S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መስቀሉ ጸይሩ……ንዓይ ኣይበቅዕን” (ማቴ 10፡38)

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቂ መዛሙርቱ ብዛዕባ እቲ ስለ ስሙ ብዝምስክርዎ መጠን ክቕበልዎ

ዘለዎም መከራ ምስ ነገሮም።እቲ ብጸልማት ዝነገርኹም ብብርሃን ተዛረብዎ፣ኣብ እዝንኹም እትሰምዕዎ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ዄንኩም ስበኽዎ” /ማቴ 1027/ ኢሉ ክርስትና ናይ ብርሃንን ሉጽነትን መገዲ ህይወት ደኣምበር ናይ ሕብእብን ሽፍንፍንን ከም ዘይኮነ ድሕሪ ምንጋር ነፍሲ ወከፍ ሃዋርያ መመስቀሉ ጸይሩ ክስዕቦ ከም ዘለዎ ንምምልካት ከምዚ በሎም፣- “እቲ መስቀሉ ጸይሩ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንዓይ ኣይበቅዕን እዩማቴ 1038/። ሃዋርያት ድማ ነዚ ቃል ጐይታ ኣብ ተግባር ብምውዓል መስቀሎም ጸይሮም ክሳብ ሞት እሙናት ኮይኖም እዮም። ኣብዚ ልቢ ክንብሎ ዘለና መስቀለይዘይኮነመስቀሉ ምኽንያቱ ቀራንዮ ምስ እንርኢ ናይ ክርስቶስ መስቀል ሎሚ ባዶ እዩ፣ ንምንታይ ባዶ ኮይኑ ምስ እንብል ንሕና ምእንቲ ስቀለሉ እዩ። መስቀሉ እሞ ባዕሉ ካብ ቤተ ልሄም ክሳብ ቀራንዮ ጸይርዎ እዩ።

መስቀል መከራ እዩ። ክርስቶስ ኣምላኽና ንደቂ ሰባት ድሕነት ክብል ክሳብ መስቀል መሪር ሞት እዩ ተዓጊሱ። ናብቲ ሕፍረት ዘበለ ንዒቑ ምእንቲ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጎስ ክሳብ መስቀል ምማት ዝተዓገሰ… /ዕብ 122/ ይብል እቲ ሃዋርያ፣ቀጺሉውንመልክዕ ባርያ ብምውሳድክሳብ መስቀል ሙማት ተኣዘዘ ይብል /ፊሊጲ 27-8/። በዚ ናይ መስቀል ናይ ድሕነት “ኣብ ክንዳና መርገም ብምዃን /ገላ 313/ ሰላምን ዕርቅን ድህነትን ንዓለም ሃበበመስቀሉ ገብረ ሰላመ፣ ብምሰቀሉ ሰላም ገበረ። ሃዋርያት ድማ ነዛ ናይ መስቀል መልእኽቲ ተቐቢሎም ንዓለም ክሰብክዋን ከበስርዋን ተላዕሉ። ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ በዓለ ሓምሳንስኻትኩም ኣብ ዕንጸይቲ ዝሰቐልክሞ” /ግብ፣ሃዋ 410/ ኢሉ ብትብዓት ዝሰበኸ። ቅዱስ ጳውሎስንሕነሰ ንሰብክ ክርስቶስሃ ዘተሰቅለ ብምባል ነታ መስቀል ክርስቶስ ኣይገደፋን፣ እኳ ደኣኣነስ ስምብራት ክርስቶስ እጸውር ኣለኹ” /ገላ 617/ እዩ ዝበለ። ኣብ መጽሓፈ ቅዳሴና ከም ንብሎምስጢረ ኅቡአ በዲበ መስቀል ዘአንተ አርአይከ፣ ዝተሰወረ ምስጢር ኣብ መስቀል ዝገለጽካ ንስኻ ኢኻ” ይሁድ እዚ ጥበብን ምስጢርን ሓይልን ምድሓንን ኣምላኽ ስለ ዘይተቐበልዎን ዘይኣመንዎን ስለ ዝኸሓድዎንኣይሁድ ክሕዱ ንሕነሰ አመነ፣ ኣይሁድ ከሓዱ፣ንሕና ግን ኣመና” ከም ነት ቆጸርዎ ኣይተቐበልዎን።ቃል መስቀል ነቶም ዝጠፍኡ ዕሽነት እዩ፣ንዓና ነቶም እንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ” 1 ቆሮ 118/

ቅዱስ ጳውሎስግዝረት የድሊ እዩ እናበልኩ ገና ዝሰብኽ እንተ ዝህሉ ኣይመሳደዱንን ነይሮም፣ እቲ ዕንቅፋት ኮይኑ ዘሎናይ መስቀል ስብከትከኣ መልገሰ ነይሩገላ 511/ እዚ ናይ መስቀል ስብከት ዕንቅፋት ስለ ዝኾኖም ንመስቀል ክርስቶስን ክርስትናን ከጥፍኡ እዮም ተላዒሎም። ነቲ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ መስቀል ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ቀበርዎ። እዚ ከምዚ ኢሉ ድማ ነስታት 3 ዘመን ኮነ፣ እግዚኣብሄር ከኣ ንንግስቲ ኢለኒ ኣደ ቆስጠንጢኖስ ኣላዒሉ ነቲ ንዘመናት ዝተቐብረ መስቀል ክርስቶስ ከም ዝወጽእ ተገይሩ /10 መጋቢት ተረኺቡ ነገር ግን ግዜ ጾም ስለ ዝኾነ ብቀኖና ቤተ ክርስቲያን 17 መስከረም ኮይኑ፣ ምኹዓት ዝተጀመረሉ እዩ/

ሎሚከ መስቀል ክርስቶስ ዝቐበርና ክንደይ ኢና? ሰባት ከይብሉና ኢልና ነቲ ብጸልማት ዝረኣናዮ ብብርሃን ከይንምስክር ዝፈራሕና፣ ብእዝንና ዝሰማዕናዮ ከይነዘንቱ ኣእዛና ዝዓጸና? ሓቂ ከይንምስክር መከራን ነቐፋን ዝጸላእና፣ ክርስትና እንታይ ገደሸኒ ኣብ ዝበሃለሉ ግዜ ኢና ዘለና ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ተጋሂሱ እናረኣና ስቅታ ዝመረጽና፣ ንክብርና ዝቖምና፣ ኣብ ምፍልላይን ኣብ ነፍሰ ፍትወትን ዘድሃብና፣ ናይ ቃል ክርስቲያን ደኣምበር ናይ ተግባር ዘይኮና፣ መስቀል ካብ ኣብ ክሳድ ካብ ምንጥንጣል ዘይሓልፍ ንጌጽን ንመልክዕን ኮይኑ፣ ፍቕሪ፣ ሕውነት፣ ሰላም፣ ሕግን ፍትሕን ተቐቢሩ፣ ኣብ ሃገርናን ቤተ ክርስቲያናን ሕጊ ኣልቦነት ነጊሱ። እታ ንነገስታት ሕጊ ሓጊጋ ዝሃበት ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ግዜ እዚ ብዛዕባ ሕግን ፍትሕን ክትጣራዕ ክትሰምዕን ክትርእን ከለኻ ዘስደምም እዩ። ለንቀነ ኣብ tewahdo.org ዘንበብክዎ ጽሑፍ፣- “ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ዝባን ሕጊ እያ ትብል ዘላ። ክርስትና ናይ ገንዘብ መዃዕበቲ ኮይኑ። ቅዱስ ጳውሎስ፣- “ብዙሓት ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉኢሉ ፊሊጲ 318/። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዙሕ ግዜ ንኻልኦት ኢና ንጠቕሳ ግን ተላይ ነቶም ጣዕምን ተድላን ምቾትን ዓለም ኣፍቂሮም ንስለ ስም ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያኑን መከራን ነቐፋን ጸርፍን ምቕባል ፈሪሖም መስቀል ክርስቶስ ንስማዊ ጥራሕ ኣብ ክሳዶም ዘንጠልጥሉን ንጣዕሚ እዛ ዓለም ዝነብሩን እዩ። ጐይታ ግን እቲ መስቀሉ ጸይሩ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንዓይ ኣይበቅዕን በለ። "ዓለም ግን ሎሚ መስቀል ዘይብሉ ክርስቶስ እያ ትደሊ ዘላ” “ሰብኣይን ደሊኺ ጭሕምን ጸሊእኪዝበሃል ምስላ ንኸምዚ እዩ። ክርስቶስ ደሊኻ መከራ ጸሊእካ ኣይከውንን እዩ። እሞ ነዚ ዘይንምስክር እንተ ኮይና መስቀል እንታይ እዩ ትርጉሙ?

መስቀል መክሊት እዩ፣ ንሰባት ፈሪሕና ምስ እንቐብሮ ከቢድ ቅጽዓትን ፍርድን እዩ ዘለዎ /ማቴ 2515-29/። ኣብዚ ዘመን እዚ ገኒነን ዘለዋ ቃላትከይብሉናን እንታይ ገደሸካንእየን። ጐይታን ኣቦታትና ሃዋርያትን ግን እንታይ ገደሸንን ከይብሉንን ኢሎም ዝሓለፍዎ ነገር የለን ስለዚ ንጐይታን ኣቦታትናን ጥራሕ ክንጥምት ኣለና። ጐይታ እንታይ ገደሰኒ እንተ ዝብል ነይሩ ክርስትና ናይ ሓቂ መገዲ ኣይምኾነን ነይሩ። መኽሊትና ከነራብሖ ኣለና እንተ ዘይተጠቂምናሉ ይውሰድ እዩ። ስለዚ መስቀልና ንሰከም። ካብ ፍርሓትን ከይብሉንን ወጺና ብፍቕርን ለውሃትን ኣምላኽና ኣሚንና ጉዕዞ መስቀልን ወንጌልን ንጀምሮ። ኣብ ኩሉ ጉዕዞናን መገድናን  ዕላማ መስቀል ዘኪርና ነቲ ኩሉ ዝዕቅፈናን ዝፈታተነናን ብመስቀሉ ንገስጾ። ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቂ፣- “ኩሉ ግዜ ገጽካ ከተማዕትብ ከሎኻ ንዕላማ መስቀል ዘክሮ፣ ከተማዕትብ ከሎኻ ኣብ ውስጥኻ ዝለዓል ሕርቃን ኮነ እኩይ ስምዒት በቲ በጃካ ዝተኸፍለልካ ዋጋ ዘክሮ ኣርሕቆኣቦታትና በዚ እዮም ከቢሮም፣ በዚ እዮም ከኣ ስዒሮም።

ዕላማ መስቀል ኣብ ኣቦታትና ዓቢይ ታራ ነይርዎ። ቀደምት ኣበዊነ ናብ ግብጽን የሩሳሌምን ከኸዱ ከለዉ ንዕላማ መስቀል ፈጺሞም ኣይርስዕዎን ነይሮም። ገለ ካብኣቶም ከም እኒ በዓል ኣቡነ ገብረ ክርስቶስ /ዓብደል መሲሕ/ ኣብነት ክንወስድ ንኽእል። በረኻታት ሱዳንን ግብጽን ምድረ በዳን ኣጻምእን ስለ ዝኾነ ብዙሓት ተናደፍቲ ኣራዊት ኣለውዎ ከም ተመን፣ ኣናብር ኣዛብእ ወዘተ። ብፍላይ ተወርወርቲ ናይ ምድረ በዳ ኣትማን ከም ኮብራ ዓይነት። ኣብ በረኻ ኣብ ዝሓድርሉ ግዜ እምበኣር ነታ ዝድቅሱላ ቦታ ብትእምርተ መስቀል ኣኽብብ ኣቢሎማ ይድቅሱ እሞ ዋላ ሓንቲ ኣይኮኑን። እቶም ኣራዊት ካብታ ዝሓንጸጽዋ ሕንጻጽ ፈጺሞም ኣይሓልፉን ኣብ ጥቓኣ ጥራይ ይርፍረፉ /ይሞቱ/። ትእምርትን ዕላማን መስቀል ኣብ ህይወትና ኣገዳስነት ኣለዎ። ቅዱስ ዳዊት፣- “ወወኀብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ፣ካብ ፍላጻ ጸላኢ ምእንቲ ክድሕኑ ነቶም ዝፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሃብካዮምይብል /መዝ 603/። ቅዱስ ያሬድውን ኣብ ዱጓዓኡ ከምዚ ይብል፣-“መስቀል መልዕልተ ኩሉ ነገር ያድኅነነ እምጸር፣ መስቀል ልዕሊ ኩሉ ነገር ካብ ጸላኢ ድማ የድሕነናይብል።

እግዚኣብሄር ንሓይሊ ጸላኢ ብመስቀሉ ይገስጸልና። መስቀሉ ክንጸወር ይደግፈና!

ርሑስ ቅንያት መስቀል ይግበረልና። ኣሜን

ቀሺ ኣፈወርቂ

መስቀል ንዓና እንታይ እዩ?” ይቕጽል……2 ክፋል

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div