S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

በዓለ ኣስተርእዮ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያም በይ ኤርያ ብድምቀት ተኸቢሩ

ካብ ዝተፈላለየ ክፍልትታት ኣመሪካ ተዓዲሞም ብዝመጹ ሊቃውንቲ ኣቦታትን ምእመና ብክብ ዝበለ ፍስሓን ሓጎስን ዝተጸንበለ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተርእዮ፡ 

ካብ ዓርቢ ክሳብ ሰንበት ጥሪ 29-30 January 2016 ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ሓቚፉ ኔሩ። ኣብቲ በዓል ኣስተርእዮ ቅ. ማርያም ብብዙሒ ህዝቢ ደሚቑ ኔሩ።

ኣብ ዕለተ ዓርቢ ዋዜማ፣ ቀዳም ካብ ወጋሕታ ብስብሓታት ዝተጀመረ ክብረ በዓል ቅድስት ማርያም በይ ኤርያ፤ ህጻናት ዝተፈላለየ ጸሎትን መዝሙርን ኣቕሪቦም። ቀጺሎም ቤት ትምህርቲ ሰንበት መዛሙር ከቕርቡ ከሎዉ ምእመናን ሓቢሮም ምስ ደቆም ብምዝማር ንኣምላኾም ከመስጉንን ኪውድሱን ኣርፊዶም። ብሊቃውንቲ ቤተክርስትያን እንዳተመርሑ ምእመናን እንዳዘመሩን እንዳሸብሸቡን ብሓጎስን ዕልልታን ተሰንዮም ዑደቶም ድሕሪ ምፍጻም ናብቲ ዝተዳለወሎም ኣደራሽ ኣምርሑ። በዚ ድማ እቲ ካብ ዓርቢ ዝጀመረ መንፈሳዊ መደባት ብምስጋናን ፍስሓን ተዛዘመ።

እግዚኣብሔር ብጥዕና ሓልዩ ኣብ ናብራና በረኸት ይሃበና። ኣሜን።

 

እግዚኣብሔር ንፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ብጥዕናን ሰላምን ይሓልወልና!

ንብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ከኣ ኣብ ኣገልግሎቶም ዓወትን ኣሳልጦን ይሃብ።

ንቤተክርስትያንናን ሃገርናን ድማ ሰላሙ ይሃብ።

ኣገልገልትን ምምሕዳር ሰባኻ ጉባኤን ቅ. ማርያም ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን በይ ኤርያ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div