S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቤተ ክርስቲያን ብመሰረቱ ብደም መድሓኒና ክርስቶስ ዚተዓደገት ብጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እትምራሕ ሰማያዊት፡ መንቅብ ኣበር ዘይብላ ክብርትን ቅድስትን  መንግስቲ እያ።

“ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ፡ ርስሓት ዕጣር፡ ወይ ንእኡ ዚመስል ገለ ነገር ዜይብላ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን  ቤተ ክርስቲያን ገይሩ ንርእሱ ምእንቲ ኬቑማ ኢሉ ርእሱ በጃኣ ሃበ (ኤፌ 5 25-27) ነዛ ብደም መድሓኒና ክርስቶስ ዚተጠርየት ድማ ከምቲ ፍቓዱ ገይሮም ብመንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኪመርሕዋ ሃዋርያትን ኤጲቆጶሳትን ሸመላ።ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዜጥረያ ቤተ ክርስቲያን ኣምላኽ ክትጓስዩ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዚሸመኹም ኵሉ መጓሰ ሓልዉ ኣነ ምስ ኣግለስኹ ነቲ መጓሰ ዘይንሕፉ እኩያት ተዃሉ ከም ዚኣትውኹም እፈልጥ ኣሎኹ (ግብ 20:28)

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምሕረቱ ይልኣኸልና እምበር ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያንና ካብቲ ኃዋርያውን ቀኖናውን መገዲ ወጺኡ፡ በቶም ንኽመርሑ ብቤተክርስትያንን መንፈስ ቅዱስን ዝተሾሙ ኣቦታት ዘይኮነስ፡ ብወለንታን ውጥንን ፖለቲከኛታትን መሰራሕቶም “ብዓል ንብላዕ ስርናይ ክሳብ ሰማይ” ካብ እትወድቕ ብዙሕ ዓመታት ኣሕሊፋ ኣላ። ሎሚ ከም ደቂ ቤተ ክርስቲያን እቲ ቅልስና ምስ ስጋን ደምን ጥራሕ እንተ ኩይኑ ኣይክንዕወትን ኢና። ከምቲ ቅ.ባስልዮስ ኣብ ዝደረሶ ጸሎት “ነኣኩቶ” ወትሩ እንደግሞ “ኦ መፍቀር-ሰብ፣ ነዛ ቅድስቲ ዕለት እዚኣን፣ ኵሉ ዘመን ህይወትናን፣ ንዓኻ ብምፍራህ ብፍጹም ሰላም ክንፍጽሞ ካብቲ ሠናያትካ ንኽትህበና ንሓትትን ንልምንን ኣሎና። ኵሉ ቅንኣትን፣ ኵሉ ፈተናን፣ ኵሉ ግብር-ሰይጣንን፣ ምኽሪ ክፉኣት ሰባትን፣ ኅቡእን ግሁድን ዝኾነ ምልዓል ጸላእን፣ ኦ ጎይታ ካባይ ኣርሕቕ፤ ካብ ኵሉ ህዝብኻ’ውን ኣርሕቕ፤ ካብዚ ቅዱስ ቦታኻ እዚ’ውን (ቤተክርስቲያንካውን) ኣርሕቕ።” እቲ ቅልስ ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣን፡ ምስ መንፍቲ እኸይን ኣብ ሰማይ ምዃኑ ፈልጥና፡ ኵሉ መንፈሳዊ ኣጽዋር ለቢስናን ኣልዒልናን እንተ ተዋጊእና ግና ብሓይሊ ኣምላኽ ክንስዕር ኢና። ካብቲ ዕላማ መንፈሳዊ ውግእና ኪኸውን ዘለዎ፡ ገና ቤተ ክርስቲያን ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ኣትያ፡ ህዝብና ኣብ ፈቀዳ ቤት ጠንቛሎን፡ ተስፋ ምቝራጽን ኣትዩ፡ ኣወዳትናን ኣዋልድናን ንሕሰም ስደትን ዝርጋንን ምንዝርናን ተቓሊዐን፡ ኣብ ዘበናት ተራእዩ ዘይፈልጥ ስቃይን ኣደራዕን ወሪዱና ኣሎ።

ኣብ ቤተክርስትያንና ኣትዩ ዘሎ ህቦብላ፡ ኣብታ ሃገር ዝነፍስ ዘሎ ንፋስ እዩ መንቀሊኡ ብሰንኪ ድሕረት ትምህርቲ፡ ካብተን ካልኦት ናይ ክርስትያን ማሕበራት፡ ዝደኸመ ምሕደራ ንደጋውን ዓለማውን ኢድ ዘእቱ ነቓዕ ስለ ዝጸንሓና፡ እቲ ንፋስ ኣብ ኩለን እኳ እንተነፈሰ ኣባና ግና ናብ ህቦብላ እዩ ተቐይሩ። ተለኻኺምካ ውድቀት እዩ። ኵሉ ቁጠባ እዛ ሃገር እዚኣ ተረሚሱ፡ ኣብ ክንዲ ምዕባለን ልምዓትን፡ ፍትሕን ፍርድን ጠፊኡ ማእሰርትን ተራእዩ ዘይፈልጥ ብልሽውናን ብዘይ መጠን ሳዕሪሩ ንርእዮ ኣሎና። እዞም ኣብ ከምዚ ዚኣተዉ መብዛሕትኦም ደቂ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት ምዃኖም ሓደን ክልተን ዜድልዮ ኣይኰነን። ምኽንያቱ ብዚግባእ ወንጌል ስለ ዘይተማህሩን ካብቶም ክርስትያን ዓብላሊ ቕጽሪውን ስለዘሎና እዩ።

እቲ ካብ ኵሉ ዚኸፍኣ ድማ ቤተ ክርስቲያን ሓጹር ዘይብላ ቀጽሪ  በዓቲ ጐሓሉትን ሰርቕትን ዀይና ንዅሉ ናታን ዘይናታን ዕርቃና ትርኣየሉ ዘላ ምዃኑ እዩ ። እቶም  ሰይጣን ነዚ ክፍኣት እዚ ዚጥቀመሎም ዘሎ ቀንዲ ተዋሳእቲ፡ መንግስታዊ ኣካላት (ላዕለዋይ ኣካል ስለያ ከም በዓል ወዲ ካሳን ናቱ መሓውር ዚዀነ ብስም ሃይማኖታዊ ጉዳይ ዚጽዋዕ መሪሕነትን)፡ ገለ ካብቶም ብትምህርቲ ሰንበት ዚጽዋዕ ኣባላት መሪሕነት፡ ኣባላት ስለያን ህግደፍን ዚዀኑ ካህናት ከም በዓል ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይ ዚኣመሰሉ ዕሉላት ዓለማውያን እዮም። እዚ ጠንቂ መሰረቱ እዚ ብሱል ትምህርትን ጥርኑፍ ኣመራርሓን ምሕደራዊ ትምህርቲ ውሉደ ክህነት ከም ናይ በዓል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘይምህላዉ እዩ። ባጀት ስለ ዘይብላ፡ ንምሕደራኣ ዚኣክል ገንዘብ ስለ ዘይብላ ብሰንኪ ዘይምእኩል ኣመራርሓ፡ ምትእትታው ግዳማውያን ሓይልታት ሰላባን ግዳይን ናይቶም ዚምውልዋ ኣካላት ዀይና ትርከብ ኣላ።

ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶስ ኤርትራ ካብ ግዜ ናጽነት ጀሚራ ኣብ ትሕቲ ድጐማን ምሕደራን መንግስቲ ምህላዋ ንዅሉ ከም ጸሐይ ቀትሪ በሪሁ ዝርአ ዘሎ ሓቂ እዩ። ተዋህዶ ሃይማኖት ኣብ ኤርትራ፡ ብብዝሒ ሰዓብቱ ዓብላሊ ሃይማኖት ስለ ዚዀነ፡ ብመጠን ዚገበርካሉ ኣበርክቶ፡  ኣብ ትሕቲ መሪሕነትን ቝጽጽርን ከተእትዎ እቲ ዚቐለለ መገዲ ድጐማ ምሃብ እዩ።  ፖለቲከኛታት ዝወጠንዎን  ዝተመነይዎን ረኺቦም። እዚ ንመንፈሳዊ ዕቤቱን፡ ንሓድነቱን ጽንዓቱን ዘይዀነስ፡ እንታይ ደኣ መሳርሒ ፖለትካ ገይርካ፡ ሰለባኻ ምግባርን ንዘይትደልዮም መራሕትን ኣገልገልትን ድማ ብስም ቤተ ክርስቲያንን መራሕነታን ምእሳር፡ ምብራርን ምውጋዝን እዩ። ቤተ ክርስቲያን ክሳብ ሕጂ ንሳ ብዘይመረጸቶም፡ ብመንግስቲ እተምዘዙ፡ ጭዋታት እረ ገሊኦምስ ህላዌ ኣምላኽ ዘይኣምኑ ወኪላት መንግስቲ ክትምራሕ ጸኒሓን ኣላን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብስም ሽዱሽተ ገዳማት ዚወጸ ፡ ንኣቶ ዮፍታሔን ንቐሺ ሃብቶምን ኣብ ዘበነ ስልጣኖም ዝፈጸምዎ ገበናት ጠቒሱ ዜወግዝ ጽሑፍ ኣብ መላእ ኤርትራ ኪዝረበሉ ቀንዩ። ብርግጽ ፖለቲከኛታት ተንተንቲ እዃ እንተ ዘይዀንና፡ እቲ ፈጺሞምዎ ዚበሃል በደል ብናይ መን ስልጣንን ሓይልን እዮም ፈጺሞምዎ? ንዮፍታሄን ሃብቶምን ናብዚ ዘይግብኦም ስልጣን መን ኣደይብዎም? ስለምንታይ? ኢድ መን ኰይኖምከ ሰሪሖም? መን ብዝሃቦም በትሪ ሃሪሞም?  እቲ መልሲ ፍሉጥ እዩ። ንምንታይኸ ሕጂ ባዕሎም ብገዛእ ስልጣኖም እዝን እትን ከም ዚገበሩ ተጋኒኑ ይዝረበሉ ኣሎ? እቲ ዓቢዪ መልሲ ሕጂውን ዚዀነ ዚመጽእ እቲ በትሪ እቲ ካብቲ ንቤተ ክርስቲያን ስልጣና ዚገበታ መሪሕነት ተዋሂብዎ እዩ ኪመጽእ። ማለት እቲ በትሪ እቲ እዩ ሕጂውን ኢድ ቀይሩ ኪመጽእ እምበር፡ ዘምጽኦ ፍታሕ የለን። ብኻልእ ኣዘራባ እቲ በትሪ ከም ዝነበሮ ኪቕጽል ምዃኑ ዘጠራጥር እይዀነን። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሓድሽን ዘይነበረን ነገር ኪመጽእ እዩ ኢሉ ዚትስፎ፡ ተስፋ ዚገብር ኣዝዩ ገርሂ እዩ። ምናልባት ሓደ ሓደ ብዕዉር ጽልእን ኣምባገነንትን ካብ ክህነቶምን ኣገልግሎቶምን ብበዓል ዮፍታሄ፡ ሃብቶምን ቀሺ ሳሙኤን ዚኣገድዎምን ዚወገዝዎምን ይምለሱ ይዀኑ። እንተ ዘየለ ሕጂውን እቲ ሓፈሻዊ መሪሕነትን መምርሕን ንሱ እዩ። መወዳእትኦም መሰክሕ ምዃኑ እንዳተፈልጠ፡ ልቢ ፈርኦን ዝወነኑ ስጋውያን፡ ምናልባት ብገለ ጸቕጥታት እንተ ዘይተዋጢሮም፡ ክሳብ እታ ዓባይ መዓልቲ ፍርዲ ከምዘይንስሑ፡ ቅዱስ ጽሑፍ ይምህረና። ሕጂውን እቲ በትሪ ረሲእነት ካብ ቤተ ክርስቲያን ኪለዓል እዩ ምባል ዘይሕሰብ እዩ። ንሓቅነቱ ድማ ንጊዜ ንሓድጎ፡

እቲ ዅሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ይቕረ ይበለልና ይወድኣልና። ዘበን ፍትሕን፡ ምሕረትን ፍቕርን ካብ ኣምላኽ ይውረደና።

ካብ ግዱሳት ደቂ ቤተክርስትያን፡ ኣስመራ

ይቕጽል 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div