S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጾምን ጸሎትን ስለ ቤተ ክርስቲያንናን ህዝብናን

“ዝጸበቦ እንተሎ ይጸሊ” (ያዕ 5፡13) ተባሂሉ ከምዝተጻሕፈ ቤተ ክርስቲያንና ተዋህዶ ብግዜ ጸበባ ይኹን ብእዋን ራህዋ ምስ እግዚኣብሔር ትራኸበሉን ትጠርዓሉን ጎደና-እምነት

ብጾም፥ ጸሎትን ምህልላን እዩ። ስለዝኾነ “ላም’ሲ ፍርቂ ጎድና ኣይትዓብር፥ ፍርቂ ጎድና ኣይትሃጥር” ከምዝበሃል ገለ ክጭነቕ ገለ ድማ ክሕጎስ፥ ገለ ክድግፍ ገለውን ክነቅፍ ብሓቂ ግቡእ ኣይኮነን። ስለዚ ምእንቲ ኹልና ክጥዕመና፥ ብሥጋን ነፍስን ክንረብሕ፥ ኣብ ውሽጥን ደገን ክንባረኽ፥ ኣምላኽ ድማ መዓትና ቀንጢጡ ፍቕርን ሰላምን ከውርደልና፥ እቶም ኣብ ኤርትራን ኣብ ኩሉ ኵርናዕ-ዓለምን እንርከብ ምእመናን ህዝቢ-ኣምላኽ ብሓባር ሰሚርና “ስለ ህዝብና፥ ስለ ቤተ ክርስቲያንናን ስለ ሃገርናን” ንሰለስተ (3) መዓልታት ጾምን ጸሎትን ክግበር መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ይጽውዕ። በዚ መሠረት ካብ ሓሙስ 6 ጥቅምቲ ክሳብ ቀዳም 8 ጥቅምቲ ጾምን ጸሎትን ክግበር ሰንበት 9 ጥቕምቲ 2014 ድማ ብጸሎተ ቅዳሴ ክዛዘም እዩ። እምበኣር

ስለ ሰላምን ዕርቅን ሓድነትን ቤተ ክርስቲያን ተዋ

ስለ ሕጋዊ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፥

ስለ ኩሎም እሱራትን ስዱዳትን ጭኑቓትን ህዝቢ ኤርትራ፥

ስለ ኩሎም ጳጳሳት፥ ካህናትን ዲያቆናትን፥

ስለ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ህዝብና፥ ጸሎት ጾምን ምህለላን ይገበር።

“ናባይ ተመለሱ፥ ኣነውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ” (ሚልክያስ 3፡7) ዝበለ ልዑል እግዚኣብሔር ኣምላኽና ጾምናን ጸሎትናን ተቐቢሉ መዓቱ ናብ ምሕረት ክልውጠልና ሠናይ ፍቓዱ ይኹን!!!

መንበረ-ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ
31 October 2014 (፳፩ ጥቅምቲ ፳፻፯ ዓ.ም ግእዝ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div