ሥልጣነ ክህነት ንሓዋርያት ምስ ተዋህበ ኣብኡ ጠጠው ኣይበለን። ኣብ ላዕሊ ከም ዝተመልከትናዮ፡ ከምቲ ንቤተ ክርስቲያን ኤፈሶን ዝተገብረላ፡ ሓዋርያ ጳውሎስን ካልኦት ሓዋርያትን በብሃገሩ እናተዘዋወሩ ምስ መሃሩን ብዙሓት ኣመንቲ ምስ ኣፍረዩን፡ ንምእመናን ዝሕልዉን ዘገልግሉን
ኤጲስቆጶሳትን ካህናትን ዲያቆናትን ይሾሙሎም ነበሩ። ነዚ ምስክር ዝዀነና ድማ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ተጠቒሱ ከም ዘሎ፡ “ኣብ ነፍሲ ውከፍ ቤተ ክርስቲያን መራሕቲ ወይ (ፕራስፕተርስ ማለት ካህናት) ምስ ሾሙሎም ድማ ብጾምን ብጸሎትን ናብቲ ዝኣመንዎ ጐይታ ኣማዕቈብዎም”። እዚ ክብል ከሎ ባርናባስን ጳውሎስን ኣብቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ሓዋርያዊ ጉዕዞኦም፡ ምስቲ ሒዞሞ ዝነበሩ ስብከተ ወንጌል፡ ኣብቲ ማሕበረ ምእመናን ዘለዉዎ ዘበለ ቦታታት ሥርዓተ ክህነትእንዳቛቔሙ ይዞሩ ከም ዝነበሩ የረድኣና። (ግብ፡ 14፡23)። ከምኡ’ውን ሓዋርያት ኣብ ኢየሩሳሌም ከለዉ ስራሕ ምስ ገፍሖም፡ ዝሕግዝዎም፡ ኣብታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ሸውዓተ ዲያቖናት ብጸሎትን ብኣንብሮተ ኢድ ከም ዝሾሙሎምን ተጻሒፉ ኣሎ (ግብ፡ 6፡1-6)።
ሥርዓተ ክህነት ካብ ሓዋርያት ጀሚሩ ብረዲኤት መንፈስ ቅዱስ ክውረስ ክወራረስ ክሳዕ ሕጂ ኣብታ ሓዋርያዊት ዝዀነት ቅድስቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ንውሉድ ወለዶ ይቕጽል ኣሎ። ሓዋርያት ድማ ነቲ ክርስቶስ ዝሃቦም ሥልጣን፡ ነቶም ብድሕሪኦም ዝመጹ ተካእቶም ኣውሪሶሞም ሓለፉ። ሓዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስን ንቲቶስን ሥልጣነ ሊቀ ጵጵስና ኣብ ርእሲ ምሃቡ፡ ንሳቶም’ውን ንኻልኦት ይበቅዑ ኢዮም ዝበልዎም ተመሃሮኦም፡ ከመሓላልፉ ሥልጣን ከም ዝሃቦም ተመዝጊቡ ንረኽቦ።
“ናብ ቲቶ፥ በታ ዘላትና እምነት ናይ ሓቂ ወደይ። ካብ እግዚኣብሔር ኣቦን ካብ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻ ይኹን። ኣብ ቀርጤስ ዝኃደግኩኻ፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ ነቲ ከይተወድኤ ዝተረፈ ምእንቲ ክትሠርዕን ኣብ ዓዓዱ ኤጵስቆጶሳት ክትሸይምን ኢለ እየ። ኤጰስቆጶስ፡ መንቅብ ዘይብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ስዲ ብምዃንን ብዘይ ምእዛዝን ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለዉዎ ይኹን። ኤጲስቆጶስ፡ ዕዮ ኣምላኽ ኪመርሕ ሕድሪ ዝተቐበለ ስለ ዝኾነ፡ መንቅብ ዘይብሉ፡ ዘይዕበ፡ ዘይኵሪ፡ ወልፊ መስተ ዘይብሉ፡ ዘይዋቓዕ፡ ገንዘብ ሓራም ዘይደሊ ይኹን። እኳ ድኣ ተቐባል ጋሻ፡ ሠናይ ዚፈቱ፡ ገዛእ ርእሱ ገቲኡ ዚኽእል፡ ቅኑዕ፡ ቅዱስን ሥሩዕን ይኹን። ንሱ በቲ ቕኑዕ ትምህርቲ ምእንቲ ኺምዕድ፡ ነቶም ዚቃወምዎ’ዉን መልሲ ሂቡ ምእንቲ ኺኽእል፡ በቲ ዝተማህሮ እሙን ዝኾነ ቓል ይጽናዕ። (ቲቶስ፡ 1፡4-9)
እዚ ሥርዓተ ክህነትን ኣነባባራ ክህነትን እዚ፡ ነታ ሓዋርያዊ ውርሻ ሓሊያ ትነብር ዘላ ጥንታዊት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ንውሉድ ወለዶታት ክሳብ ሎሚ መምርሒኣ እዩ። እቲ ጐይታ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ምሳኻትኩም ኣየ ዝበሎ ንሓዋርያት እኳ እንተ ዀነ፡ መውዳእታ ጊዚኦም ስለ ዘይመጸ፡ እቲ ክሳዕ መወዳእታ ዝበሎስ ነዛ ሕጂ ዘላ ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ከም ዝዀነኣየጠራጥርን (ማቴ፡ 28፡20)።
ተኻፋልነት ምእመናን ኣብ ክህነት ክርስቶስ
ማሕበር ክርስቶስ ማለት ካብ ካህናታ ክሳዕ መእመናታ ዘጠቓለለት ስለ ዝኰነት ቤተ ክርስቲያን ተባሂላ ትጽዋዕ። እዛ ቤተ ክርስቲያን እዚኣ ድማ ኣብ ውሽጣ ኣገልጋልን ተገልጋል ኰይና ነብሳ ሰሪዓ ካብ ክርስቶስ ዘቆማ ክሳብ ካልኣይ ምጽኣቱ ሓድነታ ሓልያ ኣብ ክህነተ መንግሥቱ እናተሳተፈት ክትነብር እያ። ስለዚ ክርስቶስ “ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዂሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሀቦም። ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ፡ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም” (ዮሃ፡1፡12-13) ዝበሎም ምእመናን ብሳላ ጥምቀቶም ውሉድ ኣምላኽ ስለ ዝዀኑ ኣብ ክህነቱ ተሳተፉ እዮም። እዚ ተኻፋልነት ኣዚ ሓባራዊ ክህነት ምእመናን ተባሂሉ ይጽዋዕ። ክርስቲያናት በቲ ዝተቐበልዎ ጸጋ ጥምቀት ንእምነቶምን ተስፋኦምን ፍቕሮምን ኣማዕቢሎም ብቑዓት መሰኻኽር ክርስቶስ ይዀኑ። ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ክህነቱ ንኣመንቱ ብኽልተ መገዲ የሳትፎም። ብመስዋእቲ ርእሱን ብኣገልግሎት ቓል እግዚኣብሔርን ንነፍሲ ወከፍ ተኸታሊኡ ኣብኡ ከም ዘሳትፎ እንኪገልጽ
“ሽዑ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም ፡ ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ እሞ፡ ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ፡ ህይወቱ ቐቢጹ ፡ መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ”። (ማቴ፡ 16፡24)
እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይኣኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን። እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም። ህይወት ብመንፈስ እንተ ኣልያትናስ፡ ብመንፈስ ከኣ ንመላለስ (ገት፡5፡22-25)።
ኣብ ኣገልግሎት ቓል እግዚኣብሔር ከም ዘሳትፎ ኪገልጽ ከሎ ድማ “ኣብ ጸልማት ዝነገርኩኹም ብብርሃን ተዛረብዎ፡ ኣብ እዝንኹም ዝሰማዕኩምዎ ኸኣ ኣብ ናሕሲ ዄንኩም ስበኽዎ፡ (ማቴ፡ 10፡27)። ከመይ “ስለዚ ኣብ ቅድሚ ሰብ ንተኣመነኒ ዂሉ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክእመኖ እየ። ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኸሐደኒ ግና፡ ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ” (ማቴ፡ 10፡32-33) እቲ ነዚ ኵሉ ጾይሩ ዝኸኣለ ኪድሕን እዩ “ስለ ስመይ ከኣ ኲሉ ሰብ ኪጸልኣኩም እዩ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና፡ ንሱ ኺድሕን እዩ” (ማቴ፡10፡22) ስለዚ እቲ ብክርስቶስ ዚኣምን ብሓቂ ኣማናይ ከም ዝዀነ ብጕልበቱን ብንብረቱን’ውን ክሳዕ ጊዜ ሞቱ ብቓልን ብግብርን ኪምስክረሉ ኣለዎ። ሓዋርያ ዮሃንስ ኣብ ራእይኡ “ንሳቶም ከኣ፡ ተሐሪድካስ ብደምካ ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዐዲግካሉ ኢኻ፡ ንኣምላኽና ዚዀኑ መንግስትን ካህናትን ገቢርካዮም፡ ኣብ ምድሪ ድማ ኪነግሱ እዮም …” ከም ዝበለ ተመዝጊቡ ኣሎ (ራእ፡ 5፡9)
ምእመናን ዘቕርብዎ መስዋእቲ
መስዋእቲ ኩሉ ግዜ እንካን ሃባን ስለ ዝዀነ፡ እቲ ንመስዋእቲ ክርስቶስ ሃባ ኢሉ ዝቕበል ክርስቲያን፡ እንካ ዝብል ንመስዋእቲ ዝበቅዕ መንፈስ ህያብ ክህልዎ ይግባእ። ሓደ ክርስቲያን ካህን ይኹን ኣማኒ ዜቕርቦ መንፈሳዊ መስዋእትታት’ውን ከም ዘሎ፡ ሓዋርያ ጰጥሮስ ነቲ ንሕና እንስውኦ መስዋእቲ፡ “ንስኻትኩምውን፡ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፡ ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ኸተቕርቡ፡ ንቕዱስ ክህነት ዚኸውን መንፈሳዊ ቤት ተሀነጹ። እናበለ ሃባ ጥራይ ዘይኰነ ንቅዱስ ክህነት ዚኸውን መንፈሳዊ ቤት ተሃኒጽና፡ እንካ ከም ዘሎ ኣፍለጠና (1ጰጥ. 2፡5)። ካብቶም ንሕና እነቕርቦም ንቅዱስ ክህነት ዝበቕዑ መስዋእቲ ገለ እንተ ጠቐስና፡ ብስነ ምግባርና ንኣምላኽ ከነስምሮ እዩ። ንሳቶም ድማ
1. ብጸሎት፡ ብሕታውን፡ ስድራ ቤታውን፡ ብማሕበራውን እና ኣመስገና፡ እናወደስናን እናለመናን፡ ብጸሎት እንተ ጸናዕና ከነስምሮ ስለ ንኽእል እቲ ጽሑፍ፡ “ስለዚ፡ እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ኸም ዝረኸብኩምዎ እመኑ እሞ ኪዀነልኩም እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ።ደው ኢልኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም ድማ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ኺሕደገልኩም፡ ኣብ ብጻይኩም ገለ እንተ ኣሎኩም፡ ሕደጉሉ። ንስኻትኩም እንተ ዘይሓደግኩም ግና፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ድማ በደልኩም ኣይሐድገልኩምን እዩ”(ማር፡ 11፡24-26)።
2. ብጾም፡ ብሕታውን፡ ብስድራ ቤታውን፡ ብማሕበራውን እና ጾምና ከስምሮ፡እምበኣርሲ ሕጂውን ብጾምን ብብኽያትን ብቚዝማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ንሱ ንዂራ ደንጓዪ፡ ብሳህሊ ኸኣ ምሉእ፡ ብእከይ ድማ ተጠዓሳይ፡ ርሕሩሕን መሓርን እዩ እሞ፡ ክዳንኩም ኣይኰነን ልብኹም ደኣ ቕደዱ፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ተመለሱ።(ኢዮኤል 2፡12-13)።
3. ብዕሽር፡ ኣብ ቤተይ ምግቢ ኪኸውንሲ፡ ዕሽር ዘበል ዂሉ ናብ ቤት መዝገብ ኣምጽእዎ፡ ሽዑ መሳዂቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩም፡ በረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ እንተ ዘየፍሲሰልኩም፡ በዚ ተዐዘቡኒ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። (ሚል፡3፡10)
4. ብምጽዋት፡ “ስለዚ ኦ ንጉሥ፡ ምኽረይ ስማዕ። ቅሳኔት ዘለዎ ነዊሕ ዕድመ ኽትረክብ ምሕጣእ ሕደግ፡ ጽድቂ ግበር፡ ንድኻታት መጽውት፡ ሽዑ ሕድገት ኃጢኣት ክትረክብ ኢኻ” (ዳን፡ 4፡27)።
5. ብስግደት፡ ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግዱሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግብኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዮም ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ። (ዮሃ፡ 4፡24)
6. ብትሕትና፡ እቲ ኸምዚ ቘልዓዚ ርእሱ ዜትሕት፡ ንሱ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዚበልጽ (ማቴ፡18፡1፡4)
7. ብትዕግስቲ፡ ኣብታ ፍልጠት ከኣ ምግታእ ርእስኻ፡ ኣብቲ ምግታእ ርእስኻ ድማ ዓቕሊ፡ ኣብቲ ዓቕሊውን ፍርሃት እግዚኣብሄር፡ (2ጰጥ፡ 1፡6)
8. ብፍቅሪ፡ ነቲ ናይ ህይወት ዘለኣለም ዜብጽሕ ምሕረት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣናተጸቤኹም ንርእሲኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሐልውዋ (ይሁዳ 21) ዝብሉ እዮም።
ይቕጽል…
ዶ/ር ሽሞንዲ ኃይለ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ