"ኩሉ ጽድቂ ምፍጻም" ማቴ3፡15።
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብኢድ ዮሃንስ ኣብ ዮርዳኖስ ክጥመቕ ምስ ከደ ዮሃንስ ብርሑቕ ምስ ረኣዮ "ነዋ በግዑ ለእግዚአብሔር ዘያዓትት ኃጢአተ ዓለም፡ - ማለት እንሆ ጢኣት ዓለም ዘርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ" ብምባል ገለጾ /ዮሃ1፡29/።
ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ስለ ሓጢኣት ብዙሓት መስዋእትታት ቀሪቦም እዮም። ንጉስ ሰሎሞን እኳ ኣብ መዓልቲ ምርቓት ቤተ መቅደስ 22 ሺሕ ኣቡዑርን 120 ሺሕ ኣባጊዕን ንመስዋእቲ ኣቕሪቡ እዩ /1ነገ8፡62/። ኣብ ሓደ መዓልቲ ክንድ'ዚ ዝኣክል መስዋእትታት ካብ ቀረቡ ኣብ ኣሽሓት ዓመታት ዝቐረበ መስዋእቲ'ሞ ምግማት ኣይከኣልን። ስለ ሓጢኣት ዝቐረቡ ብዙሓት መስዋእትታት እኳ እንተ ኾኑ ንሓጢኣት ከወግዱ ግና ኣይከኣሉን። ግዝያዊ ዕርቂ ደኣ'ምበር ኣማናዊ ስርየት ሓጢኣት ከምጽኡ ኣይከኣሉን። ዮሃንስ መጥምቕ ንኹሉ ዓለምን ንዘለኣለምን ዝበቅዕ /ዝኣክል/ መስዋእቲ ብርሑቕ ክመጽእ ምስ ረኣዮ ብልዑል ድምጺ "ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ" ኢሉ ጨደረ።
ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝቐረቡ ብዙሓት ኣሽሓት መስዋእትታት ከወግድዎ ዘይከኣሉ፡ ሓደ ክርስቶስ ከወግዶ መጸ። ዝሓለፈ ሓጢኣት ዝድምስስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሓጢኣት ክገዝእ ዓቕሚ ዘለዎ፡ መሳናኽላቱ ዘወግድ መስዋእቲ ኮይኑ ተገለጸ። እቶም ኩሎም ዝነበሩ ብዙሓት መስዋእትታት ብምብዝሖም ሓጢኣት ከርሕቑ ኣይከኣሉን። ምኽንያቱ ናይ ሰብ ኣባጊዕ ስለዝነበሩ። ሓደ ወዱ ንእግዜአብሔር፥በጊዕ /ገንሸል/ ክርስቶስ ሓደ ግዜ ተሰዊኡ ንዘልኣለም ዝበቅዕ/ዝኣክል/ መስዋእቲ ኮነልና/ ዕብ 9፡26_28/።
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳብ 30 ዓመቱ ተሰዊሩ ከምዝነበረ ንፈልጥ። እዚ ድማ፥-
1. ንምድላው እዩ፥- ን3ተ ዓመትን 3ተ ወርሕን ኣገልግሎት 30 ዓመት ተዳለወ።
2. ብስጋ ንዝወለደቶ ኣዲኡ ድንግል ማርያምን ናይ ስጋ ኣዝማዱን ከገልግል 30 ዓመት መደበ። ሕጂ ግን ሰማያዊ ኣቡኡን ህዝቡን ዘገልግለሉ ግዜ በጽሐ።
ን30 ዓመታት ተሰዊሩ ዝነበረ ናይ ዓለም መፍትሒ ፡ናይ ሕልምታት ኩሉ መፍትሒ ተጋህደ። ዮሃንስ ኣማናዊ በጊዕ ንኩሉ ዓለም ኣላለዮ፡ መጋረጃ ተገለጸ። መስዋእቱ ንኹሉ ዓለም ተላለየ፡ ጽልኢ ብግልጺ ተጀመረ። ኣይሁድን ሊቃነ ካህናትን ብግልጺ ዝንቀፍሉ ሰዓት በጽሐ። ምስክርነቱ ናይ ዮሃንስ ጥራይ ኣይነበረን፡ናይ ባህርይ ኣቡኡን ናይ ባህርይ ህይወቱ መንፈስ ቅዱስን መስዋእትነቱ ገለጹ።እዚ መስዋእቲ'ዚ ሰማይን ምድርን ዝመስከርሉ፡ሓጢኣት ከርሕቕ ብቕዓትን ንእግዚኣብሔር ዘሐጉስን ተፈታውነት ዘለዎ እዩ። ብሰብን ብእግዚአብሔርን ሕሩይ እዩ።
ድሕሪ'ዚ ዘሎ ናይ ጐይታ ኣገልግሎት 3ተ ክፋላት ኣለዎ።
1. ንዝጠፍኡ ብቓሉ ብትምህርቱ ምምላስ
2. ብናይ ስጋ መከራን ብማእሰርቲ ኣጋንንቲን ንዝተታሕዙ ብናይ ኢዱ ተኣምራት ምፍዋስ
3. ቤዛ ኩሉ ዓለም ኮይኑ ኣብ መስቀል ብምስዋእ ድሕነት ምፍጻም እዩ።ዘይግብኦ ሞት እንተዘይተቐቢሉ ዘይግብኣና ድማ ህይወት ኣይንረክብን ኢና'ሞ ኣብ ቀራንዮ ዕርቃኑ ዝስቀል ጐይታ ኣብ ዮርዳኖስ ብግልጺ ተራእየ። ዮሃንስ ንጐይታ ብርሑቅ ክመጽእ ምስ ረኣዮ መስከረሉ።ጐይታ ንዮሃንስ ምስ ቀረቦ ድማ ዮሃንስ ድኻሙ ገለጸሉ።ኣገልጋሊ ንሰባት ናይ ጐይትኡ ክብሪ ፡ንጐይትኡ ድማ ናይ ህይወቱ ድኻም ክዛረብ ይግብኦ።
ቃሉ ከም'ዚ ይብል፥-
“ሽዑ ኢየሱስ ብዮሃንስ ክጥመቕ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸ። ዮሃንስ ግና "ኣነ ደኣ ብኣኻ ኽጥመቕ የድልየኒ እምበር ንስኻ'ዶ ናባይ ትመጽእ!” ኢሉ ኣበዮ /ማቴ3፡13_14/። ዮሃንስ እዚ ዝበሎ ንሕና ከምንብሎ ንትሕትና ኣይኮነን፡ብሓቂ እዩ። ዮሃንስ ናይ ብዙሓት ውድቀት ሰሚዑ እዩ። ንሱ ድማ ዝሰምዖ ጐይታ ይደሊ ነበረ። ንዘመናት ኢየሱስ እንተዝመጽእ ኣነ ድማ ብእኡ ምተጠመቕኩ ኔረ እናለ ይምነ ነበረ። ኢየሱስ ግን ኣጥምቐኒ በሎ።ኣገልጋሊ ክግልገል ደልዩ ነበረ። ኣገልግሎት ግን ጥሮታ የብሉን። ናይ ኣገልግሎት ወደቡ ሰማይ እዩ። ብዙሓት ኣገልገልቲ ነዚ ተመንዮሞ እዮም ጐይታ ግን ገና ኣገልግሉኒ ይብሎም። ዕረፍቲ ዘሎ ብምቕማጥ ዘይኮነ እናሰማዕካ ብምጉያይ እዩ።
ዮሃንስ ክሳብ ጐይታ ስለ ሓጢኣት ኣጥመቐ። ሓጢኣት ዘይብሉ ጐይታ ደኣ ብምንታይ ምኽንያት ከጥምቖ? ዮሃንስ ንኩሉ ብስም እግዜአብሔር ኣጥመቐ። እሞ ንእግዜብሔር ደኣ ብናይ መን ስም ከጥምቖ እዩ? ሊቃውንትና፡ ዮሃንስ ከጥምቖ ከሎ ከምዚ ቢሉ ኣጠመቖ ይብሉ "ወልዱ ለቡሩክ ከሳቴ ብርሃን አንተ ካህኑ ለአለም በከመ ሲመቱ ለመልከ ጼዴቅ፥ትርጉም፥-" ወዲ ቡሩክ ብርሃን እትገልጽ ይቕረ በለለይ ንስኻ ከም መዓርግ መልከ ጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ" ኢሉ ኣጥመቖ ይብሉ። ኣገላልጻኦም ግሩም እዩ።
ብሓቂ ኣጋይሽ ብምቕባል ምስ እንተግህ ሓንቲ መዓልቲ ከም ኣብርሃም ንእግዚኣብሔር ክንቅበሎ ኢና። ንሓጢኣተኛታት ተጊህና ንንስሓ ምስ እነብቅዕ ነቲ ንጹህ ጐይታ ከነገልግሎ ኢና። ትእዛዙ ምስ እንፍጽመሉ ናይ ትእዛዝ በዓል ቤት ጐይታ ባዕሉ ይመጽእ። ፍቓዱ ኣብ ዘላቶ እግዚአብሔር ኣሎ። ዮሃንስ ናይ ኻልኦት ናይ ህይወት ድኻም፡ ናይ ሓጢኣት ውድቀት፡ናይ ናብራ ጭንቀት ይሰምዕ ነበረ። ንየሱስ ምስ ረኣየ ግን ባዕሉ ከዕርፍ ስፍራኡ ክሓድግ ደለየ። ንኻልኦት ብዘገልገልናዮ መጠን ብዕጽፊ ጸጋ ይበዝሓልና። ጸጋ መክሊት እዩ። መክሊት ዝበዝሕ ድማ ምስ እንነግደሉ እዩ።
“የሱስ ከኣ፥- "ኩሉ ጽድቂ ክንፍጽም ይግባኣና እዩ'ሞ ሕጅስ ይኹን ደኣ ሕደግ" ቢሉ መለሰሉ።
ንሕና ናብ ዶብ ጽድቂ ምጽጋዕ ንጽድቂ ድማ ከም ኣጥቃዒት ቆጺርናያ ንኸውን። ጐይታ ግን ኩሉ ጽድቂ ፈጸመ። ካብ መንገዲ ሰብ ሪሒቑ ከደ።ካብ'ቶም ሰናይ ዝገብሩ ንላዕሊ ሓሊፉ ኸደ። ጽድቂ ዝፍጽሙ ይህልዉ ይኾኑ ነገር ግን ካብዚ ንላዕሊ ኣይሓልፍን፡ይኣኽለኒ ኢሎም ግን የቑሙ። ጐይታ ግን ኩሉ ጽድቂ ፈጸመ። ጽድቂ ዝጠመየ ካብ ምብላዕ ዓሚቕ ትርጉምን ናብራን ኣለዎ።
ወንጌል ማቴዎስ ስለ ጽድቂ ብዙሕ ይዛረብ እዩ። ዕምቆት ካብ ዘለዎ ናይ ጽድቂ ናብራ (ህይወት) 2 ንመልከት፥-
1.ናይ ምሕዳግ ጽድቂ
ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ከም'ዚ እዩ ኣዲኡ ንዮሴፍ ተሓጽያ ከላ ከይተቓረቡ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት ሕጹያ ዮሴፍ ጻድቅ ስለዝነበረ ብሕቡእ ክሓድጋ ደኣ ደለየ እምበር ኬጋልጻ ኣይደለየን" ማቴ1፡18_19።
ሓንቲ ሰበይቲ ብዘይ መውስቦ ጠኒሳ እንተ ተረኺባ ሕጉ ከምዝእዝዞ ንጉባኤ ብምንጋር ግቡእ መቕጻዕቲ ትወስድ። እዚ ናይ ኦሪት ሓቂ /ጽድቂ/ እዩ። ጽድቂ ግን ካብ'ዚ ይዓቢ።ናይ ኦሪት ጽድቂ ምግላጽ ክኸውን ከሎ ናይ ሓዱሽ ኪዳን (ናይ ጸጋ ዘመን) ጽድቂ ግን ምሽፋን እዩ። ዮሴፍ ከም ናይ ኦሪት ሕጊ እንተዘጋልጻ ኔሩ ጻድቅ እዩ ኔሩ። ንሱ ግን ናይ ሓዱሽ ኪዳን ጽድቂ ፈጸመ። “ዮሴፍ ግና ጻድቅ ስለ ዝነበረ ብሕቡእ ኪሓድጋ ደኣ ሓሰበ" ማቴ1፡19። በዚ ምኽንያት ድማ እግዚአብሔር እቲ ሓቂ ገለጸሉ።
“ሓቂ ክወጽእ ኣለዎ" ንብል ኢና። ሓቂ ግን ሓንቲ ወይ ድማ እዚኣ ጥራይ ኢያ? ሓቂ ናይ ሰብ ጌጋ ገሃድ ምውጻእ ጥራይ እዩ? ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ሓቂ እዩ፡ ሓቅነቱ ወይ ድማ ጻድቕነቱ ምግላጽ ጥራይ እዩ? ብስውር ምምካር እንተ ተኻእለ ምሕዳግ ድማ ጽድቂ እዩ። እንምርሖ በየናይ ጽድቂ እዩ? ብናይ ምግላጽ ኦሪታዊ ጽድቂ ወይስ ብምሽፋን ሓዱሻዊ ጽድቂ?
2.ንእሽቶይ ናይ ምኽባር ጽድቂ፥-
“ኩሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግብኣና እዩ" (ማቴ3፡15)። ዮሃንስ ንጐይታ ምስ ኣበዮ ንእሽቶይ ናይ ምኽባር ጽድቂ ክፍጽም ከም ዘለዎ ተዛረበ።ዓበይቲ ሹማምንቲ ምኽባር ግቡእ እዩ። ጽድቂ ግን ካብ'ዚ ይሓልፍ'ዩ።ምስ ሓጢኣተኛታት ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ምስላፍ እዚ ዓቢይ ጽድቂ እዩ። ጸሓይ ኣብ ረሳሕ ቦታ እንተወጸት ኣይትረስሕን እያ። ኢየሱስ ድማ ኣብ ማእከል ሓጢኣተኛታት እንተ ተረኽበ ቅድስናኡ ኣይረሰሐን። ካብኡ ዝንእስ ዮሃንስ ኣጥምቐኒ ቢሉ ትሕት ምባሉ እዚ ድማ እቲ ዝዓበየ ጽድቂ እዩ። ንናእሽቱ ምኽባር፡ንህጻናት ከይተረፈ ክብረት ናይ ምሃብ ጽድቂ ክንላማመድ ይግብኣና። ንድኻታት ዝተረስዑ ምስማዕ፡ዓለም ንዝነዓቓቶም ሰባት ዘለዎም ዓሚቕ ምስጢር ምስማዕ እዚ ጽድቂ /ሓቅነት/ እዩ።ንሕናስ ናይ ካልኦት ነገር ናይ ምስዋርን ንዝንእሱና ናይ ምድላይ ጽድቂ ተረኺቡና ይኸውን?
ለከ ኃይል!
ጸሓፊ፥- ዲያቆን ኣሸናፊ መኮነን
ትርጉም፥- ቀሺ ኣፈወርቂ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ