S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዋሽንግቶን ዲሲ ኣብ ርእሲ ካህናትናን ንኡስ ሃገረ ስብከትናን ዝተሰንዘረ ዘለፋን ጸርፍን፡ ብሕጋዊ መገዲ ንስዕቦ እኳ እንተለና፣ ኣብ ዝርዝሩ ኣቲኻ ሓደ ብሓደ ምግላጹ፡ ንርእሲኡ ኣብ ዘየድሊ ህውተታ ምእታው ብምዃኑ፡ ኣብ ዝርዝር ከይኣቶና እቲ መግለጺ ከም ዘለዎ ካብ ክውንነትን ሓቅን ዝረሓቐ ምዃኑ ንገልጽ። ንዕንወትን ምፍልላይ ምእመናን ተዋህዶ ዝዓለመ፡ ኮነ ኢልካ ንኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ፈሊኻ ንምጉዳእ፡ ሓድነት ምእመናን ንምብትታን ዝዓለመ ምዃኑ'ውን ነቲ ጉዳይ ክከታተሎ ዝጸንሐ ሰብ ዝስሕቶ ኣይኮነን።

ወኪል ኤምባሲ ኤርትራ ምስ ወከልቲ ንኡስ ሃገረ ስብከት ንምርኻብ ስለዝሓተተ፣ ኣብ ኣትላንታን ስያትልን ርክብ ተኻይዱ። ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ፡ ጸገምና ሃይማኖታዊ ምዃኑ፡ ሕግን መምርሕን ተዋህዶ ሃይማኖት ተጣሒሱ ምህላዉ፡ ቅድስና ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ተደፊሩ ከምዘሎ ብጸብጻብ ዝተሰነየ ጽሑፍ ኣቕሪብና። ንዘጋጠመ ኩነታት ምስ መሰነይታ ቪድዮ ገይርና'ውን ኣነጺርና ገሊጽና። ካብ ርእሰ ጉዳይ ናይቲ ሕመረት ቤተ ክርስቲያን ንምርሓቕ ዝግበር ኩሉ ንጎድኒ ገዲፍና፡ ሕጂውን ሕቶና ብሩህን ሃይማኖታዊን እዩ።ሕቶና ዳግማይ ንምንጻሩ፣

  1. እቲ ንኽልተ ሽሕ ዓመት ዘገልገለና ናይ መንፈስ ቅዱስ ሥርዓትን እምነትን ቤተ ክርስቲያንና ተጋሂሱ፡ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብዘይሕጊ ካብ መንፈሳዊ መዓርጎም ተኣልዮም ስለዘለዉ ናብ ቦትኦም ክምለሱ።
  2. ሕጊ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ብኢደ ወነኑ ቀይሩ፡ ዋና ኣማሓዳሪ እየ እናበለ ኣብ ዝፋን ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ተራ ሰብ (ጭዋ) ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ካብ ስልጣን ክእለ፣ ቤተ ክርስቲያን ድማ ብፓትርያርክን ብጳጳሳትን ክትምራሕ።
  3. ሕግን እምነትን ቤተ ክርስቲያን ረጊጾም፡ ዶግማዊ እምነት ቅድስት ሥላሴ ክሒዶም፡ ብስም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ሃይማኖት ጉልባብ ጳጳስ እየ እናበሉ ዝንቀሳቐሱ ዘለው ኣባ ሲኖዳ፡ ውግዘቶም ተቐቢሎም ካብ ኣገልግሎት ደው ክብሉ።

ካብዚ ወጻኢ ግና ነቲ መንፈሳዊ ጉዳይ ጓል መገዲ ንምትሓዝ፣ ኣንፈት እቲ ዓላማ ንምቕያርን ምስ ፖለቲካ ንምትእስሳሩ ዝግበር ኩሉ ውዲታትን ተንኮላትን ኣርጊጹ ስለ ዝፈልጦ፣ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኣብ ከምዚ ዓይነት ሸንኾለል ክኣቱ ኣይደልን።
ንመሰል ናጽነት እምነትናን ሃይማኖትናን፡ ብኩሉ ሕጋዊን መንፈሳውን መገድታት ጉዳይና ክንከታተል ምዃንናን ኣብ እምነትናን ሥርዓት ቤተ ክርስቲያናን ዋጋ ዕዳጋ ከም ዘይንገብር፡ ኣብ ጓል መንገዲ ከም ዘይንኾልልን ድማ ንምእመናንና ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሕብር። ብጉርሒ ይኹን ብፍርሒ ነዚ መገዲ ሓቅን እምነትን ረጊጾም ብጌጋ ዝመላለሱ ዘለዉ ካህናት፣ ድያቆናትን ምእመናንን ድማ ንእምነትኩም ዳግም ክትድህስስዎ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ነተሓሳስብ። 
 
እግዚኣብሔር ቤተ ክርስቲያንናን ሃገርና ኤርትራን ይባርኽ።
ምምሕዳራዊ ቦርድ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ።
ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን
ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ።   
7
ሕዳር 2007

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div