S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ወግዓዊ ደብዳበ ካብ ጉባኤ ሕብረት ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት፥

ጉባኤ ሕብረት ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣሜርካ፥ ፓትርያክ ቅዱስ እንጦንዮስ ናብ መዓርጎም ክምለሱ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ምፍልላይ ድማ መወዳእታ ክግበረሉ ንጽውዕ።

ናብ ጳጳሳት፥ ካህናትን ምእመናን ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፥

ብሩኽ በዓለ-መንፈስ ቅዱስ ክኾነልኩም ሰናይ ትምኒትና ንገልጽ።

ንሕና ጉባኤ ሕብረት ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት፥ ብሞት ነፍሰሄር ኣቡን ድዮስቆሮስ ከምዝሓዘንና እናገለጽና፥ ምጽንናዕ ክትረኽቡ ተስፋ ንገብር። እዚ ግን፥ ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፥ ነቲ ዝጸንሐ እግዚኣብሔር ዘይከብረሉ ውሽጣዊ ምፍላላይ ኣብ ምሕዋይ ዕድል ዝረኸበትሉ እግዚኣብሔር ዝመደቦ እዋን ጌርና'ውን ኢና እንርእዮ።

ኣብ ስልጣን መሪሕነት ንዘለዉ ኣቦታት ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፥

ነቲ ኣብ ልዕሊ ፓትርያክ ቅዱስ እንጦንዮስ ተነቢሩ ዘሎ [ዘይሕጋዊ] በደል ከልዕልዎ: ፓትርያክ ቅዱስ እንጦንዮስ ድማ ናብ ሕጋዊ መንበሮም ክምለሱ ንጽውዕ። ልዕሊ ኹሉ ድማ፥ ነታ ኣካል ክርስቶስ ዝኾነት ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ እንደገና መሊሱ ዝመቓቕል ፈላላዪ ዝኾነ ነገራት ካብ ምግባር ክትእርነቡ ሓደራ ንብል። ጸሎትና፥ እግዚኣብሔር ዝሕጎሰሉን ዝኸብረሉን ሓድነት ኣብ ውሽጢ ኤርትራዊት ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ክነግስ እዩ።

 

በታ ኣብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘላትና ፍቕሪ ዘፍቅረኩም

ሊቀ ጳጳሳት ካጃክ ባርሳምያን

ጳጳስ መንበረ ጵጵስና ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣርመን ኣብ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣሜርካ

ፕረሲደንት ጉባኤ ሕብረት ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣሜርካ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div