S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ደሃይ ደቂቀ እንጦንዮስ

ደቂቀ እንጦንዮስ ዝብል ግሩም መንፈሳዊ መጸውዒንመጀመርታ ግዜ ኣብ መፋርቕ 2005 . እዩ ብወግዒ ጀሚሩ። እዚ ከኣ በቲ ሽዑ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሕጋዊ 3 ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝተፈጸመ ናይ ዓመጽን ጎነጽን፡ ዘይሕጋዊ ምውራድ ፓትርያርክን ምእሳር ብሉጻት ሊቃውንቲ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንናን ዓገብ ንምባል፥ ኩሉ ኣማኒ ተዋሕዶ ድማ ልዕልና ሓዋርያዊ ሕግን መንፈሳዊ ሓቅን ፈሊጡ፡ ኣብ ጎድኒ እሙናት መንፈሳውያን መራሕቱን ኣብ ቀጽሪ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያኑን ብቅኑዕ እምነትን ኦርቶዶክሳዊ ሕብረትን ብነጻ ንኽነብር ዝተጀመረ ጎስጓስ ሓቅን ጽድቅን እዩ።

"ንሓቂ ደው ዝብለላ እንተ ተረኺቡ፥ ዝሞተላውን ኣይትስእንን እያ!" ከም ዝበሃል መንፈሳዊ ጉዕዞ ደቂቀ እንጦንዮስ ከኣ በቶም ኣብ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ኣትናቴዎስ መንፈሳዊ ኮለጅ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ልዑል ትምህርቲ ሥነ-መለኮት ክመሃሩ ዝጀመሩ፡ ልዕሊ 20 ዝኾኑ ኦርቶዶክሳውያን ውሉደ-ክህነትን መንእሰያት ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበትን ኣብ ትሕቲ ጽላል ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ እዩ ብወግዒ ጀሚሩ። በብእዋኑ ከኣ ኣብ ኤርትራ ይኹን ኣብ ካልኦት ክፍለ-ዓለማት ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣመንቲ ተዋሕዶ፡ ንሓቂ ሓዝዋ፡ ሓቂ ድማ ሓራ ከተውጽኣኩም እያ! ዝብል ትእዛዝ ክርስቶስ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ መገዲ-ሓቅን ጽድቅን ኣየናይ ምዃኑ እናበርሀን እናሰፍሐን ክሳብ ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን ገና ብጽቡቕ ይቕጽል ኣሎ።

በዚ መሠረት እምበኣር ደሃይ ደቂቀ እንጦንዮስ ክንብል ከሎና፥ ደሃይ ናይ ኩሎም ቅኑዓት ሰዓብቲ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብዛ ናይ መከራን ፈተናን እዋን ከኣ ብሰንኪ ቅኑዕ ኦርቶዶክሳዊ እምነቶም፥ ዝሽገሩን ዝእሰሩን፥ ዝጽረፉን ዝግረፉን፥ ዝስጎጉን ዝስደዱን ዘለዉ ኤርትራውያን ካህናት ይኹኑ ዲያቆናት፥ መዘምራን ይኹኑ ምእመናን ዝጥርንፍ ሰፊሕ መጸውዒ ስም እዩ። 3 ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ከኣ ወኪል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ሓዋርያዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን እዮም። ሕድሪ ሃይማኖት ዘጽንዑ እሙን ሰዓቢ ክርስቶስ ምዃኖም ድማ ከምቲ ብቓሎም ኣብ ቅድሚ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ብሓዋርያዊ ማሕላ በትሪ-ጉስነት ዝተረከቡ፥ ብግብሮም ድማ እሙን ጓሳ ተዋህዶ ብምዃን ንልዕሊ 8 ዓመት ብማእሰርትን ስቅያትን ካብ ቤተ ክርስቲያንን ቁርባንን፥ ካብ ህዝቦምን ገዳሞምን ተነጺሎም ምእንቲ ክብሪ ኣምላኽ ብሰማዕትነት በጃ ዝሓልፉ ዘለዉ ርህሩህ ኣቦና እዮም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ደቂቀ እንጦንዮስ በብዘለዉዎ ሃገራትን ኣኅጉረ ስብከታት እናተጠርነፉ ንመንፈሳዊ ዕላማን ኦርቶዶክሳዊ ረብሓን ክብሉ ብሉጽ ስራሕን መንፈሳዊ ምንቕቓሕን ይገብሩ ኣለዉ። ሓደ ካብኡ ንምጥቃስ እቲ ብሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ድሮ ተጀሚሩ ዘሎተዋሕዶ መንፈሳዊ ኮለጅ ብደገፍ እግዚኣብሔርን ጸሎት ቅዱስ ኣቦና እንጦንዮስን ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ እናተመርሐ ንካልኣይ ዓመቱ ልዕሊ 160 ተመሃሮ ጠርኒፉ ብጽቡቕ ይቕጽል ኣሎ። እዚ ከኣ ከምቲ ጎይታ ባዕሉኬድኩም ፍረ ምእንቲ ክትፈርዩን፡ ፍሬኹምውን ምእንቲ ነባሪ ኪኸውን ሸምኩኹም”(ዮሓ 1516) ዝበሎ፡ እቲ በብቦትኡን ኣብ አእዋኑን ብደቂቀ እንጦንዮስ ዝዕመም ዘሎ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ቆጽሊ ጥራይ ዘይኮነስ ፍረ ዝህብን ፍሪኡውን ገሊኡ ሠላሳ፥ ገሊኡ ስሳ፥ ገሊኡ ኸኣ ሚእቲ ፐርሰንት ፈርዩ፡ ሠናይ ዕዮ ወንጌል ምዃኑ ብጣዕሚ ባህ ዘብልን ተስፋ ዘስንቕን እዩ። 

እምበኣር ሕጂውን ኩሎም ደቂቀ እንጦንዮስ ብቅድስና ጸሎተ-ቡራኬ 3 ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝምርሑ፥ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ይኹን ኣብ ወጻኢ ኣብ ኩሉ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ፡ ኣንጻር ሓሶትን ኃጢኣትን ዝቃለሱ፥ ክብሪ እግዚኣብሔርን ክብሪ ሰብን ዝርድኡ፥ ንልዕልና ሕግን ሓቅን ዝግዝኡ፥ ብመሠረት ትእዛዝ ጎይታና (ማር 1217) እቲ “ናይ እግዚኣብሔር ንእግዚኣብሔር፥ ናይ ቄሳር: ንቄሳር ዝህቡ ቅኑዓት ኣመንቲ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን እዮም። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ቅኑዕ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ኣነ መንፈሳዊ ኣባል ደቂቀ እንጦንዮስ እየምእንቲ ኦርቶዶክሳዊ እምነትን ሠናይ ተግባራትን ድማ ዓቅመይ ዝፈቕዶ ዕዮ ከበርክት ቅሩብ እየ ንምባል ፍርሕን ሕፍረትን ክስምዖ ኣይግባእን። ስለምንታይሲ ሓዋርያ ጴጥሮስ ኣቐዲሙሓደ እኳ ካባኻትኩም ቀታሊ ወይ ሰራቒ፥ ወይ ገባር ክፉእ፥ ወይ ኣብ ነገር ካልኦት ኢዱ ዘእቱ ብምዃኑ ስቓይ ዚቕበል ኣይሃሉኹም። ክርስቲያን ብምዃን እንተ ተሳቐየ ግና ስለ እዚ ስም እዚ ንኣምላኽ የመስግን እምበር ኣይሕፈር (ጴጥ 415-16) ዝብል ትእዛዝ ሓዲጉልና ስለ ዘሎ።

ኣብ መደምደምታ "ጸበባ ኣይትኸውንን ክንዲ ራህዋ" ከም ዝበሃል እዚ ዘሎናዮ እዋን ፈተና ብርግጽ ብሓይሊ ኣምላኽ ቀልጢፉ ክልወጥን ክሓልፍን እዩ። ኩምራ ሓሶትን ብዙሕ ሓጢኣትን እንተ ተኣከቡ ድማ ንዘንጊ-ሓቅን ሕግን ክስዕሩ ፈጺሞም ኣይክእሉን እዮም። ስለዝኾነ ኣብዚ ኣገዳሲ እዋን ሱባኤ ዓቢይ ጾመ-ኣርብዓ ልምድን ትእዛዝ ቤተ ክርስቲያንን ኮይኑና ጥራይ ዘይኮነስ እቲ እግዚኣብሔር ዝፈትዎ ጾም ኣየናይ ምዃኑ ተረዲእና፥ ብመዓልቲ ጾምኩምሲ ተግባርኩም ኢኹም እትገብሩ ዘሎኹም ከይብለና ተጠንቂቕና፥ ክዳንና ዘይኮነስ ልብና ኣንጺህና ንኣምላኽ ንለምን። ልዑል እግዚኣብሔር ጾምና ባሪኹ ኣብ ብርሃነ ትንሣኤ ብሰላም የብጽሓና!

መከራና ኣብ ምድሪ ዓስብና ኣብ ሰማይ!!!

ደቂቀ እንጦንዮስ ተዋሕዶ መንፈሳዊ ኮሌጅ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div