S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ካብ ዘመነ ዮሓንስ ናብ ዘመነ ማቴዎስ እግዚኣብሔር እንቋዕ ብሰላም ኣብጽሓና። ዘመኑ ዘመነ ሰላም፥ ዘመነ ዕርቂ ዘመነ በረከት ይግበረልና።

ወትባርክ ኣክሊለ ዓመተ ምሕረትከ። ንዓመት ብሳህልኻ ትኽልላ፣ ኣሰርካ ስብሒ የንጠብጥብ (መዝሙረ ዳዊት 65:11)

ኣምላኽ ብዝናም ኣብቊሉ፥ ብፀሓይ ኣብሲሉ፥ ቀለብ ዕለትናን፥ ክዳን ዓመትናን ዝህብ እዩ። እንተ ኾነ ደቂ ሰባት ድኹማት ስለ ዝኾንና፥ እግዚኣብሔር ዝሃበና ሠናይ ህያብ በረኸት፥ ብበረኸት ኣይንቕበሎን ኣሎና። ኣብ ክንዲ ኣምላኽ ዝሃበና ብምስጋና ንቕበል፥ ኣቀባብላና በሊዑ ከም ዝተጠለመ በዓል ዕዳ፥ ብኹራ፥ ኣብ ክንዲ ኣምላኽ ኣፍቂሩ ዝሃበና፥ ኣቀባብላና ብጽልእን ህውከትን ኮይኑ ኣሎ።

ወለድና፥ መጀመርታ ሸዊት፥ መጀመርታ ፍርያት፥ መጀመርታ ዕሽር ንእግዚኣብሔርን ንድኻን ይረድኡ ብምንባሮም፥ እተን ዝነበርወን ዘመናት ውሒደን በዚሐን ዘመን ሓጎስ፥ ዘመን ፍቕርን ሓልዮትን እየን ነይረን።

ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን ግና ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍሓልይዎ እስኩ በልብክሙ፥ ለኩሉ ፍናዊክሙ። ዘራእክሙ ብዙኃ ወኣዕተውክሙ ኅዳጠ። ትበልዑ ወኢትፀግቡ። ትሰትዩ ወኢትረውዩ። ትትከደኑ ወኢትመውቁ። ወዘሂ ያስተጋብእ፥ ዓስቦ ኣስተጋብኣ ውስተ ዕቁር ስቁር። ትንቢተ ሓጌ ምዕራፍ 1 ቁጽሪ 6

ንስኻትኩም ብዙሕ ዘራእኩም፣ ሒደት ኣእቶኹም። በላዕኩም ኣይጸገብኩምን፣ ሰቴኹም ኣይረዌኹምን፣ ተኸደንኩም ኣይሞቝኩምን፣ እቲ ውዕለቱ ዜእቱ ነቲ ዝወዓሎ ኣብ ነዃል ማሕፉዳ የንብሮ ኣሎ። ትንቢተ ሓጌ 1:6

ክቡራት ሕዝበ ክርስቲያን፥ ኣብዚ ዘመን እዚ ገንዘብ ኣይተሳእነን በረኸት እዩ ጠፊኡ ዘሎ፥ ፍልጠት ኣይኮነን ተሳኢኑ ግብሪ እዩ ተሳኢኑ ዘሎ፥ እዚ ድማ ከምቲ ኣምላኽ ዝደልየና ኮንና ዘይምህላውና እዩ።

ብሰንኪ ካብ ኣምላኽ ምርሓቕና ዝወርደና ዘሎ ውርደትን ጸገምን፥ ሞትን ስደትን ኣብ ቅድሚ ዓይንና ስለ ዝኾነ ምስክር ኣየድልዮን እዩ። ኣቦ ከሎ ዉሉድ ዝምድር፥ ፓትርያርክ እንከሎ ጳጳስ ክባርኽ፥ ውሉድ ወላዲኡ ክኸስስን ከእስርን፥ ከመይ ዝበለ ሓደገኛ ናይ ሕሰረት ዘመን በጺሕና ምህላውና እዩ ዘመልክት።

ሓድሽ ዓመት ተቐይሩ ሓድሽ ልብን ሓድሽ መንፈስን ኣብ ሕዝቢ እንተዘይሰረፀ፥ ጊዜ ጊዜ እዩ ኣይዓቢ ኣይኣርግ።

ቃል ኣምላክ ከምዝብለና፥- “እምበኣርሲ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ምስማዕ ስለ ዝኣበና፡ ንሕናን ኣቦታትናን ካብ ንእስነትና ጀሚርና ኽሳዕ ሎሚ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለ ዝበደልና፡ ኣብ ሓፍረትና ፈፈው ንብል ኣሎና፡ ነውርና ኸኣ የጐልብበና ኣሎ።”  ትንቢተ ኤርምያስ 3:25

ስለዚ እዚ ንጅምሮ ዘሎና ሓድሽ ዓመተ ምሕረት ዘመነ ማቴዎስ፥ ምስ እግዚኣብሔርን ነፍስናን እንዕረቐሉ፥ ቤተ ክርስቲያንና ሰላምን ትረኽበሉ፥ ስደትን ውርደትን ዘብቅዓሉ፥ ክኾነልና ኣምላኽ ዝሰምዕ እዝንን ልቦናን ክክልወና ይግባእ።

ኣዋጀ ምሕረቱን ረድኤቱን ሂቡ፥ ዝተዝርአ ፈርዩ፥ ዝተወልደ ዓብዩ፥ ቀሲንናን ዓሪፍናን እንምገበሉን ህፃናትና ዝዓብዩሉ፥ ሃገር ከም ሃገር ክትነብርን ክትህሉ፥ ፍትሕን ርትዕን ተተኺሉ፥ ሕጊ እምበር ሰብ ዘይገዝኣሉ ዘመን ክኾነልና፥ ዝጎዪ መንእሰይ፥ ዝምርቕ ሽማግለ፥ ኣምላኽ ኣይኽእልኣና፥ ዘመን ሰላምን በረኸትን ይግብረልና ኣምላኽ ኣሜን።

ናይ ኣቦና ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ በረኸቶምን ጸሎትምን ይብጽሓና። ኣገልግሎት ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ድማ ይባርኸልና።

ቆሞስ ኣርኣያ ተስፋይ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div