ብፁኣን አቦታት ዝመርሕዎ ፈላሚ ውሁድ ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ካብ ሓምለ 11 - 14 (July 11-14) 2024: አብ ቤ/ክ መድኃኔ ዓለም ዋሽንግቶን ዲሲ ኪካየድ እዩ። እዚ ታሪኻውን መንፈሳውን ጉባኤ: መቐጸልታ ናይቲ በብሸነኹ ን25 ወይ ን5 ዓመታትን፡ ኪካየድ ዝጸንሐ ውጺኢታዊ ጉባኤታት ኮይኑ፡ ናብዚ ውህደትን ብራኸን ክንበጽሕ ዝደገፈና እዩ። ድሕሪ ውህደትውን ንቅድሚት ዘሰጉመናን ንሓድነት፡ ትንሣኤን ዕብየትን ናይ ብምልእታ ቤተ ክርስቲያንና ንኽብጻሕ፡ ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዝብሎ “ሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብ ንገጽ ብጻዩ ይስሕሎ።” ምሳሌ 27:17 አምላኽ ዘሰከመና ታሪኻዊ ሕድሪ ብብቕዓት ንኽንፍጽም ነንሕድሕድና ንባላላሓሉ ዓብዪ መንፈሳዊ መአዲ እዩ። ስለዚ ውሉደ ክህነትን ንምእመናንና አተባቢዕና ኩላትና ክንሳተፎ ነዘኻኽር። ክልል ሰበኻ ጉባኤታትውን አብ ርእሲ እቲ ዝውሃብ መንፈሳዊ ትምህርትታት፡ ንምምሕዳር ዝምልከት ጉዳያት ብሰፊሑ ኪዝተየሉ ስለዝኾነ፡ ወከልቶም ብምልኣኽ ኪሳተፉ ኣቐዲምና ንሕብር። Online Registration Form
መሪሕ ጥቕሲ - Theme Verse:-
Coming soon
ጉባኤ ዝካየደሉ ቦታ - Conference Venue:-
Medhane-Alem Eritrean Orthodox Church
4331 Bladensburg Rd, Colmar Manor, MD 20722, Map
ሓበሬታ መዐርፎ ነፈርቲ - Airport Info
1) Reagan National Airport [DCA]
2) Baltimore Airport [BWI]
ሓበሬታ ሆቴል - Hotel Information
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ