S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መጸዋዕታ ንኹሎም ብጉዳይ ቅድስቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝግደሱ ውሉደ-ክህነትን ማኅበረ-ምእመናንን

በስመ-ኣብ፣ ወወልድ፣ ወመንፈስ-ቅዱስ፣ ኣሓዱ-ኣምላክ ኣሜን
ክቡራን ዉሉደ-ክህነት ምእመናንን!

ቤተ-ክርስቲያን ተዋህዶ ካብ ዝሓለፈ ሓያለይ ዓመታት ጀሚራ፡ ብኣዝዩ ጽንኩር ዝኾነ መድረኽ ትሓልፍ ምህላዋ ኩላትና እንፈልጦ ጉዳይ እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ፡ ቤተ-ክርስቲያን ካብቲ ክትኮኖ ዝግብኣ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ወጻኢ ኮይና ክትከይድ ስለ ዝተገደደት እያ። ስለዝኾነ ድማ ኣብዚ ሰዓት በቶም ብመንፈስ ቅዱስ ክመርሕዋ ዝተቐብኡ ፓትርያርክ ዘይኮነስ፣ ብናይ ፖለቲካ ሰበ-ሥልጣናት ብእተመዘዘ ውልቀ-ሰብ ከም እትምራሕ ስለ ዝተገብረ እዩ።

ከም ሳዕቤን እዚ ዝተባህለ ኩሉ ድማ፣ መንእሰያት ኣገልገልታ ገለ ተገዲዶም ከምዝዕስከሩ ስለዝተገብረ፥ ካልኦት ድማ በቲ ዘሎ ንምንባር ውሕስነት ዘይህብ ኩነታት ተደፊኦም፣ ከም ኩሉ ወዲ ሃገር ንስደት ከምርሑ ስለ ዝተገደዱ፥ ኣብዚ እዋን ብዙሓት ኣብያተ-ክርስቲያናትናን ገዳማትናን ዘገልግለን ስኢነን ኣብ ዝዕጸዋሉ ደረጃ በጺሐን ይርከባ ኣለዋ። እዚ ብዘይ ተካኢ-ትውልዲ ከትርፈና ዝኽእል ኩነታት ድማ፣ ንኹላትና ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ከቕስነና ይኽእል ዝበሃል ኣይኮነን።

ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ጥፍኣት ቤተ-ክርስቲያን ከኣ፣ ክዉን ኮይኑ ክርእዮ ዝደሊ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። ይኹን እምበር እቲ ደምበ ተዋሕዶና፣ ቅቡል ብዘይኮነ ምኽንያት ኣብ ክልተ ተኸፊሉ ይርከብ ምህላዉ ካብ ኩላትና ዝተሰወረ ኣይኮነን። እዚ ኸኣ ንኹላትና ዘጉህን ዘሕዝንን ናይ ታሪኽ ፍጻሜ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ብመሠረቱ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ፍቅሪ እምበር፣ ጽልእን ምፍልላይን ክህሉ ማንም ዝጽበዮ ኣይኮነን። ንሕና ኩላትና ብዘይ-ደለናዮን ብዘይ-ፈለጥናዮን መንገዲ ግና፣ ኣብ ክልተ ተኸፊልና ማዕዶ ንማዕዶ ኮንና ክንጠማመት ንርከብ ኣለና። በዚ ሕማቕ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ከኣ፣ እታ ኣደ ኩላትና ዝኾነት ቅድስቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፣ ንሓደጋ ተቓሊዓ ትርከብ ብምህላዋ ካብ ተሓታትነት ነጻ ክገብረና ዝኽእል ኣይኮነን።

ይኹን እምበር ንሕና ብወገንና ኣብ ትሕቲ ጽላል ፓትርያርክነት፣ ቅዱስ ኣቡነ-እንጦንዮስ ተጠርኒፍና እንረከብ ከም ምዃንና መጠን። ኣብቲ መሠረት ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዕና ምህላውና ስለ-እንኣምን፣ ካብዚ መሠረት ወጻኢ ካልእ ክንጥምቶ ዝግብኣና ፓትርያርክ የሎን። ነዚ ሓቂ ከኣ ክኽሕዶ ዝኽእል የልቦን ዝብል እምነት ዘሎና። ይኹን እምበር ኣቡነ-እንጦንዮስ ብሕይወት እናሃለዉ፣ ሕጊ ቤተ-ክርስቲያን ብምትሕልላፍ ካልእ ፓትርያርክ ንምሻም ዝተገብረ ዘይ-ቀኖናዊ ውሳኔ፣ ዝኾነ ጥዑይ ሕልና ዘለዎ ሰብ ይቕበሎ ክንብል ኣይንኽእልን።

ከመይሲ ቤተ-ክርስቲያን ብቀኖና እምበር፣ ብዓለማዊ-ሕጊ ወይ ኃይልታት-ፖለቲካ ብዝህቡዎ መምርሒ ክትምራሕ ዝግብኣ ኣይኮነትን። ካብ መሠረት መንበረ-ማርቆስ ወጻኢ ኮይና ክትርከብውን፣ እቲ ብቅድስና ዝፍለጥ ኣድማሳውን ጥንታውን ታሪኻ ዘፍቅደላ ኣይኮነን። ግዳስ እቲ ንመንነታ ዝገልጽ ሓቂ ደኣ ከምዚ ዝተባህለ ይኹን እምበር፣ ካብቲ ክትኮኖ ዝግብኣ መሥመር-ወጻኢ ክገብራ ዝደሊ ፖለቲካዊ-ኃይሊ ከምዘሎ ግን ክዝንጋዕ ኣይግብእን። ኣብዚ ኣበሃህላ ከኣ ኩሉ ዉሉደ-ክህነትና ይሰማማዕ ዝብል እምነት ዘሎና። ዝኾነ እንተኾነ ከኣ ነዚ ሓቂ ክኽሕዱ ዝደልዩ ውሉደ-ክህነት ይህልዉዮም ዝብል እምነት የብልናን።

እቲ ዘሎ ሓቂ እዚ ምዃኑ እናተፈልጠ ከሎ ግና፣ ንሕና ኩላትና ዉሉደ-ክህነት ተዋሕዶ ኣብ ክልተ-ደምበ ተኸፊልና ንርከብ ምህላውና ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ። ይኹን-እምበር መሠረትና ክርስቶስ ኢልና ክሳብ ዝኣመንና፣ ዝፈላልየና ነጥቢ ክህሉ ኣይምተገብአን። ነቲ ቤተ-ክርስቲያንና ንምፍራስ ብሰብ-ፖለቲካ ዝካየድ ዘሎ ረቂቕ-ተንኮል ክንነቕሓሉ ስለ ዘይከኣልና ግና፣ ኣብ ሓደ ኦርቶዶክሳዊ-ተዋሕዶ እምነት እናሃሎና፣ ከም ክልተ-ዘይፋለጡ-ጓኖት ኮንና ንርከብ ምህላውና፣ ክንደይ` ዘሕዝን እዩ። እዚ ዝኽየድ ዘሎ ማንታ-መንገዲ ከኣ ንመርገም እምበር ንበረኸት ክኾነልና ዝኽእል ኣይኮነን። ከመይሲ ኣብ ክርስቶስ ማንታ- መንገዲ ስለ-ዘየልቦ፣ ናይ ጳውሎስን ኣጵሎስን ኢና ብምባል ክንፈላለ ዝገብረና ምኽንያት ክህሉ ኣይግባእን።

ስለ እውን እቲ ንቅዱስ ኣቡነ-እንጦንዮስ ብምእሳር ዝተፈጸመ ቀኖና-ምጥሓስ፣ ብዝኾነ ተኣምር ሕጋዊ ኢሉ ከእምነና ዝኽእል ስለዘየልቦ፣ ክንነጽጎ እምበር ክንቅበሎ ዘኽእለና ዝኾነ ይኹን ምኽንያት ኣሎ ኣይንብልን። ስለዚ ከኣ ኢናዘኣበዮ ለእንጦንዮስ ኣበዮ ለመንፈስ-ቅዱስብምባል፣ ኣብቲ ምስ መንበረ-ማርቆስ ዘራኽበና ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዕና ንርከብ ዘሎና። ሃይማኖተይ የፍቅር ዝብል ዝኾነ ይኹን ኦርቶዶክሳዊ ድማ፣ ካብዚ መሥመር ወጻኢ ኮይኑ ክርከብ የንእዶ ክንብል ኣይንኽእልን። ስለ ዝኾነውን እቲ ቀንዲ ንምፍልላይ ምኽንያት ኮይኑ ተረኺቡ ዘሎ እዚ ነጥቢ ስለ ዝኾነ፣ ካብ ደቂቀ-እንጦንዮስ ኢና ምባል ካልእ ኣማራጺ ኣሎ ዝብል እምነት የብልናን።

ከምኡ እንተ ዘይከውን ነይሩ፣ እቲ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ብምእሳር ዝተፈጸመ ሽመት፣ በተን ኣኅዋት ዝኾና ናይ ኦሪየንታል ኣብያተ-ክርስቲያናትን፣ ዓለም-ለኸ ጉባኤ ቤተ-ክርስቲያንን ኣፍልጦ ስኢኑ ክንጸግ ኣይምተረኽበን። ስለዚ ከኣ ማኅበረ-ሰብ ዓለም ናይ ኤርትራ ሕጋዊ-ፓትርያርክ ኣቡነ-እንጦንዮስ ጥራይ እዮም፣ ኣብ ዝብል ኣቕዋም ጸኒዑ ዝርከብ ዘሎ። ካብዚ ሓቂ ርሒቕካ ከኣ ምስ እግዚኣብሔር ኅብረት ኣሎኒ ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን።

ስለዚ ነዚ ዓለም ብዓለሙ ዝነጸጎ ብጸቕጢ-ፖለቲካ ዝተገብረ፣ ንኣቡነ-እንጦንዮስ ንምእላይ ዝተፈጸመ ግህሰተ-ሕጊ፣ ዓይንኻ ዓሚትካ ምቕባሉ ብሓላፍነት ዘሕትት ገበን ምዃኑ ዘይንፈልጥ ክንከውን ኣይግባእን። እቲ ሓቂ እዚ ምዃኑ እናተፈልጠ ከሎ ግን፣ እቲ ዉሉደ-ክህነትና ኣብ ክልተ ተኸፊሉ ይርከብ ምህላዉ ዘሕዝን እዩ። እዚ ከኣ ብእግዚኣብሔር ዘሕትት በደል ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ካብ ናይ ታሪኽ ተሓታትነትን ናይ ሕልና ወቐሳን ነጻ ክገብረና ዝኽእል ኣይኮነን። ስለዚ ናብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት መንበረ-ማርቆስ ክንእከብ፣ እቲ ዘሎ ህልው ኩነታት ቤተ-ክርስቲያን ይግድደና እዩ። ከመይሲ ከምቲ ቃል-ኣምላኽሓደ ኣገልጋሊ ንኽልተ ጎይቶት ክግዛእ ኣይኮነሉን እዩዝብሎ፣ ንሕና ዉሉደ-ክህነትውን ሕጂ ንኣምላኽን ንዓለምን ከነገልግል ኣይንኽእልን ኢና (ማቴ፣6,24)

ስለዚውን ንሕና ኩላትና ከም ዉሉደ-ክህነት መጠን፣ ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ እሙናት ኮንና ክንርከብ እቲ ጼርናዮ ዘሎና መስቀል ስለ-ዝግድደና፣ ምእንቲ ሓቂ ክንብል እቲ ኩሉ ዝሕተት ዋጋ ክንከፍል ከምዝግበኣና ክንዝንግዕ ኣይግባእን። ከምቲ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍብዛዕባ ዝመጸካ መከራ ኣይትፍራህ፣ ክሳብ መወዳእታ እሙን ኩንዝብሎ፣ ንሕና ድማ ኪኖ ግዚያዊ-ፈተና ሓሊፍና፣ ናይ ቤተ-ክርስቲያን መጻኢ ዕድል ብምጥማት፣ ናብቲ ናይ ጥንቲ ቅድስናኣን ክብራን ክንመልሳ ንኩላትና ዝምልከት ክህነታዊ ሓላፍነትና እዩ (ራእ፡2/10)

ክቡራን ኣኅዋትና !         

እቲ ትማሊ ዝኾነ ኩሉ ንታሪኽ ገዲፍና፣ ንቕድሚት ኣቢልና ንጠምት። እታ ኣደ ኩላትና ዝኾነት ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያን ዘላቶ ኩነታት ድማ ምልስ ኢልና ንርአ። ንህልውናኣ ኣብ ዝፈታተን ከቢድ ሓደጋ ትርከብ ከምዘላ ድማ ክንርኢ ኢና። እምበእር ሕጂ ፍልልያትና ንድሕሪት ገዲፍና ተቐራሪብና ንሰርሓሉ ደኣምበር፣ ነንሓድሕድና እናተወቓቐስና ኣብ ሓሸውየ እንነንብረሉ ጊዜ ኣይኮነን። ጸላእቲ ቤተ-ክርስቲያን እንታዎት ምዃኖም እናፈለጥናዮም፥ ስለምንታይ ኢና ንሕና ማዕዶ ንማዕዶ ክንጠማመት እንነብር-?!

ብዝተረፈ እቲ ጸልማት ለይቲ ዝወግሓሉ ግዜ ርሑቕ ከምዘይኮነ፣ ምድሪ ናይ ምውግሑ ምልክት ይርአ ኣሎ። ኣብዚ ትስፍው ናይ ሎሚ መድረኽ ኮንና ከኣ እታ ናይ ጽባሕ ቤተ-ክርስቲያን፣ ብዓይኒ ሕልና ንርእያ ኣሎና። ኣምበኣርከስ እዚ ሕጂ እንርከቦ ዘሎና ግዜ፣ ንህንጸት ደኣምበር ንዘረባን ንህልኽን ዝጠፍእ ግዜ ክህልወና ኣይግባእን። እዚ ከኣ እግዚኣብሔር ኣይከብረሉ ንሕና ከኣ ኣይንባረኸሉን ኢና። ስለዚ ሰላምን ፍቕርን ኣምልኮተ-እግዚኣብሔርን ዝዓዘዛ ቤተ-ክርስቲያን ዳግም ኣብ ምህናጽ፡ ሓቢርና ክንሰርሕ ብስም ኩሉ ዝኽእል ሕያው እግዚኣብሔር-ኣምላኽ ንጽውዕ ኣሎና።

ስለዚ ድማ ኩልኹም እቶም ኣብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት እትርከቡ እሞ፡ ነቲ ቀኖና ቤተ-ክርስቲያን ጥሒሱ ብሓደ-ጭዋ ዝምራሕ ዘሎ መለካዊ-ሲኖዶስ ክትስዕቡ ትርከቡ ዘለኹም ውሉደ-ክህነት። ሕልናኹም ክኣምኖን ኽቕበሎን ኣብ ዘይክእል ኣገልግሎት ምቕጻል፣ ንረብሓኹም ኽኸውን ይኽእል ዝብል እምነት ስለ-ዘይብልና፣ ነዚ ነቕርቦ ዘሎና መንፈሳዊ-ጻውዒት ብንጹህ ልቢ ክትቅበሉዎ፣ ዘሎና ተስፋ ዓቢይ እዩ። እምበኣር ኩላትና ኣብ ጸሎት ንሕበርሞ፣ እቲ ሕያው ኣምላኽ ድማ መንገዲ ዓወትን ፍቕርን ክመርሓና እዩ። ብዝተረፈ  ኣብ ሰማያት ንእግዚኣብሔር ክብሪ! ሰላም ድማ ንደቂ-ሰብ ኣብ ምድሪ ይኹን! ኣሜን። 

እግዚኣብሔር ኣምላኽ፡

ንሃገርናን ንኹሉ ዓለምን ይባርኽ

ንሳልሳይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ብጥዕና ይሓልወልና

ስብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል፣ ወለወላዲቱ ድንግል፣ ወለመስቀሉ ክቡር።

መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን።

Posted on August 4, 2014

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div