S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንጽባሒቱ ዮሃንስ ንኢየሱስ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ረኣዮሞ፡ 'እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ' በለ።

እንኳዕ ናብ ቀዳማይ ሰንበት ናይ 2016 .. (ዘመነ ዮሃንስ) ብሰላም ኣብጽሓና። ርሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና። ኣብ ዕለት ሓደ መስከረም፡ ርእሰ ዓውደ ዓመት፡ በዓል ቅዱስ ዮሃንስ ኣብዒልና ኣለና። መስከረም ዕለት ክልተ ድማ፡ ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቀ መለኮት፡ ተሰዪፉ ብሰማእትነት ዝሓለፈሉ ቕዱስ ዕለትዩ። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ካብ መስከረም 1 ክሳዕ መስከረም 7 ዘሎ መዓልታትዮሃንስተባሂሉ ዚጽዋዕ። ነቲ ድሙቕ ኣረኣያኡን ትምህርቱን ብምስትንታን ብዙሕ ክንመሃረሉን መገድና ዀነ ኣካይዳና ኸነቕንዓሉን ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ዝተሰርዓልና ቕንያት ድማዩ። ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቅ፡ ካብ ኣንስቲ ኻብ ዝተወልዱ ዅሎም ዘርኢ ኣዳም፡ ብዕብየቱ ንእኡ ዚወዳደር ከም ዘየለ፡ ብልሳን ቅዱስ መለኮት፡ ብእግዚአብሔር ወልድ፡ ንሱ ኸኣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዝተመስከረሉ ኣቦ (ማቴ 1111) ካብ ቅዱስ ወንጌል ከም ንርድኦ፡ ኣዝዩ ሓጺር ናይ ኣገልግሎት ዘመን ዝነበሮ ነብዪዩ። ኣብ ሓጺር ናይ ኣገልግሎት ጊዚኡዚ፡ ብሓይሊ ትምህርቱን ብድምቀት ኣርኣያኡን ብዘስዓቦ ለውጥን ፍረን ግን መዳርግቲ ዘይብሉን ኣሰሩ ዘይሃስስን ነቲ ዝተመስከረሉ ዕብየቱ ብግብሪ ዘረጋገጸን ዓብዪ ነብዪዩ። ቅዱስ ዮሃንስ፡ መላግቦ ኽልተ ዓበይቲ ኪዳናትዩ። ንሱ ናይ ብሉይ ኪዳን ናይ መወዳእታ፡ ናይ ሓድሽ ኪዳን ድማ ናይ መጀመርያ ነብዪ ዀይኑ ዘገልገለ ፍሉይን ዓብይን ነብዪዩ። ብነብያት ብሉይ ኪዳን ብዛዕባኡ ትንቢት ዝተነግረሉ እንኮ ነብዪውን (ኢሳ 403-8 ሚል 45,6) እዚ ትንቢታት ብዛዕባ ዮሃንስ መጥምቅ ምዃኑ፡ እቶም ወንጌል ዝጸሓፉልና ኣርባዕተ ወንጌላውያን፡ ብዝያዳን ብዝነጸረን መገዲ ድማ ባዕሉ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣረጋጊጹልና (ማቴ 31,2 ማር 12-4 ሉቃ 31-6 ዮሃ 16-8,19-27 ማቴ 111-14 1710-13 2132 ዮሃ 533-35)

ናይ ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጸራግ መገድን ነጋሪ ኣዋጅን ኰይኑ ዘገልገለ ዓብዪ ናይ ኣምላኽ ሰብዩ።መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ ተነስሑኢሉ ንመጀመርታ ጊዜ ዝሰበኸ ቅዱስ ዮሃንስ (ማቴ 31,2) እዚ ስብከት ናይ ሓድሽ ኪዳን ስብከትዩ። ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዓበይትን ንኣሽቱን ነብያት ነዛ መልእኽቲዚኣ ዝተዛረበ ሓደ ነብዪ የልቦን። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ግን ካብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጀሚሩ፡ ናይ ኵሎም ቅዱሳን ሃዋርያትን ወንጌላውያንን ኣርድእትን መኽፈት ኣፍ ኰይና ዘገልገለት ቃል ኣዋጅያ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኢድ ዮሃንስ መጥምቅ ተጠሚቑ ናይ ስብከትን ኣስተምህሮን ኣገልግሎቱ ኺጅምር ከሎ፡ በዛ ቕዱስ ዮሃንስ ዝበላ ቓል ዝጀመረ (ማቴ 417) ንቕዱሳን ሃዋርያቱን ኣርድእቱን በብኽልተ ገይሩ ንስብከተ ወንጌል ኪልእኮም ከሎ ድማ ነዛ ቓልዚኣ ኣብ ኣፎምን ኣብ ልቦምን ኣቐሚጡ ኣርእስትን መጀመሪትን ናይ ስብከቶም ንሳ ኽትከውን ኣዘዞም (ማቴ 107 ሉቃ 109)

ከም ጸራግ መገዲ ዀይኑ ናይ ጥምቀት ስርዓት ዘተኣታተወውን ንሱዩ። ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ተቐቢልዎ ድማ ናብ ንሱ ዚነብረሉ ምድረ በዳ ኸይዱ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ይጥመቕ ነበረ። እቶም ገጽ ሰብ እናረኣዩ ዜገልግሉ ዝነበሩ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ንዮሃንስ ከም ነብዪ እንተ ዘይተቐበልዎኳ፡ ካብ ህዝቦም ተቓውሞ ኸይመጾም ፈሪሆም ናብኡ ኸይዶም ኪጥመቑ ተገደዱ (ማቴ 35-8) ስለ ጐይታና ምስጢረ ጥምቀት ሰሪዑ ኼጥምቕ ምስ ጀመረ፡ ድሮ ተጸሪጉሉ ዝጸንሐ መገዲ ስለ ዝዀነ፡ ብዘይ ዝዀነ ጸገም ይፍጽሞ ነበረ። ቅዱስ ዮሃንስ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብኡ ገጹ ኺመጽእ ምስ ረኣዮ፡ ነዚ ኸም መሪሕ ጥቕስናን ኣርእስትናን መሪጽናዮ ዘለና ናይ ምስክር ቃል ሃበ። እዚ ድማ ኣካል ናይ ንጐይታና መገዲ ናይ ምጽራግ ኣገልግሎቱዩ። ኣብ ታኼላ ሓጢኣት ዝዀነት ዓለም ይነብር ንዘሎን፡ ንርእሱውን ብሓጢኣትን ብሳዕቤናቱን ይሳቐይ ንዘሎ ሰብ፡ ንሓጢኣት ዜርሕቕ ረድኤት ምርካቡ፡ መግለጺ ዘይርከቦ ዓብይ ብስራትዩ። ንሓጢኣት ኬርሕቕ ዘይከኣሎ ገንሸል ብምስዋእ ንዝረብረበ ህዝቢ፡ ሓጢኣት ናይ ምልእቲ ዓለም ዜርሕቕ ሓደ ገንሸል ናይ ኣምላኽ ከም ዝመጻሉ ኺንገሮ ኸሎ፡ ብዓብይ ሓጐስ ኪቕበሎ ልዑል ትጽቢት ዚግበረሉ። ቤተ ክርስትያንን ኵሎም ኣገልገልታን ብኸቢድን መሪርን መከራ እናሓለፉ ኸለዉኳ፡ ወንጌልን እምነት ክርስትናን፡ ልክዕ ከም ባርዕ ጫካ ናብ ምሉእ ዓለም ብፍጥነት ኬስፋሕፍሕ ዝኸኣለሉ ምኽንያት ከኣ ንሱዩ።

ምርሓቕ ሓጢኣትዓብዪ ብስራት ዚዀነሉ ምኽንያት ግን እንታይዩ፧ ሓጢኣትማዕረ ኽንደይ መሪር ስቓይ ከም ዘለዎ፡ ኣብ ቐዳመይቲ ሓጢኣት ዝተፈጸመትሉ ህሞት፡ ብዘየወላውል መገዲ ብግህዶ ተራእዩዩ። ኣዳምን ሄዋንን ብናይ ድያብሎስ ጥበራን ምትላልን ተደሪኾም፡ ትእዛዝ ኣምላኽ ብምፍራስ ግህሰታዊ ኣበሳ ምስ ፈጸሙ፡ ኣብ ህይወቶም ዝተኸሰተ ቅጽበታውን ኣዕናውን ለውጢ ኣዝዩ ዜሰምብድዩ። እቲ ኸም ክዳን ኰይኑ ሰቲርዎም ዝነበረ ጸጋ ኣምላኽ ምስ ተገፍፈ፡ እቲ ብንጽህናን ብገርህነትን ዚነብርዎ ዝነበሩ ናይ ፍቕሪ ናብራ ፈሪሱ፡ ካብ ንሓድሕዶም ኪሕብኡን ኪረሓሓቑን ጀመሩ። ካብ ሓድሕዶም ጥራሕ ዘይኰነውን፡ ካብ ኣምላኽ ናይ ምሕባእ ከንቱ ፈተና ኣካየዱ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪወሃሃቡ መረጹ። እዚ እቲ ብኡንብኡ ዝተጋህደ ኣሉታዊ ሳዕቤን ናይ ሓጢኣትዩ። እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ግህሰታዊ ኣበሳኦም ፍርዱ ምስ ሃበ ድማ፡ መሪር መርገም ተረግሙ። ካብ ገነት ድማ ናብ ዘለናያ ምድሪ-መርገም ተሰጕጉ። ምብላዕ፡ ምስታይ ኰነ ምውላድ፡ ናብ ከቢድ ስቓይ ተለወጠ። እቲ ዝኸፍአ ድማ፡ ንዘለኣለም ህያዋን ኰይኖም ኪነብሩ ዝተፈጥሩ ሰባት፡ ናብ ሓጺር ዝዕድሚኦም መወትቲ ሰባት ተለወጡ (ዘፍ 31-19) እቲ ሓጢኣት ኰነ እቲ መርገም ናብ ደቆም ስለ ዝሓለፈ ኸኣ፡ ደቆም ንሓድሕዶም ተቓቲሎም፡ ናይ ሞት ምርረት ትዕድልቶምን ትዕድልቲ ናይ ኵላትና ዘርኦምን ኰነ (ዘፍ 41-15) እቲ ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ታሪኽ ኵሉ ዘርኢ ሰብን ዝተጋህደ መሪር ሳዕቤናት ሓጢኣት ዘርዚርካን ገሊጽካን ዘይውዳእዩ። እቲ ሓቂ ኸም ኻብ ኰነ፡ ምርሓቕ ናይ ሰንካም ሓጢኣት ኣዝዩ ዓብዪ ብስራት ዘይኰነ ደኣ እንታይ ካልእ ዜና ብስራት ኪኸውንዩ፧!

እቲ ብስራት ግን እዚ ጥራሕ ኣይኰነን። ሰባት ካብ ሓጢኣትን ካብ መሪር ሳዕቤናቱን ምእንቲ ኺድሕኑ፡ ብዙሕ ናይ ዓቕሊ ጽብበት ፈተነታት ኣካዪዶምዮም። ነቲ ማእለያ ዘይብሉ ኣምልኾ ጣኦታትን ዝተፈላለዩ ሃይማኖታትን ምንጪ ዝዀነ ድማ ካብ ሳዕቤን ሓጢኣት ንምህዳም ዝተገብረ ኣጋንንታዊ ምህዞታትዩ። እንተ ዀነ እቲ ፍታሕ ኪኸውን ዝተገብረ ዅሉ ፈተነታት፡ ንርእሱ ዝገደደ ሓጢኣት ኰይኑ ንምርረት ሳዕቤናቱ ኣዝዩ ኸም ዝብእስ ገበሮ። እቲ ንሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ ብመስዋእቱ ንሓጢኣትና ምስ ኣርሓቖ ግና፡ ነቲ ሓቀኛን ዘላቕን ፍታሕ ስለ ዝረኸብዎ፡ ኣህዛብ ካብ ኣምልኾ ጣኦት ብብዝሒ ናብ እምነት ክርስትና ስለ ዝኣተዉ፡ ቅዱስ ወንጌል ብስፍሓት ተዘርግሐ።

ምርሓቕ ሓጢኣት ንኣይሁድውን ዓብይ ብስራት ዝነበረ። ምኽንያቱ እቲ ብኣምላኽ ተኣዚዞም ዚፍጽምዎ ዝነበሩ ናይ እንስሳታት (ናይ ገንሸል፡ ዲቤላን፡ ዝራብዓትን ርግብታትን) መስዋእቲ ጊዝያዊ ምሕረት ካብ ምሃብ ሓሊፉ፡ ነቲ ለካሚኦም ሓጢኣት ምሉእ ብምሉእ ኬርሕቐሎም ከም ዘይከኣለ ቅዱስ ጳውሎስ ደጋጊሙን ኣነጺሩን ኣብሪህዎ ኣሎ (እብ 101-4,11,18 911-14,25-28) ስለ ናታቶም ሓጢኣት ፈጺሙ ዘየቋርጽ፡ እቲ ሰሙን መጸን ዓመት መጸን ዚፍጽምዎ መስዋእቲ እንስሳውን ንሓጢኣት ፈጺሙ ኼርሕቖ ዘይክእል ምዃኑ ንኣይሁድ ከመይ የሰልክዮም ከም ዝነበረ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ግሁድ ታሪኽዩ። እምበኣር፡ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓጢኣት ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ ኰይኑ ምምጻእ፡ ሓጢኣት ካብ ምብዛሕን ካብ ሃልኪ መስዋእትን ዜናግፎም ዓብይ ብስራት ኰይንዎምዩ። ነዚ ጸራግ መገድን ነጋር ኣዋጅን ዝዀነ ቕዱስ ዮሃንስ ዝተዛረቦን ናይ ሎሚ ትምህርትና ዀይኑ ዘሎን ኣርእስቲዚ፡ ዝዓበየ ብስራታዊ ነብዪ ዚገብሮዩ።

ብመሰረቱኸምርሓቕ ሓጢኣትእንታይ ማለትዩ፧ እቲ ፈቲና ዀነ ስሒትና ዝገበርናዮ ሓጢኣት፡ ካባና ሓሊፉ ናበይ ኺርሕቕ፧ እዚ ሕቶ ነቲ ሕመረት ወይ ማእከላይ መልእኽቲ ናይ ኣርእስትና ዜብርህ ሕቶዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ሓጢኣት ጠባቒ (ናይ ምጥባቕ) ባህርይ ከም ዘለዎ ደጋጊሙ ገሊጹልና ኣሎ።

“......ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀና ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ .......”

እምበኣርሲ፡ ኣነ ሰናይ ክገብር (እናደለኹስ) እቲ እከይ (ሓጢኣት) ከም ዚጠብቀኒ ሕጊ ዀይኑ ረኸብክዎ።እብ 121 ሮሜ 721 (15,19)

እዚ ጠባቒ ባህርይ ናይ ሓጢኣትዚ፡ ዕድመና ምሉእ ባሮት ሓጢኣት ኴንና ኽንነብር ኣሲሩ ዚሕዘናዩ። እሱር ድማ ንገዛእ ርእሱ ኻብ ማእሰርቱ ኺፈትሕ ኣይክእልንዩ። ሰብ ብመቝሕ ወይ ብገመድ እንተ ኣሰረካ፡ ምናልባት ተጣቢብካ ካብ ማእሰርትኻ ክትፍታሕ ሳሕቲ ዜጋጥም ተኽእሎታት ይህልው ይኸውን። ካብ ማእሰርቲ ሓጢኣት ግን ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑ ዝዀነ ኻልእ ኣካል፡ ዋላ ባዕሉ ብሓጢኣት ዝኣሰረካ ድያብሎስውን፡ ኪፈትሓካ ዚኽእል የልቦን። እግዚአብሔር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ስጋና ለቢሱ መሪር መከራ መስቀል ተቐቢሉ መስዋእቲ ዝዀነልና ድማ፡ ካብ ሕሱምን ዘለኣለማውን ማእሰርቲ ሓጢኣት ምእንቲ ኺፈትሓናን ሓራ ኼውጽኣናንዩ።

ምርሓቕ ሓጢኣትማለት ካብ ናይ ሓጢኣት ተሓታትነትን ፍርድን ሓራ ምዃን ማለትዩ። ቃል እግዚአብሔር ኣነጺሩ ኸም ዚገልጸልና፡ ዓስቢ ሓጢኣት ሞትዩ። እዚ ድማ ሓጢኣት ናብ ዓለም ቅድሚ ምእታው ኣትሒዙ ዝተገልጸ ሓቂ (ዘፍ 216,17 ሮሜ 622,23 515 1ቈረ 1521 1ዮሃ 511 ሉቃ 131-5 ዮሃ 821,24 ህዝ 184 ኤፌ 21,2) ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዝተፈጸመ ዕልወት ስለ ዝዀነ፡ እግዚአብሔር ንሓጢኣት ግቡእ ፍርዱ ኸይሃበ ኺሓልፎ ኣይክእልንዩ። እግዚአብሔር ንሓጢኣት ከይፈረደ ብኸምኡ ሸለል ኢሉ ዚሓድጎ እንተ ዚኸውን፡ጻድቕን ፍትሓውን ኣምላኽኣይምበለን፡ ንሕናውን ከምኡ ኣይምበልናዮን ኔርና። እግዚአብሔር ኣብ መንጎ ባህርያቱ ምብልላጽ ኣይገብርንዩ። ነቲ መሓሪ ባህሪኡ፡ ብዋጋ ናይ ጻድቕን ፍትሓውን ባህርዩ ኣይኰነን ዚትግብሮ። ኣብ ሓደ ሓጥእ ሰብ፡ ነዚ ንሓድሕዱ ተጻራሪ ዚመስል ባህርያቱ ኺፍጽሞ ስለ ዘይክእል፡ ነቲ ሓጢኣት ግቡእ ፍርዱ ሂቡ፡ ነቲ ሓጥእ ግን ዚምሕረሉ ምኽሪ ኺመክር ተደረኸ። ነዚ ቕዱስ ምኽሪ ኺፍጽም ዝተሓርየ ኣካል ቅድስት ስላሴ ድማ፡ እግዚአብሔር ወልድ ኰነ። እቲ ኣምላኽ ዝመኸሮ ምኽሪ ድማ፡ ኣበሳ ናይ ኵላትና፡ ኣብ ብስጋ ዝተገልጸ ቕዱስ ወዱ፡ ኣብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኪጸዓን፡ ነቲ ፍርዲ ናይ ሓጢኣትና ዝዀነ ሞት ድማ ኣብ ዜፍቅሮ ሓደን ጻድቕን ወዱ ኺፍጽሞ፡ ነቲ ምሕረትን ሕድገት ሓጢኣትን ግና፡ ኣብ በዳልን ሓጥእን ሰብ ኪፍጽሞዩ። ቅድስት ስላሴ ሓጢኣት ካባና ንምርሓቕ ዝመኸርዎ ምኽሪምበኣር ነዚ ዚመስል። ነዚ ረቂቕ ምኽሪ መለኮት ስእላዊ ብዝዀነ መገዲ ኺገልጽ ዝተሓርየ ነብዪ ድማ፡ እቲ ኻብ ዓበይቲ ነብያት ሓደ ዝዀነ ነብዪ ኢሳይያስዩ። ካብ ኣካላዊ ቍመናኡን ትርኢቱን ጀሚሩ ብምግላጽ ብኸመይ ነቲ ኣካላዊ ሳዕቤን ናይ ሓጢኣትና ኣብ ሰብነቱ ጸዊሩ ንፍርዲ ሓጢኣትና ካባና ኸም ዘርሓቖ ገሊጹልና ኣሎ። እቲ ዚሰብክ ኣገልጋሊ ዀነ ተገልጋሊ ናብ ዚስዕብ ጽሑፍን ስብከትን ቅድሚ ምሕላፉ፡ ኢሳ 531-12 የንብብ።

ካብ ቕዱስ ንባብ ኸም እንግንዘቦምበኣር፡ ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓጢኣትና ባዕሉ ኣብ ስጋኡ ብምጻር ኻባና ዘርሓቖ። ብኸም ድማ ናይ እግዚአብሔር ኣቦ ጽድቅን ፍትሕን ኣብኡ ተፈጸመ፡ እቲ ምሕረት ድማ ኣባና ተፈጸመ። ከም ዝዓይነቱ ተበጃውነት፡ ኣእምሮ ሰብ ብምልኣት ኪርድኦ፡ ልሳንን ብርዕን ናይ ሰብ ድማ ብብቕዓት ኪገልጾ ዘይክእል እምብዛ ረቂቕን መስተንክርንዩ። ቅዱስ ዮሃንስ ድማ ነዚ ተበጃውነት ኺእውጅን መገዲ ኺጸርግን ዝተላእከ ነብዪዩ። ካብ ኣንስቲ ኻብ ዝተወልዱ ዅሎም ደቂ ሰባት ዝዓበየ ዝገብሮ ድማ፡ ዕብየት ናይ ዘገልገሎ ምስጢርዩ።

ሓጢኣት ካባና ኺርሕቕ ዝተደልየሉ መሰረታዊ ምኽንያት ግን እንታይዩ፧ ሓጢኣት፡ በደል፡ ኣበሳ፡ ግህሰት፡ ፈላላዪ ባህርይ ኣለዎ። ምሕጣእ ማለት፡ ምስ ፈጣሪኻን ከዋኒኻን ዝዀነ ኣምላኽ ምብኣስ ማለትዩ። ነብዪ ኢሳይያስ፦ “......ኣእዳውኩም ብደም፡ ኣጻብዕኹም ብበደል ረኺሰን ከናፍርኩም ሓሶት ይዛረባ፡ ልሳንኩም ከኣ ክፍኣት (የፈልፍል) ኣሎሞ፡ ንኣኻትኩምን ንኣምላኽኩምን ኣብ መንጎኹም ኰይኑ ዚፈላልየኩምሲ ኣበሳኹምዩ፡ ከይሰምዓኩም ከኣ፡ ኣብ ቅድሜኹም ገጹ ዜሕብኣልኩም ሓጢኣትኩምዩ።

ብምባል፡ ነቲ ኽውን ሓቂ ኣብሪሁልና ኣሎ (ኢሳ 592,3) ሓጢኣት ካብ እግዚአብሔር ስለ ዜርሕቐና ኸኣዩ። መጽሓፍ ቅዱስናተመለሱብዚብል ቃል ተመሊኡ ዘሎ። ቅዱስ ጳውሎስ ከኣ፦ብመስቀሉውን ..... ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቐኩም፡ .... ንኣኻትኩም (ቀደም) ርሑቓት ዝነበርኩም መጺኡ (ምስ ኣምላኽ) ሰላም ኣበሰረኩም።” ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ኤፌ 217,18) ዕላማ ናይ ቤዛዊ መስዋእቱ፡ ንሓጢኣት ካባና ኣርሒቑ ንኣና ንሓጥኣን ናብ ኣምላኽ ንከቕርበናዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ዀነ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ዕላማ ብንጹር ኣብሪሆምዎዮም።

ክርስቶስ ድማ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ።” 1ጴጥ 318

ሕጂ ግና፡ ኣቱም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፡ ንስኻትኩም ብክርስቶስ ኢየሱስ፡ ብደም ክርስቶስ (ናብ ኣምላኽ) ቀረብኩምኤፌ 213

በቲ በዛዊ መስዋእቱ ንሓጢኣትና ኻባና እንተ ዘየርሕቖ፡ እቲ ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ከቶ ዘይብጻሕ ሕልማዊ ተስፋ ዀይኑ ምተረፈ ነይሩ። ናይ ብሓቂ ንምድሓን ዝለበምና ክርስትያን እንተ ዄንና፡ ነዚኻብ ኣምላኽ ምርሓቕዚብል መንፈሳዊ ኣምር ኣቕሊልና ኽንርእዮ ኣይግባእንዩ። ሓጢኣት፡ ሕማምን ሞትን ካልእ ኵሉ ማሕበራውን መንፈሳውን ቅላውላዋት ዝፈጠረልና ሰራም ግብሪዩ። ካብ ስቓዪ ሳዕቤናት እንላቐቕ፡ ጐይታና ብምጽኣቱ ተገሊጹ ብትንሳኤ ሙታን ነቲ ኽቡር ስጋኡ ዚመስል ስጋ ምስ ኣልበሰና ጥራሕ (ፊሊ 320,21) ነቶም ካብ ሓጢኣት ርሒቖም ናብ ኣምላኽ ዘይቀረቡ ግና፡ እቲ ኸም ፍርዲ ዚወሃቦም ካብ ኣምላኽ ምርሓቕ፡ ኣዝዩ ዝመረረን ዘለኣለማውን ኪኸውን፡ ነቶም ፍቓዱ ዘይገበሩ ሰባት፡ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን፡ ካባይ ርሓቑኢሉ ንዘለኣለም ከም ዜርሕቖም፡ ባዕሉ ጻድቕ ፈራዲ ኣግሂዱ ኣፍሊጡና (ማቴ 723 2530) ብዝነጸረ ኣገባብውን፡

ብድሕሪ ኣብ ጸጋሙ ንዘለዉ ..... “ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሓቑ ናብ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን ዝተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ (ኪዱ)” ይብሎም።ማቴ 2541

በቲ ምግላጽ ጐይታና ኢየሱስ ካብ ሰማይ ምስ መላእኽቲ ስልጣኑ ንኣኻትኩም ጸቢብኩም ዘሎን ምሳና ዕረፍቲ፡ ነቶም ዜጻብቡልኩም ዘልዉን ጸበባ ኺፈዲ፡ ብኣምላኽ ቅኑዕሞ፡ ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮምዩ። እቲ ኣባኻትኩም ዝመስከርናዮ ምስክር ተአሚኑ እዩ እሞ፡ የሱስ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅዱሳኑ ኪኸብርን ኣብቶም ዝኣመኑ ኺግረምን ምስ መጸ፡ ንሳቶም ብመቕጻዕቲ፡ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ካብ ቅድሚ ጐይታናን ካብ ክብሪ ስልጣኑን ርሒቖም፡ ኪቕጽዑዮም።” 2ተሰ 16-10

ነዚ ዚመስል ዜርዕድ ፍርዲ እናተነግረካ፡ ኣብ ምድሪዚኣ ካብ ኣምላኽ ብሓጢኣት ርሒቕካ ምንባር ማለት፡ ብዝጸልመተ ኣእምሮ ተደሪኽካ መንፈሳዊ ርእሰ-ቕትለት ምፍጻም ዝዓይነቱ ዓሻ ምርጫዩ።

እቲ ሓጢኣትና ንምርሓቕ በቲ ፍቁር መድሓኒና ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ በዛዊ መስዋእቲ፡ ሕጂ ኣብ ዘመን ምድራዊ ህይወትና ብኸመይ ኣባና ዚፍጸም፧ ብኸመይከ ዜገልግለና፧ እዚ ኣገዳሲ ሕቶ ናብቶም ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ብምርሒትን ስልጣንን ናይ መንፈስ ቅዱስ ዝሰርዓቶም፡ ሕድገት ሓጢኣት ዜውሕሱልና ምስጢራተ ቤተ ክርስትያን ዚመርሓና። ንሳቶም ከኣ እዞም ዚስዕቡዮም።

1. ምስጢረ ጥምቀትን ሜሮንን፦ እዞም ሓንሳእ ጥራሕ ዚፍጸሙምበር ዘይድገሙ ምስጢራትዚኣቶም፡ ሓጢኣትና ዜርሕቑን ብኻልኣይ ልደት ናብ ኣምላኽ ጥቡቕን ጽኑዕን ቅርበት ዜውሕሱልናዮም። ክልቲኦም ኣብ ሓደ ጊዜ ዚፍጸሙ ዘይፈላለዩ ምስጢራትዮም። ኣብ መዓልቲ ጰራቅሊጦስ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ሰበኸ፡ ነቶምእንታይ ንግበር፧ ኢሎም ዝሓተትዎ ሰማዕቱ፡

ተነስሑ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም።

ብምባል እዘን ድርብ ምስጢራትዚኣተን፡ ሓጢኣት ኣብ ምርሓቕ ዘለወን ዕዙዝ ተራ ኣብሪሁ ነገሮም (ግብ 238-39) ስለ ድማ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ንናጽላታት ነቲ ብትውልዲ ዝወረስዎ ኣዳማዊ ሓጢኣት ንኸተርሕቖ፡ ነቶም ምስ ዓበዩ ናብ እምነት ክርስትና ዝመጹ ብጹሓት ድማ ካብ ኣዳማዊ ውርሻኦም ኰነ ካብ ባዕላዊ ሓጢኣቶም ብጸጋ ጥምቀት ብስራሕን ስልጣንን ናይ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ዝጠበቖም ሓጢኣት ተርሕቐሎም። ጥምቀት ማለት፡ ካብ ሓጢኣት ሙማት ማለትዩ። ብጥምቀት፡ ኣብ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ሞት ክርስቶስ ንሓብር። ሞት ማለት፡ ምፍልላይ ማለት ስለ ዝዀነ፡ በቲ ምስ ክርስቶስ ካብ ሓጢኣት ዝሞትናዮ ሞት፡ ሓጢኣት ካባና ንሕናውን ካብ ሓጢኣት ንርሕቕ። ነዚ ምስጢር ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 61-11 ብንጹር ኣብሪሁልና ኣሎ።

2. ምስጢረ ንስሓ፦ ዋላ ብምስጢረ ጥምቀት ሓጢኣት ካባና ርሒቑ እንተ ነበረ፡ ገና ነቲ ውዱቕን ድኹምን ስጋ ለቢስና ስለ ዘለና፡ ክሳዕ ዕለተ ሞትና ሓጢኣት ኪፈታተነናን ኪጠብቀናን ዚነብር። ሓጢኣት ብዝፈጸምና መጠን ደጋጊምና ክንጥመቕ ድማ ኣይንኽእልን ኢና። ምኽንያቱ ጥምቀት ከቶ ዘይድገም ምስጢርዩ። ስለ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ሓጢኣት ብዝፈጸምና መጠን ደጋጊምና ኽሳዕ ዕለተ ሞትና ኽንፍጽሞ ዚግብኣና ምስጢረ ንስሓ ብሕያውነቱ ሰርዓልና። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝተሰውአ፡ ብስሙ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ምእንቲ ኼውህበና (ሉቃ 2446,47 ግብ 53) ስለ እቲ ሓጢኣት ኪርሕቀሉሞ፡ ናብ ቕዱስ ኣምላኽ ኪቐርብ ዚደልይ ሓቀኛ ክርስትያን፡ ሓጢኣት ብዝጠበቆን ብዝፈጸመን መጠን ንስሓ ብምእታው ካብ ፈላላዪ ሓጢኣት ኪፍለይን ኪርሕቆን ይግባእ። እቲ ሓጢኣት እናሃለዎ ምንሳሕ ዝኣበየ ሰብ ግና፡ ነቲ መድሓኒኡ ኣምላኽ ተጸዪፉ ምስ ለካሚኡ ሓጢኣት ተጣቢቑ ኺነብር ዝመረጸ፡ ብፍቕሪ ሓጢኣት ዝተጠቕዐ ዕሉል ከሓዲ ዚኸውን።

3. ምስጢረ ቍርባን፦ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚ ኽቡር ምስጢርኣኽሊልን ማሕተምን ናይ ኵሉ ኻልእ ምስጢራትኢላ ትገልጾ። ስለ ድማ ኣብተን ሽድሽተ ኻልኦት ምስጢራት ንዝተኻፈለ ምእመና፡ ካብ ምስጢረ ቍርባን ከም ዚካፈል ትገብሮ። ሓጢኣት ካባና ርሒቑ ሕድገት ሓጢኣት እንረክብ፡ ብደም ክርስቶስ ጥራሕ (እብ 922) ክርስቶስ ጐይታና ገንሸል ኣምላኽ ኰይኑ ዝተሰውኣልና ድማ፡ ነዚ ዜንጽህን ቀዳስን ደሙ ምእንቲ ኺህበናዩ። ንሕና ኣብ ዝሃለና ሃሊና ምስ ኣብ መስቀል ዝፈሰሰ ደሙ ኽንራኸብ እንኽእል ድማ ብምስጢረ ቍርባን ካብ ስጋኡን ደሙን ምስ ንካፈል ጥራሕዩ። ምኽንያቱ ጐይታና፡ ኣብ ምስጢረ ቍርባን ዝሰርዓላ ምሸት፡ ጽዋእ ኣልዒሉ ነቦኡ ድሕሪ ምምስጋኑ፦

እዚ (ወይኒ) ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩሞ፡ ካብ ዅልኹም ስተዩብምባል ሓጢኣትና እነርሕቐሉ ምስጢር ምዃኑ ብዘየማትእ መገዲ ኣረጋጊጹልና (ማቴ 2627,28) ብደም ናይ ገንሸል ሓጢኣቱ ኣርሒቑ ክዳኑ ዘየጻዕደወ ሰብ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትው ኣይበቕዕን (ራእ 714 59,10) ካብ ምስጢር ርሒቕና ማለት፡ ካብ ሓጢኣትና ዜርሕቕ ተበጃዊና ገንሸል ርሒቕና ኽንነብር መሪጽና ማለት ስለ ዝዀነ፡ መኣዲ ጐይታ ተሓሲምናን ረጊጽናን ንወጽእ ከም ዘየለና ነረጋግጽ።

እምበኣር ነፍሲ ወከፍና ርእስና ንመርምር። ካብ ረዳኢና ገንሸል ወይስ ካብ ለካሚና ሓጢኣት፡ ካብ መኖም ርሒቕና ኸም ዘለና ነረጋግጽ። ብቕዱስ ዮሃንስ ኣብ ዝተኣወጀን ዝተጸርገን፡ በቲ ቕዱስ ገንሸል፡ ብጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝተፈጸመ ዘመን-ምሕረት ኢና ንነብር ዘለናሞ፡ በቲ ምስ ቤዛዊ ሞቱ ዜራኸበና ንሕድገት ሓጢኣት ዝተሰርዓልና ምስጢራት እናተገልገልና፡ ካብ ሓጢኣት ተፈላሊና ብጽድቅን ቅድስናን ብምንባር ነቲ መድሓኒና ንምሰል!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

17 መስከረም 2023 | መስከረም 6, 2016 ግዕዝ (1 ሰንበት: ቊ.፩/1)

ምስባክ

 መዝ. 84(85)፡10-11|፹፬(፹፭)፡፲-፲፩

“ሣህል ወርትዕ ተራከባ። ጽድቅ ወሰላም ተሰዓማ።ርትዕሰ እምድር ሠረጸት።”

“ለውሃትን ሓቅን ተራኸባ፡ ጽድቅን ሰላምን ተሰዓዓማ። ሓቂ ኻብ ምድሪ ኽትበቍል፡ ጽድቂውን ካብ ሰማይ ክትጥምት’ያ።”

ንባባት

ኣንባቢ

1ቈረ 11፡17-23

ዲያቆን

ያእ 2፡1-13

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 18፡24-ፍጻመ

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 1፡19-37

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ዘአትናቴዎስ

መዝሙር ዮሐንስ አኅድአ (አይድዓ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div