ካብ ዝተፈላለየ ክፍልትታት ኣመሪካ ተዓዲሞም ብዝመጹ ሊቃውንቲ ኣቦታትን ምእመናንን ብክብ ዝበለ ፍስሓን ሓጎስን ዝተጸንበለ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተርእዮ፡
ካብ ዓርቢ ክሳብ ሰንበት ጥሪ 29-30 January 2016 ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ሓቚፉ ኔሩ። ኣብቲ በዓል ኣስተርእዮ ቅ. ማርያም ብብዙሒ ህዝቢ ደሚቑ ኔሩ።
ኣብ ዕለተ ዓርቢ ዋዜማ፣ ቀዳም ካብ ወጋሕታ ብስብሓታት ዝተጀመረ ክብረ በዓል ቅድስት ማርያም በይ ኤርያ፤ ህጻናት ዝተፈላለየ ጸሎትን መዝሙርን ኣቕሪቦም። ቀጺሎም ቤት ትምህርቲ ሰንበት መዛሙር ከቕርቡ ከሎዉ ምእመናን ሓቢሮም ምስ ደቆም ብምዝማር ንኣምላኾም ከመስጉንን ኪውድሱን ኣርፊዶም። ብሊቃውንቲ ቤተክርስትያን እንዳተመርሑ ምእመናን እንዳዘመሩን እንዳሸብሸቡን ብሓጎስን ዕልልታን ተሰንዮም ዑደቶም ድሕሪ ምፍጻም ናብቲ ዝተዳለወሎም ኣደራሽ ኣምርሑ። በዚ ድማ እቲ ካብ ዓርቢ ዝጀመረ መንፈሳዊ መደባት ብምስጋናን ፍስሓን ተዛዘመ።
እግዚኣብሔር ብጥዕና ሓልዩ ኣብ ናብራና በረኸት ይሃበና። ኣሜን።
እግዚኣብሔር ንፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ብጥዕናን ሰላምን ይሓልወልና!
ንብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ከኣ ኣብ ኣገልግሎቶም ዓወትን ኣሳልጦን ይሃብ።
ንቤተክርስትያንናን ሃገርናን ድማ ሰላሙ ይሃብ።
ኣገልገልትን ምምሕዳር ሰባኻ ጉባኤን ቅ. ማርያም ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን በይ ኤርያ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ