ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ፥ ንመጀመርታ ጊዜ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ናብ ቦታኦም ይመለሱ ዝብል ኣብ ህዝቢ ምስ ተወዓወዐ፥ ንምእመናን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን ዓቢይ ሓጎስን ፍስሓን ፈጢሩሎም'ዩ። ኣምላኽ ጸገምና ግዲ ወዲኡልና፥ መርገም እዞም ቅዱስ ሰብኣይ ካብ ርእስና ክወርደልና ደልዩ። ቤተክርስትያን ናብ ሰላማ ክትምለስ እያ... ዝብል ተስፋታት ክዝንቢ ጀሚሩ ቀንዩ።
እዚ ድምጺ ተስፋ እዚ፥ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ቄርሎስ፥ ኣቡነ ሰላማ፥ ኣቡነ ዮሓንስ፥ ጳጳሳት ኣቡነ ባስልዮስ፡ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ብምሉእ ድምጺ ኣቦና ይመለሱ ንዝብል ኣቋም ብሓጎስ ተቐቢለምዎ ኣለዉ፥ ኣቡነ ጴጥሮስ’ውን ምስቲ ኩሉ ፍርሂን ንእሽቶ ትጽቢት ናይ ፓትርያርክ ምዃን ሓዊሶም ማእከላይ መትከል ወሲዶም ኣለዉ። እዞም ሊቃነ ጳጳሳት፥ ብዕድመ ዝሸምገሉ፥ ብዙሕ ሓጋዚ ዘይብሎም፥ ነቲ ሽርሕን ጉርሕን ብዙሕ ዘይፈልትዎ እኳ እንተኾኑ፥ ብዓቕሞምሲ ብዙሕ ይቃለሱ ኣለዉ። ኣባ ሉቃስን ሰዓብቶምን ግን ኣንጻራዊ መትከል ሒዞም እቲ ድምጺ ተስፋ ሸትኡ ንኸይሃርም ላሕ ይብሉ ለዉ። እቲ ኣንጻራዊ መትከል ሒዙ ንዕርቂ ዝሕሰም ዘሎ ጉጅለ ኣባ ሉቃስ ነዞም ዝስዕቡ ሰባት ዝሓዘ እዩ፥
ብተወሳኺ፥ እዚ ንዕርቂ ዝሕሰም ዘሎ ጉጅለ ኣባ ሉቃስ፥ ዝኾነ መንፈሳዊ መዓርግ ይኹን መንፈሳዊ ግብሪ ዘይብሉ ጉጅለ እዩ። መንግስታዊ ደገፍ ስለዝርከብ ግና ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑዋ ይርከብ። 2 ጥቅምቲ 2015: ካብ እዚ ክልቲኡ ጉጅለ ንዕርቂ ናብ ግብጺ ክኸይድ እዩ።
ካብ ጉጅለ ጳጳሳት ሲኖዶስ፥
ካብቲ ንዕርቂ ዝሕሰም ዘሎ ጉጅለ፥
ስለዚ እዚ ንዕርቂ ዝሕሰም ዘሎ ጉጅለ ኣባ ሉቃስ፥ ልክዕ ከምቲ ኣብ 2005 ኣቶ ዮፍታሄ ምስ ፖፕ ሲኖዳ ዝገበሮ ሕልክስና ክፈጥር ይኽእል እዩ። ከመይሲ ንቤተክርስቲያን ኣይፈልጣ ቤተክርስቲያን'ውን ኣይትፈልጦን እያ። እንተ ግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን ግን ሓዋርያዊ ስርሓ ኣይትርስዕን እያ። ንግብጺ ምኻድውን ኣይመድለየን ኔሩ። እቲ ሓቂ ንጹር እዩ፥ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ናብ ቦትኦም ክምለሱ ይግባእ። እንተኾነ፥ ነዚ ድራማ ዘቀናብር ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ምዃኑ ህዝቢ ክርስዖ ዘይግብኦ ሓቂ እዩ። መንግስቲ-ኤርትራ ዝሓለፈ ምክፍፋል ይኣክል እዞም ፓትርያርክ ኣብ ቦታኦም ይመለሱ: ዕርቂ ይገበር እንተ ኢሉ፥ ከልካሊ የለን። ቀደሙውን መንግስቲ እዩ ንፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣውሪድዎም እምበር ጳጳሳት ድኣ ዘይ ብድፊኢት መንግስቲ እዮም ፈሪሞም። ይኹን እምበር እቶም ንቤተ ክርስቲያን ከጥፍእዋ ዝሓሰቡ ኩሎም፥ ንርእሶም ጠፊኦም እዮም። ቤተ ክርስቲያን ግን ትማሊ ነይራ፥ ሎሚ ኣላ፥ ጽባሕ ድማ ክትህሉ እያ።
እግዚኣብሔር ሰላሙ የውርደልና።
ኣብሳዲ ገዳማዊ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ