S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መግለጺ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ -2005

ናብ ብጹእ ወቅዱስ ኣቦና ኣቡነ እንጦንዮስ ቀዳማይ ሳልሳይ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ
ብጹእ ወቅዱስ ኣቦና፣ ኣቐዲምና እቲ ኹሉ ዝከኣሎ ልዑል ኣምላኽ ብሰላምን ጥዕናን ክሕልወኩም ናይ ኩልግዜ ጸሎትና እዩ።

ኤርትራ ሃገርና ነጻ ካብ ትወጽእ ጀሚሩ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ፡ ቤተ ክርስትያና ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዘለዉ ምእመናን ብሓዲሽ ሓይሊ ትጥርንፍ ከም ዘላ ንኹሉ ብሩህ እዩ። ህዝብናውን ነቲ ኣብ መግዛእቲ ዝነበሮ ጸቕጢ ተኣልዩሉ ኣብ ኩሉ ቦታታት ብቋንቅኡ ቃል እግዚኣብሄር ክሰምዕን ክምገብን ይርኤ ኣሎ።

ናይዚ ነጸብራቕ ድማ እቲ ኣብ ስደት፡ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝነብር ምእመን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን፡ በብከተማኡ ቤተ ክርስትያናት ክተክል ናይ ሃይማኖት መራሕቱ ዝኾኑ ካህናት ካብ ኤርትራ ኣምጺኡ ድማ ባህሉን ቋንቅኡን ምነቱን ዓቂቡ ይኸይድ ኣሎ። ብመሰረት ጻዕሪ ምእመን ከምኡውን ብመሪሕነት እቶም ከካብ ቤተ ክርስትያን ዝተወከሉ ካህናትን ምእመናንን ዝሓዘ ጉባኤ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ 7 ዓመታት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ቁጽሪ ቤተ ክርስትያናት ካብ ሓሙሽተ ናብ ዓሰርተ ትሽዓተ በጺሑ። 5 ካልኦት ድማ ኣብ መንገዲ ምምስራት ይርከባ። እዘን ዕስራን ኣርባዕተን ቤተክርስትያናት ድማ ብሓፈሻ ልዕሊ 13000 ምእመን ጠርኒፈን እቲ ዝግባእ ኣስተምህሮን ኣገልግሎትን እናሃባ ይጎዓዛ ኣለዋ።

ናይዚ ሓድነት ኤርትራውያን ውጽኢት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤርትራ ብስም ምእመን ከበድቲ ንብረታት ከጥሪ ክኢሉ ኣሎ። እቶም ንቤተክርስትያን ዝበቅዕ ህንጻታት ገና ዘይገበሩ ኣሕዋትና ድማ ነዚ ቅዱስ ዕላማ ንኽወቕዑ ሓቢሮም ብርቱዕ ጻዕሪ የካይዱ ኣለዉ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሕብረት ምእመን እንተዘየልዩ እዚ ተረኺቡ ዘሎ ምዕባሌ ክብጻሕ ኣይከኣልን።

ሓድነት ሓይልና ከም ዝኾነ ዝፈልጡ፡ ነዚ ሓድነት ኣመንቲ ተዋህዶ ኤርትራውያን ዘይፈትዉ፡ ንትንሳኤ ሃይማኖትና ዝጻረሩ ከምዘለዉ ክንርስዕ የብልናን። እቲ ዘሕዝነና ሓድነት ክዘርጉ ላሕ ዝብሉ ኣብ ሞንጎና ምህላዎም ኢዩ።

1. ከም ዝዝከር /ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኣብዚ ንዕለት 27-31 ሓምለ 2005 ኣብ ከተማ ዋሺንግቶን ዲሲ ኣብ መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስትያን ክውዕል ዝተመደበ ዓመታዊ በዓል ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ካብ ኣቦታትና መጺእኩም ጉባኤና ክትባርኹልናን መንፈሳዊ ኣስተምህሮ ክትህቡናን ብዕልን ብትሕትናን ዓዲምና ኔርና።

ይኹንምበር ካብ ኣቦታትና ንፓትርያርክ ወኪሎም መን ከም ዝመጹን መዓስ ከም ዝመጹን ዝሕብረና ፈጺምና ኣይረኸብናን። ብኣንጻሩ እኳድኣ ካብ ሓደ ሓደ ኣባላት ንኡስ ሃገረ ስብከት ዘይኮኑ፡ ሓላፍነት ዘይብሎም ግለሰባት "ሰብ ይመጽኹም ኣሎዉሞ ተቐበልዎም" ዝብል ናይ ተሎፎን መልእኽቲ ከም ዝበጽሖም ክንፈልጥ ክኢልና።

እቲ ዘሕዝን ድማ ኣቦና ኣቡን ሉቃስ ጳጳስ ጋሽ ባርካ፡ ካብ ፓትርያርክ ወረቐት ከይሓዙ፡ ብዘይ ኣፍልጦ ቅዱስ ፓትርያርክ ናብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ፡ ቋንቋኡ ናብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ፡ ንበይኖም ብዘይ ወኸለን መሰነይታን ተላኢኾም ብሃንደበት ናብቲ ጉባኤ ደበኽ ምስ በሉ ኩላትና ሰንቢድና። መጺኦም ድማ "ዞም ደቀይ፡ ነዛ ጉባኤ መልእኽቲ ኣሒዘ መጺኤ ኣለኹሞ መልእኽተይ ናብ ህዝቢ ከብጽሕ" ምስ በሉ፡ እንታይ ደኣ ክንገብር፡ ኣቡን ዝኣክል ካብ ዓዲ መጺኦምስ እምቢዶ ክንብሎም ኢልና ልቢ ኣዕቢና መልእኽቶም ንህዝቢ ከም ዘስምዑ ኮይኑ።

ከም ግቡእ፡ ነቲ መልእኽቲ፡ ጉባኤ ብታሕጓስን ብዕልልታን ብጣቒዕትን ክቕበሎ ምተገብኤ። እቲ መልእኽቲ ግን፡ ላዕላዋይ ዕላማኡ፡ ሓይልን መዝነትን፡ ናይ ሓድሓደ ኣባላት ሲኖዶስ ተጠቒምካ፡ ንሓደ ውፉይ፡ ብዙሕ ኣበርክቶ ዝገበረ መራሒ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ዘጥቅዕ ስለ ዝነበረ እቲ ኩሉ ጉባኤኛ ብጓሂ ተቐቢልዎ። ብርግጽ ዘሕዝን ነገር'ዩ።

እቲ ካልኣይን ቀንድን ዕላማኡ ድማ፡ ነቲ ንኤርትራውያን ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ሓብሒቡን ጠርኒፉን ዝጎዓዝ ዘሎ መሪሕነት /ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ንምፍራስ፡ ንሓድነትና ንምዝራግ፡ ንብርታዔና ንምድኻም፡ ንምዕባሌ ቤተ ክርስትያናትና ንድሕሪት ንምምላስ፡ ንዓና ድማ ዓቕልና ንምጽንቃቕ ዝሓለነ እዩ። ንሕና ግን እዚ ካብ ዓንዲ ሕጊ ዝፈቕደሉ ሓላፍነት ንላዕሊ ዘይመዝነቱ ለቢሱ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራዊት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ተሞኽልዩ ኣትዩ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ዘራጊቶ ትም ኢልና ክንርእዮ ሕልናና ኣይፈቕደልናን።

2. ጠለብ /ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ሓንቲ ጥራይ ኢያ። ንሳ ድማ ብሕግን ብኣገባብን ንስራሕ እያ። ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ትእዛዛትን መምርሕን ሓበረታን ትምህርትን ክወርድ ግቡእን ዝነበረን እዩ። ኩሉ በቲ ዝተዋህቦ ስልጣንን ሓላፍነትን ክሰርሕ ግቡእ ኢዩ። ይኹንምበር እቲ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ዝመጽእ መምርሒታት ብግቡእ ኣገባብ ናብቲ ዝምልከቶ ኣካል ክለኣኽ እቲ ዝለኣኽ መልእኽቲ ድማ ሓደን ዘይገራጮን ክኸውን ይግባእ። ሎሚ ዝተወሰነ ጽባሕ ዝቕየር እንተ ኾይኑ ኣብቲ ምእመን ፋሕ ፋሕ እዩ ዘእቱ። ንዓና ዝመጸና ዘሎ መምርሕታት ግን ባላ ዝኾነ፡ ክልተ መርገጺ ዘለዎ፡ እቲ ካልኣይ ነቲ ቀዳማይ ዘፍርስ እዩ። ንኣብነት ንምጥቃስ ብዛዕባ ቀሺ ጽጌ ዝተወስደ ውሳኔታት ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል እዩ።

ጉባኤ /ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ትማሊ ነዚ ኣርእስቲ' ኣልዒሉ ዘትዩሉ። ድሕሪ ሕጂ፡ ዝኾነ መልእኽቲ ብሲኖዶስ ተወሲኑ፡ ብፓትሪያርክ ተፈሪሙ ክለኣኸልና ሓቲቱ ኣሎ።

ነዚ መሰረት ብምግባር፡ ንሕና ኣስማትና ኣብ ታሕቲ ተጻሒፉ ዘሎ ወከልቲ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝርከባ ቤተ ክርስትያናት፡ ከምዚ ዝስዕብ ከም ዝተሰማማዕና ንሕብር።

ንሕና መራሒና ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ቀዳማይ ኢዮም። ሕጊ ቤተ ክርስትያና ዝእዝዞ ንሱ ስለ ዝኾነ። ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ፡ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብፓትሪያርክ ኣቦና ኣቡን እንጦንዮስ ቀዳማይ ዘይተፈረመን ዘይተላእከን መምርሒን ትእዛዛትን ፈጺምና ከምዘይንቕበልን ከምዝይነተግብርን ነፍልጥ።

ብፍላይ ድማ ብኣቶ ዮፍታሄ ዲመጥሮስ ዝተፈረመ ደብዳበ፡ ከምኡውን ካብ ኣቶ ዮፍታሄ ብቴለፎን፡ ብፋክስ፡ ብሰብ ዝለኣኸልና መልእኽቲ ፈጺምና ከምዘይንቕበል ነፍልጥ።

ብተወሳኺ፡ ኣቶ ዮፍታሄ፡ ብናትና ርእይቶ፡ ብጀካ ምእዛዝ እምበር ክሰምዑኻ ዘይደልዩ፡ ሓሳብ ሰብ ክቕበሉ ፍቓደኛ ዘይኮኑ፤ እቲ ኣብ ዓንዲ ሕጊ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኣንቀጽ 32 ንጠቅስ "ቀዋሚ ቅዱስ ሲኖዶስ ካብ ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ክልተ ተራ ንዝተወሰነ ጊዜ ተመዲቦም ዚሰርሕሉ እዩ። ብናይ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቦ መንበርነት ናይ ቤተ ክርስትያን ምምሕዳራዊ ጉዳያት ፈጻሚን ኣፈጻምን ጉብኤ እዩ" ኣቶ ዮፍታሄ ነዚ ተጠቒሱ ዘሎ ኣንቀጽ ዘይስልጣኖም ብምዃኑ፡ እቲ ኣመሓዳሪ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ዮፍታሄ ድመጥሮስ ዝብል መዓርግ ናይ ቅዱስ ፓትርያርክ ብኢደ ወነኖም ወሲዶም ስለ ዘለዉ፡ ነቲ ልዕሊ 13, 000 ኣብ 24 ቤተክርስትያናት ሰሜን ኣሜሪካ ተጠርኒፉ ዘሎ ምእመን ሕብረቱን ሓድነቱን ክዘርጉ ዝተዓጥቁ ሰብ ስለ ዝኾኑ ኣብ ክንዳኦም፡ ንዕቤትን ምዕባሌን ቅድስቲ ቤተ ክርስትያና ዝሓሊ፡ ሰላምን ጥርናፈን ምእመናን ከም ቀዳሞት ዕላምኡ ዝሰርዕ፣ ከምኡውን ዓንዲ ሕጊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣንቀጽ 96 ንጠቅስ "ዋና ጸሓፊ መንበረ ፓትያርክ፡ መንፈሳዊነቱን ዘመናዊ ትምህርቱን ዝተመስከረሉ፡ ናይ ምምሕዳር ስራሕ ልምዱ ዝተመስከረሉ፡ ዋና ጸሓፊ ብቅዱስ ፓትርያርክ ትእዛዝ ይሽየም" ዝብል፣ ናይ መንበረ ፓትርያርክ ዋና ጸሓፊ ብዝእዝዞ መሰረት ብቑዕ ብዝኾነ ውልደ ክህነት ክትክኡ ብትሕትና ንሓትት።

እግዚኣብሄር ሰላሙ የውርደልና።

31 ሓምለ 2005

ዋሺንግቶን ዲሲ

ቅዳሕ:

ንጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ

ንኣቶ ዮፍታሄ ዲመጥሮስ

ንም/ኣምባሳደር ኣቶ ጸሃየ ፋሲል 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div