ዓመታዊ ክብረ በዓል ደብረ ብርሃን ቤተ ክርስትያን ቅድስት ስላሴ ከተማ ስያትል፡ ካብ ዓርቢ 17 ክሳብ ቀዳም 18 ሓምለ 2015 (ሓምለ ፲ - ፩፩, ፪፻፯ ዓ.ም ግእዝ) ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኣሜርካ ብዝመጹ ሊቃውንቲ ውሉደ-ክህነትን ምእመናን ተኸቢሩ።
ድሮ እቲ ክብረ በዓል ዓርቢ 17 ሓምለ ካብ ሰዓት 5:00 ክሳብ ሰዓት 8:00 ብዋዜማ እዩ ዝጀመረ። ናብ ቀዳም ዘውግሕ ለይቲ ድማ ካብ ሰዓት 4:00 ክሳብ ሰዓት 8:00 ብስብሓታትን ማህሌትን ቀጺሉ ሓዲሩ። ቅዳሴ/ስብከት: ካብ ሰዓት 8:00 ክሳብ ሰዓት 11:00 ተኻይዱ። ቀጺሉ ታቦት ወጺኡ ካብ ሰዓት 11:00 ክሳብ ሰዓት 12: 00 ድማ ዑደት ኣብ ቀጽሪ ቤተክርስቲያን ተኻይዱ። ብልብሰ-ተክህኖ ዝማዕረጉ መዘምራን ቤት ትምህርቲ ሰንበት ብሊቃውንቲ ቤተክርስትያን እንናተመርሑ: ምእመናን እንናዘመሩን እንናሸብሸቡን ብሓጎስን ዕልልታን ተሰንዮም ዑደቶም ድሕሪ ምፍጻም ከባቢ ሰዓት 12:00 ይኸውን ናብቲ ዝተዳለወሎም ኣደራሽ ኣምርሑ።
ናይ ሓደ ሰዓት ዝኸውን ናይ ምሳሕ ግዜ (ካብ ሰዓት 12:00 ክሳብ ሰዓት 1:00) ምስ ተዛዘመ ቀጺሉ ዝቐረበ ትምህርቲ እዩ። ተራ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ቤተክርስቲያን ከመይ ይመስል ንዝብል ሕቶ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ሊቀ ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያት ተዋህዶ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝተደገፈ ሰፊሕ ዝኾነ ትምህርቲ ሂቦም። መሳጢ ትምህርቲ ብምንባሩ ድማ ን2 ሰዓታት ዝኸውን ግዜ ወሲዱ።
ብተወሳኺ፥ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ: ሰንበት ኣብ እዋን ቅዳሴ ድማ ንኽልተ መንእሰያት: ሓደ ዘማሪ እቲ ካልኣይ ድማ ኣናጉንስጢስ (ኣንባቢ) ብዝብል መዓርግ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ቀቢኦሞም። ብኸምዚ ድማ እቲ ንግደት ብዘሐጉስ ኣገባብ ተፈጺሙ።
ክብረ በዓል ቅድስት ስላሴ፥ ግዚኣብሔር ሓድነቱን ሰለስቱነቱን ዘግሃደሉ ዕለት፣ እቲ ኣቦ ምእመናን እናተባህለ ዝጽዋዕ ኣብርሃም’ውን ዓስቢ እምነቱ ዝተቐበለሉ ዕለት እዩ።
ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ስላሴ ከተማ ስያትል
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ