S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንሕና ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ እንርከብ፡ ኣገልገልቲ ቅድስት ሓዋርያዊት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ነታ ብደም ክርስቶስ፡ ብኣማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ብተራዳእነት ቅዱሳን መላእኽቲ፡ ብትንቢት ነቢያት፡ ብስብከት ሓዋርያት፡ ብጸሎት ሰማዕታትን ጻድቃንን፡ ብኣዝዩ ክቡር መስዋእትን ስንክልናን ስደትን፡ ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ኣብ ናጻ ሃገረ ኤርትራ፡ ማዕረ ኩለን ናይ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያን ብቅድስና መንበር፡ ዝቖመት፡ ካብ ቅዱስ ማርቆስ ሓዋርያ፡ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ዝሓዘት፡ ብእግዚኣብሔርን ምእመናንናን ንዝተዋህበና ከቢድ መንፈሳዊ መጓሰ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንምሕላው፡ ብዛዕባ እቲ ንቀኖናኣን ሕጋን ብምስዓር፡ ብኢደወነንነት፡ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ጳጳስ እየ ብምባል፡  ኣብ ሓድነት ምእመናንን ቤተክርስቲያንን ኣዝዩ ዓቢይ ምክፍፋል ፈጢሮም ዘለዉ ጳጳስ ሲኖዳ ሓዋርያዊ ተልእኮና ንምፍጻም፡ ውሳኔ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መሠረት ብምግባር እዚ ዚስዕብ ውሳኔ ወሲንና ኣሎና።

1. ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ዓንቀጽ 82 (ሓደ ጳጳስ ብዘይፍቓድ ፓትርያርክ ልዕሊ 15 መዓልቲ ክንቀሳቐስ ከም ዘይግባእ) ፡ ከምኡውን ብዘይፍቓድ ፓትርያርክ ንልዕሊ ሽዱስተ ወርሒ ዝተንቀሳቐሰ፡ ካብ መዓርጉ ውዱቕ ዚብል ፍትሕ መንፈሳዊ ዓንቀጽ ኣርባዕተ፡ እናፈለጡ ብዘይፍቓድን ቡራኬ  ቅዱስ ፓትርያርክ፡ መንበር ቅድስና ቤተክርስቲያን ረጊጾም ብምምጽኦም፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ካልእ ሃይማኖታዊ ጌጋ ከይኣተወ፡ ብኣጋኡ ክእለ ብምባል፡ ጉዳይና ብምልዛብን ብምርድዳእን ከነዕሪ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ንኡስ ሃገረ ስብከትና ኣብ ኣትላንታ፡ ንዕለት 17 መስከረም 2005 ክርከቡ ናይ ክብሪ ዕድመ ዓዲምናዮም፡ ክርከቡ ኣይከኣሉን። ብኣንጻሩ ብቅድስና ዝተቐብኡ ቅዱስ ፓትርያርክ፡ ዘነውር፡ ካህናትን ህዝብን ዝፈላሊ፡ ጽሑፋት ብምዝርጋሕ ከቢድ ዕንወት ብምፍጻሞም።

2. ብፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ዝምራሕ ብምልኣት ቅዱስ ሲኖዶስ መዓርገ ክህነቶም ዝተታሕዙ ካህናት፡ ብዘይፍትሓትን ውሳኔን ቅዱስ ሲኖዶስ ምስኦም ሓቢሮም ብምቕዳስ። ውሳኔ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ብምንዓቖምን ምርጋጾምን

3. 11 መጋቢት1998 ዓ.ም. ግ. 03/21/2006፡ ቀኖናን ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ስዒሮም፡ ኣብ ሓድነት ምእመናን ከቢድ ሽግር ስለ ዝፈጠሩ፡ ብመሠረት ትእዛዝ ቅዱስ ፓትርያርክ እቲ ዝገብርዎ ኣገልግሎት ደው ኣቢሎም፡ ካብቶም ብመዓርግ ብፅዕና ዝቐብእዎም፡ ቅዱስ ፓትርያርክ ፍትሓት ክሳብ ዝረኽቡ፡ ዝኾነ ናይ ጵጵስና ተግባር ከይገብሩ፡ ብትሕትና ተሓቲቶም ደው ከብሉ ፍቓደኛ ኮይኖም ስለ ዘይተረኽቡ።

ጉባኤ ካህናት ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብፈጻሚት ኣባላት ናይቲ ጉባኤ ብዝቐረበሉ፡ መጸዋዕታ መሠረት፡ ኣብ ሓቀኛ ሓዋርያዊ ቀኖና ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ብምምርኳስ፡ እዚ ዚስዕብ ውሳኔ ወሲንና ኣሎና።

ውሳኔ:-

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ቀዳማዊ ሣልሳይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ፡ ዕለት 13 ጥሪ 1998 ዓ.ም.ግ. (20 ጥሪ 2006) ንጠቅስ፡ “ናብ ኩሎም፡ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ጳጳሳት፡ ኤጲስ ቆጶሳት ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ዘሕለፍዎ ውግዘት፡ ዲያቆን፡ ካህን፡ ጳጳስ፡ ፓትርያርክ ከይትሾሙ፡ ብሥልጣን ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኣውጊዘ ኣሎኹ”

ዝብል ሓዋርያዊ ውግዘት ጳጳስ  ሲኖዳ፡ ንሥልጣን ሥላሴ ብምርጋጽ፡ ነቲ ሓዋርያዊ ውግዘት ብምጥሓስ መዓርግ ዲቁና ሸይሞም።

ውጉዝ ማለት፡- ካብ ማሕበረ ምእመናን ዝተፈልየ፡ ከይቆርብ፡ ከይናዝዝ ምስ ምእመናን ከይሕወስ፡ ካብ ዝለዓለ መዓርግ ክሳብ ዝተሓተ መዓርግ፡ ዝተገፈ ሰብ ማለት እዩ። ጳጳስ ዘውገዞ ፓትርያርክ ይፈትሖ፡ ፓትርያርክ ዝወገዞ ግን ብቀኖና ቤተ ክርስቲያን ናይ መወዳእታ ውግዘት እዩ።

 

ስለዚ ጳጳስ ኣባ ሲኖዳ ብዝፈጸምዋ ከቢድ ሃይማኖታዊ ግህሰት፡

1.ንሥልጣን ኣጋእዝተ ዓለም ሥላሴ፡ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብምጥሓሶምን ብምንዓቖሞን ብምኽሓዶምን፡ መናፍቕ፡ ውጉዝ ከም ኣርዮስን መቅደንዮስን ኮይኖም ኣለዉ።

2.ነታ ብመዓርግ ብፅዕና ዝቐብኣቶም ብቕድስና ዝተቐብአት ኢድ ብምኽሓዶም፡ ፍትሕ መንፈሳዊ ኣንቀጽ 4 ፓትርያርክ ተምሳል ኢየሱስ ክርስቶስ ዚብል ቃል ጥሒሶም ከምቲ ይሁዳ ንጐይታኡ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምስዓም ኣሕሊፉ ዝሃቦ ክሕደት ብምዃኑ።

ብመዓርግ ጵጵስና ይኹን ብመዓርግ ክህነት ዝገብርዎ ኣገልግሎት መንፈሳዊ ሕጊ ዝጠሓሰ ስለ ዝኾነ፡ ብሕጊ ቤተ ክርስቲያን መዓርግ ጵጵስናኦም ውዱቕን ውጉዝን እዩ።

ስለዚ ኩሉ ምእመን ነዚ ውግዘት እዚ ፈሊጡ፡ ናይ ውጉዝ ሰብ ኢድ ከይስዕም፡ ብኢዶም ከይቆርብ፡ ብመስቀሎም ከይባረኽ፡ ቅድስት ሓዋርያዊት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ሃይማኖቱ ክሕሉን ክከላኸልን እናተማሕጸንና፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብኣዋጅ ሃይማኖትን ሃይማኖታዊ ትካላትን 73/95”  ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣብ ውሽጢ ሃይማኖት ኢድ ከም ዘየብሉ፡ ብተደጋጋሚውን ብመግለጺ ተሓቢሩ እዩ።

ጳጳስ ሲኖዳ ግን ኣብ ዝጽሕፍዎ ጽሑፋት ኩሉ፡ መንፈሳዊ መልእኽቱ ዝሰሓተ፡ ኣብ ሓድነት ህዝብን መንግስትን ምቅርሕሓን፡ ምፍልላይን ንምፍጣር፡ ዝዓለመ ካብ ሓቅነት ዝረሓቐ እዩ። 

ምእመናን እዚ ሓቅነት እዚ ተገንዚቦም፡ ቅድስና መንበርና ኣብ ናጻን ሉዓላዊትን ሃገር፡ ዝተመስረተ ብምዃኑ፡ ሃገራዊ ሓድነቱን፡ ሃይማኖታዊ እምነቱን ሓልዩን ተኸባቢሩን ክኸይድ፡ ንላቦ። ደጊምና እነረጋግጾ፡ ተልእኮናን ሕቶናን ሕቶ ሃይማኖት፡ ደኣ እምበር ምስ ዝኾነ ፖለቲካዊ ምትሕሓዝ ዘይብሉ፡ ምዃኑ ደጊምና ነስምረሉ።

በዚ ኣጋጣሚ እዚ ገለ ብመዓርገ ሓዋርያዊ ክህነት ዝተቐብኡ፡ ንኣገልግሎት ምእመናን ሕይወቶም ዝወፈዩ፡ ካህናት፡ እቲ ጉዳይ ከም ዘይምልከቶም፡ እንታይ ገደሰንን ተባሂሉ፡ ከም ሰገን ርእሶም ምሕባእ ሓዋርያዊ ተልእኮኦም ስለ ዘይኮነ፡ እዚ ሓቅነት እዚ ንምእመናን ከረድኡ፡ ንላቦ።

ንኹለን ናይ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ብቅድስናን ሉዓላውነትን (Autocephalous) ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብምእማን፡ ንቅዱስ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ማዕረ ኩሎም ሓዋርያውያን ኣርእስተ ኣበው ፓትርያርካት ብምስራዕ፡ ኣብ ጸሎተ ቅዳሴኦም ዝገብርዎ ጸሎት ልዑል ምስጋናና እናኣቕረብና።

ገዳማውያን ኣበው፡ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያንን ዓበይቲ ምእመናንን ምእመናትን፡ ንሓድነትን ዕቤትን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እጃሞም ከበርክቱ ሓዋርያዊ ጻውዒትና ነመሓላልፍ። ኣባ ሲኖዳ ኣብ ልዕሊ  ቅድስት ቤተክርስቲያንና ዝፈጸምዎ ከቢድ ግህሰት ሃይማኖትን ውግዘትን፡ ተጣዒሶም ስርየት ክልምኑን ክምለሱን ንጽሊ።

እግዚኣብሔር ሃገርና ኤርትራ ይባርኽ።

እግዚኣብሔር ንኹሎም ስዉኣት ኤርትራ ዘለዓለማዊ ዕረፍት ይሃብ።

ጉባኤ ካህናት ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ።

14 ሓምለ 2006 (፯ ሓምለ ፲፱፻፺፰)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div