“ንጽባሒቱ ዮሃንስ ንኢየሱስ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ረኣዮ’ሞ፡ 'እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ' በለ።”
እንኳዕ ናብ ቀዳማይ ሰንበት ናይ 2016 ዓ.ም.ግ (ዘመነ ዮሃንስ) ብሰላም ኣብጽሓና። ርሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና። ኣብ ዕለት ሓደ መስከረም፡ ርእሰ ዓውደ ዓመት፡ በዓል ቅዱስ ዮሃንስ ኣብዒልና ኣለና። መስከረም ዕለት ክልተ ድማ፡ ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቀ መለኮት፡ ተሰዪፉ ብሰማእትነት ዝሓለፈሉ ቕዱስ ዕለት’ዩ። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ካብ መስከረም 1 ክሳዕ መስከረም 7 ዘሎ መዓልታት “ዮሃንስ” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። ነቲ ድሙቕ ኣረኣያኡን ትምህርቱን ብምስትንታን ብዙሕ ክንመሃረሉን መገድና ዀነ ኣካይዳና ኸነቕንዓሉን ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ዝተሰርዓልና ቕንያት ድማ’ዩ። ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቅ፡ ካብ ኣንስቲ ኻብ ዝተወልዱ ዅሎም ዘርኢ ኣዳም፡ ብዕብየቱ ንእኡ ዚወዳደር ከም ዘየለ፡ ብልሳን ቅዱስ መለኮት፡ ብእግዚአብሔር ወልድ፡ ንሱ ኸኣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዝተመስከረሉ ኣቦ’ዩ (ማቴ 11፡11)። ካብ ቅዱስ ወንጌል ከም ንርድኦ፡ ኣዝዩ ሓጺር ናይ ኣገልግሎት ዘመን ዝነበሮ ነብዪ’ዩ። ኣብ’ዚ ሓጺር ናይ ኣገልግሎት ጊዚኡ’ዚ፡ ብሓይሊ ትምህርቱን ብድምቀት ኣርኣያኡን ብዘስዓቦ ለውጥን ፍረን ግን መዳርግቲ ዘይብሉን ኣሰሩ ዘይሃስስን ነቲ ዝተመስከረሉ ዕብየቱ ብግብሪ ዘረጋገጸን ዓብዪ ነብዪ’ዩ። ቅዱስ ዮሃንስ፡ መላግቦ ኽልተ ዓበይቲ ኪዳናት’ዩ። ንሱ ናይ ብሉይ ኪዳን ናይ መወዳእታ፡ ናይ ሓድሽ ኪዳን ድማ ናይ መጀመርያ ነብዪ ዀይኑ ዘገልገለ ፍሉይን ዓብይን ነብዪ’ዩ። ብነብያት ብሉይ ኪዳን ብዛዕባኡ ትንቢት ዝተነግረሉ እንኮ ነብዪ’ውን’ዩ (ኢሳ 40፡3-8 ፣ ሚል 4፡5,6)። እዚ ትንቢታት’ዚ ብዛዕባ ዮሃንስ መጥምቅ ምዃኑ፡ እቶም ወንጌል ዝጸሓፉልና ኣርባዕተ ወንጌላውያን፡ ብዝያዳን ብዝነጸረን መገዲ ድማ ባዕሉ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣረጋጊጹልና’ዩ (ማቴ 3፡1,2 ፣ ማር 1፡2-4 ፣ ሉቃ 3፡1-6 ፣ ዮሃ 1፡6-8,19-27 ፣ ማቴ 11፡1-14 ፣ 17፡10-13 ፣ 21፡32 ፣ ዮሃ 5፡33-35)።
ናይ ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጸራግ መገድን ነጋሪ ኣዋጅን ኰይኑ ዘገልገለ ዓብዪ ናይ ኣምላኽ ሰብ’ዩ። “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ’ሞ ተነስሑ” ኢሉ ንመጀመርታ ጊዜ ዝሰበኸ ቅዱስ ዮሃንስ’ዩ (ማቴ 3፡1,2)። እዚ ስብከት’ዚ ናይ ሓድሽ ኪዳን ስብከት’ዩ። ካብ’ቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዓበይትን ንኣሽቱን ነብያት ነዛ መልእኽቲ’ዚኣ ዝተዛረበ ሓደ ነብዪ’ኳ የልቦን። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ግን ካብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጀሚሩ፡ ናይ ኵሎም ቅዱሳን ሃዋርያትን ወንጌላውያንን ኣርድእትን መኽፈት ኣፍ ኰይና ዘገልገለት ቃል ኣዋጅ’ያ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኢድ ዮሃንስ መጥምቅ ተጠሚቑ ናይ ስብከትን ኣስተምህሮን ኣገልግሎቱ ኺጅምር ከሎ፡ በዛ ቕዱስ ዮሃንስ ዝበላ ቓል’ዩ ዝጀመረ (ማቴ 4፡17)። ንቕዱሳን ሃዋርያቱን ኣርድእቱን በብኽልተ ገይሩ ንስብከተ ወንጌል ኪልእኮም ከሎ ድማ ነዛ ቓል’ዚኣ ኣብ ኣፎምን ኣብ ልቦምን ኣቐሚጡ ኣርእስትን መጀመሪትን ናይ ስብከቶም ንሳ ኽትከውን ኣዘዞም (ማቴ 10፡7 ፣ ሉቃ 10፡9)።
ከም ጸራግ መገዲ ዀይኑ ናይ ጥምቀት ስርዓት ዘተኣታተወ’ውን ንሱ’ዩ። ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ተቐቢልዎ ድማ ናብ’ቲ ንሱ ዚነብረሉ ምድረ በዳ ኸይዱ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ይጥመቕ ነበረ። እቶም ገጽ ሰብ እናረኣዩ ዜገልግሉ ዝነበሩ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ንዮሃንስ ከም ነብዪ እንተ ዘይተቐበልዎ’ኳ፡ ካብ ህዝቦም ተቓውሞ ኸይመጾም ፈሪሆም ናብኡ ኸይዶም ኪጥመቑ ተገደዱ (ማቴ 3፡5-8)። ስለ’ዚ ጐይታና ምስጢረ ጥምቀት ሰሪዑ ኼጥምቕ ምስ ጀመረ፡ ድሮ ተጸሪጉሉ ዝጸንሐ መገዲ ስለ ዝዀነ፡ ብዘይ ዝዀነ ጸገም ይፍጽሞ ነበረ። ቅዱስ ዮሃንስ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብኡ ገጹ ኺመጽእ ምስ ረኣዮ፡ ነዚ ኸም መሪሕ ጥቕስናን ኣርእስትናን መሪጽናዮ ዘለና ናይ ምስክር ቃል ሃበ። እዚ ድማ ኣካል ናይ’ቲ ንጐይታና መገዲ ናይ ምጽራግ ኣገልግሎቱ’ዩ። ኣብ’ዛ ታኼላ ሓጢኣት ዝዀነት ዓለም ይነብር ንዘሎን፡ ንርእሱ’ውን ብሓጢኣትን ብሳዕቤናቱን ይሳቐይ ንዘሎ ሰብ፡ ንሓጢኣት ዜርሕቕ ረድኤት ምርካቡ፡ መግለጺ ዘይርከቦ ዓብይ ብስራት’ዩ። ንሓጢኣት ኬርሕቕ ዘይከኣሎ ገንሸል ብምስዋእ ንዝረብረበ ህዝቢ፡ ሓጢኣት ናይ ምልእቲ ዓለም ዜርሕቕ ሓደ ገንሸል ናይ ኣምላኽ ከም ዝመጻሉ ኺንገሮ ኸሎ፡ ብዓብይ ሓጐስ ኪቕበሎ ልዑል ትጽቢት’ዩ ዚግበረሉ። ቤተ ክርስትያንን ኵሎም ኣገልገልታን ብኸቢድን መሪርን መከራ እናሓለፉ ኸለዉ’ኳ፡ ወንጌልን እምነት ክርስትናን፡ ልክዕ ከም ባርዕ ጫካ ናብ ምሉእ ዓለም ብፍጥነት ኬስፋሕፍሕ ዝኸኣለሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ።
“ምርሓቕ ሓጢኣት” ዓብዪ ብስራት ዚዀነሉ ምኽንያት ግን እንታይ’ዩ፧ ሓጢኣት’ ማዕረ ኽንደይ መሪር ስቓይ ከም ዘለዎ፡ ኣብ’ታ ቐዳመይቲ ሓጢኣት ዝተፈጸመትሉ ህሞት፡ ብዘየወላውል መገዲ ብግህዶ ተራእዩ’ዩ። ኣዳምን ሄዋንን ብናይ ድያብሎስ ጥበራን ምትላልን ተደሪኾም፡ ትእዛዝ ኣምላኽ ብምፍራስ ግህሰታዊ ኣበሳ ምስ ፈጸሙ፡ ኣብ ህይወቶም ዝተኸሰተ ቅጽበታውን ኣዕናውን ለውጢ ኣዝዩ ዜሰምብድ’ዩ። እቲ ኸም ክዳን ኰይኑ ሰቲርዎም ዝነበረ ጸጋ ኣምላኽ ምስ ተገፍፈ፡ እቲ ብንጽህናን ብገርህነትን ዚነብርዎ ዝነበሩ ናይ ፍቕሪ ናብራ ፈሪሱ፡ ካብ ንሓድሕዶም ኪሕብኡን ኪረሓሓቑን ጀመሩ። ካብ ሓድሕዶም ጥራሕ ዘይኰነ’ውን፡ ካብ ኣምላኽ ናይ ምሕባእ ከንቱ ፈተና ኣካየዱ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪወሃሃቡ መረጹ። እዚ እቲ ብኡንብኡ ዝተጋህደ ኣሉታዊ ሳዕቤን ናይ ሓጢኣት’ዩ። እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ’ቲ ግህሰታዊ ኣበሳኦም ፍርዱ ምስ ሃበ ድማ፡ መሪር መርገም ተረግሙ። ካብ ገነት ድማ ናብ’ዛ ዘለናያ ምድሪ-መርገም ተሰጕጉ። ምብላዕ፡ ምስታይ ኰነ ምውላድ፡ ናብ ከቢድ ስቓይ ተለወጠ። እቲ ዝኸፍአ ድማ፡ ንዘለኣለም ህያዋን ኰይኖም ኪነብሩ ዝተፈጥሩ ሰባት፡ ናብ ሓጺር ዝዕድሚኦም መወትቲ ሰባት ተለወጡ (ዘፍ 3፡1-19)። እቲ ሓጢኣት ኰነ እቲ መርገም ናብ ደቆም ስለ ዝሓለፈ ኸኣ፡ ደቆም ንሓድሕዶም ተቓቲሎም፡ ናይ ሞት ምርረት ትዕድልቶምን ትዕድልቲ ናይ ኵላትና ዘርኦምን ኰነ (ዘፍ 4፡1-15)። እቲ ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ታሪኽ ኵሉ ዘርኢ ሰብን ዝተጋህደ መሪር ሳዕቤናት ሓጢኣት ዘርዚርካን ገሊጽካን ዘይውዳእ’ዩ። እቲ ሓቂ ኸም’ዚ ኻብ ኰነ፡ ምርሓቕ ናይ’ዚ ሰንካም ሓጢኣት ኣዝዩ ዓብዪ ብስራት ዘይኰነ ደኣ እንታይ ካልእ ዜና ብስራት ኪኸውን’ዩ፧!
እቲ ብስራት ግን እዚ ጥራሕ ኣይኰነን። ሰባት ካብ ሓጢኣትን ካብ መሪር ሳዕቤናቱን ምእንቲ ኺድሕኑ፡ ብዙሕ ናይ ዓቕሊ ጽብበት ፈተነታት ኣካዪዶም’ዮም። ነቲ ማእለያ ዘይብሉ ኣምልኾ ጣኦታትን ዝተፈላለዩ ሃይማኖታትን ምንጪ ዝዀነ ድማ ካብ ሳዕቤን ሓጢኣት ንምህዳም ዝተገብረ ኣጋንንታዊ ምህዞታት’ዩ። እንተ ዀነ እቲ ፍታሕ ኪኸውን ዝተገብረ ዅሉ ፈተነታት፡ ንርእሱ ዝገደደ ሓጢኣት ኰይኑ ንምርረት ሳዕቤናቱ ኣዝዩ ኸም ዝብእስ ገበሮ። እቲ ንሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ ብመስዋእቱ ንሓጢኣትና ምስ ኣርሓቖ ግና፡ ነቲ ሓቀኛን ዘላቕን ፍታሕ ስለ ዝረኸብዎ፡ ኣህዛብ ካብ ኣምልኾ ጣኦት ብብዝሒ ናብ እምነት ክርስትና ስለ ዝኣተዉ፡ ቅዱስ ወንጌል ብስፍሓት ተዘርግሐ።
ምርሓቕ ሓጢኣት ንኣይሁድ’ውን ዓብይ ብስራት’ዩ ዝነበረ። ምኽንያቱ እቲ ብኣምላኽ ተኣዚዞም ዚፍጽምዎ ዝነበሩ ናይ እንስሳታት (ናይ ገንሸል፡ ዲቤላን፡ ዝራብዓትን ርግብታትን) መስዋእቲ ጊዝያዊ ምሕረት ካብ ምሃብ ሓሊፉ፡ ነቲ ለካሚኦም ሓጢኣት ምሉእ ብምሉእ ኬርሕቐሎም ከም ዘይከኣለ ቅዱስ ጳውሎስ ደጋጊሙን ኣነጺሩን ኣብሪህዎ ኣሎ (እብ 10፡1-4,11,18 ፣ 9፡11-14,25-28)። ስለ’ዚ ናታቶም ሓጢኣት ፈጺሙ ዘየቋርጽ፡ እቲ ሰሙን መጸን ዓመት መጸን ዚፍጽምዎ መስዋእቲ እንስሳ’ውን ንሓጢኣት ፈጺሙ ኼርሕቖ ዘይክእል ምዃኑ ንኣይሁድ ከመይ የሰልክዮም ከም ዝነበረ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ግሁድ ታሪኽ’ዩ። እምበኣር፡ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓጢኣት ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ ኰይኑ ምምጻእ፡ ሓጢኣት ካብ ምብዛሕን ካብ ሃልኪ መስዋእትን ዜናግፎም ዓብይ ብስራት ኰይንዎም’ዩ። ነዚ ጸራግ መገድን ነጋር ኣዋጅን ዝዀነ ቕዱስ ዮሃንስ ዝተዛረቦን ናይ ሎሚ ትምህርትና ዀይኑ ዘሎን ኣርእስቲ’ዚ፡ ዝዓበየ ብስራታዊ ነብዪ ዚገብሮ’ዩ።
ብመሰረቱኸ “ምርሓቕ ሓጢኣት” እንታይ ማለት’ዩ፧ እቲ ፈቲና ዀነ ስሒትና ዝገበርናዮ ሓጢኣት፡ ካባና ሓሊፉ ናበይ’ዩ ኺርሕቕ፧ እዚ ሕቶ’ዚ ነቲ ሕመረት ወይ ማእከላይ መልእኽቲ ናይ’ዚ ኣርእስትና ዜብርህ ሕቶ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ሓጢኣት ጠባቒ (ናይ ምጥባቕ) ባህርይ ከም ዘለዎ ደጋጊሙ ገሊጹልና ኣሎ።
“......ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀና ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ .......”
“እምበኣርሲ፡ ኣነ ሰናይ ክገብር (እናደለኹስ) እቲ እከይ (ሓጢኣት) ከም ዚጠብቀኒ ሕጊ ዀይኑ ረኸብክዎ።” እብ 12፡1 ፣ ሮሜ 7፡21 (15,19)
እዚ ጠባቒ ባህርይ ናይ ሓጢኣት’ዚ፡ ዕድመና ምሉእ ባሮት ሓጢኣት ኴንና ኽንነብር ኣሲሩ ዚሕዘና’ዩ። እሱር ድማ ንገዛእ ርእሱ ኻብ ማእሰርቱ ኺፈትሕ ኣይክእልን’ዩ። ሰብ ብመቝሕ ወይ ብገመድ እንተ ኣሰረካ፡ ምናልባት ተጣቢብካ ካብ ማእሰርትኻ ክትፍታሕ ሳሕቲ ዜጋጥም ተኽእሎታት ይህልው ይኸውን። ካብ ማእሰርቲ ሓጢኣት ግን ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑ ዝዀነ ኻልእ ኣካል፡ ዋላ’ቲ ባዕሉ ብሓጢኣት ዝኣሰረካ ድያብሎስ’ውን፡ ኪፈትሓካ ዚኽእል የልቦን። እግዚአብሔር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ስጋና ለቢሱ መሪር መከራ መስቀል ተቐቢሉ መስዋእቲ ዝዀነልና ድማ፡ ካብ’ዚ ሕሱምን ዘለኣለማውን ማእሰርቲ ሓጢኣት ምእንቲ ኺፈትሓናን ሓራ ኼውጽኣናን’ዩ።
“ምርሓቕ ሓጢኣት” ማለት ካብ ናይ ሓጢኣት ተሓታትነትን ፍርድን ሓራ ምዃን ማለት’ዩ። ቃል እግዚአብሔር ኣነጺሩ ኸም ዚገልጸልና፡ ዓስቢ ሓጢኣት ሞት’ዩ። እዚ ድማ ሓጢኣት ናብ ዓለም ቅድሚ ምእታው ኣትሒዙ ዝተገልጸ ሓቂ’ዩ (ዘፍ 2፡16,17 ፣ ሮሜ 6፡22,23 ፣ 5፡15 ፣ 1ቈረ 15፡21 ፣ 1ዮሃ 5፡11 ፣ ሉቃ 13፡1-5 ፣ ዮሃ 8፡21,24 ፣ ህዝ 18፡4 ፣ ኤፌ 2፡1,2)። ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዝተፈጸመ ዕልወት ስለ ዝዀነ፡ እግዚአብሔር ንሓጢኣት ግቡእ ፍርዱ ኸይሃበ ኺሓልፎ ኣይክእልን’ዩ። እግዚአብሔር ንሓጢኣት ከይፈረደ ብኸምኡ ሸለል ኢሉ ዚሓድጎ እንተ ዚኸውን፡ “ጻድቕን ፍትሓውን ኣምላኽ’የ” ኣይምበለን፡ ንሕና’ውን ከምኡ ኣይምበልናዮን ኔርና። እግዚአብሔር ኣብ መንጎ ባህርያቱ ምብልላጽ ኣይገብርን’ዩ። ነቲ መሓሪ ባህሪኡ፡ ብዋጋ ናይ’ቲ ጻድቕን ፍትሓውን ባህርዩ ኣይኰነን ዚትግብሮ። ኣብ ሓደ ሓጥእ ሰብ፡ ነዚ ንሓድሕዱ ተጻራሪ ዚመስል ባህርያቱ ኺፍጽሞ ስለ ዘይክእል፡ ነቲ ሓጢኣት ግቡእ ፍርዱ ሂቡ፡ ነቲ ሓጥእ ግን ዚምሕረሉ ምኽሪ ኺመክር ተደረኸ። ነዚ ቕዱስ ምኽሪ’ዚ ኺፍጽም ዝተሓርየ ኣካል ቅድስት ስላሴ ድማ፡ እግዚአብሔር ወልድ ኰነ። እቲ ኣምላኽ ዝመኸሮ ምኽሪ ድማ፡ ኣበሳ ናይ ኵላትና፡ ኣብ’ቲ ብስጋ ዝተገልጸ ቕዱስ ወዱ፡ ኣብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኪጸዓን፡ ነቲ ፍርዲ ናይ ሓጢኣትና ዝዀነ ሞት ድማ ኣብ’ቲ ዜፍቅሮ ሓደን ጻድቕን ወዱ ኺፍጽሞ፡ ነቲ ምሕረትን ሕድገት ሓጢኣትን ግና፡ ኣብ’ቲ በዳልን ሓጥእን ሰብ ኪፍጽሞ’ዩ። ቅድስት ስላሴ ሓጢኣት ካባና ንምርሓቕ ዝመኸርዎ ምኽሪ’ምበኣር ነዚ’ዩ ዚመስል። ነዚ ረቂቕ ምኽሪ መለኮት ስእላዊ ብዝዀነ መገዲ ኺገልጽ ዝተሓርየ ነብዪ ድማ፡ እቲ ኻብ ዓበይቲ ነብያት ሓደ ዝዀነ ነብዪ ኢሳይያስ’ዩ። ካብ ኣካላዊ ቍመናኡን ትርኢቱን ጀሚሩ ብምግላጽ ብኸመይ ነቲ ኣካላዊ ሳዕቤን ናይ ሓጢኣትና ኣብ ሰብነቱ ጸዊሩ ንፍርዲ ሓጢኣትና ካባና ኸም ዘርሓቖ ገሊጹልና ኣሎ። እቲ ዚሰብክ ኣገልጋሊ ዀነ ተገልጋሊ ናብ’ቲ ዚስዕብ ጽሑፍን ስብከትን ቅድሚ ምሕላፉ፡ ኢሳ 53፡1-12 የንብብ።
ካብ’ዚ ቕዱስ ንባብ’ዚ ኸም እንግንዘቦ’ምበኣር፡ ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓጢኣትና ባዕሉ ኣብ ስጋኡ ብምጻር’ዩ ኻባና ዘርሓቖ። ብኸም’ዚ ድማ ናይ እግዚአብሔር ኣቦ ጽድቅን ፍትሕን ኣብኡ ተፈጸመ፡ እቲ ምሕረት ድማ ኣባና ተፈጸመ። ከም’ዚ ዝዓይነቱ ተበጃውነት፡ ኣእምሮ ሰብ ብምልኣት ኪርድኦ፡ ልሳንን ብርዕን ናይ ሰብ ድማ ብብቕዓት ኪገልጾ ዘይክእል እምብዛ ረቂቕን መስተንክርን’ዩ። ቅዱስ ዮሃንስ ድማ ነዚ ተበጃውነት’ዚ ኺእውጅን መገዲ ኺጸርግን ዝተላእከ ነብዪ’ዩ። ካብ ኣንስቲ ኻብ ዝተወልዱ ዅሎም ደቂ ሰባት ዝዓበየ ዝገብሮ ድማ፡ ዕብየት ናይ’ቲ ዘገልገሎ ምስጢር’ዩ።
ሓጢኣት ካባና ኺርሕቕ ዝተደልየሉ መሰረታዊ ምኽንያት ግን እንታይ’ዩ፧ ሓጢኣት፡ በደል፡ ኣበሳ፡ ግህሰት፡ ፈላላዪ ባህርይ ኣለዎ። ምሕጣእ ማለት፡ ምስ’ቲ ፈጣሪኻን ከዋኒኻን ዝዀነ ኣምላኽ ምብኣስ ማለት’ዩ። ነብዪ ኢሳይያስ፦ “......ኣእዳውኩም ብደም፡ ኣጻብዕኹም ብበደል ረኺሰን ከናፍርኩም ሓሶት ይዛረባ፡ ልሳንኩም ከኣ ክፍኣት (የፈልፍል) ኣሎ’ሞ፡ ንኣኻትኩምን ንኣምላኽኩምን ኣብ መንጎኹም ኰይኑ ዚፈላልየኩምሲ ኣበሳኹም’ዩ፡ ከይሰምዓኩም ከኣ፡ ኣብ ቅድሜኹም ገጹ ዜሕብኣልኩም ሓጢኣትኩም’ዩ።”
ብምባል፡ ነቲ ኽውን ሓቂ ኣብሪሁልና ኣሎ (ኢሳ 59፡2,3)። ሓጢኣት ካብ እግዚአብሔር ስለ ዜርሕቐና ኸኣ’ዩ። መጽሓፍ ቅዱስና “ተመለሱ” ብዚብል ቃል ተመሊኡ ዘሎ። ቅዱስ ጳውሎስ ከኣ፦ “ብመስቀሉ’ውን ..... ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቐኩም፡ .... ንኣኻትኩም (ቀደም) ርሑቓት ዝነበርኩም መጺኡ (ምስ ኣምላኽ) ሰላም ኣበሰረኩም።” ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ኤፌ 2፡17,18)። ዕላማ ናይ’ቲ ቤዛዊ መስዋእቱ፡ ንሓጢኣት ካባና ኣርሒቑ ንኣና ንሓጥኣን ናብ ኣምላኽ ንከቕርበና’ዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ዀነ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ዕላማ’ዚ ብንጹር ኣብሪሆምዎ’ዮም።
“ክርስቶስ ድማ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለ’ቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ።” 1ጴጥ 3፡18
“ሕጂ ግና፡ ኣቱም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፡ ንስኻትኩም ብክርስቶስ ኢየሱስ፡ ብደም ክርስቶስ (ናብ ኣምላኽ) ቀረብኩም” ኤፌ 2፡13
በቲ በዛዊ መስዋእቱ ንሓጢኣትና ኻባና እንተ ዘየርሕቖ፡ እቲ ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ከቶ ዘይብጻሕ ሕልማዊ ተስፋ ዀይኑ ምተረፈ ነይሩ። ናይ ብሓቂ ንምድሓን ዝለበምና ክርስትያን እንተ ዄንና፡ ነዚ “ኻብ ኣምላኽ ምርሓቕ” ዚብል መንፈሳዊ ኣምር ኣቕሊልና ኽንርእዮ ኣይግባእን’ዩ። ሓጢኣት፡ ሕማምን ሞትን ካልእ ኵሉ ማሕበራውን መንፈሳውን ቅላውላዋት ዝፈጠረልና ሰራም ግብሪ’ዩ። ካብ’ዚ ስቓዪ ሳዕቤናት’ዚ እንላቐቕ፡ ጐይታና ብምጽኣቱ ተገሊጹ ብትንሳኤ ሙታን ነቲ ኽቡር ስጋኡ ዚመስል ስጋ ምስ ኣልበሰና ጥራሕ’ዩ (ፊሊ 3፡20,21)። ነቶም ካብ ሓጢኣት ርሒቖም ናብ ኣምላኽ ዘይቀረቡ ግና፡ እቲ ኸም ፍርዲ ዚወሃቦም ካብ ኣምላኽ ምርሓቕ፡ ኣዝዩ ዝመረረን ዘለኣለማውን’ዩ ኪኸውን፡ ነቶም ፍቓዱ ዘይገበሩ ሰባት፡ “ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን፡ ካባይ ርሓቑ” ኢሉ ንዘለኣለም ከም ዜርሕቖም፡ ባዕሉ’ቲ ጻድቕ ፈራዲ ኣግሂዱ ኣፍሊጡና’ዩ (ማቴ 7፡23 ፣ 25፡30)። ብዝነጸረ ኣገባብ’ውን፡
“ብድሕሪ’ዚ ኣብ ጸጋሙ ንዘለዉ ..... “ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሓቑ ናብ’ቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን ዝተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ (ኪዱ)” ይብሎም።” ማቴ 25፡41
“በቲ ምግላጽ ጐይታና ኢየሱስ ካብ ሰማይ ምስ መላእኽቲ ስልጣኑ ንኣኻትኩም ጸቢብኩም ዘሎን ምሳና ዕረፍቲ፡ ነቶም ዜጻብቡልኩም ዘልዉን ጸበባ ኺፈዲ፡ ብኣምላኽ ቅኑዕ’ዩ’ሞ፡ ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም’ዩ። እቲ ኣባኻትኩም ዝመስከርናዮ ምስክር ተአሚኑ እዩ እሞ፡ የሱስ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅዱሳኑ ኪኸብርን ኣብቶም ዝኣመኑ ኺግረምን ምስ መጸ፡ ንሳቶም ብመቕጻዕቲ፡ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ካብ ቅድሚ ጐይታናን ካብ ክብሪ ስልጣኑን ርሒቖም፡ ኪቕጽዑ’ዮም።” 2ተሰ 1፡6-10
ነዚ ዚመስል ዜርዕድ ፍርዲ እናተነግረካ፡ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ካብ ኣምላኽ ብሓጢኣት ርሒቕካ ምንባር ማለት፡ ብዝጸልመተ ኣእምሮ ተደሪኽካ መንፈሳዊ ርእሰ-ቕትለት ምፍጻም ዝዓይነቱ ዓሻ ምርጫ’ዩ።
እቲ ሓጢኣትና ንምርሓቕ በቲ ፍቁር መድሓኒና ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ በዛዊ መስዋእቲ፡ ሕጂ ኣብ’ዚ ዘመን ምድራዊ ህይወትና ብኸመይ’ዩ ኣባና ዚፍጸም፧ ብኸመይከ’ዩ ዜገልግለና፧ እዚ ኣገዳሲ ሕቶ’ዚ ናብ’ቶም ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ብምርሒትን ስልጣንን ናይ መንፈስ ቅዱስ ዝሰርዓቶም፡ ሕድገት ሓጢኣት ዜውሕሱልና ምስጢራተ ቤተ ክርስትያን’ዩ ዚመርሓና። ንሳቶም ከኣ እዞም ዚስዕቡ’ዮም።
1. ምስጢረ ጥምቀትን ሜሮንን፦ እዞም ሓንሳእ ጥራሕ ዚፍጸሙ’ምበር ዘይድገሙ ምስጢራት’ዚኣቶም፡ ሓጢኣትና ዜርሕቑን ብኻልኣይ ልደት ናብ ኣምላኽ ጥቡቕን ጽኑዕን ቅርበት ዜውሕሱልና’ዮም። ክልቲኦም ኣብ ሓደ ጊዜ ዚፍጸሙ ዘይፈላለዩ ምስጢራት’ዮም። ኣብ መዓልቲ ጰራቅሊጦስ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ሰበኸ፡ ነቶም “እንታይ ንግበር፧ ኢሎም ዝሓተትዎ ሰማዕቱ፡
“ተነስሑ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስ’ውን ክትቅበሉ ኢኹም።”
ብምባል እዘን ድርብ ምስጢራት’ዚኣተን፡ ሓጢኣት ኣብ ምርሓቕ ዘለወን ዕዙዝ ተራ ኣብሪሁ ነገሮም (ግብ 2፡38-39)። ስለ’ዚ ድማ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ንናጽላታት ነቲ ብትውልዲ ዝወረስዎ ኣዳማዊ ሓጢኣት ንኸተርሕቖ፡ ነቶም ምስ ዓበዩ ናብ እምነት ክርስትና ዝመጹ ብጹሓት ድማ ካብ’ቲ ኣዳማዊ ውርሻኦም ኰነ ካብ’ቲ ባዕላዊ ሓጢኣቶም ብጸጋ ጥምቀት ብስራሕን ስልጣንን ናይ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ዝጠበቖም ሓጢኣት ተርሕቐሎም። ጥምቀት ማለት፡ ካብ ሓጢኣት ሙማት ማለት’ዩ። ብጥምቀት፡ ኣብ’ቲ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ሞት ክርስቶስ ንሓብር። ሞት ማለት፡ ምፍልላይ ማለት ስለ ዝዀነ፡ በቲ ምስ ክርስቶስ ካብ ሓጢኣት ዝሞትናዮ ሞት፡ ሓጢኣት ካባና ንሕና’ውን ካብ ሓጢኣት ንርሕቕ። ነዚ ምስጢር’ዚ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 6፡1-11 ብንጹር ኣብሪሁልና ኣሎ።
2. ምስጢረ ንስሓ፦ ዋላ’ኳ ብምስጢረ ጥምቀት ሓጢኣት ካባና ርሒቑ እንተ ነበረ፡ ገና ነቲ ውዱቕን ድኹምን ስጋ ለቢስና ስለ ዘለና፡ ክሳዕ ዕለተ ሞትና ሓጢኣት ኪፈታተነናን ኪጠብቀናን’ዩ ዚነብር። ሓጢኣት ብዝፈጸምና መጠን ደጋጊምና ክንጥመቕ ድማ ኣይንኽእልን ኢና። ምኽንያቱ ጥምቀት ከቶ ዘይድገም ምስጢር’ዩ። ስለ’ዚ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ሓጢኣት ብዝፈጸምና መጠን ደጋጊምና ኽሳዕ ዕለተ ሞትና ኽንፍጽሞ ዚግብኣና ምስጢረ ንስሓ ብሕያውነቱ ሰርዓልና። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝተሰውአ፡ ብስሙ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ምእንቲ ኼውህበና’ዩ (ሉቃ 24፡46,47 ፣ ግብ 5፡3)። ስለ’ዚ እቲ ሓጢኣት ኪርሕቀሉ’ሞ፡ ናብ’ቲ ቕዱስ ኣምላኽ ኪቐርብ ዚደልይ ሓቀኛ ክርስትያን፡ ሓጢኣት ብዝጠበቆን ብዝፈጸመን መጠን ንስሓ ብምእታው ካብ’ቲ ፈላላዪ ሓጢኣት ኪፍለይን ኪርሕቆን ይግባእ። እቲ ሓጢኣት እናሃለዎ ምንሳሕ ዝኣበየ ሰብ ግና፡ ነቲ መድሓኒኡ ኣምላኽ ተጸዪፉ ምስ’ቲ ለካሚኡ ሓጢኣት ተጣቢቑ ኺነብር ዝመረጸ፡ ብፍቕሪ ሓጢኣት ዝተጠቕዐ ዕሉል ከሓዲ’ዩ ዚኸውን።
3. ምስጢረ ቍርባን፦ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚ ኽቡር ምስጢር’ዚ “ኣኽሊልን ማሕተምን ናይ ኵሉ ኻልእ ምስጢራት” ኢላ’ያ ትገልጾ። ስለ’ዚ ድማ ኣብ’ተን ሽድሽተ ኻልኦት ምስጢራት ንዝተኻፈለ ምእመና፡ ካብ ምስጢረ ቍርባን ከም ዚካፈል ትገብሮ። ሓጢኣት ካባና ርሒቑ ሕድገት ሓጢኣት እንረክብ፡ ብደም ክርስቶስ ጥራሕ’ዩ (እብ 9፡22)። ክርስቶስ ጐይታና ገንሸል ኣምላኽ ኰይኑ ዝተሰውኣልና ድማ፡ ነዚ ዜንጽህን ቀዳስን ደሙ ምእንቲ ኺህበና’ዩ። ንሕና ኣብ ዝሃለና ሃሊና ምስ’ቲ ኣብ መስቀል ዝፈሰሰ ደሙ ኽንራኸብ እንኽእል ድማ ብምስጢረ ቍርባን ካብ ስጋኡን ደሙን ምስ ንካፈል ጥራሕ’ዩ። ምኽንያቱ ጐይታና፡ ኣብ’ታ ምስጢረ ቍርባን ዝሰርዓላ ምሸት፡ ጽዋእ ኣልዒሉ ነቦኡ ድሕሪ ምምስጋኑ፦
“እዚ (ወይኒ’ዚ) ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ’ሞ፡ ካብ’ዚ ዅልኹም ስተዩ” ብምባል ሓጢኣትና እነርሕቐሉ ምስጢር ምዃኑ ብዘየማትእ መገዲ ኣረጋጊጹልና’ዩ (ማቴ 26፡27,28)። ብደም ናይ’ቲ ገንሸል ሓጢኣቱ ኣርሒቑ ክዳኑ ዘየጻዕደወ ሰብ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትው ኣይበቕዕን’ዩ (ራእ 7፡14 ፣ 5፡9,10)። ካብ’ዚ ምስጢር’ዚ ርሒቕና ማለት፡ ካብ’ቲ ሓጢኣትና ዜርሕቕ ተበጃዊና ገንሸል ርሒቕና ኽንነብር መሪጽና ማለት ስለ ዝዀነ፡ መኣዲ ጐይታ ተሓሲምናን ረጊጽናን ንወጽእ ከም ዘየለና ነረጋግጽ።
እምበኣር ነፍሲ ወከፍና ርእስና ንመርምር። ካብ’ቲ ረዳኢና ገንሸል ወይስ ካብ’ቲ ለካሚና ሓጢኣት፡ ካብ መኖም ርሒቕና ኸም ዘለና ነረጋግጽ። ብቕዱስ ዮሃንስ ኣብ ዝተኣወጀን ዝተጸርገን፡ በቲ ቕዱስ ገንሸል፡ ብጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝተፈጸመ ዘመን-ምሕረት ኢና ንነብር ዘለና’ሞ፡ በቲ ምስ ቤዛዊ ሞቱ ዜራኸበና ንሕድገት ሓጢኣት ዝተሰርዓልና ምስጢራት እናተገልገልና፡ ካብ ሓጢኣት ተፈላሊና ብጽድቅን ቅድስናን ብምንባር ነቲ መድሓኒና ንምሰል!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
17 መስከረም 2023 | መስከረም 6, 2016 ግዕዝ (1ይ ሰንበት: ቊ.፩/1) |
||
ምስባክ መዝ. 84(85)፡10-11|፹፬(፹፭)፡፲-፲፩ “ሣህል ወርትዕ ተራከባ። ጽድቅ ወሰላም ተሰዓማ።ርትዕሰ እምድር ሠረጸት።” “ለውሃትን ሓቅን ተራኸባ፡ ጽድቅን ሰላምን ተሰዓዓማ። ሓቂ ኻብ ምድሪ ኽትበቍል፡ ጽድቂውን ካብ ሰማይ ክትጥምት’ያ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ቈረ 11፡17-23 |
ዲያቆን |
|
ያእ 2፡1-13 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 18፡24-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 1፡19-37 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘአትናቴዎስ |
||
መዝሙር፦ ዮሐንስ አኅድአ (አይድዓ) |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ