ብ5 ሚያዝያ 2014 (መጋቢት 27, 2006) ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ተመሪሑ ክብረ በዓል ደብረ ግእዛን መድኃኔ ዓለም ኣትላንታ፥ ብክብ ዝበለ ድምቀት ተኸቢሩ። ድሮ ብዋዜማ ዝተጀመረ ኣገልግሎት ለይቲ ካብ ሰዓት 3:00 ወጋሕታ ጀሚሩ ብማኅሌት ዝሓደረ ኣገልግሎት ንጉሆ ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝተመርሐ ቅዳሴ ተኻይዱ። ድሕሪ ዑደት ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ሰፊሕ ትምህርቲ ሂቦም በዚ ድማ ጉባኤ ተዛዚሙ።
ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብዚ ዕለትዚ'ውን ንዲያቆን በረኸት ደባስ፥ ቀሲስ ማርቆስ ብዝብል ናይ ክህነት ስም መዓርገ ክህነት ክቐብእዎ እንከለዉ፥ 2 መንእሰያት ብመዓርግ-ዘመርቲ: ካልኦት 5 መንእሰያት ድማ ብመዓርግ ኣንበብቲ (ኣናጉንስጢስ) ቀቢኦሞም።
ቀሲስ ማርቆስ ደባስ፡ ካብቶም ብቕድስና ቀኖናዊ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ፥ ተመሪሖም ዝኸዱን፥ ብመንፈሳዊ ትምህርቲ ኣብ ዝተፈላለየ ገዳማት ኤርትራ ዝተማህሩን ዘገልገሉን፥ ትጉህ፥ እሙን ሓደራ ክህነት ክጾሩ ዝኽእሉ ካህን ብምዃኖም ንቤተ ክርስቲያንና ዓቢይ ኣገልጋሊ ካህን እዮም። ኣምላኽ ድማ ኣብ ኩሉ መንፈሳዊ ጉዕዞኦምን ኣገልግሎትምን ዓወትን ኣሳልጦን ኪህቦም ናይ ወትሩ ጸሎትና እዩ።
ስእሊ ንምርኣይ ኣብዚ ተወከስ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ