S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እምብኣርሲ፡ ኣሕዋተየ፡ ክሳዕ ምጽኣት ጐይታ ተዓገሱ፡ እንሆ፡ ሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይጽበዮ፡ ኣኸዛን ማይ ጽብሓትን ክሳዕ ዚረክብውን ይዕገስዩ። ንስኻትኩም ከኣ፡ ምጽኣት ጐይታ ቐረባ ተዓገሱ፡ ልብኹምውን ኣጽንዑ።ያእ 57,8

ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 9 ኽሳዕ መስከረም 15 ዘሎ ቕንያትፍረተባሂሉ ዚጽዋዕ። እዚ ፍረ ኸኣ ነቲ ምድርና እተፍርዮ ናይ ዘራእቲ ፍረን፡ ነቲ ንሕና ኣብ ህይወትና እነፍርዮ መንፈሳዊ ፍረን ዚምልከትዩ። ኣብ ዘለናዮ ምድሪ ሓበሻ፡ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ወቕቲ ኽራማት ኣብ ዚዛዘመሉ፡ ዘራእቲ ኣብ ዚስውተሉ ቕንያት ኢና ዘለና። ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሰነ 25 ክሳዕ መስከረም 25 ዘሎ ጊዜ፡ ወቕቲ ኽራማትዩ። ናብ ምዝዛም ክረምቲ (ፀአተ ክረምት) ገጽና በጺሕና ስለ ዘለና፡ ምድሪ ብፍሪኣ ኣብ እትምዕርገሉ ቕንያት ኢና ዘለና። እቲ ናይ ዕለት መዝሙር ናይ ቅዱስ ያሬድ፡ እቲ ምስ ዲያቆናትና ሓቢርና ዜዘምናዮ ናይ መዝሙረ ዳዊት ምስባክ፡ ከምኡውን እቲ ኣብ ቅዳሴ ዝተነበበልና ኣርባዕቲኡ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ብምሉኡ ብዛዕባፍረዚገልጽዩ። ስለ እዚ ዘለናዮ ቕንያት፡ ብዛዕባ እሙን መጋቢና ዝዀነ እግዚአብሔር ብሕያውነቱ ዝሃበና ፍረ ምድሪ ዕዙዝ ምስጋና እነቕርበሉ ቕንያትዩ።

ካብኡ ሕልፍ ኢልናውን ብዛዕባ ንሕና ኸነፍርዮ ዚግብኣና መንፈሳዊ ፍረ ብዕምቈት እነስተንትነሉን ህይወትና እንምርምረሉን ወቕቲ ምዃኑውን ኪዝንጋዕ ዘይግብኦ ሓቂዩ። እቲ ንሕና እንውንኖን እንሓርሶን ግራውቲ፡ ግቡኡ ፈጺሙ እቲ ዚግብኦ ፍረ ሂቡና ኣሎ። ቅዱስ ጳውሎስ ኣብሪሁልና ኸም ዘሎ ድማ፡ ንሕና ግራት ናይ ኣምላኽ ምዃንና ኣይንረስዕ።

ንሕና (ሃዋርያት) መዓይይቲ ኣምላኽ ኢናሞ፡ ንስኻትኩም ከኣ ግራት ኣምላኽ፡ ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም።” 1ቈረ 39

ስለ እቲ ንኣና ዝተዋህበ ግኡዝ ግራት እቲ ዜድልየናን እተጸበናዮን ፍረ ኸም ዝሃበና፡ ንሕና ህያዋን ግራውቲውን ነቲ ትጽቢት ዝተገብረልና መንፈሳዊ ፍረ ንኣምላኽ ክነፍረየሉ ይግብኣናዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ዀነ እቶም ካብኡ ዝተማህሩን ብእኡ ዝተላእኩን ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን፡ መንፈሳዊ ፍረ ኽንፍርይ ከም ዚግብኣና ኺምህሩና ኸለዉ፡ ናይ ግራትን ዘራእትን ፍርያት ከም ኣብነት ኣዘውቲሮም ይጥቀሙ ነበሩ (ማቴ 310-12 716-19 1233-35 133-43 2133-46 ሉቃ 136-9 ዮሃ 151-8 እብ 64-8 ያእ 57-11 ይሁ 12,13) ስለ ጽቡቕ ዝፈረየ ግራት ወይ ኦም ርኢና ኸነብቅዕ፡ ብዛዕባ ዝረኣናዮ ፍረ-ምድሪ ኻብ ምሕሳብ ሓሊፍና፡ ብዛዕባ እግዚአብሔር በቲ ንዕዘቦ ዘለና ተፈጥሮ ገይሩ ዜመሓላልፈልና ዘሎ መንፈሳዊ መልእኽቲ ዘይነስተውዕልን ዘይንሓስብን ርእስና ዘይንምርምር እንተ ዄንና፡ ብመንፈሳዊ ድንዛዘ ተጠቒዕና ኸም ዘለና ኣሉ ዘይበሃሎ ግሁድ መርኣያዩ። ስለ ዓመት ምሉእ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ቕንያትፍረ ብዛዕባ ናብ ከስዐና ዚኣትው ፍረ ምድሪ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብዛዕባ ናብ ኣምላኽ ከም ቅቡል መስዋእቲ ዚቐርብ መንፈሳዊ ፍርያትና ብዕምቈት ከነስተንትንን ክንምርምርን ይግብኣና። ህይወትና ኸም ዝተረግመት ግራት ኰይና እሾዅን ዳንዴርን ጥራሕምበር፡ ንኣምላኽ ዜኽብር ፍረ ዘይብላ ዀይና እንተ ረኺብናያ፡ ሕማምና ብንስሓ ኣሕዊና ናብ ጥዑይን ፈራይን ግራት ንለውጥ። ብረድኤት ኣምላኽ ፈረይቲ ዄይና እንተ ተረኺብና ድማ፡ ብመጠኑ ዝበዝሐ ብዓይነቱ ድማ ዝበለጸ ፍረ ንምርኣይ ርእስና ነጽርይ (ዮሃ 152 2ቈረ 71)

ናይ ዕለት ኣርእስቲ ትምህርትና ድማ ብዛዕባ ሓደ ኻብቶም ዓበይትን ኣገደስትን ዝዀኑ መንፈሳውያን ፍረታት ዜስተምህርዩ። እዚ ኻብ ናይ ዕለት ናይ መልእኽቲ ያእቆብ ንባብ ዝተወስደ ኣርእስቲ፡ ዘለኣለማዊ መጻኢና ኣበይ ከም እነሕልፎ ናይ ምውሳን ዓቕምና ክብርን ዘለዎ ትምህርቲዩ። ቅዱስ ያእቆብ፡ ነዚ ትዕግስቲ ምስ ምጽኣት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣዛሚዱ ዝገለጸሉ ምኽንያት ከኣ ንሱዩ። ኣብ ዕለታዊ ማሕበራውን መንፈሳውን ናብራኡ ትዕግስቲ ኼፍርይ ዘይከኣለ ክርስትያን፡ ብምጽኣት ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዘለኣለም ኪጕዳእምበር፡ ሓንቲ ኣይኪረብሕንሞ፡ ርእስና ንኸነድሕን ብዕቱብ ተገዳስነትን ብተመስጦን ክንመሃሮ ይግብኣና።

እዚ ቕዱስ ሃዋርያ ብዛዕባ እንታይ ዓይነት ትዕግስቲ ዚዛረበና ዘሎ፧ ትዕግስቲ ዚጠልብ ፍሉይ ምጽኣታዊ ጕዳያት ኣሎ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን፡ ትዕግስቲ ዚሓትት ፍሉይ ዝዀነ ምስ ምጽኣት ዝተተሓሓዘ ጕዳያት ኣሎ ኺበሃል ኣይከኣልንዩ። ምኽንያቱ ምጽኣት ዘይምልከቶ ኽፍሊ ወይ ጽላት ናይ ህይወት የብልናን። ምጽኣት ካብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ንዝነበሩ፡ ኣብ ዘመን ብሉይ ኰነ ኣብ ዘመን ሓድሽ ኪዳን ንዝነበሩ ዅሎም ወለዶታት ኺጸባጸብ። ንነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብውን፡ ካብ ዕለተ ልደቱ ጀሚሩ ኽሳዕ ዕለተ ሞቱ ብዛዕባ ዘሎ ዅሉ ማሕበራውን መንፈሳውን ህይወቱ፡ ምጽኣት ጐይታና ኺጸባጸቦዩ። ሓንጐልናን ኣእምሮናን ኣብ ውሽጢ ጽኑዕ ሽክናና (skull) ተሓቢኡ ብዛዕባ ዝሓስቦ ጥዑይን ሕሙምን ሓሳባት ኪፈርደናዩ። እንተ ብድፍረት እንተ ብስሕተት፡ ካብ መዓሙቕ ልብና ገንፊሉ፡ ደገ-ኣፍና ጥሒሱ ብዛዕባ ዝፈሰሰ ዅሉ ጻድቕን ሓጥእን ቃላት ብግዲ ጸብጻብ ክንህብ ኢና። ይትረፍ ብዛዕባ ዝተዛረብናዮ፡ ብዛዕባ ዝሰማዕናዮውን ክንሕተት ኢና። ሕምየትን ሓሶትን ጸርፍን ሕማቕ ወረን ዘይጠቅም ዘረባን፡ ጸባ ዚሰትይ ዘሎ ዀይኑ እናተሰምዖ፡ ባህ ኢልዎ ዚሰምዖ ሰብ፡ ንሱ ስለ ዘይተዛረቦ ጥራሕ፡ ካብ ተሓታትነትን ፍርድን ዚመልቍ መሲሉና ኣይንታለል (ኢሳ 3314-16) ብነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ኣካላትና፡ በዒንትና፡ ብኸናፍርና፡ ብኢደ-እግርና፡ ብጾታዊ ኣካላትና ወዘተ፡ እንገብሮ ዅሉ ዓበይትን ንኣሽቱን ግብርታትውን ክንሕተተሉን ዓስብና ኽንቅበለሉን ኢና። እዚ ሓቂ ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከም ብድሙቕ ቀለምን ብጕሉሕ ፊደላትን ዝተጻሕፈ ዝዀነ ሰብ ኪስሕቶ ዘይክእልን ዘይግባእን ውሁብ ሓቂዩ። እዚ ሓቂ ዜረጋግጾ ነገር እንተልዩ፡ ምጽኣት ጐይታ ዘይምልከቶ ዝዀነ ይኹን ጕዳይ ከም ዘየለን፡ምጽኣታዊኢልና እንዝርዝሮ ፍሉይ ጕዳያት ከም ዘየለንዩ። እዚ ሓቂ ኣእምሮ ዀነ ልቦና ንዘለዎን ከም ዚግባእ ድማ ንዚጥቀመሉን ሰብ፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ዚሓስባን ዚዛረባን ዚገብራን ነገር፡እዛ ዝፈጸምክዋ ወይ ክፍጽማ ዝድረኽ ዘለኹ ጕዳይ፡ ኣብ ጊዜ ምጽኣት እንታይ ኰን ትፈድየኒ ትኸውን፧ኢሉ ኺሓስብ ዚቕስቦዩ። እቲ ልክዕ ከም እንስሳ፡ ንህይወቱ ብወጀሃላ ብሸልልትነት ዚመርሓ፡ ከይመርመረ ቅጅል ከም ዝበሎ ዚሓስብን ዚዛረብን ዚገብርን ኵነታቱ ንእኡ ዜመሓድሮምበር፡ ንዅነታቱ ባዕሉ ኼመሓድር ዓቕሚ ዝሰኣነ ድኹምን ዓሻን ሰብ ግና፡ ባዕሉ ብገዛእ ፍቓዱ ነቲ ኣብ መዓልቲ ምጽኣት ዚጅምር ዘለኣለማዊ መጻኢኡ ከም ሲኦል ኬጸልምቶ ከም ሓዊ ገሃነም ኬምርሮ ዚነብር። ስለ ኣብቶም ትዕግስቲ ዚጠልቡ ጕዳያት ጥራይ ዘይኰነ፡ ንዅሉ ማሕበራውን መንፈሳውን ህይወትና ኣብ ዚምልከቱ ኵሎም ጕዳያት፡ ብዓይኒ ምጽኣት ብምርኣይ ምጽኣታውያን ጕዳያት ምዃኖም እናሓሰብና ብኸምኡ እንተ ኣመሓደርናዮም፡ ብረድኤት መንፈስ ቅዱስ መንፈሳዊ ብስለትን ልቦናን ከም ዘጥረና ከቶ ዘየጠራጥር ርጉጽነት ኪህልወናዩ።

ስለ ኸኣ ነቶም ትዕግስቲ ዚጠልቡ ዅሎም ኵነታትናውን፡ ብዓይኒ ምጽኣት እናረኣናን እናሓሰብናን ከነመሓድሮም ይግብኣና ማለትዩ። ኣብ ኪዳናዊ ናብራና (ሓዳርና) ማሕበራዊ ዝምድናታትና፡ ትምህርትና፡ ስራሕና፡ ጐረባብትና ኣብ ዕዳጋ፡ ኣብ መገዲ ኰታ ብሓጺሩ ምስ ኩሉ ሰብን ኣብ ኵሉ ቦታን ብዝዀነ ዓይነት ጕዳያትን ክንዋሳእ ከለና፡ ንትዕግስቲ ኸም ቀንዲ መሰረታዊ ባህርይና፡ ከም ዓንዲ-ማእከል ናይ ኵሉ ዝምድናታትና ጌርና እንተ ተዋሳእና፡ ምጽኣት ጐይታ ዘለኣለማዊ ረብሓን ክብርን ዚወልደልና ቀዳዊና ፍጻመ ኪዀነልናዩ። ቃል ኪዳንን ኣብ ውሽጡ ዚግበር ኵሉ ጕዳያትን፡ መንፈሳውን ኣምላኻውን ጕዳይምበር፡ ተራ ስጋውን ሰብኣውን ጕዳይ ኣይኰነን። ስለ ንበደላት መጻምድትና ብምርረትን ብዓቕሊ ጽብበትን ዘይኰነስ፡ ብፍቕርን ብሓጐስን ክንዕገስ ከለና ነቲ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ዝፈጠረናን ብሕያውነቱ ብምስጢረ ተክሊል ሓደ ኣካል ሓደ መንፈስ ገይሩ ዘቘመናን ኣምላኽምበር፡ ንሰብ ነገልግል ከም ዘየለና ኽንስሕቶ ኣይግባእንዩ። ኵሉ ኻልእ ማሕበራዊ ዝምድናታትናውን ልክዕ ከምኡዩ። ብኸም ዝኣመሰለ ጥዑይ ኣረኣእያ ስለ ዘይንነብር ኢና፡ ኣብ ንኣምላኽና ኸነኽብረሉን ግብሪ-ጽድቂ ኸነዘውትረሉን ዚግብኣና ጕዳያት፡ ሓጢኣት እናፈረና ኣገልገልቲ ናይ ጻላኢናን መስሓቲናን ድያብሎስ ኴንና ንተርፍ ዘለና።

ኣብ መንፈሳውን ማሕበራውን ናብራና፡ እንታይ ዓይነት ጕዳያትዮም ትዕግስቲ ዚጠልቡና፧ ካብ ማሕበራዊ ናይ ህይወት ተመክሮታትና ኸምንግዘቦ፡ ትዕግስቲ ዚጠልቡና ጕዳያት ኣብ ክልተ ምድባት ዚኽፈሉዮም። እቶም ቀዳሞት፡ ዝተፈላለዩ ዓይነት በደላት ኪዀኑ ኸለዉ፡ እቶም ካልኦት ከኣ ዝተፈላለዩ ዓይነት ትጽቢታትዮም። ነዞም ክልተ ዓይነት ጕዳያትዚኣቶም እነመሓድረሉ መንፈሳውን እምነታውን ትዕግስቲ እንተ ዘየጥሪና፡ መተካእታኡ ዀይኑ ካብ ህይወትና ዚፈርይ ቍጥዓን ባእስን ጽልእን ቂምታን ክሕደትን ምስኡ ዚዛመድ ካልእ ኵሉ ሰይጣናዊ ባህርያትን ዚኸውን። ነዚ ኸም ውቅያኖስ ዝምስፍሑ ወርቃዊ ኣርእስቲዚ፡ ኣብ ንእሽቶ ወረቐትን ኣብዘን ውሑዳት ናይ ስብከት ደቓይቕን ብዕምቈት ክንድህስሶ ኣይንኽእልን ኢና። ብመጠኑ ንመኣዝን ኣተሓሳስባና ኬቕንዓልና ዚኽእል ኣምር ክንቀስም ግን ዚከኣልዩ።

1. ትዕግስቲ ዚጠልቡ በደላት፦ ንርእስና ኣዚና በደልቲ ኽነስናስ፡ ትዕበይ ትንኣስ፡ ትኽበድ ትቕለል ብዘየገድስ፡ ዝዀነት ዓይነት በደል ክትበጽሓና ኸላ፡ ጥቓ ሓዊ ኸም ዝቐረበ ቤንዚን፡ ብቝጥዓ በግ ኢልና ክንቃጸልን ክንነትጕን፡ ንዅሉ ዝምድናታት ከም ዘይጽገን ጌርና ኸነዕንዎን ንርከብ። ናይ ገሌና ኸኣ ናይ ሰብ ዘይኰነስ ናይ ኣራዊት ቍጥዓ ዚመስል። እቲ ኣዝዩ ዜሕፍር ከኣ እዚ ግብረ-መልስና ግቡእን ንቡርን ዚመስለናን ፈጺምና ዘይንጠዓሰሉን ዘይንሓፍረሉን ምዃንናዩ። አረ ገሌናስ ተፈራህቲ ሰባት ኴንና ተኸቢርና ንኽንነብር፡ ሰባት ተጓይዮም ዝደለናዮ ኺገብሩልናን ኪጥንቀቑልናን፡ ከም ሜላ መንብሮ ጌርና ኢና ንጥቀመሉ። ንዅሉ ሰብን ካብ ኵሉ ሰብን ዚውሕዙ በደላት ከኣ ማእለያ የብሎምን። ስለ ንዅሉ ዝወረደና በደላት በዚ ኣራዊታውን ሰይጣናውን ባህርይ ግብረ መልሲ እናሃብና፡ ይትረፍ ክርስትያን ክንከውን ሰብ ምዃን ንስእን ኣለና።

እቲ ፈጺሙ ዘይብድል፡ ንዅሉ በደላት ሰብ ከኣ ብትዕግስትን ብምሕረትን ዚጸውር ኣምላኽ ግን ከምኡ ኣየውረሰናን፡ ከምኡውን ኣይመሃረናን። ብመልክዑን ብምስሉን ፈጢሩ ኻብ ናቱ ቕዱስ ባህርያት ስለ ዘካፈለና፡ ብፍቕርን ብሓጐስን ክንዕገስ ዚጽበየና። ነቶም ኣብ ልዕሌና ዚፍጸሙ በደላት፡ ከም ጽቡቕ ዕድላት ከም ሓለፋታት ርኢናን ተቐቢልና፡ ነቲ ዘካፈለና ቕዱስ ባህርያት ንምንጽብራቕ ክንጥቀመሉ ዚጽበየና። ንሕና ግን ነቲ ንጽድቂ ኽንጥቀመሉ ዚግብኣና ዕድላት፡ ብኣንጻሩ ሓጢኣትና ንምብዛሕ ክንጥቀመሉ ስግንጢር ምርጫ ንገብር ኣለና። እግዚአብሔር ንሰብ ኪፈጥሮ ኸሎ ካብ ዕጉስን ዓቃልን ፈቃርን መሓርን ባህርዩ ደኣ ኣካፊልዎምምበር፡ ናይ ቍጥዓን ኵራን ባህርይ ኣየውረሶን። ስለ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንበደላት ዚህቦ ባህርያዊ ግብረ መልሲ፡ ዘይጸዓድ ትዕግስቲ ኪኸውን ዚግባእ ነይሩ። ንሕና ግን ነቲ ባህርያውን መለኮታውን ርስትና ደርቢና፡ ነቲ ሰይጣን ዘስረጸልና ሓጥእን ዓለወኛን ባህርይ ክንግዛእ ስለ ዝመረጽና፡ ምዕጋስ ከም ነውርን ሕመቕን፡ ምቝጣዕ ግን ከም ንቡርን ባህርያውን መልሰ-ግብሪ ኽሳዕ ምቝጻር ኣዕሚቝና ተባላሺና ኣለና። እቲ ብሉጽ ሃዋርያ፡ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ዜበላሸወና ዘሎ ካብ ሰይጣን ዝጠበቐና ሓጥእ ባህርይ፡ኣረጊት ሰብኢሉ ድሕሪ ምጽዋዑ፡ ካብ ልዕሌና ቐንጢጥና ኣብ መስቀል ክርስቶስ ክንሰቕሎ ምዒዱና ኣሎ (ኤፌ 420-24 ቈሎ 38-10 ሮሜ 65-11 ገላ 516-26) ስለ ይኽበዱ ይቕለሉ ብዘየገድስ፡ ኣብ ልዕሌና ዚፍጸሙ በደላት ንትዕግስትና ኼዕብይዎን ኬጐልብትዎንምበር፡ ኪቐትልዎን ኬጥፍእዎን ክንፈቅድ ኣይግብኣናንዩ። ሰብ ኴንና ብኸመይ ንትዕግስቲ ኸነጥርያን ክንሙከራን ከም ንኽእል ምእንቲ ኼርእየና፡ እግዚአብሔር ወልድ፡ ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስጋና ለቢሱ ንጸላእቱ ኸይተረፈ ዜስተንከረ ትዕግስቲ ብምግባር ግብራዊ ኣርኣያን ዘይሃስስ ኣሰርን ገዲፉልናዩ። ንዅሉ በደላት ኣመልኪቱውን፡እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና፡ ንሱ ኺድሕንብምባል ዝምድና ትዕግስትን ድሕነት ኣነጸረልና (ማቴ 1022 2413) ኣስዒቡውን፡ንነፍስኹም ብትዕግስትኹም ከተጥርይዋ ኢኹምብምባል ኣገዳስነትን ረብሓን ናይ ትዕግስቲ ገለጸልና (ሉቃ 2119) ስለ ዘይምዕጋስ ማለት ንገዛእ ነፍስኻ ንዘለኣለማዊ ጥፍኣት ኣሕሊፍካ ምሃብ ማለትዩ። ነቶም ምስኡ ዀይኖም ትዕግስቱ ዝተለማመዱ ብልህታት ሃዋርያት ድማ፡ ጐይታና ባዕሉ፦

ንስኻትኩም ግና ብፈተናይ ምሳይ እተዓገስኩም ኢኹም’()... ከም ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ፡ ንኣኻትኩም ከኣ ኣነ መንግስቲ መደብኩልኩም።” ብምባል መስኪሩሎም ኣሎ (ሉቃ 2228-30) ንሳቶም ድማ ነቲ ኣብኡ ዝረኣይዎን ባዕላቶም ዝተለማመድዎን ትዕግስቲ መሰረት ብምግባር፡ ትዕግስቲ ንኽንገብር፡ ብኸም ዚስዕብ መዓዱና።

“......ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀና ሓጢኣትን ነርሕቕ። በቲ ኣብ ቅድሜና ተሓንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየይ። ናብ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዓገሰን ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን ኢየሱስ ንጠምት። ምእንቲ ኸይትደኽሙን ነፍሳትኩም ከይሕለላን፡ ነቲ ኻብ ሓጥኣን ኣብ ርእሱ ኽንዲ ዚኣክል ምጽራር እተዓገሰ (ኢየሱስ) ዘክርዎ።እብ 121-3

ሓደ ተዓሚጹ ኸሎ ምእንቲ ኣምላኽ ኢሉ እንተ ተዓገሰ፡ ብኣምላኽ ቅቡል (እዚ ጸጋ) በደል እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዓገስኩምከ እንታይ ሓበን ኣለዎ፧ ሰናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዓገስኩም ግና፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡልዩ፡  ንስኻትኩምውን ነዚ (ትዕግስቲ) ኢኹም ዝተጸዋዕኩም። ክርስቶስ ድማ ኣስኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ፡ ምእንታኹም መከራ ጸገበ፡ ኣርኣያውን ሓደገልኩም። ንሱ ሓጢኣት ኣይገበረን፡ ሓሶትውን ኣብ ኣፉ ኣይተረኽበን። ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ኣይጸረፈን፡ መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ኣምላኽ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሃበምበር ኣየፈራርሀን።” 1ጴጥ 219-23

ኣብ ክርስቶስ ርእሲ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ዝተሃነጽና ሓቀኛታት ክርስትያን እንተ ዄንና ነዚ ምርኡይ ክርስቶሳውን ሃዋርያውን ኣርኣያ ናይ ልዑል ትዕግስቲ ኽንክተሎ ዚግባእ። ምኽንያቱ ንነፍስና ኸነድሕነሉን ከነጥርየሉን እንኽእል መገዲ ንሱዩ።

2. ትዕግስቲ ዚጠልብ ትጽቢታት፦ ኵሉ ፍጥረት ሰብ፡ ብዙሕ ሓባራዊ ትጽቢታት ኣለዎ። ዳርጋ ዅሉ ሰብውን ነናቱ ፍሉይ ውልቃዊ ትጽቢታት ኣለዎ። ገሊኡ ትጽቢታት ናብ ኣምላኽ ዘተኰረ ኪኸውን ከሎ፡ ገሊኡ ድማ ናብ ሰባት ዘድሃበ ስጋዊ ትጽቢትዩ። ካብ ዕለታዊ ዀነ ናይ ዕድመ ምሉእ ተመክሮታትና ኸምንርድኦ፡ ትጽቢታትና ዚፍጸመሉ ጊዜ እናነውሐን እናደንጐየን ምስ ዚኸይድ፡ እናዓረገ ዚኸይድ ውሽጣዊ ነውጺ ዚፈጥር። ነዚ ዝተናውሐ ትጽቢት ዚፈጥሮ ዜናውጽ ውሽጣውን ደጋውን ማዕበላት ከነህድኣሉን ክንመልኮን ዜኽእለና እንኮ ባህርይ ትዕግስቲ ጥራሕዩ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዘሎና ትጽቢታት ዜህድእ ትዕግስቲ እንተ ዘይብልና፡ ቍጥዓን ባእስን፡ ጽልእን ምፍላልይን፡ ቂምታን በቐልን ይስዕርርሞ፡ ንዅሉ ማሕበራዊ ዝምድናታትና የበላሽዎን ይበታትኾን። ብመሰረቱ ትጽቢትካ ኣብ ሰብ ምግባር ድማ ምስ ኣምላኽ ዜባትኽ ሓጥእ ተግባር (ኢሳ 206 ደጕ 417 ኢሳ 302-5 311-3)

እግዚአብሔር ከም ይብል ኣሎ፡ኣብ ሰብ ዚውከል፡ ቅልጽሙ ኸኣ ኣብ ስጋ ዚገብር፡ ብልቡውን ካብ እግዚአብሔር ዚርሕቕ ሰብ ርጉምዩ። ንሱ ኸም ንቑጽ ቈጥቋጥ ኣብ በረኻዩ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ፡ ኣብ ምድረ በዳ፡ ኣብ ሓደ ዘይነበሮ ምድሪ ጨው ይነብርምበር፡ ጥዑም ምስ መጸስ፡ ኣይርእዮን።ኤር 175-6

እቲ ዝኸፍአ መልክዑ፡ እቲ ኣብ ሰብ ትገብሮ ትጽቢት ከይሰመረ ምስ ዚተርፍ፡ ዝበዝሐን ዝኸፍአን ዓይነታት ሓጢኣት ዚወልድ ምዃኑዩ። ካብ ሓጥእ ትጽቢት ከኣ፡ መንፈሳዊ ፍረ ኽትረክብ ኣይከኣልንዩ። ካብ ክፉእ ኦም፡ ክፉእ ፍረ ጥራሕ ዚርከብ (ማቴ 716-18 1233)

ብቐሊሉ ብትዕግስቲ ኽንጽበዮንኽእል፡ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎና ትጽቢት ጥራሕዩ። ምኽንያቱ ጥዕና ዘለዎ ጻድቕ ትጽቢትዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ዘይኰነ ዀይኑ ትጽቢትና ኸይሰመረልና ምስ ዚድንጕይ፡ ወይውን ብመሰረቱ ኸይተፈጸመ ምስ ዚተርፍ፡ ብዘይ ረብሓ ጥራይ ኢድና ኣይንወጽእን ኢና። ምኽንያቱ ትጽቢትና ኣብ ልኡላዊ ኣምላኽ ክንገብር ምምራጽና ንበይኑ፡ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ዓብይ ክብሪ ዜውህበናዩ። ኣብ ኤር 177,8

ኣብ እግዚአብሔር ዚውከል፡ ትጽቢቱ ኸኣ ኣብ እግዚአብሔር ዚገብር ሰብ፡ ብሩኽዩ። ንሱ ኸም ኣብ ጥቓ ማይ እተተኽለት፡ ሱራ ናብ ርባ ኣቢሉ ዜሳፍሕ ኦምዩ። ዋዒ እንተ መጸ ኣይትፈርህን፡ ቈጽላ ኸኣ ለሚዑ ይነብር። ብዓመት ደርቂ (ኣይትሰግእን) ካብ ምፍራይውን ኣይተቋርጽን።ብምባል፡ ጥዑይ ትጽቢት ብዙሕን ዘየቋርጽን መንፈሳዊ ፍረ ኽንፈርይ ከም ዜኽእለና ኣረጋጊጹልና ኣሎ። እቲ ዝዓበየን ቀዳማይን ፍረ ናይ ጻድቕ ትጽቢት ድማ፡ ዕዙዝ ትዕግስቲዩ። ቅዱስ ያእቆብ ደጋጊሙ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ ጥዑይ ትዕግስቲ ብጽእና ዜጐናጽፍ (ያእ 112 511) እታ ትዕግስትና ግብራዊት ምስ እትኸውን ድማ ፍጹማትን ምሉኣትን ሰባት ከም ትገብረናውን ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ያእ 12-4) እዛ ፍጹምነት እተልብሰና ትዕግስቲ ኸኣ፡ እታ ፍቓድ ኣምላኽ እናገበርና ንተስፋና ኽንጽበዮ እተኽእለና ዓይነት ትዕግስቲ (እብ 1036) ፍቓድ ኣምላኽ እናገሃስካ ዚግበር ትዕግስቲ፡ ነቲ ገባሪኡ ዚጥብር ከንቱ ትዕግስቲዩ።

ብዛዕባ ምስ ምጽኣታዊ ፍጻመታት ቀጥታዊ ምትሕሓዝ ዘለዎ ትዕግስቲ ኣመልኪቱ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህበና መልእኽቲ ኣሎ ድዩ፧ ብርግጽ ኣሎ። ጐይታና ብቕዱሳን ሃዋርያቱ ብዛዕባ ትእምርቲ ምጽኣቱን ትእምርቲ መወዳእታ ዓለምን ምስ ተሓተተ፡ ኣብ ንሱ ዚመጻሉ ዘመን፡ ኣብ ልዕሊቶም ሓቀኛታት ሰዓብቱ ኸቢድ መከራ ኸም ዚወርድ ብተደጋጋምን ብግህዶን ተዛሪቡ ኣሎ (ማቴ 245-13 ሉቃ 219-18,25-28) እቲ ኣብ ራእይ ዮሃንስ ምዕራፍ 13 ተዘርዚሩ ዘሎ መከራ ናይ ቅዱሳንውን ኣዝዩ ኸቢድዩ። ክትሸይጥ ኰነ ኽትዕድግ ክሳዕ ዘይፍቀደካ እንተ ኣጽቢቦምልካ፡ እቲ መከራ ማዕረ ኽንደይ ከቢድ ከም ዚኸውን መግለጺ ዘየድልዮ ብሩህዩ። ከም ዝበለ ትንፋስካ ዜውጽእ መከራ፡ ብዘይካ ብትዕግስቲ ብዝዀነ ኻልእ ሜላ ኺስገር ኣይክእልንዩ። ስለ ኸኣዩ፦

እቶም ንትእዛዛት ኣምላኽ ንእምነት ኢየሱስን ዚሕልዉ ቕዱሳን ከኣ ትዕግስቶም ኣብ ዚረኣይ።” ዚብል ቃል ተደጋጊሙ ዝተጻሕፈልና (ራእ 1412 1310 .) እቲ ነዛ ትዕግስቲዚኣ ዘይወነነ ክርስትያን ግና፡ ኣብ ኢዱን ግምባሩን ማሕተም ናይ ሰይጣን ንምቕባል ፍቓደኛ ስለ ዚኸውን፡ ናይ ዘለኣለም ኣድራሻኡ ምስ ሰይጣን ኣብ ዘይዝሕልን ከቶ ዘይጠፍእን ቀላይ ሓዊ ዚኸውን (ራእ 2010-15)

እምበኣር ርእስና ብዕምቈት ንመርምርሞ፡ ነታ ይግባይ ኰነ ንስሓ ዘይብላ መዓልቲ ምጽኣቱ፡ ብዘይ ትዕግስቲ ባዶ ዄንና ንጽበያ ኸም ዘየለና ነረጋግጽ፡ ኣብ መዓልቲ ምጽኣቱ ብመለኮታዊ ኽብሪ ዚኸብሩ፡ እቶም ንትዕግስቲ ብመጠን ኣምላኽ ዝሃባ ኽብሪ ዜኽብርዋን ብሓጐስ ዚለማመድዋን ጥራሕዮም። ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታን ኵነታትን ትዕግስቲ ዚጠልብ ጕዳያት ምስ ዜጋጥመና፡ ፍጽምትን ግብራዊትን ብዝዀነት ትዕግስቲ ንስዕሮ ምህላውናን ክንስዕሮ ምዃንናን ርግጸኛታት ንኹን። ንልብና ናብ ኣብ መስቀል ኰነ ኣብ ኵሉ ኻልእ መድረኻት ዝተጋህደ ትዕግስቲ ክርስቶስ ነቕንዓዮ (2ተሰ 35) ከመይሲ ንዝወነና ሰብትዕግስቲ-ክርስቶስ፡ እተንግስ ትዕግስቲ!! (2ጢሞ 212)

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

24 መስከረም 2023 | መስከረም 13, 2016 ግዕዝ (2 ሰንበት: ቊ.፪/2)

ምስባክ

 መዝ.፹፬(፹፭)፡፮,

እግዚአብሔርኒ ይሁብ ምሕረቶ። ወምድርኒ ትሁብ ፍሬሃ። ጽድቅ የሐውር ቅድሜሁ።

ህዝብኻ ብኣኻ ኺሕጐስሲ፡ መሊስካዶ ህይወት ኣይክትህበናን ኢኻ፧ እግዚኣብሄር፡ ጸጋኻ ኣርእየና፡ ምድሓንካውን ሃበና።

ንባባት

ኣንባቢ

2ጢሞ 21-13 ዲያቆን
ያእ 51-9 ንፍቅ ዲያቆን
ግብ 1414-19 ንፍቅ ካህን
ማቴ 121-8 ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ዘወልደ ነጐድጓድ

መዝሙር እኩት አንተ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div