S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

“ስብሓት ለእግዚኣብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ሥምረቱ ለሰብእ”

ብኣቆጻጽራ ግእዝ 29 ታሕሳስ 2004 (7 ጥሪ 2012) በዓል ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ

ክርስቶስ እዩ። ካብ ብዙሕ ክስተታት በዓል ልደት ቅዱሳን መላእክት ኣብ ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡

ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማያት ሰላም ድማ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ሥምረት ኣምላክ ዘለዎም ሰባት” (ሉቃ. 214) ብማለት ዝዘመርዎ ሓደ ዓቢይ ንዓለምና ዘድልያ እዋናዊ መልእኽቲ እዩ። እዚ ድማ ሰብ ኣብ ዓለማዊ ሕይወቱ እቲ ዝዓበየ ዘድልዮ ነገር ሰላም እዩ። ሠለስተ ዓይነት ሰላም ድማ የድልዮ።

. ሰላም ምስ ኣምላኽ፡- ካብ ኩሉ ክፍኣትን ኃጢኣትን ርሒቕካ፡ ምስ ኣምላኽ ብዕርቅን ሰላምን ምንባር እዩ። እቲ ካብ ኩሉ ዝበልጽ ሰላም ዓለም ዘይትህበና ካብ ኣምላኽ እዩ ዝርከብ። ኃጢኣት ካብ ኣምላኽ ዝፈሊ፡ ሰብ ምስ ኣምላኩ ሰላም ዝኸልኦ ስለ ዝኾነ፡ ብዕርቂ ምስ ኣምላኽ ክንነብር ይምህር።

. ሰላም ምስ ኩሉ ሰብ፡- ሃይማኖትካ ሓሊኻ፡ ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላምን ፍቕርን ክትነብር፡ ካብ ትእዛዝ ኣምላኽ እቲ ዝዓበየ እዩ። ሰላም ምስ ሰብ ምስ ዚጠፍኣካ፡ ውሽጣዊ ሕይወትካ ይጉዳእ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ክንነብር እዩ ኣዚዙ።

. ሰላም ናይ  ልና፡- ናይ  ልና ሰላም ዝሰኣነ ሰብ፡ ንርእሱ፡ ንስድራ ቤቱ፡ ንወገኑ ንሃገሩ ከቢድ ናይ ልና ጸገም እዩ።እቲ ካብ ኩሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ ኢየሱስ ገይሩ  ኪሕልዎ እዩ"(ፊልጲ 47) ከም ዝተባህለ እቲ ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ናይ  ልና ሰላም እቲ ዝዓበየ እዩ።

ሎሚ ዓለምና እዚ ሰላም እዚ ማለት ሰላም ምስ ኣምላኽ፡ ሰላም ምስ ሰብ፡ ሰላም ናይ  ልና ዝጎደሎም ስለ ዝተመልአት፡ ውግእን ወረ ውግእን ተሸሚማ፡ ትርከብ።

ስለዚ: ኩሉ ምእመን፡ ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ሰላም መላእኽቲ ዘበሠሩና ሰላም ተሓልዩ ክነብር፡ ብጸሎትን እምነትን ፍቕርን ክጸንዕ፡ እናተማሕጸንና፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንና ወሪዱ ዘሎ፡ ከቢድ ፈተና፡ ብጸሎትን ምህልላን፡ ክንዝክሮ፡ ርእሲ ቤተክርስቲያን ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ፡ እግዚኣብሔር ብጥዕናን ሰላምን ክሕልወልና ብጸሎት ክንተግህ መንፈሳዊ መልእኽትና ነመሓላልፍ።

ደጊምና ርሑስ በዓል ልደት ይግበረልና።

እግዚኣብሔር ንሃገርና ኤርትራ ሰላሙን ረድኤቱን ይሃባ።
ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፣ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

posted on 1/7/2008

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div