S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ክንሰምርን ክንባረኽን ሃረር ክንብል ይግብኣና

“እቲ ብመንፈሳዊ በረኸት ዘበለ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና ኣምላኽ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሩኽ ይኹን” (ኤፌ 1፡3 )

ኣምላኽ ምንጪ ኵሉ ጽቡቕ ውህበት ስለ ዝኾነ ንህዝቡ ይባርኽ እዩ። ኣምላኽ ሕያዋይ ስለ ዝኾነ ንህዝቡ ክባርኽ ኢዱ ኵሉ ጊዜ ምስ ተዘርግሐት እያ። ንህይወት ኢየሱስ ኣብ ምድሪ እንተርኤና ነፍሲ ወከፍ ንሱ ዝገበረን ተግባራት ናይ በረኸት ኣምላኽ ምንባሩ ዝምስክራ እየን ዝነበራ። ንኣናውን ናይ በረኸት ሰባት ክንከውን፡ ንኻልኦት ድማ ምኽንያት በረኸት ክንከውን እዩ ዝጸውዓና። ናትና ግብረ መልሲ ድማ ንሕና ናይ መን ሰዓብቲ ምዃንናን፡ ንውሽጥና ድማ መን ምዃኑ ይዛረበና። ኣምላኽ ንናይ ነነዌ ንስሓን ምምላስን ብናይ ይቕሬታን ምሕረትን እዩ መሊስዎ ዮናስ ግና ብሕርቃን መልሲ ሂቡሉ። ኣምላኽና ንናይ ካልኦት በረኸት ዓዳሊ ከሎ ዮናስ ግና ብኣንጻሩ ኔሩ። ኵሉ ድማ ኣብ መንጐ ኣምላኽን ዮናስን ዓብዪ ፍልልይ ከምዝነበረ የርእየና። ሰባት ብምኽንያት እቲ ናይ ካልኦት ሰባት በረኸት ክሪኡ ብዘይ ምድላዮም ንፍረ ጻውዒቶም ከስተማቕርዎ ብዘይምኽኣሎም ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ክርስቲያን ከም መጠን ጻውዒቶም ምስ ዝመላለሱ ክባረኹ እዮም። እቲ ዝዓበየ ንሕና ክንገብሮ ዝግብኣና ንበረኸት ካልኦት ምዕያይ ክኸውን ኣለዎ። ኣምላኽ ብምኽንያት፡ ንኣስራሒኻ ክባርኾ ይኽእል እዩ። ኣብ ሓደ ሓደ ኣጋጣሚ ከኣ ናብ ካልእ ቤት ኣቐይሩ ነቲ ሓድሽ ጐረቤትካ ምኽንያት በረኸቱን ምድሓኑን ክትኮኖ ይደሊ። ዝኾነ ነገር ብዘየገድስ ሰባት ብጻውዒት ከም ዝባረኹ፡ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ክንሰምርን ንሕና ድማ ተመሊስና ክንባረኽን ሃረር ክንብል ይግብኣና።(ሉቃ 2፡46፣ ዮሃ 1፡18፣ ምሳ 30፡4፣ ኤፌ 4፡8-10፣ ዮሃ 6፡38)

ኣስተንትን

1. ንምንታይ ኢና ሰባት ብምኽንያትና ክባረኹ ተጸዊዕና?

2. ንኻልኦት መታን ክትጠቅም ኣምላኽ መኣስ ኮን ንህይወትካ ተጠቒሙላ ይኸውን?

3. ንዘሎ ህይወትካ ጥራይ ክትባረኽ ምድላይካ እዚ እንታይ የመልክት?

ኣብ ኵሉ ስፍራ ምኽንያት በረኸት ክንከውን እግዚኣብሔር ዝተባረኸ ህይወት ክንነብር ክድግፈና ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መካነ-ህይወት

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div