቲ ናይ ግብጽን ኤርትራን ቤተክርስቲያናት ዝተፈራረምኦ ስምምዕ መሰረት ኣብ መንፈሳዊ ጉባኤና ጳጳስ ግብጺ ከም ዕዱም ኮይኖም ምምጻእ መሸጣ ቤተክርስቲያን ኣይኮነን። ጳጳሳት ግብጺ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣብ ዝገብርሉ እዋን ከደኣ እንታይ ክንብሎ ኢና፤

ስለዚ እቲ ንቤተክርስቲያንና ካብ ኩለን ኣሕዋታ ኦሬንታል ኣብያተክርስቲያናት ፈልይዋ ዘሎ ብርሰት-ሕጊ-ቤተክርስቲያን ኣብ ንቡሩ ክምለስ፣ ኣቦና ብጹእ ወቅዱስ ፓትርያርክ እንጠንዮስ ነቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐብእሉ ቦታኦም ክሕዙ ደጊምና ንጽውዕ። ኩሉ ደላይ ጽቡቕ ኣማኒ ተዋህዶን ሰዓብቲ ክርስቶስን ድማ ነዚ ምፍራስ ሕጊ ቤተክርስቲያን ክኹንንዎ ንጽውዕ። "ኣቦታት ዘቖምዎ ናይ ቀደም ደረት ኣይትድፋእ"(ምሳሌ 22፡28) ዝብል ቅዱስ ጽሑፍ ተኸቲልና፣ ኣቦታትና ዘቖሙልና ስርዓት ቤተክርስቲያንና ንኸይፈርስ ብሓባር ነቒሕና ንሓሉ።

እግዚኣብሔር ንሃገርናን ቤተክርስቲያንናን ይባርኽ
ነቦና ብጹእ ወቅዱስ ቀዳማዊ እንጠንዮስ ሳልሳይ ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ይሓልወልና።
12 ሓምለ 2008
ስያትል ዋሺንግቶን, ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div