S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

10ይ ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ

ቦታ10 ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ን//ስብከት ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት: ሓምለ (July) 09-13, 2008 ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴ፡ ስያትል።

መሪሕ ጥቕሲ

“..ብርግጽ ኪመጽእ እዩ፡ ኣይክድንጉን ድማ እዩ፡ እንተ ደንጎየ እኳ ተጸበዮ…” . እንባቆም 12-4,13 21-4 ኢዮብ 179 መዝ 11-6

ምረት ሰባት እግዚኣብሔር ክትረድኣኒ ኢለ ንነዊሕ እዋን ናባኻ ኣእዌኹ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትሰምዓኒ? “ይዕምጹና ኣሎዉኢለ ናባኻ ኣእዌኹ ንስኻ ግና ኣየድሓንካናን። ስለምንታይ ክፍኣት ኪርኢ ትሓድገኒ? ንስኻኸ ስለንታይ ዓመጽ እናረአኻ ሸለል እትብል? ምዝራፍን ዓመጽን ኣብ ኩሉ ይስማዕ ኣሎ። ባእስን ክርክርን ኣብ ኩሉ ይለዓል ኣሎ። ሕጊ ደኸመ፡ ፍትሒውን ጠፍአ። ዓማጺ ንጻድቕ ይብለጸሉ ኣሎ። ፍርዲውን ቀነነ።” 21-4

ውሳኔ ነብዪ እንባቆምእግዚኣብሔር እንታይ ከም ዚዛረበንን ብዛዕባ እቲ ኽትዐይ ከኣ እንታይ ከም ዚምልሰለይን ተጠንቂቐ ምእንቲ ኽሰምዕ ኣብቲ መሓልውየይ ደው ኪብል፡ ኣብ ልዕሊ ግምቢውን ክቐውም እየ።

መልሲ እግዚኣብሔርእግዚኣብሔርብቕልጡፍ ምእንቲ ኺንበብ፡ ነቲ ራእይ ጽሓፎ፡ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረጾ። እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፡ እቲ ዚፍጸመሉ ግዜ ኸኣ ቐልጢፉ ይመጽእ ኣሎ። እዚ ዘርእየካ ዘሎኹ ራእይ ሓቂ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ፡ ኣይኪድንጉን ድማ እዩ፣ እንተደንጎየ እኳ ተጸበዮ። እቲ መልእኽቲእቶም እኩይ ዚግብሮም ዕቡያት ብሕይወት ኣይኪነብሩን እዮም። እቶም ጻድቃን ግና ብእምነት ይነብሩዚብል እዩኢሉ መለሰለይ።

ኣርእስቲ ስብከታት

  1. ሰለምንታይ እዩ እግዚኣብሔር ብፈተና ኪንሓልፍ ዚደልየና? ካብ ፈተና ክርስቶስን ኩሎም ሰዓብቱን እንታይ ንምሃር? ስለምንታይ ክፍኣት ኪርኢ ትሓድገኒ? ንስኻኸ ስለምንታይ ዓመጽ እናረአኻ ሸለል እትብል?)
  2. ጠንቂ ባእስን ክርክርን እንታይ? ሕጊ ብኸመይዩ ዚደክም፡ ሳዕቤን ሕጊ ምድካምከ እንታይዩ? (ምዝራፍን ዓመጽን ኣብ ኩሉ ይስማዕ ኣሎ። ባእስን ክርክርን ኣብ ኩሉ ይለዓል ኣሎ።ዓማጺ ንጻድቕ ይብለጸሉ ኣሎ።…(ሕጊ ደኸመ፡ ፍትሒውን ጠፍአ። ፍርዲውን ቀነነ።)
  3. እግዚኣብሔር ኣብ ግዜ ፈተና ከመይ ኪንክወን ይደልየና? (ካብ ነብዪ እንባቆም እንታይ ንምሃር?) (“እግዚኣብሔር እንታይ ከም ዚዛረበንን ብዛዕባ እቲ ኽትዐይ ከኣ እንታይ ከም ዚምልሰለይን ተጠንቂቐ ምእንቲ ኽሰምዕ ኣብቲ መሓልውየይ ደው ኪብል፡ ኣብ ልዕሊ ግምቢውን ክቐውም እየ።)
  4. መወዳእታ ዕጫ ረሲኣንን እንታይዩ? ጻድቕን ካብ ግዜ ፈተና እንታይ መንፈሳዊ ረብሓ ይረኽቡ? (ብርግጽ ኪመጽእ፡ ኣይኪድንጉን ድማ እዩ፣ እንተደንጎየ እኳ ተጸበዮ። እቲ መልእኽቲእቶም እኩይ ዚግብሮም ዕቡያት ብሕይወት ኣይኪነብሩን እዮም። እቶም ጻድቃን ግና ብእምነት ይነብሩዚብል እዩ)
  5. መጠቓለሊ ስብከት 

ዝርዝር መደብ ጉባኤ

ሓሙስ (07/10/2008)

6፡00-8፡00 ጸሎተ ነግህ

8፡00-9፡00 ቁርሲ

9፡30-10፡30 ቤተ ክርስትያን ኣብ ግዜ ፈተና፡ ካብ ታሪኽ እንታይ ንምሃር(1ይ ክፍሊ)

10፡30-10፡45 መዝሙር ብካህናት

10፡45-11፡30 ስብከት (መሪሕ ጥቅሲ፡ 1ይ ክፍሊ)

12፡00-2፡00 ምሳሕን ዕረፍትን

2፡30-4፡00 ሰሚናር:-“ጥንታውያን ገዳማት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ

5፡00-7፡00 ድራርን ዕረፍትን

7፡00 – 7፡30 መዝሙር ብወለድን መንእሰያትን

7፡30—8፡15 ስብከት (መሪሕ ጥቅሲ፡ 2ይ ክፍሊ)

8፡15-8፡30 ምህለላ ስለ ሃገርናን ቤተክርስትያንናን

ዓርቢ (07/11/2008)

6፡00-8፡00 ጸሎተ ነግህ

8፡00-9፡00

9፡30-10፡30 ቤተክርስትያን ኣብ ግዜ ፈተና፡ ካብ ታሪኽ እንታይ ንምሃር(2ይ ክፍሊ)

10፡30-10፡45 መዝሙር ብካህናት

10፡45-11፡30 ስብከት (መሪሕ ጥቅሲ፡ 2ይ ክፍሊ)

(ብሊቀ ጳጳስ ዳዊት ዝውሃብ፡ ፍሉይ ሰሚናር ንመንእሰያት) “Peer Pressure” Part

12፡00-2፡00 ምሳሕን ዕረፍትን

2፡30-4፡00 ሰሚናር፡ ብሊቀ ጳጳስ ዳዊት ዝውሃብ፡ ሰሚናር ንውሉደ ክህነት “መራሕቲ ኣብ ጊዜ ፈተና-ቤተክርስትያን”

(ናይ ዕረፍቲ ግዜ ንመንእሰያትን ንህዝብን)

5፡00-7፡00 ድራርን ዕረፍትን

7፡00 – 7፡30 መዝሙር ብወለድን መንእሰያትን

7፡30—8፡15 ስብከት (መሪሕ ጥቅሲ፡ 4ይ ክፍሊ)

8፡15-8፡30 ምህለላ ስለ ሃገርናን ቤተክርስትያንናን

ቀዳም (07/12/2008)

6፡00-8፡00 ጸሎተ ነግህ

8፡00-9፡00 ቁርሲ

9፡30-10፡45 ስርዓተ ቅዳሴ:- ቅዱስ ቁርባንን መንፈሳዊ ረብሑኡን (1ይ ክፍሊ) 

10፡45 – 11፡30 ሕቶን መልስን

12፡00-2፡00 ምሳሕን ዕረፍትን

2፡30-4፡00 ስርዓተ ቅዳሴ:- ቅዱስ ቁርባንን መንፈሳዊ ረብሑኡን (2ይ ክፍሊ) 

4፡00 - 4፡30 መልእኽቲ ን/ሃገረ ስብከት

5፡00-7፡00 ድራርን ዕረፍትን

7፡00 – 7፡30 መዝሙር ብወለድን መንእሰያትን

7፡30—8፡15 ስብከት (መጠቓለሊ)

8፡15-8፡30 ምህለላ ስለ ሃገርናን ቤተክርስትያንናን

ከምቲ ልሙድ ሰንበት (07/13/2008) ብቅዳሴን፡ ምእመናን ቅዱስ ቁርባን ብምውሳድን ይዛዘም። ተወሳኺ ሓበሬታን ናይ መደባት ለውጥን ኣብ እዋኑ ስለዝመሓላለፍ፡ ምእመናን ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ እዚ ክትከታተሉና ብኽብሪ ንዕድም።


10th Annual Conference of 
The Eritrean Orthodox Church, Diocese of North America
July 10- 13, 2008, Seattle, WA.

--------------------------------------Theme Verse--------------------------------------

Habakkuk: "The law is paralyzed, and justice never prevails. The wicked hem in the righteous, so that justice is perverted. Habakkuk 1.1-4

The Lord’s answer: Though it linger, wait for it; it will certainly come and will not delay" Habakkuk 2.1-4. Under the above theme Verse, the tenth (10th) annual conference of the Eritrean Orthodox Church, Diocese of North America will be held on July 10-13, 2008 in Seattle, WA.

We encourage followers of the Eritrean Orthodox Church to participate at this spiritual gathering, and make the necessary travel arrangements ahead of time. The conference will be held for four days of prayer, worship and panel discussions and workshops. 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div