S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እግዚኣብሄር ዝሰምዖ ጸሎት

“... ካብታ ልብኻ ናብ ምስትውዓል ዘቕናዕካላ ርእስኻዉ’ን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽካ ዘትሓትካላ ቀዳመይቲ መዓልቲ ጀሚረን ቃላትካ ተሰሚዐን እየን እሞ፡ ኣይትሸበር። ምእንቲ እዘን ቃላትካ ከኣ መጺኤ እኔኹ” (ዳን 10፡12)

ማይ ጸሚእካ ክትሰቲ ሃረር እናበልካ ከሎኻ ኣብ ቅድሜኻዉ’ን ዝስተ ፈልፋሊ ዒላ ማይ ምህላዉ እናፈለጥካ ብኸመይ ከም ዝቕዳሕ ዘይትፈልጥ እንተ ከýንካ ብጽምኢ ክትሽገር ናይ ግድን እዩ። እቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽና ለምኑኒ ክህበኩም እናበለና ክነሱ ብኸመይ ከም እንልምኖ እንተ ዘይፈሊጥና ዝለመናዮ ክንቅበል ኣይንኽእልን ኢና። እግዚኣብሄር ኵሉ ዓይነት ጸሎትን ናይ ኵሉ ሰብ ጸሎትን ሰሚዑ ስቕ ኢሉ ዝህብ ዝምልስ ኣይኮነን። “ትልምኑ ኢኹም እሞ፡ ብፍትወት ስጋኹም ምእንቲ ክትዘርውዎ፡ ብኽፉእ ስለ ዝለመንኩም፡ ኣይትቕበሉን ኢኹም” (ያእ 4፡3)። እግዚኣብሄር ነገራት ስለ ምንታይ ንልምኖ ከም ዘሎና፡ ኣብ ምንታይ ኵነታት ኴንና ንልምኖ ከም ዘሎናዉ’ን ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ምስ ሓጢኣትን ዓለምን ተጸናቢርና እናነበርና ካብ እግዚኣብሄር ገለ መልሲ ጸሎት ክንቅበል ኣይንኽእልን ኢና። ሃዋርያት፡ ነዚ ብምስትውዓል እዮም፡ ንጐይታ ጸሎት መሃረና ኢሎም ዝሓተትዎ። ጐይታ ድማ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦ መልሲ ክረኽብሉ ዝኽእሉ ጸሎትን ዓይነት ኣጸላልያን ብቐሊሉ መሃሮም (ማቴ 6፡1-15)። ብቕድስናን ፍርሃት እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ድማ ብትሕትና እናተመላለስና ከም ፍቓዱ ምስ እንልምኖ፡ እቲ መልሲ ዋላ ኣኳ ዝድንጕ እንተ መሰለ ምምጽኡ ኣይተርፍን እዩ። (2ዜና 7፡14፣ እዮ 22፡23-28፣ መዝ 66፡16-20፣ ኤር 29፡12-14)

ኣስተንትን

1. ሕጂ ክትጽልይ ከሎኻ ህይወትካ ኣብ ከመይ ኵነታት ኣላ፧

2. እግዚኣብሄር ዘይሰምዖ ጸሎት ከመይ ዝበለ እዩ፧ እቲ ዝሰምዖኸ፧

3. እግዚኣብሄር ንዅሉ ጸሎትካ ይሰምዖዶ ኢልካ ትሓስብ፧ ስለ ምንታይ ደኣ ገሊኡ ጸሎትካ ቀልጢፉ ዘይምለስ ፧

ከም ንሃዋርያት፡ ጸሎት ክምህረና ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መህ 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div