S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ ዕዮኻ ቅኑዕን እሙንን ዲኻ?

“ንግዙኣት ነቲ ትምህርቲ እግዚኣብሔር መድሓኒና ምእንቲ ኺስልምዎ፡ ብዅሉ ደኣ ሕያወይቲ እምነት ኬርእዩ እምበር፡ መደሃሃቕቲ ኸይኰኑ ንጐይተቶም ዝግዝኡ ዳርግዳርጋ ዘይመልሱ ብዅሉ ባህ ዜብሉ ኪዀኑ ምዐዶም።” (ቲቶ 2፡9-10)

ብዙሕ ጊዜ ሰባት ኣብ ናይ ስራሕ ቦትኦም ከመይ ጌሮም ንጐይታ ከም ዝምስክርሉ ይሽገሩ እዮም። ኣብ ቦታ ስራሕ መሳርሕትኻ ዝኾኑ ሰባት ብዛዕባ ጐይታ ክትምስክረሎም ስሊኦም ክትጽልን ጾር ክህልወካ ኣዝዩ ሰናይ ነገር እዩ። ምኽንያቱ ከም ኣመንቲ እቲ ዝዓበየ ዕዮና ኣብዚ ምድሪ እዚ ወንጌል ጐይታ ንኻልኦት ምክፋል ስለዝኾነ። ግናኸ ኣብ ቦታ ስራሕ ክንመጽእ ከሎና ክርድኣና ዝግባእ ሓደ ሓቂ ኣሎ። ኣብ ቦታ ስራሕ መታን ክንሰርሕ ኢና ዘሎና፡ ኣብ ስራሕና እሙናት ከይኮንና እንተ መስከርና ግና ርዝነት ምስክርነት ነፍኩስ ኢና ዘሎና። ምስክርነትና ግና ከምዚ ክኸውን የብሉን። ክርስቲያን ሓለቓኦም ሓደ ነገር ክገብሩ ምስ ዝሓቶም ክእዘዙን፡ ብሕጉስ መንፈስን ብሩህ ገጽን ክገብርዎን እዩ ዘለዎም። ዕዮ ኣብ ዝተዋህቡሉ ጊዜ ከጉረምርሙ ኣይግባእን። ብተወሳኺ ባህርያቶም ንእሙንነትን ቅንዕናን ዝገልጽ ክኸውን ይግባእ። ኣብ ቦታ ስራሕካ ሕጉስ መንፈስ ተርኢ እንተኾንካ፡ ሓደ ነገር ክትገብር ኣብ ትሕተተሉ ጊዜ ዘይትታረኽ ምስ እትኸውን፡ ከምኡውን ኣብ ዕዮኻ ቅኑዕን እሙንን ምስ ትኸውን፡ ስራሕካ ሽታ ወንጌል እትምስክረሉ ናይ ስራሕ ቦታ ክኾነልካ እዩ። መሳርሕትኻን ሓለቓኻን ነቲ እትብሎ ከኽብርዎን ክቕበልዎን ድማ ገፊሕ ዕድል ክህሉ እዩ።(ኤፌ 6፡5፣ 1ጢሞ 6፡1፣ ቈሎ 3፡22፣ ኤፌ 5፡22)

ኣስተንትን

1. ኣብ ናይ ስራሕ ቦታኻ ብኸመይ ኢኻ ወንጌል ክርስቶስ ክትምስክር ዝግብኣካ?

2. ኣብ ስራሕካ ክብሪ መታን ክህልወካ ብእኣ ድማ ንመሳርሕትኻ ናብ ጐይታ ክተምጽእ ጸሊኻ'ዶ ትፈልጥ?

ኣብ ኵሉ ስራሕናን ኣብ ማእከል ሕብረተሰብናን ቅሉዓት ምስክር ጐይታ ክንከውን ምእንቲ ክንክእል፡ ጐይታ ህይወትና ክልውጥ ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መካነ-ህይወት 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div