S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሊቀ-ኅሩያን ግደይ ገብረ ዓሪፎም

“-ዘእምንእሱ ሕይወቱ፣ ውስተ ቤተ-እግዚኣብሔር-” ብምባል ዝግለጹ፣ ንመንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝተጸውዑ ዕድለኛታት ሰባት ኣለዉ። ሓደ ካብዚኣቶም ድማ፣ እዞም ሕጂ ብሞት ተፈልዮሙና፣ መንገዲ ሰማይ ኣቕኒዖም ዝኸዱ ዘለዉ፣ ሊቀ-ኅሩያን ግደይ ገብረ እዮም ክንብል ዘኽእለና፣ እኹል ምኽንያት ኣሎ። ሊቀ-ኅሩያን ኣብ ቤተ-ክርስቲያን`ዮም ተወሊዶም፣ ኣብኣ`ውን ዓብዮም ከበሃል ይከኣል። ስለ` ከኣ ኢና “-ዘእምንእሱ ሕይወቱ ውስተ ቤተ-እግዚኣብሔር-” ብምባል ክንገልጾም ዝደለና።

ሊቀ-ኅሩያን ግደይ ኣቡኦም፣ ኣቦይ-ገብረ ዑቕባ-ሚካኤል ዝበሃሉ ክኾኑ ከለዉ። ኣዲኦም ድማ ኣደይ ደመት ነኣምን እየን ዝበሃላ። ናይ ትውልዲ ዓዶም ከኣ፣ ኣርባዕተ-ኣሥመራ ኮይኑ፣ ካብ ወገን “-ገዛ-ስርንስር-” ገዛ ዓዲ-ኣዲ እዮም። ዝተወልዱሉ 1929 / (1937) ኮይኑ፣ ኣብ መበል 84-ዓመት`ዮም ዓሪፎም። እቲ ዘገርም ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ግና፣ ሊቀ-ኅሩያን ግደይ ኣብ ዳግማይ-ትንሣኤ`ዮም ተወሊዶም፣ ኣብ ዳግማይ-ትንሣኤ መዓልቲ ድማ፣ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም ክፋነዉ፣ ናይቲ ሕያው ኣምላኽ ቅዱስ ፍቓድ ኮይኑ።

ሊቀ-ኅሩያን ግደይ ከምቲ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ልሙድ ዝነበረ፣ ከም ኩሎም ናይቲ ግዜ` ቈልዑት፣ ኣብ እንዳ የነታ ዑቕባ-እንድርያስ ዓስቡ`ዮም(ኣግዓዝያን) ኣብ 40-ታትኢሎም ትምህርቶም ዝጀመሩ። መንገዲ ቤተ-ክርስቲያን`ውን፣ ሽዕኡ`ዮም ተላልዮሞ ክበሃል ይከኣል። ነዚ መንፈሳዊ-መሥመር` ተኸቲሎም ብምኻድ ድማ፣ ዜማን ንባብን ብምጥንቓቕ ኣብ 1945 / (1953) ንመዓርገ-ዲቁና በቒዖም። ምዱብ ኣገልጋሊ በዓል-ሳምንቲ ብምዃን ከኣ፣ ካብ ንእስነት ክሳብ ዕቤት፣ ኣብ ርእሰ-ኣድባራት ደብረ-ጽዮን ቅድስቲ-ማርያም ኣሥመራ፣ ብደረጃ መዓርገ-ዲቁና ዝምስገን ኣገልግሎት ከም-ዝፈጸሙ ክንገረሎም ግቡእ`ዩ።

ይኹን እምበር ሊቀ-ኅሩያን ግደይ፣ ንቤት-ኣምላኽ ዝነበሮም ቅንኣት፣ ካብ ክሳብ ኢልካ ብደረጃን ብግዜን ዝዕቀን ኣይነበረን። ስለዚ`ውን እቲ ብመዓርገ-ዲቁና ዝፍጽሙዎ ዝነበሩ መንፈሳዊ-ኣገልግሎት ጥራይ፣ ዕግበት ክህቦም ዝኽእል ኮይኑ ስለ-ዘይረኸቡዎ፣ ምስቲ ንትንሣኤ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ተባሂሉ፣ ኣብ 50-ታት ኣብ ቀጽሪ እንዳ-ማርያም ቈይሙ ዝነጥፍ ዝነበረ ማኅበር፣ ማለት ምስ “-ማኅበር መንእሰይ ፍኖተ-ብርሃን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን-” ንክጽንበሩ ግዜ ዝወስደሎም ኮይኑ ኣይተረኽበን። ካብቲ እዋን` ኣትሒዞም ከኣ፣ ብዝለዓለ ደረጃን ብተወፋይነትን ካብኦም ዝድለ ዘበለ ኣገልግሎት፣ ክፍጽሙ ከም-ዝጸንሑ ታሪኽ እቲ ማኅበር ይምስክረሎም እዩ።

ኣብ ታሪኽ` ማኅበር`ውን፣ እቲኣቦ-መንበርብምዃን ንነዊሕ ዓመታት ነቲ ማኅበር ዝመርሑ፣ ንሶም ሊቀ-ኅሩያን ግደይ ምዃኖም፣ ነዚ`ውን ታሪኽ` ማኅበር ባዕሉ የረጋግጾ`ዩ። ስለዚ`ውን እቲ ናቶም መሪሕነት ብዝገበሮ ዘይሕለል ጻዕሪ ከኣ`ዩ፣ እቲ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ እንዳ-ማርያም ተሓኒፁ ዝርከብ ዘሎ ግዙፍ ኣዳራሽ ክሕነፅ ዝኸኣለ። ሕጂ ንድሕሪት ተመሊስካ ክሕሰብ ከሎ፣ ኣብቲ እዋን` ሕዝቢ ጠርኒፍካን ኣለዓዒልካን፣ ክንድ` ዝኣክል ሰፊሕ-ኣደራሽ ክትሠርሕ ምኽኣል፣ ቀሊል` ክበሃል ዝከኣል ዕማም ኣይነበረን። እቲ ሠሪሑ ዘይደክም ኣብ ሊቀ-ኅሩያን ግደይ ዝነበረ ሕልና ግና፣ ብውሑድ- ነገር ዝዓግብ ብዘይ ምንባሩ፣ ነቲ መንእሰይ-ወለዶ ኣበራቢርካ መንገዲ ቤተ-ክርስቲያን ከም-ዝለምድ ኣብ ምግባር ዝተጓዕዙዎ ርሕቀት፣ ኣብ ታሪኽ ተዋሕዶና ብፍሉይ ካብ ዝጥቀስ ሓደ` ክበሃል ይከኣል።   

ከመይሲ ሊቀ-ኅሩያን ግደይ እቲ ዝነበሮም ራእይ፣ ማለት እቲ ንመንእሰያት ኣብ ግምት ዘየእተወ፣ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ግልጺ ኮይኑ ዝርአ ዝነበረ ድኽመት፣ ገና ኣብ ርሑቕ ከሎ ብማዕዶ ስለ-ዘለለዩዎ፣ ነዚ ዝተባህለ ሕቶ መልሲ ኣብ ምርካብ፣ ኣበርቲዖም ክሠርሑ ከም-ዘለዎም ዝተረድኡ፣ በዓል ርሑቕ ራእይ`ዮም ነይሮም ተባሂሉ ክንገረሎም ግቡእ`ዩ። ብመሠረቱ ማኅበር መንሰይ ፍኖተ-ብርሃን “-ወንጌል ማእከል ዝገበረ ኣገልግሎት-” ኣብ ምትእትታው፣ ትዂረት ገይሩ ዝነጥፍ ዝነበረ ማኅበር` ነይሩ። ነቲ ዝተባህለ ራእይ ዕዉት ንምግባር ከኣ፣ ንሶም እቶም በዓል ርሑቕ ራእይ ዝነበሩ፣ ሊቀ-ኅሩያን ግደይ ወዲቖምን ተንሢኦምን እዮም።

ይኹን እምበር ሊቀ-ኅሩያን ግደይ፣ ኣደራሽ ጥራይ ኣይኮኑን ሓኒፆም። የግዳስ ካብኡ ብዝበለጸ ነቲ ኦርቶዶክሳዊ መንእሰይ ወሎዶ፣ ኣብ ርድኢት ወንጌል ከም-ዝመጽእ ኣብ ምግባር፣ ብትኹረት ዝጠመቱዎን ኣበርቲዖም ዝሠርሑሉን ዓውዲ ምንባሩ` ዝፍለጥ። ኣብ ግዜ ናቶም መሪሕነት ከኣ፣ እቲ ማኅበረ-ምእመናን ኣደራሽ ክስከሞ ካብ ዝኽእሎ ንላዕሊ ኮይኑ፣ እቲ ትምህርቲ ወንጌል ክሰምዕ ዝመጽእ ዝነበረ ሕዝቢ ስለ-ዝበዝሐ፣ ካብ ኣደራሽ ወጻኢ ኮይኑ፣ ነቲ ጎልጎል እንዳ-ማርያም ዝኸድን ሕዝቢ ክእከብ ዝኽእል ዝነበረ፣ ኣብ ግዜ መሪሕነት ሊቀ-ኅሩያን ግደይ ገብረ  ምዃኑ፣ ታሪኽ` ማኅበር ዘረጋግጾ ሓቂ`ዩ።

ብዝተረፈ  እቲ ብኣግዓዚያን ዝጀመረ፣ ናይ ሊቀ-ኅሩያን ግደይ ናይ ትምህርቲ ጉዕዞ። ናብቲብፖይንት-ፎር  ዝፍለጥ ዝነበረ ናይ ተግባረ-እድ ቤት-ትምህርቲ ኣምሪሑ፣ ናይ ኤሌትሪክ በዓል-ሞያ ብምዃን ክምረቑ ዝኸኣሉ፣ ዕዉት`ዮም ነይሮም። ኣብዚ ቤት-ትምህርቲ` ድማ መምህር ኮይኖም ክሠርሑ፣ ብብቕዓት ኣመስኪሮም ዝተመርጹ በዓል -ሞያ ምንባሮም`ውን ክጥቀስ ግቡእ`ዩ። ካብኡ ብምቕጻል`ውን ናብቲቃኘውብምባል ዝፍለጥ ዝነበረ ናይ ኣሜሪካውያን መዐስከር ብምቕያር፣ ናይ ኤሌትሪክ በዓል-ሞያ ብምዃን፣ ዝምስገን ኣገልግሎት ከም-ዝፈጸሙ`ውን ዝፍለጥ እዩ።

በቲ ካልእ`ውን ካብቲ ዝነበሮም፣ ናይ ማኅበር ፍኖተ-ብርሃን ሓላፍነት ወጻኢ፣ ናብቲ ማኅበር ሠራሕተኛታት ተጸንቢሮም፣ ናይ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ማኅበር ሠራሕተኛታት፣ ኣቦ-መንበር ብምዃን፣ ብዝለዓለ ደረጃ ክዋስኡ ከም-ዝጸንሑ፣ እቲ ናይ ትማሊ ናይ ማኅበር ሠራሕተኛታት ታሪኽ ይነገረሎም እዩ። ብዝተረፈ ኣብ 70-ታት ኣብ ትሕቲ መቚሕ ክኣትዉ ካብ ዘግበሮም ምኽንያት`ውን፣ እቲ ኣብ ማኅበር ሠራሕተኛታት ዝነበሮምተሳትፎ ምዃኑ፣ ከም ርዱእ ዝውሰድ እዩ።

ሊቀ-ኅሩያን ግደይ፣ ከም ኩሎም ካልኦት ደቂ ማኅበር ፍኖተ-ብርሃን፣ ኣብ 70-ታት ንስደት ስለ-ዘምርሑ፣ ኣብ ሃገረ-ጀርመን`ዮም ክቕመጡ ጸኒሖም። እቶም ምኽንያት ኩሉ ጸገማት ኮይኖም ዝጸንሑ ደርጊ፣ ወጺኦም`ዮም ኣብ ዝተባህለሉ ግዜ ድማ፣ ኣብ መጀመርታ 90-ታት ንሃገሮም ክምለሱ ክኢሎም። ኣብ ሚኒስትሪ-ቱሪዝም ተመዲቦም ክሠርሑ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ፣ “-ኣድማስ-” ዝተባህለ ናይ ባዕሎም ትካል ብምምሥራት፣ ኣብቲ ንግዲ-ዓለም ኣትዮም ክነጥፉ ምጽንሖም` ዝፍለጥ።

ይኹን እምበር ነፃነት ሃገር ተረጋጊጹ ኣብ ዝበሃለሉ ዝነበረ ግዜ፣ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ግና፣ ዘቕስን ኮይኑ ስለ-ዘይተረኽበ፣ ንብምሉኡ ደምበ-ተዋሕዶና፣ ከተሓሳስቦ ዝኸኣለ ጉዳይ ኮይኑ` ዝመጸ። በዚ መሠረት` እውን፣ ነቲ ብፖለቲካ ተናዊጹ ዝመጽእ ዝነበረ ማዕበል ንምዕጋቱ ምእንቲ ክከኣል፣ እንታይ ይገበር ይበሃል ኣብ ዝነበረሉ ሰዓት፣ መን ኣሎ-? ተባሂሎም`ዮም ኣብ ከባቢ 1992 / (2000) ሊቀ-ኅሩያን ግደይ ገብረ፣ ካብ መንጎ ብዙሓት ተመሪጾም፣ ናብቲ ብማዕበል ፖለቲካ ዝናወጽ ዝነበረ መንበረ-ፓትርያርክ፣ዋና-ጸሓፊብዝብል መዓርግ ክመጹ ዝኸኣሉ።

ኣብ ነሐሰ 1992 / (2000) ንሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝምልከት Millennium World Peace Summit of Religious and Spiritual leaders ብምባል፣ ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ ተገይሩ ኣብ ዝነበረ ጉባኤ፣ ሊቀ-ኅሩያን`ውን ነቶም ፓትርያርክ ተኸቲሎም ኣብዚ ዓቢይ ጉባኤ` ተሳቲፎም ከም-ዝነበሩ ይፍለጥ። ኣብ ኦስሎን ናይሮቢን`ውን ተመሳሳሊ ጉባኤ ተኻይዱ ነይሩ`ዩ፣ ኣብዚ `ውን ሊቀ-ኅሩያን ብኣካል ተሳቲፎም`ዮም። ግዳስ እቲ ዝካየድ ዝነበረ ኩሉ፣ ኣብ ትሕቲ ናይ ፖለቲካ ተጽዕኖ ኮይኑ ይካየድ ስለ-ዝነበረ፣ ሊቀ-ኅሩያን ግደይ ዋና-ጸሓፊ ኮይኖም ክቕጽሉ ኣይተደልየን። በዚ ድማ ከም ኩሎም ካልኦት ውሉደ-ክህነት፣ ሊቀ-ኅሩያን`ውን ካብቲ መንበረ-ፓትርያርክ ተደፊኦም ክወጹ ግድነት` ኮይኑ።

ብዝተረፈ ሊቀ-ኅሩያን ግደይ፣ ኣብቲ ናይ መንበረ-ፓትርያርክ ዋና-ጸሓፊ ኮይኖም ይሠርሑ ዝነበሩሉ ግዜ፣ ንመንፈሳዊ-ኮለጅ ብዝምልከት ቀዳምነት ሂቦም ክሠርሑሉ ዝጸንሑ ጉዳይ ምዃኑ ዝፍለጥ`ዩ። ከመይሲ እቲ ኣብ ደምበ-ተዋሕዶና ዝነበረ፣ ናይ ምሁራን ሕጽረት፣ ብመንገዲ ኮለጅ ብዝፈረዩ ምሁራን ካብ ምትካእ፣ ካልእ ኣማራጺ ከም-ዘየልቦ ዝተረድኦም፣ በዓል ርሑቕ ራእይ`ዮም ነይሮም ተባሂሉ ክንገረሎም ግቡእ `ዩ። “-ዘራጊት ላም ከላ`ሞ፣ ከመይ ኣቢልካ` ጽሩይ ማይ ክስተ-” ከም-ዝበሃል ግና፣ ነቲ ዝነበረ ራእይ ኣብ ተግባር ንምውዓል ዝግበር ዝነበረ ጉዕዞ ንምዕንቃፍ፣ ሊቀ-ኅሩያን ካብቲ ሓላፍነት ክግለሉ ይግባይ ዘይበሃሎ ውሳኔ ተመሓላሊፉ።

ብዝኾነ ሊቀ-ኅሩያን ግደይ፣ ንዕቤት ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ክብሉ፣ ካብ ንእስነት ክሳብ ዕቤት ወሪዶምን ደይቦምን እዮም። እቲ ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያን`ውን፣ ብኽብሪ ካብ ዝዝክሮም ኣቦታት ሓደ ከም-ዝኾኑ ርግጽ`ዩ። ጽቡቕ ታሪኽ ንድሕሪት ገዲፍካ ምሕላፍ ድማ ኩሉ ክረኽቦ ዝኽእል ኣይኮነን። እቲ ሕያው ኣምላኽ ኣብ የማኑ ክቕበሎም ብምምናይ ድማ ንሰናበቶም ኣሎና። ንበዓልቲ ቤቶም ወይዘሮ መብራት ጌታሁንን፣ ከምኡ`ውን ደቆም ኢዩኤል፣ ናትናኤል፣ ናሆም፣ ሊሊን ንኹሎም ብሓባር፣ ምጽንናዕ ክረኽቡ ጸሎትና እዩ።

ሊቀ-ካህናት ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div