“ምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ... ክርስቶስከ ምስ ብልያል እንታይ ምስምማዕ ኣለዎ፧ ወይስ ንኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ግደ ኣለዎ፧ ...” (2 ቆሮ 6፡14-18)
ጸባን ማይን ብሓደ እንተ ዝሕወሱ ንኽትፈልዮ ኣሸጋሪ እዩ። ዘይቲ ምስ ማይ እንተ ተሓወሰ ግና ንኸተለልዮ ቀሊል እዩ። ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ እንነብረሉ እዋን ድማ ከምኡ ብዅሉ ነገርና ፍሉያትን ብቐሊሉ እንልለን ክንከውን ይግባእ። ኣብዚ ምትሕንፋጽ ዝበዝሖ ዘመን፡ ሰይጣን ድማ ንልቢ ብዙሓት ብጽድቂ ዝመስል ሓጢኣት ዘታልለሉ ዘሎ ጊዜ፡ ከመይ ዝበሉ ብፍሪኦምን ካብ ዓለም ድማ ብዅለንትንኦምን ዝተፈልዩ ናይ ኣምላኽ ሰባት ክንከውን እዩ ዝግባእ። ቃል እግዚኣብሄር “ውጹን ተፈለዩን” ይብል ኣሎ። ነዚ ቃል እዚ ኣብርሃም ብምልኣት ክነብሮ ተራእዩ (ዘፍ 12፡1)። እቲ ሒዝካዮ ዘለኻ ብርሃን ኣብ ጸልማት ኣቲኻ ከተብርሃሉ ደኣ እምበር በቲ ጸልማት ክትወሓጥሲ ፍቓድ ኣምላኽ ኣይኰነን። ኣርዑት እተቘርኑ ኣብዑር ኵሉ ጊዜ እቲ ዕርፊ ናይቲ ኣርዑት ሒዙ ዘሎ ሰብ ንኽቈጻጸሮም ቀሊል እዩ። ከምኡ ድማ ሓደ ኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ኣብ ዝቝረነሉ እዋን እቲ ዕርፊ ሰይጣን ስለዝሕዞ ህይወቱ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሰይጣን ይኣቱ፡ ስለዚ ድማ ህይወቱ ይበላሾ። ናይ ክርስቶስ ዘይኰነ ብልማድ ሰብን ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ንልብና ከየስሕተና ኣዚና ክንሕሎ የድሊ። ነቲ እወ፡ እወ ነቲ ኣይኰነን ድማ፡ ኣይኰነን ደኣ ንበል እምበር ምስ ዓለም ኣይንመሓዞ። ክንገብሮ ንዝደለና ሓጢኣት፡ ሰይጣን ብዘጻወዶ መፈንጠራ “ደሓንዩ'ኮ” ኣይንበል ምኽንያቱ ኣብ ዘይደሓን ደሓን ክርከብ ኣይክእልን እዩ ከምኡ ከኣ ካብ ዓለም ጥዑይ ፍረ ክንቅንጥብ ኣይንኽእልን ኢና። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።
ኣታ ንኣምላኽ እተሓሬኻ ህዝቢ እቲ ክቡር ዕንቍኻ ንመፋልስ ኣይትደርቢ፡ ብክቡር ዋጋ ተዓዲግካ ኢኻ እሞ ናብራኻ ጻማ ነፍሲ ጐይታኻ ዝምልስ ደኣ ይኹን።(ኤፌ 5፡5-11፣ ማቴ 7፡6፣ ሆሴ 7፡8-9፣ 1ቈረ 15፡33)።
ኣስተንትን
1. ልብኻ ኵሉ ጊዜ'ዶ ንኣምላኽ ይፍለ፧
2. ዘይተቘርጸልካ ምስ ዓለም ዘራኽበካ ሕብረት እንታይ ኣሎ፧ ሕጂ'ከ እንታይ ትውስን፧
3. ብኸመይ መገዲ ኢና ካብ ዓለም ክንፍለ እንኽእል፧
ኣምላኽ ንእኡ ብምልኣት ዝተፈልየ ህይወት ክህበና ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።
ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።
መህ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ