S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

 “.....ዝዀነ ይኹን ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደልይ (ሰብ) እንተሎ፡ ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉውን የልዕልሞ፡ ይስዓበኒ፡ ንህይወቱ (ባዕሉ) ኬድሕና ዚደልይ ኬጥፍኣዩ፡ እቲ ንህይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዜጥፍኣ ግና ኬድሕናዩ።ማር 834,35

ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ካብ በዓል መስቀል ዝተባዕለትላ መዓልቲ፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 17 ክሳዕ መስከረም 23 ዘሎ ቕንያት፡መስቀልተባሂሉ ዚጽዋዕ። ብመሰረት ታሪኻዊ ድሕረ ባይታኡ፡ እዚ በዓል ናይ ቍስጥንጥንያ ንግስቲ ኢለን ነቲ ጐይታና ዝተሰቕለሉ መስቀል ካብ ተደብዩሉ ዝነበረ መሬት ኲዒታ ዘውጽኣትሉ ዕለት ንምዝካር ዝተሰርዐ ዕለትን ሰሙንንዩ። ብመሰረት መንፈሳዊ ድሕረ ባይታኡ ኸኣ፡ ከም ናይ ክርስቶስ ጐይታና ሰዓብትን ደቀ መዛሙርትን መጠን ነናትና መስቀል ኣልዒልና ደድሕሪ ጐይታና ንስዕብ ከም ዘለና ገዛእ ህይወትናን ኵሉ ኣካይዳናን መርሚርና፡ መገድናን ህይወትናን ከነቕንዓሉ ዝተሰርዓልና ኽቡር ዕለትን ሰሙንንዩ። በዓላትና ብድምቀት ካብ ምጽምባል ሓሊፍና፡ ንመንፈሳዊ ህይወትና ዘይንምርምረሉን ዘይነቕንዓሉን እንተ ዄንና፡ ናይ በዓል ዛንታ ወይ ታሪኽ ካብ ምዝካር ዚሓልፍ ካልእ ረብሓ ኣይንረኽበሉን ኢና። ብመጽር ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ዓብዪ ግብሪ ምድሓን ርእስና መርሚርና ኣካይዳና ምስ እነቕንዕ ግን፡ ሓቀኛታት ሰዓብትን እሙናት ደቀ መዛሙርትን ናብ ምዃን ዓቢና፡ ዘለኣለማዊ ረብሓ ኽንጐናጸፈሉ ኢና። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚ ቕንያት መስቀል ዝሰርዓትሉ ዕላማ ኸኣ ነዚ መንፈሳውን ዘለኣለማውን ረብሓ ምእንቲ ኽንረኽቦዩ። ዕላማኣ ንሱ ምዃኑ ዜረጋግጸልና ድማ፡ ትሕዝቶ ናይ ንበዓልን ንቕንያት ናይ መስቀልን ኢላ ዝሰርዓቶ መዝሙርን ምስባክን ኵሉ ንባባት ሓድሽ ኪዳንንዩ። ስለ እቶም ኣገልገልቲ ዀንና እቶም ተገልገልቲ፡ እቲ ቕዱስ ዕላማ ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ኣባና በጺሑ ሸቶኡ ኸይወቕዐ ኸይተርፍ ብልዑል ተገዳስነትን ብዓሚቝ ተመስጦን ክንትግብሮ ይግብኣና። እቲ ናይ ዕለት መሪሕ ጥቕስናን ኣርእስትናን ንርእሱ፡ ናብ መንፈሳዊ ዕላማ ናይ ቕንያት ኸነቕልብ ዚድርኽን ዚመርሕንዩ።

እቶም ሓቀኛታት ጸምበልቲ ናይ ቕዱስ በዓልዚ፡ እቶም ገዛእ መስቀሎም ኣልዒሎምን ጸዊሮምን ከለዉ ዜብዕልዎ ብልህታት ሰባት ጥራሕዮም። እቶም ትእዛዝ ጐይታኦም ጥሒሶም፡ ገዛእ መስቀሎም ደርብዮም ኬብቅዑ፡ በዓል መስቀል ኣብ ምጽምባል ጥራሕ ዚተግሁ ግና፡ ዝተጠበረ ልቢ ዘጋገዮም፡ ግብዝነት ዝመላለዪኦም፡ ኣብ ዘይምልከቶምን ዘይብጽሖምን ጕዳይ ንኸንቱ ዚሃልኩ ዓያሱዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ክርስትያን ካብ ምዃን፡ እግዚአብሔር ብምሕረቱ ይባልሃና!! ምኽንያቱ ነቶም ብመስቀሎም ዘየኽበርዎን ኣብ ናይ መስቀል መከራኡ ዘይሓበርዎን፡ ኣብ ብጽድቅን ብፍትሕን ዚፈርደላ መዓልቲ ምጽኣቱ፡ኣቱም ርጉማት ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈልጠኩምንሞ፡ ካባይ ርሓቑ፡ ናብ ንሰይጣንን (ንኣጋንንቱን) ዝተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ (ኪዱ)” ኢሉ ናብ ዚግብኦም ስፍራ ኼስናብቶም (ማቴ 723 2541) ካብ ከም ዝበለ፡ ይትረፍ ኣባኻ ኪበጽሕ ነዛ ንኽትሰምዖ ዜሰቅቕ ፍርዲ ምእንቲ ኽንድሕንያ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ቅንያት መስቀል (ዘመነ-መስቀል) ሰሪዓትልና ዘላ። ጐይታና ነዚ ድንቂ ኣስተምህሮ ዝሃበ፡ እቲ ንሱ ዚስቀለሉ ጊዜ ገና ኸይበጽሐ ኸሎዩ። እቲ ምኽንያት ድማ፡ ንሱ ብዅሉ ነገር ፍጹም ኣርኣያና ስለ ዝዀነ፡ ገዛእ መስቀልና ኸነልዕል ከለና፡ ልክዕ ከም ናቱ ጌርና ምእንቲ ኽንጾሮ፡ ነቲ ናቱ ጕዕዞ መስቀል ብልዑል ኣድህቦ ምእንቲ ኸነቕልበሉን ክንመሃረሉን ኢሉዩ።

ናይ ዕለት መሪሕ ጥቕስናን ኣርእስቲ ትምህርትናን እንታይ ዚብለና ዘሎ፧ ዜድሕን ድሕነትምበር፡ ዜጥፍእ ድሕነት ኣሎከ ድዩ፧ ዜጥፍእ ጥፍኣትምበር፡ ዜድሕን ጥፍኣትከ ኣሎ ድዩ፧ ብርግጽ ኣሎ። ክብሪ ንስሙ ይኹን፡ ነዚ ረቂቕ ምስጢር እቲ ገላጽ ምስጢራትን፡ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን፡ ንሱ ንርእሱውን ምስጢር ኣምላኽ ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገለጸልና (ኤፌ 32-4 ቈሎ 22,3) ርእስና ንኸነድሕን ብዝወሰድናዮ ምርጫን ስጕምትን ንዘለኣለም ንጠፍእ ከም ዘለና ምስ ተገንዘበ፡ ነዚ ብቐሊሉ ኽትርድኦ ዜሸግር ረቂቕ ምስጢር ድሕነት ገለጸልና። ኣብ መሪሕ ጥቕስና (ማር 835) ብንጹር ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ እቲ ንገዛእ ህይወቱ ባዕሉ ኼድሕና ዚደልይ፡ ኣብ ናይ ኣምላኽ ሓይሊ-ምድሓን ኪውከልን ኪእመንን ዘይደልይ ሰብ፡ ነቲ ኣምላኽ ጥራሕ ዚህቦ ምድሓን ዝነዓቐ፡ ንርእሱ ድማ ኣብ ስፍራ ኣምላኽ ዘቐመጠ ሓደገኛን ዓለወኛን ሰብዩ። ስለ ኸኣ ብልቡ ደላይ ድሕነት ክነሱስ፡ ብዘይካ ጥፍኣት ካልእ ትጽቢትን ተስፋን ዘይብሉ ሰብ ዚኸውን። ምኽንያቱ ኣብ ናይ እግዚአብሔር ናይ በይኑ ልኡላዊ ስልጣን ኢዱ የእትው ስለ ዘሎዩ። ምድሓን ናይ እግዚአብሔርዩ፡ እግዚአብሔር በይኑ መድሓኒ። ነዚ ምድሓን ኸኣ በቲ ሓደን ቅዱስን ወዱ ዚፍጽሞ። እዚ ሓቂ እግዚአብሔር ኣቦ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ብቕዱሳን ነብያቱን ሃዋርያቱን ገይሩ ዝገለጾ፡ ነቕ ዘይብል ጽኑዕ ሓቂዩ።

ምድሓን ናይ እግዚአብሔርዩ፡ እግዚአብሔር፡ ንህዝብኻ ባርኽ ምድሓን ጻድቃን ካብ እግዚአብሔርዩ፡ ንሱ ኣብ ዘመን ጸገሞም ይሕልዎም። እግዚአብሔር ይረድኦምን የናግፎምንዩ፡ ናብኡ ስለ ዝተጸግዑ ድማ የናግፎምን ይረድኦምንዩ። .....ምድሓነይ ካብ ኣምላኽ ዚመጽእሞ፡ ኣነ ንእኡ ጥራይ ሃዲአ እጽበይ ኣለኹ።መዝ 38 3739,40 641 .

ነቲ ኻብ ውድቀት ዘበለ ኺሕልወኩም፡ ሕጕሳትን ነውሪ ዘይብሎምን ገይሩ ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ኬቝመኩም ዚከኣሎ፡ ነቲ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ፡ በይኑ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ፡ ቅድሚ ዅሉ ዘመናትን ሕጅን ንዘለኣለም ኣለምን ክብሪ፡ ግርማ፡ ሓይሊ፡ ስልጣን ይኹኖ። ኣሜን።ይሁ 24,25 .

እምበኣር እቲ ንርእሱ ናይ ምድሓን ሓላፍነት ዝወሰደ ዓሻ ሰብ፡ ድርብ ውድቀት ዚወድቕ። ቀዳማይ ውድቀቱ፡ ንርእሱ ኼድሕን ዝዀነ ዓይነት ዓቕሚ ዘይብሉ ምዃኑ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ውድቀቱ ድማ፡ ነቲ ዘይናቱ በይናዊ ስልጣንን ግብርን ናይ እግዚአብሔር፡ ከም ናቱ ገይሩ ብድፍረት ኪዋስኣሉ ምፍታኑዩ። እቲ ንምድሓን ዝለበመ ብልሂ ክርስትያን ግን፡ ምእንቲ ኣምላኽ ኪነብርን ህይወቱ ንእኡ ኺውፍይንምበር፡ ኣብ ዘይናቱ ዓውዲ ስልጣን ኪኣትው ኣይደፍርንዩ። ነቲ ናይ ኣምላኽ ዝዀነ ዅሉ ንኣምላኽ ሂቡ ኣብ ዝተፈቕደትሉን ዝተዋህበቶን ተልእኾ ጥራሕ ዚድረት ሓላፍነታውን ፍትሓውን ሰብዩ። ዓስቢ ናይ ከም ዝበለ ጥንቁቕን ውፉይን ሰብ፡ ዘለኣለማዊ ድሕነትን ክብርንዩ። ጥፍኣት ናይ ካልኦት ይሰምዕን ይርእይን ይኸውንምበር፡ ፈጺሙ ኣይጥዕሞን፡ ኣይሙከሮንውንዩ። ስለ ንርእስኻ ባዕልኻ ከተድሕን ምምራጽን ምፍታንን፡ ዜጥፍእ ድሕነትዩ። ብኣምላኽ ተኣማሚንካ፡ ነቲ ናይ ምድሓን ልኡላዊ ስልጣን ንእግዚአብሔር ሓዲግካ፡ ህይወትካ ንእኡን ምእንትኡን ምጥፋእ ድማ፡ ዜድሕን ጥፍኣትዩ። እዚ ዅሉ ድማ ብባዕላዊ ምርጫ ናይ ውልቀ ሰብ ዚውሰን። ስለ ኸኣ ኣርእስትናነየናይ ትመርጹ፧ ዜድሕን ጥፍኣትዶ ዜጥፍእ ድሕነት፧ኢሉ ዚብድሃና ዘሎ።

ነዚ ዝተገልጸ መንፈሳዊ ሓቂ ዜብርህ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነት ኣሎናዶ፧ ብርግጽ ኣዝዩ ብዙሕ ኣብነት ኣሎና። ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስን ነብዪ ዮናስ ቅዱስ ጳውሎስን ታሪኽ ህይወት እኹልን መሃርን ኣብነትናዩ። ብመሰረቱውን ጐይታና ነዚ ሃይለ-ቃል ኺዛረብ ዝተደረኸ፡ በቲ ርእሰ-ሃዋርያት ዝዀነ ቅዱስ ጴጥሮስዩ። ጐይታና ንቕዱሳን ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ዚጽበዮ ዘሎ መከራ መስቀልን ሞትን ትንሳኤን ኪነግሮምን ኬዳልዎምን ምስ ጀመረ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣይተሓጐሰን። ንጐይታና ንበይኑ ኣግልል ኣቢሉ ድማ፡ይባልህካ ደኣ ጐይታይ፡ እዝስ ኣይብጻሕካኢሉ ኺገንሖ ጀመረ። ጐይታና ግንካባይ ርሓቕ፡ ሰይጣን!!” ናይ ሰብምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሓስብን ኢኻሞ፡ ንኣይ መዓንቀፊ ኢኻኢሉ ድሕሪ ምግሳጹ፡ ነዚ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ዘሎ ቓል ተዛረበ (ማቴ 1621-25) እዛ ርእስኻ ከተድሕን ናይ ምድላይ ሓሳብ ካብ ውሽጡ ስለ ዘይተነቕለትሉ ግን፡ ንጐይታ እንተ ዘይዓንቀፈቶ፡ ንእኡ ንርእሱ ግን ብዜሕፍር መገዲ ዓንቂፋቶያ። ጐይታና፡ክትክሕደኒ ኢኻእናበለ ኣረጋጊጹ እንተ ነገሮኳ፡ኣይክሕደካንእናበለ ንጐይታኡ መጐቶ። እታ ዓንቃፊት ኣተሓሳስባ ኣብ ውሽጡ ስለ ዝነበረት ከኣ፡ ብምፍርራህ ኣግራድ ፈሪሳውያን፡ነቲ ሰብኣይ ኣይፈልጦንኢሉ ሰለስተ ሳዕ ብምኽሓድ ተዋረደ (ማቴ 2631-35,69-75) እቲ ንርእስኻ ናይ ምድሓን ሃቐና፡ ከም ገይሩ ናብ ጥፍኣት ዚደፍኣካ። ንሱ ብመሪር ብኽያት እንተ ዘይንሳሕን፡ ጐይታውን ብምሕረቱ ነቲ ኽሕደቱ እንተ ዘይሓድገሉን፡ እቲ ርእሲ ዅሎም ሃዋርያት፡ ልክዕ ከም ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ ንዘለኣለም ምጠፍአ ነይሩ። ብመሰረት ኣርእስትና፡ በዳሂ ፈተና ምስ ገጠሞ፡ ንርእሱ ኼድሕን ኪብልዜጥፍእ ድሕነትመረጸ። ዓንቃፊ ምርጫ ስለ ዘልዓለ ድማ፡ ተዓንቂፉ ናብ ከቢድ ሓጢኣት፡ ናብ ክሕደት ወደቐ። ድሕሪ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ግና፡ ምርጫኡ ኻብ ዜጥፍእ ድሕነት ናብ ዜድሕን ጥፍኣት ተለወጠ። ምእንቲ ጐይታን ምእንቲ ወንጌልን ህይወቱ ኼጥፍእን ኪውፍይን መረጸ። ስለ ድማ ኣብ ቅድሚቶም ደም ቅዱሳን ዝለመዱ ዋዕላ ኣይሁድ፡ ንጸላእቱ ዜስተንክር ትብዓት ኣርኣየ (ግብ 413) ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ኣብ ጥራይ ዝባኖም ነርብዓ ሓደ ጐደል (39 ጊዜ) ምስ ተገርፉ ድማ፡ ምስ ኵሎም ኣሕዋቱ፡ምእንቲ ስሙ ኺሓስሩ (ብኣምላኽ) ብቑዓት ኰይኖም ስለ ዝተቘጽሩ፡ ካብ ቅድሚ ዋዕላ እናተሓጐሱ ኸዱተባሂሉ ተመስከረሉ (ግብ 527-42) ንኽልቲኡ ምርጫታት ብብቕዓት ዚገልጽ፡ ነዚ ዚመስል ኻልእ ዛንታ ኽትረክብ ዳርጋ ዘይሕሰብዩ። ዓይነት ምርጫኻ ኣብ ዓይነት ህይወትካን ዓይነት ዘለኣለማዊ ፍጻሜኻን ዘለዎ ግደ፡ ኣዝዩ ዜጕልሕ ኣብነታዊ ፍጻሜዩ።

ነብዪ ዮናስ ድማ ካብ እግዚአብሔር ዝሃቦ ተልእኾ ርእሱ ኼድሕን ኢሉ ናብ ተርሴስ ብመርከብ ዝሃደመ ናይ ኣምላኽ ኣገልጋሊዩ። እግዚአብሔር ናብ ልቡ ኺመልሶ ኢሉ ግን፡ ናይ ምርጫኡ ሳዕቤን እንታይ ከም ዝዀነ ብግብሪ ኣርኣዮ። ኣብ ከብዲ ዓሳ ኣንበሪ (whale) ኰይኑ ሓቀኛ ንስሓ ብምንሳሕ፡ ናብ ዝተዋህበቶ ተልእኾ ሰላሕ ኢሉ ኸደ። እታ ናይ ምእዛዝ ቅንዕቲ ምርጫኡ ድማ ንእኡ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንድሕነት ምሉእ ህዝቢ ነነዌ ምኽንያት ኰነት (ዮሃ 1-3)

ቅዱስ ጳውሎስ ካብ ዝኣመነላ መዓልቲ ጀሚሩ፡ ንህይወቱ ምእንቲ ጐይታኡን ምእንቲ ወንጌልን ምእንቲቶም ብርሃን ወንጌል ዘይረኸቡ ኣህዛብን ኣይሁድን ኬጥፍኣ ዝመረጸ ሰብ ነበረ (ሮሜ 93 101,2 2ቈረ 1215 1ተሰ 28) ነታ ህይወቱ ንመከራን ንሞትን ዕረፍቲ ንዘይብሉ ጻዕርን ድኻምን ኣሕሊፉ ብምሃቡ ድማ ሓበን ዚስምዖ ፍሉይ ሃዋርያ ነበረ (2ቈረ 1127 2ተሰ 37 ፊሊ 412) ጐይታ ድማ ነቲ ንጳውሎስ ናይ ምድሓን ሓላፍነት ባዕሉ ስለ ዝተሰከሞ፡ከናግፈካን ከድሕነካንእናበለ የተባብዖ ነበረ (ግብ 2111 1810,11) ቅዱስ ጳውሎስ ባዕሉውን ብዛዕባ ጐይታ ዚገብረሉ ዝነበረ ምድሓን ብወርቃዊ ቃላት ይእመን ነበረ (2ቈረ 18-10 2ጢሞ 417,18) ካብ ህያው ኣብነታት ኸም ንርድኦምበር፡ ንርእስኻ ናይ ምድሓን ሓላፍነት ባዕልኻ ክትስከሞ እንተ መረጽካ፡ ጐይታ ድማ ነታ ንኣኻ ናይ ምጥፋእ ሓላፍነት ዚስከም። ምኽንያቱ ንእኡ ሓዲግካሉ ዘለኻ እንኮ ምርጫ ንሳያ። መንፈስ ቅዱስ ልቦና ዓዲሉካ፡ ንህይወትካ ምእንትኡ ናይ ምጥፋኣ ቕኑዕ ምርጫ እንተ ወሲድካ ግና፡ ንሱ ድማ ነታ ንስኻ ፈቲኻ ዝሓደግካሉ ንኣኻ ናይ ምድሓን ምርጫ ኼልዕል ይድረኽ። ስለ ድማ ድሕነትካ ኣዝዩ ዓብይን ዘለኣለማውን ዚኸውን። ከመይሲ እቲ መልኣኽ ጥፍኣት ዝዀነ ድያብሎስ ካብ ሕቝፉ ኺምንዝዓካ ኣይክእልን (ዮሃ 1027-30 2ጢሞ 112)

ሓደ ሰብ፡ ብኸመይ ዜጥፍእ ድሕነት ወይውን ዜድሕን ጥፍኣት ኪመርጽ ዚኽእል፧ እቲ ምርጫኻ ነየናይ ገጻት (ወይ ጽላት) ናይ ህይወትና ዚምልከት፧ ንምዃኑኸ እዚ ምርጫ ዘይምልከቶ ኽፍሊ ናይ ህይወት ኣሎና ድዩ፧  ከቶ የልቦን!! ናይ ቅኑዕ ምርጫ ምስጢር፡ ኣብ ብዙሕ ዚመስል፡ ግን ከኣ ሓደ ዝዀነ ሕቶታት ተሰዊሩ ንረኽቦ። ነዛ ሕቶዚኣ ኣብ መዓልታዊ ናብራኡ፡ ብቓል ኰነ ብግብሪ፡ ቅኑዕ መልሲ ኣብ ምሃብ ዝተዓወተ ሰብ፡ ኵሉ ጊዜ ነቲ ዜድሕን ጥፍኣት ዚመርጽ። ካብ ከምኡ ደኣ የድሕነናምበር፡ እቲ ቕኑዕ መልሲ ኣብ ምሃብ ዘይተዓወተን ዝፈሸለን ክርስትያን ግን፡ እግዚአብሔር ብምሕረቱ ተደሪኹ ብገለ ተኣምር ካብ ዕብዳኑ እንተ ዘይዓጊትዎ፡ ኵሉ ጊዜ ዜጥፍእ ድሕነት መሪጹ፡ ናብ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ገጹ ዚጋልብ። ሕጽር ብዝበለ መገዲ፡ እቲ ናብ ቅኑዕን ኣርባሕን ምርጫ ገጹ ዚመርሓና ምስጢር፡ ኣብ ዚስዕብ ስለስተ ጥቕስታት ተገሊጹልና ኣሎ።

ድሕሪ ሕጂ እቶም (ብህይወት) ዘለዉ (ዅሎም) ነቲ ምእንታኦም ዝሞተን ዝተንስአን (ክርስቶስ)’ምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ።” 2ቈረ 515

እቲ ንሓንቲ መዓልቲ ዜኽብር ንጐይታ ኢሉ ይገብሮ። እቲ ዚበልዕ ድማ ንጐይታ ኢሉ ዚበልዕ። ከመይ ንኣምላኽ የመስግኖዩ። እቲ ዘይበልዕውን ንጐይታ ኢሉ ዘይበልዕ። ንኣምላኽ ከኣ የመስግና። ካባና ንርእሱ ኢሉ ዚነብር ወይ ንርእሱ ኢሉ ዚመውት ሓደ የልቦን። ብህይወት እንተ ነበርና፡ ንጐይታ ኢና ንነብር፡ እንተ ሞትናውን ንጐይታ ኢና ንመውት። ስለ ብህይወት እንተ ነበርና ወይ እንተ ሞትና፡ ናይ ጐይታ ኢና። ስለ ክርስቶስ፡ ጐይታ ምውታትን ህያዋንን ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ሞይቱ ተንስአ።ሮሜ 146-9 .

ምስጢር ናይ ዘየጠራጥር ድሕነትን፡ ምስጢር ናይ ቅኑዕ ምርጫንምበር፡ ኣብ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ተገሊጹ እንሆ!! ክርስቶስ ጐይታና፡ ነቲ መሪር ውርደትን ስቓይን ናይ መስቀል ብሓጐስ ተቐቢሉ ዝሞተን ዝተንስአን፡ ንሕና ንርእስና ኢልና ምንባር ምእንቲ ኸነቋርጽ፡ ለካሚና ምርጫ ኻብ ምውሳድ ምእንቲ ኽንድሕን፡ ድሕነት ብዚመስል ጥፍኣት ምእንቲ ኸይንጥበር ኢሉዩ። ነዛ ምስጢርዚኣ ብንጹር ዘይምፍላጥን ፈቲኻ ዘይምቕባልን ዘይምትግባርን፡ ብዘይ ናትካ ሰብነት፡ ብዘይ ናትካ ህይወት፡ ብዘይ ናትካ ዕድመ፡ ብዘይ ናትካ ሓይሊ፡ ብዘይ ናትካ ገንዘብን ንብረትን ንገዛእ ርእስኻ እትነብር ዓመጸኛ፡ ገፋዒ፡ ከሓዲ ሰብ ዚገብረካ። ነቲ ቕዱስ ጳውሎስ፦

ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹምሞ፡ ስጋኹም ቤት መቕደስ ናይ ኣባኻትኩም ዘሎ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለ ብስጋኹም (ንርእስኹም ዘይኰነስ) ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።

ዝበሎ ቓል ድማ ኣይንረስዓዮ (1ቈረ 619,20) ክርስቶስ በቲ ኽቡር ደሙ ዝዓደገና ንብረቱ ምዃንና ድማ ኣብ ሃዋርያዊ መልእኽታት ብተደጋጋሚ ተገሊጹልና ኣሎ (ገላ 313 1ጴጥ 118,19 2ጴጥ 21 ራእ 59,10) ንርእስኻ ምንባር፡ ንርእስኻ ምድሓን ኣዝዩ ዓብዪ ኣበሳ ዚዀነሉ ምኽንያት ነቲ ብመሪር ስቓይን ሞትን ብኽቡር ደም ክርስቶስ ዝተዓደገ ዘይናትካ ህይወት፡ ንኣምላኽ ጠሊምካ ንርእስኻ ክትገብሮን ክትከብረሉን ናይ ምምራጽ ግብረ-ዓመጻ ስለ ዝዀነዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንህይወትካስ ካብ መድሓኒኣን ተበጃዊኣን ኣምላኽ ከተድሕና ትመርጽ ኣለኻ ማለትዩ። ነዚ ዓመጸኛ ምርጫ ጥፍኣት ዘይተፈርደ ደኣ፡ ንምንታይ ኪፍረድ!! ናይ ኵሉ ኸቢድን ፈኲስን፡ ናይ ኵሉ ዓብይን ንእሽቶን፡ ናይ ኵሉ ስጋውን መንፈሳውን ሓጢኣት እንኮ ጠንቂ፡ እዚ እኹይን ዓሻን ምርጫዩ።

ኣብ ዕለታዊ ማሕበራዊ ናብራና፡ ካብንርእስኻ ናይ ምንባርዓመጸኛን ጥፍኣታውን ምርጫ ብኸመይ ኢናንናገፍ፧ ዝዀነ ዝተፈልየ ኻልእ ምስጢር የብሉን። ናትና ጸገም፡ ኣብ ናብራና ንእነዘውትሮ ንጥፈታት፡ ንገሊኡ መንፈሳዊ ንገሊኡ ኸኣ ስጋዊ እናበልና ንኸፋፍሎ ምዃንናዩ። ከም ጾም፡ ጸሎት፡ መዝሙር፡ ምጽዋት ወዘተ ዝኣመሰሉ ንጥፈታት መንፈሳውያን ከም ዝዀኑ፡ ከም ምብላዕ፡ ምስታይ፡ ምስራሕ፡ ምምርዓው፡ ምውላድ ወዘተ ዝኣመሰሉ ኸኣ ስጋውያን ንጥፈታት ከም ዝዀኑ ጌርና ንሓስቦም። እዚ ሰንኮፍን ድኹምን ኣተሓሳስባ ነቲስጋዊኢልና ዝመደብናዮ ንጥፈታት መንፈሳውነት ከም ዘይምልከቶ ጌርና ከም ንሓስብ ስለ ዝገብረና፡ ልክዕ ከም እንስሳ፡ ደስ ከም ዝበለና ጌርና ኢናንነብሮ። ዚበዝሕ ካብ ጊዜናን ንጥፈታትናን ሓይሉ ኣብስጋዊዝበልናዮ ንጥፈታት ስለ ዝዀነ፡ ዓመጻናን ሓጢኣትናን ድማ ብእኡ መጠን ዚበዝሕ። እዚ ድኹም ኣተሓሳስባናዚ፡ ነዚ ናይ ሎሚ መሪሕ ጥቕስናን ኣርእስትናን፡ ምስ ማሕበራዊ ናብራና ብኸመይ ከም ዚዛመድ ከይንርድኦ ይዕንቅፈና ኣሎ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ካብ ድኹምን ዓንቃፍን ኣተሓሳስባ ምእንቲ ኼናግፈናዩ፦

እምብኣርሲ እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኲሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።” ብምባል ዝመዓደና (1ቈረ 1031) ብመሰረት ሃዋርያዊ ምስጢርዚ፡ ምብላዕን ምስታይን ስጋዊ ዘይኰነስ መንፈሳዊ ንጥፈታትዩ። ንኽብሪ ኣምላኽ ኢልና ኽንገብሮ ጥራሕ ዚግብኣና ምኽንያት ከኣ ንሱዩ። እቲ ዝተረፈ ኻልእ ኵሉ ንጥፈታት ድማ ኣብ ትሕቲዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩምዚብል ሓረግ ተጠቓሊሉ ኣሎ። ስለ ነቲስጋዊ ዝበልናዮ ዝበዝሐ ንጥፈታትና፡ ንጐይታ ንኽብሪ ኣምላኽ ኢልና እንተ ገበርናዮ። ነቲምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዜጥፍኣ (ዚውፍያ)” ዚብል ቃል ስለ ዝፈጸምናዮ፡ ነቲ ቕኑዕ ምርጫ፡ ማለት ነቲ ዜድሕን ጥፍኣት መሪጽና ኣለና ማለትዩ። ንርእስና ኢልና ጥራሕ ንገብሮ እንተ ዄንና ግን፡ ነቲ ንጥፈታትና ናይ ኣምላኽ ካብ ምዃን ከነድሕኖ ንጋደል ስለ ዘለና፡ ነቲ ዜጥፍእ ድሕነት መሪጽናለና ማለትዩ። ምኽንያቱ ብሰሪ ዓመጻናዚ፡ ኣምላኽ ንጥፍኣት ዚፈርደና። እዚ ናይ ሎሚ መሪሕ ጥቕስና፡ ነቶም ኣገልገልቲ ወንጌል ጥራሕ ከም ዚምልከት ጌርና ኽንሓስቦ ኣይግባእንዩ። ምኽንያቱ ማሕበራዊ ናብራና ኣምላኽ ጥራሕ ኪኸብረሉ ዚግባእ ዝነውሐ ጊዜን ዝሰፍሐ ዕድላትን ዘለዎ ናይ ኣገልግሎት መድሪኽዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ሓቂ ኣብ ንዝምድና ኣስራሕን ሰራሕተኛን (ጐይታን ባርያን) ዝገለጸሉ ኣጋጣሚታት፡ ብስእላዊ መገዲ ኣብሪህዎ ኣሎ (ኤፌ 65-9 ቈሎ 322-25) ብዓሚቝ ምስትውዓል ኪንበብ ዚግብኦዩ። ባርያ ንጐይታኡ ኺግዛእ ከሎ፡ ንክርስቶስ ይእዘዝ ከም ዘሎ ገይሩ ብፍታውን ብሓጐስን ኪእዘዝ ተነጊርዎ ኣሎ። እዚ ድማምእንቲ ጐይታ ኢሉ ይነብርምህላዉ ዜረጋግጽዩ። ብገንዘብ ዓዲጉ ብግፍዒ ይገዝኣካ ንዘሎ ሰብ፡ ከም ንጐይታ ጌርካ ምእዛዝ፡ ነታ ህይወትካ ኸም ዘባኽንካያ ኸም ዘጥፍኣካያ ዀይኑ ኺስምዓካ ይኽእልዩ። እቲ ሓቂ ግን ብኣንጻሩዩ። ብፍታውን ብሓጐስን ከምኡ እንተ ገበርካ ግን፡ ኣብ ምድሪ ኻብ ባርነት እንተ ዘይተናገፍካ፡ ኣብ ሰማይ ግን ክርስቶስ ዓስብኻ ኪፈድየካን ምስኡ ኼንግሰካን ዜድሕን ጥፍኣት ይብሉኻ ከምዩ። እዚ ሃዋርያዊ መምርሒ ንዅሉ ማሕበራዊ ዝምድናታትናን ንጥፈታትናን ብማዕረ ስለ ዚምልከት፡ ብዕቱብነት ክንምርሓሉን ክንትግብሮን ይግብኣና። ንህይወትና ብምህሮ ባህሊ ሰብ ኣይንምርሓያ። የበላሽወናን የጥፍኣናንምበር፡ ዓዲ ኣየእትወናንዩ። ጐይታና፡ እቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ ንመን ድሕነት፡ ንመን ከኣ ጥፍኣት ከም ዚህብ ከም ጸሓይ ቀትሪ ኣብሪሁ ገሊጹልናዩ። ዓዲ ዜእትወና፡ እቲ ክርስቶሳውን ሃዋርያውን ኣተሓሳስባ ጥራሕዩ።

እምበኣር ንገዛእ ህይወትና ብዘይንሕስያ ብዕምቈት ንመርምር። ግደ ሓቂ፡ ንጐይታ ኢሉ ዚነብር ህይወት ስለ ዘይብልና፡ እቲ ድኻምናን ነውርናን ሃስስ ከይበልካ ዚርከብ ናይ ኣደባባይ ምስጢርዩ። ህይወትና ናይ ኣምላኽ ካብ ምዃን ከነድሕና እንሃልኽ ሰባት ስለ ዝዀንና፡ ምርጫና ዜጥፍእ ድሕነት ኰይኑ ኸም ዝጸንሐን ከም ዘሎን ምርምር ዘይሓትት፡ ዕዉር ዚርእዮ፡ ጸማም ዚሰምዖ ግሁድ ሓቂዩ። እምበኣር ዘመን-ምሕረት ገና ኸይተወድአ ኸሎ፡ ታሪኽና ንለውጥ፡ መለሳ ዘለዎ ታሪኽ ንህነጽ። ብዘይንጠዓሰሉ መገዲ ንምርጫና ነተኻኽሎ። ካብ ለካሚና ድሕነት፡ ብልቦና ቐዳዊና ጥፍኣት ንምረጽ። ንህይወትና ካብ ገዛእ ፍቓድና ደኣምበር፡ ካብ ኣምላኽ ከነድሕና ኣይንጋደል። ዜጥፍእ ድሕነት ተሓሲምና፡ ዜድሕን ጥፍኣት ንምረጽ። ብናይ እግዚአብሔር ሓይሊ-ምድሓን ተኣማሚንና፡ ንህይወትና ምእንትኡን ንእኡን ነጥፍኣያ!! ጸሎትና ድማካብ ፍቓደይ ኣድሕነኒይኹን!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ጥቅምቲ 2023 | መስከረም 20, 2016 ግዕዝ (፫ ሰንበት: ቊ.፫/3)

ምስባክ

 መዝ.፶፱(፷)፡፬

“ወወሀብኮሙ ትእምርተ ለእለይ ፈርሁከ። ከመ ያምሥጡ እምገጸ ቅሥት። ወይድኀኑ ፍቁራኒከ።”

“ስለ ሓቂ ምእንቲ ኺለዓል፡ ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሃብካዮም። ፈተውትኻ ምእንቲ ኺናገፉ፡ ብየማነይትኻ ኣድሕን’ሞ ስምዓና።”

ንባባት

ኣንባቢ

1ቈረ 1፡17-ፍጻመ ዲያቆን
1ጴጥ 4፡1-11 ንፍቅ ዲያቆን
ግብ 2፡22-32 ንፍቅ ካህን
ማር 8፡27-ፍጻመ ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ዘእግዚእነ

መዝሙር፦ ዝንቱ ውእቱ መስቀል

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div